ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣኽብርዎም’

‘ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣኽብርዎም’

ካብ 1992 ኣትሒዙ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኮሚተታቱ ዚዓይይዎ ዕዮ ዚሕግዙ ተመክሮ ዘለዎም ብሱላት ክርስትያን ሽማግለታት ሸይሙ እዩ። * እዞም ሓገዝቲ እዚኦም፡ ካብተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ኰይኖም፡ ንኣመሓዳሪ ኣካል ብዙሕ ይድግፍዎ እዮም። (ዮሃ. 10:16) ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባ እቲ ዘዝተመደቡሉ ኮሚተ ይእከቡ፡ ኣገዳሲ ሓበሬታን ሓሳባትን እውን ይህቡ እዮም። ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ ናይ መወዳእታ ውሳነ ይውስኑ፣ ግናኸ፡ እቶም ሓገዝቲ ነቲ ኸካብ ኮሚተ ዝመጸ መምርሒ ይትግብሩ፡ እተዋህቦም ዝዀነ ይኹን ዕዮ እውን ይፍጽሙ እዮም። ንኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ ናብ ፍሉይን ኣህጉራውን ኣኼባታት የሰንይዎም እዮም። ተወከልቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኰይኖም ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኪበጽሑ እውን ይምደቡ እዮም።

እዚ ኣሰራርሓ እዚ ኻብ ዚተኣታቶ ኣትሒዙ ዘገልገለ ሓደ ኻብቶም ሓገዝቲ፡ “እተመደበለይ ዕዮ ኽፍጽም ከለኹ፡ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ምሉእ ብምሉእ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኬተኵር ይኽእል እዩ” ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ሓጋዚ ዀይኑ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ዘገልገለ ኻልእ ሓው ድማ፡ “ክግምቶ ኻብ ዝኽእል ንላዕሊ ኣዝዩ ዓብዪ ፍሉይ መሰል እዩ” ኢሉ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ኣካል ንሓገዝቱ ብዙሕ ሓላፍነት እዩ ብሕድሪ ዚህቦም፡ በዞም እሙናትን ትጉሃትን ኣሕዋት ንዚፍጸም ሰናይ ኣገልግሎት እውን የማስወሉ እዩ። እምበኣር፡ ኵላትና ‘ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ነኽብሮም።’—ፊል. 2:29

^ ሕ.ጽ. 2 ብዛዕባ እቲ ሽዱሽተ ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል ዘለዎ ሓላፍነታት፡ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 12 እትርከብ፡ “ኣመሓዳሪ ኣካል ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሓሊ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።