ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሓዳስ ዓለም ንእትረኽቦ ህይወት ካብ ሕጂ ተዳለወሉ

ኣብ ሓዳስ ዓለም ንእትረኽቦ ህይወት ካብ ሕጂ ተዳለወሉ

“ሰናይ ኪገብሩ፡ . . . በዚ ኸምዚ ኸኣ ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዖም ምእንቲ ኺሕዝዋስ፡ . . . ኣዝዞም።”—1 ጢሞ. 6:18, 19

መዝሙር፦ 43, 40

1, 2. (ሀ) እንታይ ኣብ ምድራዊት ገነት ዚፍጸም ስጋዊ በረኸት ኢኻ ብዝያዳ ሃረር ኢልካ እትጽበ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ መንፈሳዊ በረኸት እዩ ኺህሉ፧

“ናይ ሓቂ ህይወት።” እዘን ቃላት እዚአን ንመብዛሕትና ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ኣብ ምድራዊት ገነት ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እየን ዜዘኻኽራና። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ፡ ን“ናይ ዘለኣለም ህይወት” ምስ “ናይ ሓቂ ህይወት” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19 ኣንብብ።) ነባሪ ዕግበትን ሓጐስን ዘለዎ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢና እንጽበ ዘለና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኽንነቅሕ ከለና፡ ምሉእ ዝዀነ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ሒዝና ኽንትንስእ ከለና እንታይ ከም ዚስምዓና ሕጂ ኽንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና። (ኢሳ. 35:5, 6) ምስ እነፍቅሮም ብጾትናን ምስ ፈተውትናን፡ እንተላይ ምስቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሓቢርና ግዜ ኸነሕልፍ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ምዃኑስ ሕስብ እሞ ኣብሎ! (ዮሃ. 5:28, 29፣ ግብ. 24:15) ሽዑ፡ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት፡ ሙዚቃ፡ ስነ ጥበብ፡ ወይ ካልእ ዓውዲ ፍልጠት ንዘሎና ኽእለት ከነማዕብሎ ኣጋጣሚ ኺህልወና እዩ።

2 ነዚ ጽቡቕ ነገራት እዚ ኽንረኽቦ ንምነ እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ዝበለጸ በረኸት ግና፡ መንፈሳዊ በረኸት እዩ። ስም የሆዋ ኸም እተቐደሰን ልዑላውነቱ ኸም እተረጋገጸን ምፍላጥሲ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን ኪኸውን እዩ! (ማቴ. 6:9, 10) እቲ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዚምልከት ናይ መጀመርታ ዕላማ የሆዋ ኺፍጸም ክንርኢ ኸለና ኽንሕጐስ ኢና። ናብ ፍጽምና እናቐረብና ኽንከይድ ከለናን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ፍጹማት ምስ ኰንናን ንየሆዋ ኽንቀርቦ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚቐለናስ ሕሰብ እሞ ኣብሎ!—መዝ. 73:28፣ ያእ. 4:8

3. ሕጂ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንዳሎ ዘሎና፧

3 የሱስ፡ “ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” ብምባል ስለ ዘረጋገጸልና፡ ነዚ በረኸት እዚ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 19:25, 26) ግናኸ፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም፡—ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስን ብድሕሪኡን—ክንነብር ንጽበ እንተ ዄንና፡ ሎሚ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ‘ኣጽኒዕና ኽንሕዛ’ ኽንጽዕር ኣሎና። ንመወዳእታ እዛ እክይቲ ዓለም እናተጸበና፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት ምእንቲ ኽንዳለወሉ፡ ሕጂ ኣወንታዊ ስጕምታት ክንወስድ ኣሎና። ኣብዚ እኩይ ስርዓት ዓለም እናነበርና ኸምዚ ኽንገብር እንኽእል ግና ብኸመይ ኢና፧

ብኸመይ ከም እትዳሎ

4. ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት ብኸመይ ክንዳለወሉ ኸም እንኽእል ዜብርህ መረዳእታ ሃብ።

4 ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት ብኸመይ ኢና ኽንዳለወሉ እንኽእል፧ ንመረዳእታ፡ ናብ ካልእ ሃገር ክንግዕዝ መደብ ጌርና ኣሎና ንበል። እሞኸ ነዚ ለውጢ እዚ ብኸመይ ኢና ኽንዳለወሉ እንኽእል፧ ቋንቋ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ሰባት ክንመሃር ንጅምር ንኸውን። ብዛዕባ ባህሎም ምፍላጥና ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንገሊኡ ዓይነት ምግቦም እውን ንጥዕሞ ንኸውን። ብእተወሰነ ደረጃ፡ ልክዕ ከም ነበርቲ እታ ሃገር ኴንና ኽንነብር ንጅምር ንኸውን። ከመይሲ፡ ኣብታ ሃገር ምስ ከድና ኸምኡ ዓይነት ናብራ ኽንነብር ኢና እንጽበ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት እውን፡ ሕጂ ልክዕ ከምቲ ሽዑ ኺህልወና እንጽበዮ ህይወት ብምንባር፡ ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ኽንዳለወሉ ንኽእል ኢና። በዚ መዳይ እዚ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ንርአ።

5, 6. ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ተገዛእቲ ምዃንና ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት ንኽንዳለወሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

5 ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ልዑላውነት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪረጋገጽ እዩ። እዝስ ምስቲ ኣብዛ ሎሚ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዘሎ ዓለም ዚርአ ብገዛእ ርእስኻ ናይ ምምሕዳር መንፈስ ኪነጻጸር ከሎስ ኣየ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን ኪኸውን እዩ! ገሊኦም ሰባት ብርእስኻ ምምሕዳርን ብምርጫኻ ጥራይ ተመሪሕካ ምኻድን ዝሓሸ ዀይኑ ዚስምዖም እኳ እንተ ዀነ፡ ውጽኢት ናይዚ እንታይ እዩ፧ መምርሒ ኣምላኽ ዘይምቕባል፡ ስቓይን መከራን ሓዘንን እዩ ኣስዒቡ። (ኤር. 10:23) ነቲ ዅሎም ደቂ ሰብ ነቲ ፍቕራዊ ዝዀነ ልዑላውነት የሆዋ ዚግዝኡሉ ግዜ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ።

6 ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣብ ትሕቲ ስርዓት የሆዋ ዄንና፡ ንምድሪ ኸነጸብቓን ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ሰባት ክንምህሮምን ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዜውጽኦ ስርዓታት ብምሕላው ከም ፍቓዱ ኽንመላለስን ከለና ኽንሕጐስ ኢና። ይኹን እምበር፡ ዘይንፈትዎ ስራሕ ክንዓዪ መምርሒ እንተ ዚውሃበናኸ እንታይ ኢና እንገብር፧ ነቲ ዕዮ እቲ ብእተኻእለና መጠን ባህ ኢሉና ኽንዓይዮ ብምጽዓር ንዚውሃበና መምርሒ ንግዛእ ዲና፧ መብዛሕትና ‘እወ’ ኢልና ኢና እንምልስ። እምበኣር፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ንቲኦክራስያዊ መምርሒ ንግዛእ ዲና፧ ንግዛእ እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሆዋ ዚርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንዳለወሉ ኣሎና ማለት እዩ።

7, 8. (ሀ) ናይ ምትሕብባር መንፈስ ከነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ገሊኦም ክርስትያናት እንታይ ለውጥታት እዮም ኣሕሊፎም፧ (ሐ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት፡ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

7 ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት ክንዳለወሉ እንኽእል፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓታት የሆዋ ተገዛእቲ ብምዃን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዘሎካ ዓጊብካ ናይ ምንባር ባህርን ናይ ምትሕብባር መንፈስን ብምምዕባል እዩ። ሎሚ በቲ እተዋህበና ሓድሽ ዕዮ ኣገልግሎት ዓጊብናን ተሓጒስናን ብምንባር ምስቶም ዚመርሑና ንተሓባበር እንተ ዄንና፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም እውን ከምኡ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኺህልወና እዩ። (እብራውያን 13:17 ኣንብብ።) ኣብ ምድሪ ተስፋ፡ ርስቲ እስራኤላውያን ብዕጫ እዩ ተመቒሉ። (ዘሁ. 26:52-56፣ እያ. 14:1, 2) ሎሚ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ሓድሽ ስርዓት ዓለም ኣበይ ክንነብር ከም እንምደብ ኣይንፈልጥን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ምድሪ ንንበር ብዘየገድስ፡ ፍቓድ የሆዋ ብምግባር ንተሓባበር እንተ ዄንና፡ ዕግበትን ብዙሕ ሓጐስን ክንረክብ ኢና።

8 ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ምንባር ኣዝዩ ፍሉይ መሰል ስለ ዝዀነ፡ ሕጂ ብእተኻእለና መጠን ምስ ውድብ የሆዋ ኽንተሓባበርን ንእተዋህበና ቲኦክራስያዊ ዕዮ ክንፍጽምን ይግባእ። ይኹን እምበር፡ ምስ ግዜ፡ ኵነታትና ኪቕየር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ካብ ቤት-ኤል ወጺኦም ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ኪዓይዩ ተመዲቦም እዮም። እዚኣቶም ኣብ ገሊኡ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እናዓየዩ ብዙሕ በረኸት ይዓጽዱ ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ ዕዮ መገሻ ዝነበሩ ኸኣ ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ ወይ ብኻልእ ምኽንያታት፡ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ተመዲቦም እዮም። ብዘሎና ዓጊብና ናይ ምንባር ባህርይ ነማዕብል፡ ሓገዝ ኣምላኽ ክንረክብ ንጽሊ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከኣ ብእተኻእለና መጠን ንዓዪ እንተ ዄንና፡ ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ክንሕጐስን ብዙሕ በረኸት ክንረክብን ኢና። (ምሳሌ 10:22 ኣንብብ።) ብዛዕባ መጻኢናኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣብቲ ኽንነብረሉ እንደልዮ ቦታ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ክንነብር እንተ ንምደብከ፧ እንነብረሉ ቦታ ኣበይ ምዃኑ ወይ እተመደበልና ዕዮ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ዓጊብናን ተሓጒስናን ከም እንነብር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ነህ. 8:10

9, 10. (ሀ) ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ትዕግስቲ ኸነርእየሉ ዜድልየሉ መዳያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ዕጉሳት ምዃንና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

9 ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ሓድሓደ ግዜ ትዕግስቲ ኸነርኢ ዜድልየሉ ዅነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ኣዛማዶምን ፈተውቶምን ካብ ምዉታት ብምትንሳኦም ይሕጐሱ ኸም ዘለዉ ንሰምዕ ንኸውን። ንሕና ግና እነፍቅሮም ሰባት ካብ ምዉታት ክሳዕ ዚተንስኡ ኽንጽበ የድልየና ይኸውን። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙና፡ ምስቶም ዚሕጐሱ ብምሕጓስ ንዕገስ ዲና፧ (ሮሜ 12:15) ሕጂ ተስፋታት ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ብትዕግስቲ ምጽባይና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ዕጉሳት ንኽንከውን ኪሕግዘና እዩ።—መክ. 7:8

10 ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘሎና ምርዳእ ምትዕርራያት ምስ ዚግበር፡ ዕጉሳት ብምዃን እውን ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት ክንዳለወሉ ንኽእል ኢና። እሞኸ፡ ሕጂ ነቲ ሓድሽ ትምህርቲ ነጽንዖ፡ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረዲኡና ኸኣ ብትዕግስቲ ንጽበ ዲና፧ ከምዚ ንገብር እንተ ዄንና፡ የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ነቲ ኻብ ደቂ ሰብ ዚጽበዮ ብቕዓታት ኬፍልጠና ኸሎ ንኽንዕገስ ኣይኪጽግመናን እዩ።—ምሳ. 4:18፣ ዮሃ. 16:12

11. ኣብዚ ግዜ እዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሰብኣዊ ርክባት እንታይ እዩ ዚምህረና ዘሎ፧ እዚኸ ኣብ ሓዳስ ዓለም ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧

11 ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ንኽንዳለወሉ ዚሕግዘና ኻልእ ባህርይ ከኣ፡ ይቕረ ናይ ምባል መንፈስ እዩ። ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ፡ ጻድቃንን ሓጥኣንን ባህርያት ዘይፍጽምና ንምጥፋእ እተወሰነ ግዜ የድልዮም ይኸውን። (ግብ. 24:15) እሞኸ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንሓድሕድና ብፍቕሪ ይቕረ ንባሃሃል ዲና፧ ሕጂ ብናጻ ይቕረ ንብልን ጽቡቕ ርክብ ነማዕብልን እንተ ዄንና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምኡ ምግባር ኪቐልለና እዩ።—ቈሎሴ 3:12-14 ኣንብብ።

12. እቲ ኣብ ዚመጽእ ኪፍጸም እንጽበዮ ነገራትን እዚ ሕጂ ዘሎና ህይወትን እንታይ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ግለጽ።

12 ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ እንደልዮ ዘበለ ነገራት፡ ኣብ ዝደለናዮ ግዜ ወትሩ ንረክብ ኢና ማለት ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ፍቕራዊ ሉዓላውነት የሆዋ እናተገዛእና፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት መማሰውትን ዕጉባትን ኴንና ኽንነብር ኬድልየና እዩ። ሽዑ እውን ነቲ ሕጂ የሆዋ ኸነማዕብሎ ዚምህረና ዘሎ ባህርያት ክንትግብሮ ኼድልየና እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት እናተጸበና ኻብ ሕጂ ኣትሒዝና ንዳሎ እንተ ዄንና፡ ነቲ ንዘለኣለም ከነንጸባርቖ ዜድልየና ባህርያት ከነማዕብል ኢና። እዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ እታ “እትመጽእ ዓለም” ንዘላትና እምነት ዜደልድላ እዩ። (እብ. 2:5፣ 11:1) ከምዚ ምስ እንገብር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ጽድቂ ዝሰፈኖ ዅነታት ብሓቂ ሃረር ከም እንብሎ ነርኢ ኣሎና ማለት እዩ፣ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክንነብር ድማ ንዳሎ ኣሎና ማለት እዩ።

ሕጂ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኵር

ኣብ ኣገልግሎት ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ይሃሉኻ

13. ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ዓይነት ንጥፈታት እዩ ቐዳምነት ዚውሃቦ፧

13 ነታ እትመጽእ ናይ ሓቂ ህይወት ንኽንዳለወላ ኽንገብሮ ዜድልየና ኻልእ ኣገዳሲ ነጥቢ እውን ንርአ። ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ኣኺሉ ዚተርፍ ምግብን ካልእ ዜድልየና ነገራትን ክንረክብ እኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ዝበለጸ ሓጐስ ዜምጽኣልና ግና መንፈሳዊ ነገራት ምርካብና እዩ። (ማቴ. 5:3) ሽዑ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቐዳምነት እንህቦ መንፈሳዊ ንጥፈታት እዩ፣ ብየሆዋ ኸም እንሕጐስ ከኣ ከነርኢ ኢና። (መዝ. 37:4) ሕጂ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ንህብ እንተ ዄንና፡ ነታ እትመጽእ ናይ ሓቂ ህይወት ንዳለወላ ኣሎና ማለት እዩ።—ማቴዎስ 6:19-21 ኣንብብ።

14. መንእሰያት ንዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ መንፈሳዊ ሸቶታት እዮም ኬውጽኡ ዚኽእሉ፧

14 ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ንዘሎና ሓጐስ ከነዛይዶ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሓደ ኻብቲ መገድታት፡ መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻእ እዩ። መንእሰይ እንተ ዄንካ እሞ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ሓደ ዕዮ ንምክፋል ኣርዚንካ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ እተፈላለየ መዳያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብዚምልከት ኣብ ጽሑፋትና ንዝወጸ ሓሳባት ብምኽላስ ንሓደ ኻብቲ ሸቶታት ንምንታይ ሸቶኻ ዘይትገብሮ፧ * ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሓያሎ ዓመታት ንዝገበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ክትዛረቦም ትኽእል ኢኻ። ንኣገልግሎት ከም ዕዮኻ ጌርካ እንተ ሒዝካዮ፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ቐጻሊ ኣገልግሎት ትዳለወሉ ኣሎኻ ማለት እዩ፣ እቲ ሕጂ እትረኽቦ ዘሎኻ ቲኦክራስያዊ ስልጠናን ተመክሮን ኣብቲ ግዜ ኣገዳሲ ተራ ኺህልዎ እዩ።

ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ተኻፈል

15. ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ መንፈሳዊ ሸቶታት እዮም ኬውጽኡ ዚኽእሉ፧

15 ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን፡ እንታይ ሸቶታት ኢና ኸነውጽእ እንኽእል፧ ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣገልግሎት ንዘሎና ኽእለት ከነማዕብሎ ሸቶ ኸነውጽእ ንኽእል ኢና። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሓሸ መገዲ ንኽንርድኦን ኣብ ህይወትና ብኸመይ ከም እንትግብሮ ንኽንፈልጥን ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ ንህዝቢ ኣብ ምንባብን ኣብ ምዝራብን ወይ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ኣብ ምሃብን ንዘሎካ ኽእለት ብዝያዳ ንኸተመሓይሾ ኽትጽዕር ትኽእል ኢኻ። ከተመሓይሾ እትደልዮ ኻልእ መዳያት እውን ኪህሉ ይኽእል እዩ። እቲ ኺመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ነጥቢ እዚ እዩ፦ መንፈሳዊ ሸቶታት ተውጽእ እንተ ዄንካ፡ ንቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዘሎካ ቕንኣት የዕብየልካ፡ ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እትረኽቦ ህይወት ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ንኽትዳለወሉ ኸኣ ይሕግዘካ።

ሕጂ እንረኽቦ ዘለና በረኸት

ንመንፈሳዊ ምግቢ ኣማስወሉ

16. ንየሆዋ ምግልጋል እቲ ዝበለጸ ናብራ ህይወት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ግዜና ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ህይወት ንምድላው ከነሕልፎ ኸለና፡ ሎሚ ዝሓሸ ናብራ ንኸይንነብር ዕንቅፋት ይዀነና ድዩ፧ ኣይፋሉን። ንየሆዋ ምግልጋል እቲ ዝበለጸ ናብራ ህይወት እዩ። ንየሆዋ እነገልግሎ ተገዲድና ወይ ከኣ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ምእንቲ ኽንድሕን ኢልና ኣይኰነን። ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምስ ዚህልወና፡ ዝሓሸ ናብራ ህይወት ይህልወና፡ ዝያዳ ሕጉሳት ድማ ንኸውን። የሆዋ ኸምኡ ገይሩ ፈጢሩና። መምርሒ የሆዋ ኽንረክብ ምኽኣልናን ንሱ ብተኣማንነት ዜፍቅረና ምዃኑን ካብቲ ብዘይ ብእኡ እንነብሮ ህይወት ኣጸቢቑ ይበልጽ። (መዝሙር 63:1-3 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ እቲ ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ብምግልጋል እነስተማቕሮ መንፈሳዊ በረኸት ኣብ ሓዳስ ዓለም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጂ እውን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ገሌና ነዚ በረኸት እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ከነስተማቕሮ ጸኒሕና ኢና፣ ዝዀነ ይኹን ናብራ ህይወት ካብዚ ዚዓቢ ዕግበት ኬምጽእ ከም ዘይክእል ከኣ ካብ ተመክሮ ርኢናዮ ኢና።—መዝ. 1:1-3፣ ኢሳ. 58:13, 14

ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ድለ

17. ኣብ ሓዳስ ዓለም ብብሕቲ ዜገድሰና ነገራትን መዘናግዕን እንታይ ቦታ እዩ ዘለዎ፧

17 ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ካብቲ ዘሎና ግዜ ብእተወሰነ ብብሕቲ ኣብ ዜገድሰና ነገራትን ኣብ መዘናግዕን ከነሕልፎ ኢና። የሆዋ ኽንሕጐስ እንተ ዘይደልየና ነይሩስ፡ ሓደ ነገር ክንዓምም ከም እንደልን ብጥዑይ መዘናግዒ ባህ ከም ዚብለናን ገይሩ ምፈጠረናዶ፧ (መክ. 2:24) በዝን ብኻልእ መገድታትን ገይሩ፡ “ንህያው ዘበለ ዅሉ” ወትሩ ‘ብበረኸት ኬጽግቦ’ እዩ። (መዝ. 145:16) መዘናግዒ ቦታኡ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ዝያዳ ዜሐጕስ ዚኸውን ግና ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ቀዳምነት ክንህቦ ኸለና እዩ። ኣብ ሓዳስ ዓለም እውን እንተ ዀነ ኸምኡ እዩ። ስለዚ፡ ሕጂ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብምድላይን ኣብቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ መንፈሳዊ በረኸት ብምትኳርን ብብሕቲ ንዜገድሰና ነገራት ቦታኡ ብምሃብ ንርእስና ኸነሰልጥንሲ ኽንደይ ጥበባዊ ዀን እዩ!—ማቴ. 6:33

18. ነቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ ናይ ዘለኣለም ህይወት ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ንዳለወሉ ኸም ዘሎና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ቅድሚኡ ረኺብናዮ ዘይንፈልጥ ሓጐስ ኪህልወና እዩ። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ብምድላው ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ሃረር ንበላ። ኣምላኻዊ ባህርያት ነማዕብል፡ ኣብቲ እተዋህበና ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ብምክፋልን ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ብምሃብን ከኣ ንተሓጐስ። ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምሉእ እምንቶ ብምሕዳር ድማ፡ ኣብታ እንጽበያ ሓዳስ ዓለም ክንነብር ከም እንምነ ብኣነባብራና ነርኢ።