ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኢድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ትርኢ ዲኻ፧

ኢድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ትርኢ ዲኻ፧

“ኢድ እግዚኣብሄር ንባሮቱ ኽትፍለጥ እያ።”—ኢሳ. 66:14

መዝሙር፦ 32, 26

1, 2. ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ እዮም ዚሓስቡ፧

ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጎ እቲ ንሳቶም ዚገብርዎን ኣምላኽ ዚገብሮን ብዙሕ ምትእስሳር ከም ዘየልቦ እዮም ዚሓስቡ። አረ ገሊኦምሲ ኣምላኽ በቲ ንሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ኸም ዘይግደስ እዩ ዚመስሎም። ኣብ ሕዳር 2013፡ ብርቱዕ ህቦብላ ሃይያን ኣብ ማእከላይ ፊሊፒንስ ዕንወት ምስ ኣስዓበ፡ ከንቲባ ሓንቲ ዓባይ ከተማ፡ “ኣምላኽ ገይሹ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ” ኢሉ እዩ።

2 ገሊኦም ሰባት ድማ፡ ኣምላኽ ነቲ ዚገብርዎ ኺርእዮ ኸም ዘይክእል እዩ ዚመስሎም። (ኢሳ. 26:10, 11፣ 3 ዮሃ. 11) ንሳቶም ከኣ ከምቶም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንኣምላኽ ብልክዕ ኪፈልጥዎ ዘይደለዩ” ዝበሎም ዓይነት ሰባት እዮም። እዚኣቶም ‘ብዅሉ ዓመጻ፡ እከይ፡ ስስዐ፡ ክፍኣት እተመልኡ እዮም።’—ሮሜ 1:28, 29

3. (ሀ) ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዜድልየና፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ኢድ” የሆዋ ኺብሃል ከሎ፡ እንታይ እዩ ዜመልክት፧

3 ንሕናኸ ኸመይ ኢና፧ ከምቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ንእንገብሮ ዅሉ ኸም ዚዕዘቦ ንፈልጥ ኢና። ግናኸ፡ ኣብ ህይወትና ንተገዳስነቱን ነታ ደጋፊት ኢዱን ንርኢ ዲና፧ ካብቶም የሱስ “ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም” ዝበሎምከ ዲና፧ (ማቴ. 5:8) እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ንምፍላጥ፡ ኢድ ኣምላኽ ብግብሪ ዝረኣዩን ምርኣይ ዝኣበዩን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት እስከ ንርአ። ድሕሪኡ፡ ብናይ እምነት ኣዒንትና ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወትና ኸመይ ጌርና ብንጹር ክንርኢ ኸም እንኽእል ክንምሃር ኢና። ነዚ ነጥብታት እዚ ኽንርእዮ ኸለና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ንገላዉኡ ንምሕጋዝን ንጸላእቱ ንምስዓርን ዚጥቀመሉ ሓይሊ ኼመልክት ከሎ፡ “ኢድ” ኣምላኽ ከም ዚብል ክንርስዕ የብልናን።—ዘዳግም 26:8 ኣንብብ።

ንኢድ ኣምላኽ ኣይረኣይዋን

4. ጸላእቲ እስራኤል ንኢድ ኣምላኽ ዘይረኣይዋ ስለምንታይ እዮም፧

4 ኣብ ናይ ጥንቲ ታሪኽ እስራኤል፡ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ዝገበሮ ነገር ናይ ምርኣይን ናይ ምስማዕን ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ብተኣምር ካብ ግብጺ ኣውጺእዎም እዩ፣ ድሕሪኡ ድማ ብዙሓት ነገስታት ኣብ ቅድሚኦም ወዲቖም እዮም። (እያ. 9:3, 9, 10) ዳርጋ ዅሎም እቶም ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገስታት እዚ ሰሚዖምን ርእዮምን ኬብቅዑ ግና፡ “ምስ እያሱን ምስ እስራኤልን ኪዋግኡ ብሓደ ዀይኖም ተአኪቦም ተሰማምዑ።” (እያ. 9:1, 2) እዞም ነገስታት እዚኦም ኪዋግኡ ምስ ጀመሩ እኳ፡ ኢድ ኣምላኽ ኪርእዩ ዜኽእሎም እኹል ኣጋጣሚታት ነይርዎም እዩ። ከመይሲ፡ ብመምርሒ የሆዋ፡ “እቲ ህዝቢ ንጸላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቈመት፡ ወርሒውን ደው በለት” ዚብል ነንብብ ኢና። (እያ. 10:13) ግናኸ፡ የሆዋ ‘ምእንቲ ኼጥፍኦም፡ ምስ ደቂ እስራኤል ኪዋግኡስ ልቦም ኬትርሩ’ ፈቒዱ ነይሩ እዩ። (እያ. 11:20) ጸላእቲ እስራኤል፡ ኣምላኽ ንእስራኤል ከም ዚዋግኣሎም ኣይተኣመኑን፡ እዚ ድማ ጠንቂ ስዕረቶም እዩ ዀይኑ።

5. እቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብ እንታይ ኪእመን እዩ ፍቓደኛ ዘይነበረ፧

5 እቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብ እውን ንኢድ ኣምላኽ ኪርእያ ዜኽእሎ ብዙሕ ኣጋጣሚ ነይርዎ እዩ። ሓደ ግዜ ኤልያስ፡ ‘ኣነ ኸይተዛረብኩ፡ ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ኣይኪኸውንን እዩ’ ኢሉ ነጊርዎ እዩ። (1 ነገ. 17:1) ምንጪ እቲ ቓል እቲ የሆዋ ምዃኑ ንጹር እኳ እንተ ነበረ፡ ኣከኣብ ግና ነቲ መርትዖ ኣይተቐበሎን። ጸኒሑ፡ ኣከኣብ ኣብቲ ኤልያስ ንመስዋእቱ ዚበልዕ ሓዊ ኺወርድ ዝጸለየሉ እዋን፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ርእዩ እዩ። ድሕሪኡ ድማ ኤልያስ ንኣከኣብ፡ “ዝናም ከይዐግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ” ብምባል፡ የሆዋ ነቲ ደርቂ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ሓቢርዎ እዩ። (1 ነገ. 18:22-45) ኣከኣብ እዚ ዅሉ ኺፍጸም እኳ እንተ ረኣየ፡ ሓይሊ ኣምላኽ እተራእየሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣይተኣመነን። እዝን እቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣብነታትን ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና፣ ኢድ የሆዋ ስጕምቲ ኽትወስድ ከላ፡ ከነለልያ ኣሎና።

ንኢድ የሆዋ ርእዮምዋ

6, 7. ገሊኦም ብግዜ እያሱ ዝነበሩ ሰባት እንታይ እዮም ብንጹር ኣስተውዒሎም፧

6 ገሊኦም ግና ከምዞም እኩያት ነገስታት ኣይነበሩን፣ የግዳስ፡ ምስዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ተመሳሳሊ ዅነታት እኳ እንተ ነበሮም፡ ንኢድ ኣምላኽ ርእዮምዋ እዮም። ንኣብነት፡ ጊብዖናውያን ከምቶም ብግዜ እያሱ ምስ እስራኤል እተዋግኡ መብዛሕትኦም ኣህዛብ ኣይነበሩን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ እስራኤል ሰላም ገይሮም እዮም። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ገይሮም፧ ንሳቶም ባዕላቶም ምኽንያቶም ኪገልጹ ኸለዉ፡ ‘ወሪኡን እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና ምእንቲ ስም የሆዋ ኣምላኽካ ዝመጻእና ኢና’ እዮም ኢሎም። (እያ. 9:3, 9, 10) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንእስራኤል ከም ዚድግፎም ኣለልዮም እዮም።

7 ረሃብ እውን ንኢድ ኣምላኽ ከተስተውዕላ ኽኢላ እያ። የሆዋ ንህዝቡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜናግፎም ምስ ፈለጠት፡ ነቶም ክልተ እስራኤላውያን ሰለይቲ፡ ‘የሆዋ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዚህበኩም እፈልጥ እየ’ በለቶም። ከምዚ ዝበለ መትከል ምሓዛ ኣብ ሓደጋ ዜእትዋ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ንዓኣን ንቤተ ሰባን ኬድሕና ኸም ዚኽእል እምነታ ገሊጻ እያ።—እያ. 2:9-13፣ 4:23, 24

8. ገሊኦም እስራኤላውያን ንኢድ ኣምላኽ ዝረኣይዋ ብኸመይ እዮም፧

8 ገሊኦም እስራኤላውያን እውን ከምቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብ ብዘይምንባሮም፡ ነቲ የሆዋ ንኤልያስ ብሓዊ ዝሃቦ ምላሽ ብዓይኖም ድሕሪ ምርኣዮም፡ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ኢድ ኣምላኽ ከም ዘላ ኣስተውዒሎም እዮም። ካብ የሆዋ ዝመጸ ሓዊ ነቲ መስዋእቲ ኺበልዖ ምስ ረኣዩ፡ ‘የሆዋ ንሱ እዩ ኣምላኽ’ ኢሎም እዮም። (1 ነገ. 18:39) እዚ ነገር እዚ ንዓታቶም ዘየተሓታትት እዩ ነይሩ!

9. ሎሚ ንየሆዋ ኽንርእዮ፡ ንኢዱ እውን ክንርእያ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 እቶም ሕጂ ዝረኣናዮም ኣወንታውን ኣሉታውን ኣብነታት፡ ንኣምላኽ ወይ ንኢድ ኣምላኽ ምርኣይ ማለት እንታይ ከም ዜመልክት ክንርዳእ ይሕግዙና እዮም። ንሕና እውን ንኣምላኽ ምስ ፈለጥናዮ፡ ባህርያቱን ተግባራቱን ‘ብኣዒንቲ ልብና’ ስለ እነስተውዕሎ፡ ንኢዱ ኽንርእያ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 1:18) ከምቶም ጥንቲ ዀነ ሕጂ የሆዋ ንህዝቡ ኺድግፍ ከሎ ብንጹር ዝረኣዩ ሰባት ክንከውን ከም እንደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ሰባት ብንጡፍ ከም ዚሳተፍ ዜርኢ መርትዖ ኣሎዶ፧

ሎሚ ኢድ ኣምላኽ እንርእየሉ መርትዖ

10. ሎሚ የሆዋ ንሰባት ከም ዚሕግዞም ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧ (ኣብ ገጽ 4 ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚድግፎም ዜርኢ እኹል ምኽንያት ኣሎና። ውልቀ ሰባት መንፈሳዊ ሓገዝ ንምርካብ ድሕሪ ምጽላዮም፡ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ዚሕብር ተመክሮታት ብዙሕ ሳዕ ንሰምዕ ኢና። (መዝ. 53:2) ኣላን ኣብ ሓንቲ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት ኣብ በቤት እናኸደ ኺሰብኽ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ረኸበቶ ኽትበኪ ጀመረት። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “በታ ንግሆ እቲኣ፡ መሰኻኽሩ ምእንቲ ኺረኽብዋ ናብ የሆዋ ጸልያ ነይራ እያ። ገና ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ነይራ እያ፣ ተመርዕያ ናብታ ደሴት እቲኣ ምስ ገዓዘት ግና ርክባ ኣቋሪጻ ነይራ እያ። ኣምላኽ ንጸሎታ ብቕልጡፍ ምላሽ ስለ ዝሃባ፡ ውሽጣ ኸም እተተንከየ ርኡይ እዩ ነይሩ።” ኣብ ውሽጢ ዓመት ድማ፡ ርእሳ ንየሆዋ ወፍያ እያ።

የሆዋ ንህዝቡ ይሕግዞም ከም ዘሎዶ ይርኣየካ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-13 ርአ)

11, 12. (ሀ) የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዚሕግዞም፧ (ለ) ሓገዝ ኣምላኽ ብዛዕባ ዝረኸበት ሓብቲ ዚገልጽ ተመክሮ ኣዘንቱ።

11 ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ከም ትምባኾ፡ ሓሽሽ፡ ወይ ስእለ ጽዩፍ ዝኣመሰለ ወልፍታት ሓራ ኺወጹ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ከም ዝሓገዞም መርትዖ ርእዮም እዮም። ገሊኣቶም ነቲ ወልፊ ብርእሶም ደው ኬብሉ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ኣይሰለጦምን። ካብ የሆዋ ሓገዝ ምስ ለመኑ ግና፡ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ስለ ዝሃቦም፡ ንድኽመቶም ኬሰንፍዎ ኽኢሎም እዮም።—2 ቈረ. 4:7፣ መዝ. 37:23, 24

12 የሆዋ ንብዙሓት ኣገልገልቱ፡ ንብሕታዊ ጸገማቶም ኪዋጽኡሉ ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኤሚ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ደሴት ፓሲፊክ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን መንበሪ ሚስዮናውያንን ክትሃንጽ ምስ ተመደበት፡ ቃልሲ ዀይንዋ ነይሩ እዩ። ነቲ ጸገማታ ድማ ከምዚ ብምባል ትገልጾ፦ “ኣብ ንእሽቶ ሆቴል ኢና እንሓድር ኔርና፣ መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ብማይ ዘዕለቕለቐ ጐደናታት ሓሊፍና ናብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ንኸይድ ኔርና።” ብዘይካዚ እውን፡ ምስቲ ባህሊ እቲ ዓዲ ንምስምማዕ ምትዕርራይ ክትገብር ነይርዋ፣ ብዙሕ ግዜ ኸኣ ኤሌክትሪክ ኰነ ማይ ኣይነበረን። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኣብታ ዘላታ ተወሰኸታ ድማ፡ ንሓንቲ ኻብተን ምሳና ዚዓይያ ዝነበራ ኣሓት ተቘጢዐያ። ናብ መሕደርየይ ክኸይድ ከለኹ ኸኣ፡ ሕማቕ ተሰሚዑኒ። ኣብታ ጸልማት ውሒጥዋ ዝነበረት ኣብ ሆቴል ዝሓድረላ ኽፍሊ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ፡ ልበይ ኣፍሲሰ ለሚነዮ” በለት። ኤለክትሪክ ምስ መጸ፡ ኤሚ ሓንቲ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣልዒላ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ ዘተኰረት ዓንቀጽ ኣንበበት። እታ ዓንቀጽ ከኣ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ቓልሲ ዀይንዋ ዝነበረ ነገራት፡ ማለት ብዛዕባ ሓድሽ ባህልን ብዛዕባ ናፍቖት ዓድን ምስ ሓደስቲ ሰባት ተሳኒኻ ብዛዕባ ምንባርን እትገልጽ ነበረት። ስለዚ፡ “የሆዋ በታ ምሸት እቲኣ ይዛረበኒ ኸም ዝነበረ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። እታ ዓንቀጽ፡ ኣብ ምድበይ ክቕጽል ኣበራቲዓትኒ እያ” በለት።—መዝ. 44:25, 26፣ ኢሳ. 41:10, 13

13. የሆዋ ንህዝቡ፡ ነቲ ብስራት ‘ብሕጊ ኺስርትዎን ኪማጐቱሉን’ ከም ዚሕግዞም ዜርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ‘ብሕጊ ኺስርትዎን ኪማጐቱሉን’ ከለዉ ዕዉታት ምዃኖም፡ ካብታ ሓያል ኢድ የሆዋ ደገፍ ከም ዘለዎም ዚሕብር መርትዖ እዩ። (ፊል. 1:7) ገሊአን መንግስትታት ንዕዮ ህዝቢ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ደው ኬብላኦ ጽዒረን እየን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ላዕለዋይ ኣብያተ ፍርዲ 268 ሳዕ ከም እተዓወቱ፡ ካብዚ እውን 24 ጕዳያት ካብ ዓመተ 2000 ንደሓር ኣብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኸም እተዓወቱ ምስ እንርኢ፡ ንኢድ ኣምላኽ ዋላ ሓደ ኺዓግታ ኸም ዘይክእል ንጹር ይዀነልና እዩ።—ኢሳ. 54:17፣ ኢሳይያስ 59:1 ኣንብብ።

14. ኣብ ዕዮ ስብከትናን ኣብ ሓድነትናን ኢድ ኣምላኽ እንርኢ ብኸመይ ኢና፧

14 ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኺግበር ዚከኣል። (ማቴ. 24:14፣ ግብ. 1:8) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ነቲ ንዓለም ሓርቢትዋ ዘሎ ኻብ እተፈላለየ ሃገራት ዝዀኑ ህዝቢ የሆዋ ዘለዎም ሓድነት እንተ ደሚርናዮ፡ ካልኦት እኳ፡ “ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ መንጎኹም እዩ” ዚብሉሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 14:25) ስለዚ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ብሓፈሻ ይድግፎም ከም ዘሎ ዚሕብር እኹል መርትዖ ኣሎና። (ኢሳይያስ 66:14 ኣንብብ።) ግናኸ፡ ብብሕትኻ ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ብንጹር ትርኢ ዲኻ፧

ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ትርኢ ዲኻ፧

15. ሓድሓደ ግዜ ኢድ የሆዋ ኣብ ህይወትና ስለምንታይ ብንጹር ከም ዘይንርኢ ግለጽ።

15 ኢድ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብንጹር ዘይንርእየሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ኣመና ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኸም ዝሓገዝና ኣይነተኵረሉን ንኸውን። ንግስቲ ኢዛቤል ንነብዪ ኤልያስ ከም እትቐትሎ ምስ ኣጕባዕብዓትሉ፡ ኤልያስ እኳ ኸይተረፈ ንእተወሰነ ህሞት ኣምላኽ ከመይ ከም ዝደገፎ ረሲዑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኤልያስ፡ “ሞት ተመንዩ” ይብል እዩ። (1 ነገ. 19:1-4) ነቲ ንኤልያስ ዘጋጠሞ ጸገም፡ ፍታሑ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ካብ የሆዋ ምትብባዕ ኪረክብ ነይርዎ።—1 ነገ. 19:14-18

16. ንኣምላኽ ከምቲ እዮብ ዝረኣዮ ጌርና ምእንቲ ኽንርእዮ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

16 እዮብ በቲ ዘተሓሳሰቦ ጕዳይ ኣቓልቦኡ ኣመና ስለ እተሰርቀ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ ኣይኰነን ዚርኢ ነይሩ። (እዮ. 42:3-6) ንሕና እውን ከም እዮብ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንርእዮ፡ ዝያዳ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና ጸገማት ዚብሎ ነገራት ከነስተንትነሉ ኣሎና። የሆዋ ኸመይ ገይሩ ኸም ዚድግፈና እናፈለጥና ምስ ከድና፡ ብዝያዳ ህያው እዩ ዚዀነልና። ድሕሪኡ ኸም እዮብ፡ “ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ” ኽንብል ንኽእል ኢና።

የሆዋ፡ ካልኦት ንዕኡ ምእንቲ ኺርእይዎ ንዓኻ ይጥቀመልካዶ ኣሎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17, 18 ርአ)

17, 18. (ሀ) የሆዋ ይሕግዘና ኸም ዘሎ ኸመይ ጌርና ኸነስተውዕል ንኽእል፧ (ለ) ኣምላኽ ሎሚ እውን ይሕግዘና ኸም ዘሎ ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።

17 ከመይ ጌርና ኢና ንኢድ የሆዋ ኽንርእያ እንኽእል፧ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦ ኣምላኽ ንሓቂ ኽትቅበል ከም ዝሓገዘካ ይስምዓካ ይኸውን። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስ ተኣከብካ እሞ ሓደ ኽፍሊ ምስ ሰማዕካ፡ “እዚ እዩ ብልክዕ ዜድልየኒ” ዝበልካሉ እዋን እውን ይህሉ ይኸውን። ወይ ንጸሎትካ ምላሽ ረኺብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ወሲንካስ፡ የሆዋ ኣብ ኵሉ ነገራት ኪሰልጠካ ኸመይ ከም ዝሓገዘካ ደንጽዩካ ይኸውን። ወይ ድማ ምእንቲ መንፈሳዊ ምኽንያታት ኢልካ ኻብ ስራሕካ ምስ ወጻእካ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን . . . እየ” ዚብል ኣምላኽ ዝኣተዎ ቓል ኪፍጸም ርኢኻ ትኸውን። (እብ. 13:5) ብመንፈሳዊ ንቑሓት ምስ እንኸውን፡ የሆዋ ኸመይ ገይሩ ብብዙሕ መገድታት ከም ዝሓገዘና ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና።

18 ኣብ ኬንያ እትነብር ሳራ ነዚ ዚስዕብ ተመክሮ ኣዘንትያ ኣላ፦ “ብዛዕባ ሓንቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድንቖት ከም ዘይብላ ዀይና እተሰምዓትኒ ተምሃሪት ጸልየ። ንየሆዋ ኸኣ ነቲ መጽናዕቲ ኸቋርጾዶ ኢለ ሓቲተዮ። ‘ኣሜን’ ምስ በልኩ፡ ብኡብኡ ተሌፎነይ ተደዊላ። እታ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ እያ ምሳይ ናብ ኣኼባ ኽትከይድ ትኽእል እንተ ዀይና ኽትሓትተኒ ደዊላ! ብዙሕ እዩ ደንጽዩኒ!” ንስኻ እውን ንቑሕ ምስ እትኸውን፡ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ብንጥፈት ዚዓይየሉ መገድታት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ኣብ እስያ እትነብር ሮና ዝስማ ሓብቲ፡ “መምርሒ የሆዋ ንምስትውዓሉ እተወሰነ ተመክሮ ይሓትት እዩ። ሓንሳእ ከተስተውዕሎ ምስ ጀመርካ ግና፡ ክሳዕ ክንደይ ብኣና ኸም ዚግደስ ምፍላጥካ የደንቐካ እዩ!” በለት።

19. ካብቶም ንኣምላኽ ዚርእይዎ ንምዃን እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ዜድልየና፧

19 የሱስ፡ “ጽሩይ ዝልቦም፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:8) እሞኸ ኸመይ ኢልና ኢና “ጽሩይ ዝልቦም” እንኸውን፧ ብውሽጥና ጽሩያት ክንከውንን ክፉእ ምግባር ክንሓድግን ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 4:2 ኣንብብ።) ብመንፈሳዊ መዳይ እናደልደልናን ቅኑዕ ኣካይዳ እናሰዓብናን ምስ ከድና፡ ምስቶም ንኣምላኽ ኪርእይዎ ዚኽእሉ ኽንጽብጸብ ንኽእል ኢና። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እታ ጽልዋ የሆዋ ኣብ ህይወትና ብዝያዳ ኸነስተውዕል እተኽእለና ነገር፡ ማለት ብዛዕባ እምነት ክንምርምር ኢና።