ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

በረኸት የሆዋ ንህይወተይ ኣበልጺግዋ

በረኸት የሆዋ ንህይወተይ ኣበልጺግዋ

ብ1927 ኣብታ ንእሽቶ ኸተማ ዝዀነት ዋካ፡ ሳስካችወን፡ ካናዳ እየ ተወሊደ። ኣቦይን ኣደይን ሸውዓተ ቘልዑ፡ ማለት ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ስለ ዝነበርዎም፡ ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ ምስ ብዙሓት ምንባር ለሚደ እየ።

ስድራ ቤትና በቲ ኣብ 1930ታት ዘጋጠመ ዓብዪ ቝጠባዊ ቕልውላው ተጸልያ ነበረት። ሃብታማት እኳ እንተ ዘይነበርና፡ ዚብላዕ ስኢንና ኣይንፈልጥን ኢና። ደርሁን ኣሓን ስለ ዝነበራና፡ ሕጽረት እንቋቝሖን ጸባን ኣጅቦን ጠስምን ኣይነበረናን። ስድራ ሓረስቶት ብምዃንና፡ ኵላትና ብዙሕ ዕዮ ገዛ ኸም ዝነበረና መቸም ክትግምቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ጽቡቕ ተዘክሮታት ኣሎኒ፣ ንኣብነት፡ ገዛና ሃነን ብዚብል ጥዑም ሽታ ቱፋሕ ኪምላእ ትዝ ይብለኒ። ምኽንያቱ፡ ብግዜ ቐውዒ ኣቦይ ምህርቲ ሕርሻና ኣብ ከተማ ሸይጡ ኺምለስ ከሎ፡ ብዙሕ ሓድሽ ቱፋሕ ብሳጹን ሒዙልና ይመጽእ ነበረ። መዓልቲ መዓልቲ ጽማቝ ቱፋሕ ክንሰቲ ኸለናስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ ነይሩ!

ስድራ ቤትና ሓቂ ፈለጠት

ወለደይ ሓቂ ኺሰምዑ ኸለዉ፡ ጓል ሽዱሽተ ዓመት እየ ነይረ። እቲ ጆኒ ዝስሙ በዅሪ ወዶም ምስ ተወልደ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሞተ። ወለደይ ከኣ ስለ እተጨነቑ፡ ንሓደ ኻህን፡ “ጆኒ ኣበይ እዩ ዘሎ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እቲ ኻህን ከኣ፡ እቲ ሕጻን ክርስትያን ስለ ዘይኰነ፡ ናብ ሰማይ ከም ዘይከደ ነገሮም። ወለደይ እንተ ኸፊሎምዎ ድማ፡ ጆኒ ናብ ሰማይ ምእንቲ ኪኸይድ ከም ዚጽልየሉ ነገሮም። ንስኻ እንተ ትኸውን ከመይ ምተሰምዓካ፧ ኣቦይን ኣደይን ኣዝዮም ስለ ዝጐሃዩ፡ ካልእ ግዜ ምስቲ ኻህን ኣይተዛራረቡን። ይኹን እምበር፡ ጆኒ እንታይ ከም ዝዀነ ይሓስቡ ነበሩ።

ሓደ መዓልቲ፡ ኣደይ እታ ዌር ኣር ዘ ዴድ፧ (ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧) ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንእሽቶ መጽሓፍ ረኸበት። ብሃንቀውታ ኸኣ ኣንበበታ። ኣቦይ ናብ ቤት ምስ መጸ ድማ ብታሕጓስ፡ “ጆኒ ኣበይ ከም ዘሎ ፈሊጠ! ሕጂ ደቂሱ እዩ ዘሎ፣ ሓደ መዓልቲ ግና ኪባራበር እዩ” ኢላ ነገረቶ። ንምሸቱ ኸኣ፡ ኣቦይ ንምልእቲ እታ መጽሓፍ ኣንበባ። ኣደይን ኣቦይን፡ ምዉታት ደቂሶም ከም ዘለዉን ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ኸም ዚህሉን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምህር ምስ ፈለጡ ተጸናኒዖም እዮም።—መክ. 9:5, 10፣ ግብ. 24:15

እቲ ዝረኸብዎ ሓቂ፡ ንህይወትና ቐየሮ፣ ምጽንናዕን ሓጐስን ከኣ ረኸብና። ንሳቶም ከኣ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑን ምስታ ኣብ ዋካ ዝነበረት መብዛሕትኦም ዩክረናውያን ዝዀኑ ኣሕዋት ዝነበርዋ ንእሽቶ ጉባኤ ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡን ጀመሩ። ነዊሕ ከይጸንሑ ድማ፡ ኣብ ኣገልግሎት ይካፈሉ ነበሩ።

ድሕሪዚ ቝሩብ ጸኒሕና፡ ናብ ብሪትሽ ኮሎምብያ ገዓዝና፣ እታ ኣብኡ ዝነበረት ጉባኤ ኸኣ ጽቡቕ ገይራ ተቐበለትና። ነቲ ኣብ ኣኼባ ሰንበት ዚጽናዕ ግምቢ ዘብዐኛ ስድራ ቤትና እትገብሮ ዝነበረት ምድላው ክዝክሮ ኸለኹ፡ ባህ እዩ ዝብለኒ። ኵላትና ንየሆዋን ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስን ዓሚቝ ፍቕሪ ነማዕብል ነበርና። ህይወትና ትብልጽግ ነበረት፣ የሆዋ እውን ይባርኸና ነበረ።

ቈልዑ ኸለና፡ ንሰባት ብዛዕባ እምነትና ምዝራብ ቀሊል ኣይነበረን። ኣነን ኢቫ ሓብተይን ነቲ ኣብ ወወርሒ ዚወጽእ መርኣያ ኣገልግሎት ወፍሪ ንዳለወሉን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ነቕርቦን ስለ ዝነበርና ግና፡ ኣዝዩ ሓጊዙና እዩ። ሓፋራት እኳ እንተ ነበርና፡ ንኻልኦት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እነዛራርቦም ክንምሃር ኣኽኢሉና እዩ። ነዚ ኽንሰብኽ ዝሰልጠንናሉ መገዲ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ!

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ምሳና ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻንሒት፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቍልዕነትና ዘሕለፍናዮ ዘይርሳዕ እዋናት እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ሓላው ወረዳና ዝነበረ ሓውና ጃክ ናታን ንጉባኤና ኺበጽሓን ኣብ ቤትና ኺጸንሕን ከሎ ባህ ይብለና ነበረ። * እቲ ዚነግረና ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ባህ ዜብል ዛንታታትን እቲ ብቕንዕና ዚዛረቦ ናእዳን ንየሆዋ ብተኣማንነት ንምግልጋል ድሌት ከም ዚሓድረና ገይሩ እዩ።

“ምስ ዓበኹ፡ ከም ሓውና ናታን ክኸውን እየ ዝደሊ” ኢለ ኽሓስብ ይዝከረኒ። እቲ ኣብነቱ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሞያይ ገይረ ኽሕዞ ከም ዘዳለወኒ፡ ደሓር እዩ ተረዲኡኒ። ጓል 15 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ንየሆዋ ኸገልግሎ ወሰንኩ። ብ1942 ከኣ ኣነን ኢቫን ተጠመቕና።

ናይ እምነት ፈተናታት

ኣብቲ ሓያል ስምዒት ሃገራውነት ዝነበረሉ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ስኮት እትብሃል ዘይትጻወር መምህር፡ ንኽልተ ኣሓተይን ንሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ካብ ቤት ትምህርቲ ሰጐጎቶም። ስለምንታይ፧ ንባንዴራ ሰላምታ ምሃብ ስለ ዝኣበዩ እዩ። ንመምህረይ እውን፡ ክትሰጕጐኒ ነገረታ። መምህረይ ግና፡ “ኣብ ናጻ ሃገር ኢና እንነብር፣ ኣብ ሃገራዊ ጽምብላት ከይንካፈል ከኣ መሰል ኣሎና” ኢላ መለሰትላ። ስኮት ብዙሕ ጸቕጢ እኳ እንተ ገበረትላ፡ “እዚ ናተይ ውሳነ እዩ” ኢላ ኣትሪራ ተዛረበታ።

ስኮት ከኣ፡ “ናትኪ ውሳነ እሞ ኣይኰነን። ንመሊታ እንተ ዘይሰጒጉክያ ኽነግረልኪ እየ” በለታ። መምህረይ ከኣ ንዓይ ምስጓግ ጌጋ ምዃኑ እኳ እንተ ኣመነትሉ፡ ካብ ስራሕ ምእንቲ ኸይትወጽእ ግና ክትሰጕጐኒ ኸም እትግደድ ንወለደይ ነገረቶም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቤት ኴንና ኸነጽንዖ እንኽእል መጻሕፍቲ ቤት ትምህርቲ ረኸብና። ነዊሕ ከይጸናሕና፡ 32 ኪሎ ሜተር ርሒቕና ምስ ገዓዝና ድማ፡ ካልእ ቤት ትምህርቲ ተቐበለና።

ብሰንኪ እቲ ውግእ ጽሑፋትና ተኣጊዱ ነበረ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ሒዝና ግና ኣብ በቤት ነገልግል ነበረና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምክፋል ክኢላታት ኰንና። እዚ ኸኣ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንዓብን ደገፍ የሆዋ ኽንርእን ሓገዘና።

ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቶኹ

ክኢላ መሻጢት ስለ ዝነበርኩ፡ እተወሰነ ሽልማት ረኺበ ነይረ

ኣነን ኢቫን ትምህርትና ምስ ወዳእና፡ ኣገልግሎት ፈላምነት ጀመርና። ኣብ ፈለማ፡ ድልዊ ምግቢ ኣብ ዚሽየጠሉ ቦታ እሰርሕ ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ብዛዕባ ምምሻጥ ጸጕሪ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ስልጠና ወሰድኩ፣ ኣብ ገዛይ ኰይነ ምምሻጥ ከኣ ባህ ይብለኒ ነበረ። ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ኣብ ሳሎን ቍንጅና ኽሰርሕ ጀመርኩ፣ ኣብ ወርሒ ኽልተ ሳዕ ድማ ምምሻጥ እምህር ነበርኩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ገዛእ ርእሰይ እናኣለኹ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ አገልግል ነበርኩ።

ብ1955 ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ሲቲ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኑረምበርግ፡ ጀርመንን ዚካየድ፡ “ዕውትቲ መንግስቲ” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባታት ክካፈል ደለኹ። ናብ ኒው ዮርክ ቅድሚ ምኻደይ ግና ምስቲ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዚዓዪ ሓውና ናታን ኖር ተራኸብኩ። ንሱን ሰበይቱን ኣብቲ ኣብ ቫንኮቨር፡ ካናዳ ዚካየድ ዝነበረ ዓብዪ ኣኼባ እዮም ዚካፈሉ ነይሮም። ኣብኡ ኸለዉ ድማ፡ ንሓብትና ኖር ክምሽጣ ተሓተትኩ። ሓውና ኖር በቲ ኣመሻሽጣ ባህ ስለ ዝበሎ ድማ ክረኽበኒ ደለየ። ከነዕልል ከለና፡ ቅድሚ ናብ ጀርመን ምኻደይ ናብ ኒው ዮርክ ክኸይድ ከም ዝሓሰብኩ ነገርኩዎ። ንሱ ድማ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት-ኤል፡ ትሽዓተ መዓልቲ ኽሰርሕ ዓደመኒ።

እዚ መገሻ እዚ፡ ንህይወተይ ቀየሮ። ኣብ ኒው ዮርክ፡ ቴዶር (ቴድ) ጃራዝ ዝስሙ መንእሰይ ሓው ተፋለጥኩ። ምስ ተፋለጥኩዎ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ “ፈላሚት ዲኺ፧” ኢሉ ሃንደበት ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ፡ “ኣይኰንኩን” ኢለ መለስኩሉ። ላቮን እትብሃል መሓዛይ ምስ ሰምዓትኒ ግና፡ ዘረባይ ኰሊፋ፡ “እወ እያ” በለቶ። ቴድ ስለ ዝደንጸዎ፡ ንላቮን፡ “መንክን ኢኽን ዝሓሸ እትፈልጣ፧ ንስኺዶ ንሳ፧” ኢሉ ሓተታ። ኣነ ኸኣ፡ ፈላሚት ከም ዝነበርኩ፡ ኣብቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ተኻፊለ ምስ ተመለስኩ ድማ፡ ከም ብሓድሽ ክጅምር ከም ዝሓሰብኩ ነገርኩዎ።

መንፈሳዊ ሰብኣይ ተመርዓኹ

ቴድ ብ1925 ኣብ ኬንታኪ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እዩ ተወሊዱ፣ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠምቀ። ካብ ስድራ ቤቱ ናብ ሓቂ ዝመጸ እኳ እንተ ዘየለ፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ንዳርጋ 67 ዓመት ዝቐጸለ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎቱ ጀመሮ።

ኣብ ሓምለ 1946፡ ቴድ ወዲ 20 ዓመት ከሎ፡ ካብ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ካብ ሻውዓይ ክፍሊ ተመረቐ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ፡ ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ኣገልገለ። ኣርባዕተ ዓመት ጸኒሑ፡ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ሓላው ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰይኑ ኼገልግል ተመደበ።

ቴድ ኣብቲ ኣብ ኑረምበርግ፡ ጀርመን ዚካየድ ዝነበረ ዓብዪ ኣኼባ ስለ እተኻፈለ፡ ብሓንሳእ እተወሰነ ግዜ ኣሕለፍና። ኣብ መንጎ ኽልቴና ፍቕሪ ኺዕምብብ ጀመረ። ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሱ ምግልጋል ቀንዲ ሸቶኡ ምዃኑ ኣሐጐሰኒ። ንየሆዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ዜርኢ ሕያዋይን ተቐራብን ዝዀነ ኣዝዩ ቍም ነገረኛ ሰብ እዩ ነይሩ። ንጥቕሚ ኻልኦት ቀዳምነት ከም ዚህብ ተሰምዓኒ። ድሕሪ እቲ ዓብዪ ኣኼባ፡ ቴድ ናብ ኣውስትራልያ ተመልሰ፡ ኣነ ኸኣ ናብ ቫንኮቨር ተመለስኩ፣ ንጸሓሓፍ ግና ነበርና።

ቴድ ኣብ ኣውስትራልያ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ምስ ገበረ፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመልሰ፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ናብ ቫንኮቨር መጸ። ስድራ ቤተይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝፈተውዎ ምስ ረኣኹ፡ ተሓጐስኩ። ሚካኤል ዝስሙ ዓብዪ ሓወይ፡ ካብ ክፉእ ኪሕልወኒ ይጽዕር ስለ ዝነበረ፡ መንእሰይ ሓው ኪቀራረበኒ እንተ ርእዩ፡ ይሻቐል ነበረ። ንቴድ ግና ቀልጢፉ ፈተዎ። “መሊታ፡ ጽቡቕ ሰብኣይ ረኺብኪ ኣለኺ። ደሓር ከይትስእንዮ፡ በላሕ ኩኒ፡ ጽቡቕ ጌርኪ ድማ ሓዝዮ” ኸኣ በለኒ።

ብ1956 ምስ ተመርዓና፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ባህ ዜብል ዓመታት ብሓንሳእ ኣሕለፍና

ኣነ እውን ንቴድ ፈቶኹዎ። ብ10 ታሕሳስ 1956 ድማ ተመርዓና። ፈለምቲ ዄንና ኣብ ቫንኮቨር፡ ደሓር ከኣ ኣብ ካሊፎርንያ ኣገልገልና፣ ድሕሪኡ፡ ዕዮ ወረዳ ኽንዓዪ ናብ ሚዙሪን ኣርካንሰስን ተመደብና። ንኣስታት 18 ዓመት ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዕዮ መገሻ ኽንዓዪ ኸለና፡ ሰሙን ሰሙን ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ንቕኒ ነበርና። ኣብ ኣገልግሎት ፍሉይ ተመክሮ ኣሕሊፍና ኢና፣ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ባህ ዜብል ምሕዝነት ነበረና። ሰሙን ሰሙን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብ ዕዮ መገሻ ዜሐጕስ ግዜ ኣሕሊፍና ኢና።

ቴድ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኣቕሊሉ ዘይርእዮ ምንባሩ፡ ሓደ ኻብቲ ዘኽብሮ ባህርያቱ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኣካል ዜቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። ብሓንሳእ ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምጽናዕን ንፈቱ ነበርና። ቅድሚ ምድቃስና፡ ኣብ ጥቓ ዓራት ንምብርከኽ ነበርና፣ ንሱ ኸኣ ይጽልየልና ነበረ። ድሕሪኡ፡ ነናትና ጸሎት ንጽሊ ነበርና። ቴድ ዜጨንቕ ጕዳይ እንተ ኣጋጢምዎ፡ ኵሉ ሳዕ እፈልጥ ነይረ እየ። ካብ ዓራት ተንሲኡ፡ ከም ብሓድሽ ተምበርኪኹ፡ ኣንዊሑ ይጽሊ ነበረ። ብዛዕባ ዓብዪን ንእሽቶን ነገራት ናብ የሆዋ ኽጽሊ ምድላዩ፡ ኣዝየ እየ ዘድንቖ።

ምስ ተመርዓና ቝሩብ ጸኒሑ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብቲ ቕጫን ወይንን ምውሳድ ከም ዚጅምር ገለጸለይ። “የሆዋ ኽገብሮ ዚደልየኒ እገብር ከም ዘለኹ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ምእንቲ ክኸውን፡ ብዙሕ ጸልየ እየ” ድማ በለኒ። ደሓር ኣብ ሰማይ ምእንቲ ኼገልግል ብመንፈስ ኣምላኽ ምቕባኡ ብዙሕ ኣየሰምበደንን። ንሓደ ኻብ ኣሕዋት ክርስቶስ ምድጋፍ ድማ ከም ፍሉይ መሰል ገይረ እየ ርእየዮ።—ማቴ. 25:35-40

ሓድሽ መዳይ ቅዱስ ኣገልግሎት

ብ1974፡ ቴድ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኸውን ጻውዒት ምስ ቀረበሉ፡ ኣዝዩ ገረመና። ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ቤት-ኤል ብሩክሊን ከነገልግል ተጸዋዕና። ቴድ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ኺዓዪ ኸሎ፡ ኣነ ድማ ኣብ ጽሬት ወይ ኣብ ቍንጅና ሳሎን ይዓዪ ነበርኩ።

ቴድ ብስራሑ ተመዲቡ ናብ እተፈላለየ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይገይሽ ነበረ። ብፍላይ ኣብተን ዕዮና እተኣገደለን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ንዚካየድ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ይግደሰሉ ነበረ። ሓደ እዋን፡ ኣብ ሽወደን ኣገዳሲ ምብጻሕ ክንገብር ከለና፡ ቴድ፡ “መሊታ፡ ኣብ ፖላንድ ዕዮ ስብከትና ተኣጊዱ እዩ ዘሎ፣ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋት ክሕግዞም እንተ ዝኽእል ድማ ባህ ምበለኒ ነይሩ” በለኒ። ቪዛ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ናብ ፖላንድ ከድና። ቴድ ነቲ ዕዮና ምስ ዚኣልዩ ዝነበሩ ገሊኦም ኣሕዋት ተራኸበ፣ ሰብ ምእንቲ ኸይሰምዖም ከኣ፡ ኪዛራረቡ ኸለዉ ነዊሕ መገዲ ብእግሮም ተጓዕዙ። እቶም ኣሕዋት ንኣርባዕተ መዓልቲ ጽዑቕ ኣኼባ ገበሩ፣ ቴድ ነቶም መንፈሳውያን ስድራ ቤቱ ብምሕጋዝ ዕግበት ስለ ዝረኸበ ድማ ባህ በለኒ።

ኣብ ሕዳር 1977 ድማ፡ ካልኣይ ሳዕ ናብ ፖላንድ ምብጻሕ ገበርና። ፍረደሪክ ዊልያም ፍራንዝን ዳንኤል ሲድሊክን ቴድን ንመጀመርታ እዋን ብወግዒ ኣብ ፖላንድ ምብጻሕ ዝገበሩ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል እዮም ነይሮም። ዕዮና ተኣጊዱ እኳ እንተ ነበረ፡ ሰለስቲኦም ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል ኣብ እተፈላለያ ኸተማታት ምስ ዝነበሩ ሓለውትን ፈለምትን ገዳይም ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ተዛራረቡ።

ዕዮና ብወግዒ ምስ ተመዝገበ፡ ቴድን ካልኦትን ኣብ ሞስኮ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ እተሳእልዎ

ንዓመታኡ፡ ሚልተን ሄንሸልን ቴድን ንፖላንድ ኪበጽሑ ምስ ከዱ፡ ምስቶም ንዓናን ንዕዮናን ዝያዳ ተጻዋርነት ዝነበሮም ሰበ ስልጣናት ተራኸቡ። ብ1982 ከኣ፡ መንግስቲ ፖላንድ ንኣሕዋትና፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓብዪ ኣኼባ ኺገብሩ ፈቐደሎም። ንዓመታኡ ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዳራሻት እናተኻረዩ ዓበይቲ ኣኼባታት ገበሩ። ብ1985 እቲ እገዳ ዘይተላዕለ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ዓበይቲ ስታድዩማት ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣኼባታት ክንገብር ተፈቕደልና። ኣብ ግንቦት 1989 ከኣ፡ ዝዓበየ ኣኼባታት ኪካየድ መደባት ኪግበር ከሎ፡ መንግስቲ ፖላንድ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ሃቦም። እዚ ኸኣ ንቴድ ኣዝዩ ኣሐጐሶ።

ኣብ ፖላንድ እተኻየደ ኣኼባ ኣውራጃ

ምስ ጸገማት ጥዕና ምቅላስ

ብ2007 ናብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚውሰን ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንኸይድ ነበረና። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ግና፡ ቴድ ብሰንኪ ጸቕጢ ደሙ ጸገም ኣጋጠሞ፣ ሓኪም ከኣ ነቲ መገሻኡ ናብ ካልእ ግዜ ኼስግሮ ነገሮ። ቴድ ምስ ጠዓየ፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተመለስና። ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ ግና፡ የማናይ ሸነኽ ሰብነቱ ዘልመሰ ኸቢድ ሕማም ወቕዒ ኣጋጠሞ።

ቴድ ቀልጢፉ ስለ ዘይጠዓየ፡ ኣብ መጀመርታ ናብ ስራሕ ኪወፍር ኣይከኣለን። ኪዛረብ ይኽእል ስለ ዝነበረ ግና፡ ሕጕሳት ኢና ኔርና። ዓቕሙ ድሩት እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ልሙድ ንጥፈታቱ ኪቕጽሎ ይጽዕር ነበረ፣ ኣብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ሰሙን ሰሙን ዚገብሮ ኣኼባታት እኳ ኣብ መደቀሲ ኽፍልና ዀይኑ ብተሌፎን ይካፈል ነበረ።

ቴድ ኣብ ቤት-ኤል ጽቡቕ ሕክምና ምውስዋስ ኣካላት ብምርካቡ ኣዝዩ ባህ በሎ። በብቝሩብ ከኣ ደሓን ኪንቀሳቐስ ጀመረ። ገሊኡ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታቱ እውን ኪፍጽም ከኣለ፣ ሓጐሱ ድማ ኣየጥፍአን።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ካልኣይ ሳዕ ወቕዒ ኣጋጠሞ፣ ረቡዕ 9 ታሕሳስ 2010 ከኣ ብሰላም ዓረፈ። ቴድ ምድራዊ ህይወቱ ኸም ዚውድእ ወትሩ እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ንዕኡ ምስኣነይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘሳቐየንን ንቴድ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝናፍቖን ግና ምግላጹ ይኸብደኒ እዩ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንቴድ ክሕግዞ ብምኽኣለይ መዓልቲ መዓልቲ ንየሆዋ አመስግኖ እየ። ብሓንሳእ ንልዕሊ 53 ዓመት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዄንና ዓዪና ኢና። ቴድ ናብቲ ሰማያዊ ኣምላኸይ ክቐርብ ስለ ዝሓገዘኒ፡ ንየሆዋ አመስግኖ እየ። ሕጂ ድማ፡ እቲ ዝረኸቦ ሓድሽ ሓላፍነቱ ዓብዪ ሓጐስን ዕግበትን ከም ዜምጽኣሉ ኣይጠራጠርን እየ።

ኣብ ህይወት ምስ ዜጋጥመኒ ሓድሽ ጸገማት ምቅላስ

ኣብ ቤት-ኤል፡ ኣብ ቍንጅና ሳሎን ምዕያይን ስልጠና ምሃብን ባህ የብለኒ እዩ

ኣነን ብዓል ቤተይን ብስራሕ ትሑዛትን ሕጕሳትን ኴንና ብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምሕላፍና፡ ምስዚ ሕጂ ዜጋጥመኒ ዘሎ ጸገማት ምቅላስ ቀሊል ኣይኰነን። ኣነን ቴድን ናብ ቤት-ኤልን ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ምስ ዚመጹ ኣጋይሽ ምርኻብ ደስ እዩ ዚብለና ነይሩ። ሕጂ እቲ ፍቑር ብዓል ቤተይ ቴድ ስለ ዝሞተ ግና፡ ከም ቀደመይ ሕውስቲ ኣይኰንኩን፣ እቲ ዘሎኒ ርክብ ድማ ድሩት እዩ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ እውን ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ጉባኤን ምስቶም ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ምዃን ባህ እዩ ዚብለኒ። ኣብ ቤት-ኤል ዘሎ ስሩዕ ልማድ ቀሊል ኣይኰነን፣ በዚ ኸምዚ ንየሆዋ ምግልጋለይ ግና ምንጪ ሓጐስ ኰይኑለይ እዩ። እቲ ንዕዮ ስብከት ዘሎኒ ፍቕሪ እውን ፈጺሙ ኣይነከየን። ቀልጢፉ ስለ ዚደኽመኒ ንነዊሕ ግዜ ብእግረይ ደው ክብል ዘይክእል እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ብምክፋልን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕን ግና ብዙሕ ዕግበት እረክብ እየ።

ነቲ ኣብ ዓለም ዜጋጥም ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ክርኢ ኸለኹ፡ ባህ ምስ ዜብል መጻምድቲ ዀይነ ንየሆዋ ኸገልግል ምኽኣለይ ክንደይ ኰን እዩ ዜሐጕሰኒ! ብሓቂ በረኸት የሆዋ ንህይወተይ ኣበልጺግዋ እዩ።—ምሳ. 10:22

^ ሕ.ጽ. 13 ታሪኽ ህይወት ጃክ ናታን፡ ኣብ ናይ 1 መስከረም 1990 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 10-14 ወጺኡ ኣሎ።