ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እምነት ወስኸና”

“እምነት ወስኸና”

“እምነት ኣብ ዚጐድለኒ ድማ ርድኣኒ!”—ማር. 9:24

መዝሙር፦ 54, 24

1. እምነት ክሳዕ ክንደይ እያ ኣገዳሲት፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

‘የሆዋ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኣድሒኑ ናብ ሓዳስ ዓለም ኬእትዎ ዚደሊ ዓይነት ሰብ ድየ፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ድሕነት ንምርካብ ዜድልየና ብዙሕ ረቛሒታት እኳ እንተሎ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ግና፡ “ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ” ብምባል ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸነማልኦ ዚግባእ ነገር ጠቒሱ ኣሎ። (እብ. 11:6) እዚ ኣዝዩ መሰረታዊ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ሓቂ ግና “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን።” (2 ተሰ. 3:2) እዘን ጥቕስታት እዚአን፡ ሓያል እምነት ምጥራይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሓልና።

2, 3. (ሀ) ብዛዕባ ኣገዳስነት እምነት፡ ካብ ጴጥሮስ እንታይ ንምሃር፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ “ፍቱን” እምነት ኪዛረብ ከሎ፡ “ብግልጸት የሱስ ክርስቶስ ንውዳሰን ክብርን ግርማን ምእንቲ ኪኸውን” ምባሉ፡ ንኣገዳስነት እምነት ኣጕሊሑ እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:7 ኣንብብ።) እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብፍጥነት ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ ካብቶም እቲ ኽቡር ንጉስና ኺግለጽ ከሎ እምነቶም እትውደስ ሰባት፡ ማለት ካብቶም ድልድልቲ እምነት ዘላቶም ሰባት ክንከውን ንደሊ ኢና። እወ፡ “ንሕናስ ምስቶም ነፍሶም ንምድሓን ዚኣምኑ” ኢና ኽንከውን እንደሊ። (እብ. 10:39) ነዚ ሸቶ እዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ከምቲ “እምነት ኣብ ዚጐድለኒ ድማ ርድኣኒ!” ዝበለ ሰብኣይ ኢልና ንልምን ንኸውን። (ማር. 9:24) ወይ ከም ሃዋርያት የሱስ፡ “እምነት ወስኸና” ኽንብል ንድረኽ ንኸውን።—ሉቃ. 17:5

3 እምነት ኪውሰኸልና ዘለዎ ኣገዳስነት እንታይ ሕቶታት የበግስ። ነዛ ባህርይ እዚኣ ኸመይ ጌርና ኽንሃንጻ ንኽእል፧ እምነት ከም ዘላትና ኸመይ ጌርና ነርኢ፧ እምነት ኪውሰልኸና እነቕርቦ ልማኖ ኸም ዚምለስ ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ እምነት ምህናጽ

4. ናይ መነመን ኣብነታት እዩ እምነትና ንምድልዳል ኪድርኸና ዚኽእል፧

4 “እቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ፡ ንትምህርትና” ስለ እተጻሕፈ፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓያሎ ኣብነታት እምነት ክንምሃር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:4) ብዛዕባ እኒ ኣብርሃምን ሳራን ይስሃቅን ያእቆብን ሙሴን ረሃብን ጊዴዎንን ባራቅን ብዙሓት ካልኦትን ከነንብብ ከለና፡ እምነትና ኽንምርምር ድራኸ ኬሕድረልና ይኽእል እዩ። (እብ. 11:32-35) ብተወሳኺ፡ ዜደንቕ እምነት ብዛዕባ ዘርኣዩ ኣብዚ ግዜና ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ከነንብብ ከለና፡ እምነትና ንምድልዳል ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ንድረኽ ኢና። *

5. ኤልያስ ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ከም ዝነበረቶ ብኸመይ ኣርእዩ፧ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነትከ ብዛዕባ እንታይ ክንሓስብ እዩ ዚድርኸና፧

5 ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት፡ ነብዪ ኤልያስ እዩ። ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይእመን ከም ዝነበረ ዚሕብር እዚ ዚስዕብ ፍጻመታት እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ። ኤልያስ ንንጉስ ኣከኣብ፡ “ኣነ ኸይተዛረብኩ፡ ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ” ኢሉ ብምዝራብ፡ የሆዋ ደርቂ ኼምጽእ ከም ዝሓለነ ብምትእምማን ነጊርዎ እዩ። (1 ነገ. 17:1) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንዕኡን ንኻልኦትን ዜድልዮም ዘበለ የሆዋ ኸም ዜማልኣሎም ይኣምን ነይሩ እዩ። (1 ነገ. 17:4, 5, 13, 14) ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንቘልዓ ኻብ ምዉታት ኬተንስእ ከም ዚኽእል ዝነበሮ ምትእምማን ገሊጹ እዩ። (1 ነገ. 17:21) ኣብ ከረን ቀርሜሎስ፡ የሆዋ ነቲ መስዋእቲ ዚበልዕ ሓዊ ኸም ዚሰድድ ድማ ጥርጣረ ኣይነበሮን። (1 ነገ. 18:24, 37) እቲ ደርቂ ዜብቅዓሉ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ገና ምልክት ዝናም እኳ ኸይተራእየ፡ ኤልያስ ንኣከኣብ፡ “ደሃይ ብዙሕ ዝናም አሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተን” ኢልዎ እዩ። (1 ነገ. 18:41) ከምዚ ዝበለ ዛንታታት ከነንብብ ከለና፡ እምነትና ድልድልቲ እንተ ዀይና ንምርምማር የለዓዕለና ድዩ፧

እምነትና ንምህናጽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

6. እምነትና ንምህናጽ ካብ የሆዋ እንታይ የድልየና፧

6 ብኢደ ወነንና እምነት ከነማዕብል ኣይንኽእልን ኢና። እምነት ሓደ መዳይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እያ። (ገላ. 5:22) ስለዚ፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ስዒብና ዝያዳ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ኽንጽሊ ኣሎና። ከመይሲ፡ የሱስ፡ “ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!” ኢሉ እዩ።—ሉቃ. 11:13

7. ንእምነትና ኸመይ ጌርና ወትሩ ድልድልቲ ኽንገብራ ኸም እንኽእል ብምሳሌ ግለጽ።

7 እምነት ምስ ሰረትና፡ ንእምነትና ብቐጻሊ ኽንዕንግላ ኣሎና። እምነትና ምስ እተኣጕደ ሓዊ ኽትመሳሰል ትኽእል እያ። እቲ ሓዊ ኣብ ፈለማ ምስ ተናኸሰ፡ ብሓንሳእ ሃልሃል ኪብል ይኽእል እዩ። ዕንጨይቲ እንተ ዘይወሲኽካሉ ግና፡ ቀስ ኢሉ እናቐሃመ ኸይዱ ፈኸም ዚብል ፈሓም ይኸውን፣ ነዚ እውን ስቕ ኢልካ እንተ ሓዲግካዮ፡ ሓምዅሽቲ እዩ ዚኸውን። በብግዜኡ ዕንጨይቲ እንተ ወሲኽካሉ ግና፡ እናነደደ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ንእምነትና እውን ብስሩዕ ቃል ኣምላኽ እንተ መጊብናያ፡ ህያው ክትከውን ትኽእል እያ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ብምጽናዕ፡ ንዕኡን ንደራሲኡን ዘሎና ፍቕሪ ይዓሙቝ፡ እዚ ድማ ዝያዳ እምነት ንምህናጽ መሰረት ይዀነና።

8. ድልድልቲ እምነት ንምህናጽን ወትሩ ኸምኡ ዀይና ኸም እትቕጽል ንምግባርን፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

8 ድልድልቲ እምነት ንምህናጽን ወትሩ ኸምኡ ዀይና ኸም እትቕጽል ንምግባርን፡ እንታይ ተወሳኺ ነገር ክትገብር ትኽእል፧ በቲ ኽሳዕ ጥምቀት እተመሃርካዮ ነገር ኣይትዕግብ። (እብ. 6:1, 2) ነቲ እተፈጸመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዓዮ፣ ከመይሲ፡ ከምኡ ምግባርካ ንእምነትካ ኼድልድላ ይኽእል እዩ። እምነትካ ድልድልቲ እንተ ዀይና ንምርግጋጽ እውን፡ ብቓል ኣምላኽ ጌርካ ኽትልክዓ ትኽእል ኢኻ።—ያእቆብ 1:25፣ 2:24, 26 ኣንብብ።

9, 10. (ሀ) ጽቡቕ ዕርክነት፡ (ለ) ኣኼባታት ጉባኤ፡ (ሐ) ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ንእምነትና ዚሃንጻ ብኸመይ እዩ፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ብእምነት ሓድሕድና . . . ንሓድሕድና ኽንተባባዕ” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (ሮሜ 1:12) ምስ ኣምለኽቲ የሆዋ ኽንሓብር ከለና፡ ምናዳ ድማ ምስቶም “ፍቱን” እምነት ዘለዎም ክንከውን ከለና፡ እምነት ሓድሕድና ኽንሃንጽ ንኽእል ኢና። (ያእ. 1:3) ሕማቕ ዕርክነት ንእምነት የፍርሳ እዩ፣ ጽቡቕ ዕርክነት ግና ይሃንጻ እዩ። (1 ቈረ. 15:33) ሓደ ኻብቲ፡ “ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ” ዚብል ምኽሪ እተዋህበሉ ምኽንያታት እውን እዚ እዩ። (እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።) ኣብ ኣኼባታትና ዚቐርብ ትምህርቲ ንእምነትና ዚሃንጽ ምዃኑ ድማ ካልእ ምኽንያት እዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ጳውሎስ፡ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ” ዝበሎ ቓል ዚሰማማዕ እዩ። (ሮሜ 10:17) እሞኸ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ስሩዕ ኽፍሊ ህይወትና ድዩ፧

10 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንሳተፍ ከለና፡ እምነት ካልኦት ጥራይ ኣይኰንናን እንሃንጽ፣ የግዳስ፡ እምነትና እውን ትዓቢ እያ። ከመይሲ፡ ኣብ ኣገልግሎት፡ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምእማንን ኣብ ኵሉ ዅነታት ብትብዓት ምዝራብን ንምሃር ኢና።—ግብ. 4:17-20፣ 13:46

11. ካሌብን እያሱን ድልድልቲ እምነት ዝነበረቶም ስለምንታይ እያ፧ ከመይ ጌርና ኢና ኸማታቶም ክንከውን እንኽእል፧

11 የሆዋ ኣብ ህይወትና ኸመይ ገይሩ ኸም ዚሕግዘናን ንጸሎትና ኸመይ ገይሩ ኸም ዚምልሶን ኪፍለጠና ምስ ጀመረ፡ እምነትና ትዓቢ እያ። ካሌብን እያሱን እዚ ተመክሮ እዚ እዮም ኣሕሊፎም። ነታ ምድሪ ተስፋ ኺስልይዋ ኸለዉ፡ ብየሆዋ ኸም ዚኣምኑ ኣርእዮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ህይወቶም መምርሒ የሆዋ ይርእዩ ብምንባሮም፡ እምነቶም እናዓበየት ከይዳ እያ። ስለዚ ድማ እዩ እያሱ ንእስራኤላውያን፡ “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ . . . ፍለጡ” ኢሉ ብርቱዕ ቃል ኪዛረቦም ዝኸኣለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ሕጂ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ፡ ብፍጽምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ፡ . . . ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” ኢልዎም እዩ። (እያ. 23:14፣ 24:14, 15) ንሕና እውን የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ምስ ጠዓምና፡ ከምዚኣ ዝበለት እምነት ከነሕድር ንኽእል ኢና።—መዝ. 34:8

እምነትና ብኸመይ ከም እነርኢ

12. ምስ እምነት ብእተተሓሓዘ እንታይ ነገር ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ያእቆብ ዝሓበረ፧

12 ከመይ ጌርና ኢና ህያው እምነት ከም ዘላትና እነርኢ፧ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ነዛ ሕቶ እዚኣ ምላሽ ኪህበላ ኸሎ፡ “ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ” ኢሉ እዩ። (ያእ. 2:18) ተግባራትና ናይ ሓቂ እምነት ከም ዘላትና የርኢ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

እቶም ኣብ ኣገልግሎት ዚከኣሎም ኵሉ ዚገብሩ፡ ድልድልቲ እምነት ከም ዘላቶም የርእዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍ፡ እምነትና እነርእየሉ መገዲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍ፡ እምነትና እነርእየሉ ብሉጽ መገዲ እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ ኽንሰብኽ ከለና፡ መወዳእታ ምቕራቡ ኸም እንኣምን፡ ነቲ ብዛዕባ መወዳእታ፡ “ኣይኪድንጕን . . . እዩ” ዚብል ቃል እውን ከም ዘይንጠራጠሮ ኢና እነርኢ። (ኣን. 2:3) ሓደ ኻብቲ ንእምነትና እንልክዓሉ መገዲ፡ በቲ ኣብ ኣገልግሎትና እንገብሮ ጻዕሪ እዩ። ዚከኣለና ዅሉዶ ንገብር ኢና፧ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ንምግባር መገድታት ነናዲ ዲና፧ (2 ቈረ. 13:5) እወ፡ ‘ድሕነት ንምርካብ ብኣፍና እንእመን’ እንተ ዄንና፡ ኣብ ልብና እምነት ከም ዘሎና ኣጸቢቕና ኢና እነርኢ።—ሮሜ 10:10 ኣንብብ።

14, 15. (ሀ) ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኸመይ ጌርና እምነትና ኸነርኢ ንኽእል፧ (ለ) ድልድልቲ እምነት ብተግባር እተራእየትሉ ተመክሮ ኣዘንቱ።

14 ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንዜጋጥመና ጸገማት ክንጻወሮ ኸለና እውን፡ እምነትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ሕማም፡ ምቝራጽ ተስፋ፡ ጭንቀት፡ ድኽነት፡ ወይ ካልእ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋን ወዱን ‘ብግዜኡ ኸም ዚረድኡና’ እምንቶ ኣሎና። (እብ. 4:16) ነዚ ረድኤት እዚ ንምርካብ ብምጽላይ ድማ እምንቶና ነርኢ ኢና፣ እዚ ረድኤት እዚ ኸኣ ኣብቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ጥራይ እተደረተ ኣይኰነን። የሱስ “ናይ ዕለት እንጌራና በብመዓልቱ ሃበና” ኢልና እውን ክንጽሊ ኸም እንኽእል ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃ. 11:3) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት፡ የሆዋ ዜድልየና ኸም ዜማልኣልና የእምነና እዩ። ኣብ እስራኤል ብርቱዕ ደርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ የሆዋ ንኤልያስ ዜድልዮ ምግብን ማይን ሂብዎ እዩ። ብትእዛዝ የሆዋ፡ “እቶም ኳዃት . . . ብጊሓት እንጌራን ስጋን፡ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ።” (1 ነገ. 17:3-6) ንዓና እውን የሆዋ ብእተፈላለየ መገዲ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልና ንኣምን ኢና።

ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንዜጋጥመና ጸገማት ክንጻወሮ ኸለና፡ እምነት ነርኢ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

15 መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓልና፡ ናይ ዕለት እንጌራና ንምርካብ ከም ዜኽእለና እምንቶ ኣሎና። ረበካ ዝስማ ኣብ እስያ እትነብር ምርዕውቲ ሓብቲ፡ ነዚ ኣብ ስድራ ቤታ ርእያቶ እያ። ኣባላት እታ ስድራ ቤት ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምቕዳምን ትጉሃት ዓየይቲ ብምዃንን ንማቴዎስ 6:33ን ንምሳሌ 10:4ን ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምወን እዮም። ረበካ ኸም ዝገለጸቶ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሰብኣያ፡ ዓለማዊ ስራሑ ዘለዎ ባህርይን ዜምጽኦ ጸቕጥን ንመንፈሳውነቶም ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ነቲ ስራሑ ሓደጎ። ግናኸ፡ ዜዕብይዎም ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎም። ድሕርዚ እንታይ ከም ዝዀነ ኸኣ ረበካ ኸምዚ ኢላ ትገልጽ፦ “ምቁር ምግቢ ሰሪሕና ኽንሸይጥ ጀሚርና። በዚ ኸምዚ መነባብሮና እንመርሓሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ፡ የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓደገና እዩ ዚስምዓና። እንጌራ ዕለትና ስኢንና ኣይንፈልጥን ኢና።” ንስኻኸ መጽሓፍ ቅዱስ ንግዜና ብሉጽ መምርሒ ኸም ዚኸውን ዘላትካ እምነት ከተርኢ ኽኢልካዶ፧

16. ኣብ ኣምላኽ እንውከል እንተ ዄንና፡ ኣብ መወዳእታ እንታይ ፍረ ኢና እንረክብ፧

16 ኣምላኽ ዝሃበና መምርሒ እንተ ስዒብና፡ ጽቡቕ ከም ዚዀነልና ጠሪስና ኽንጠራጠር የብልናን። ጳውሎስ ካብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ኣንባቆም ጠቒሱ፡ “ጻድቕ ብእምነት ይነብር” ኢሉ እዩ። (ገላ. 3:11፣ ኣን. 2:4) ስለዚ፡ ኣብቲ ብሓቂ ኺሕግዘና ዚኽእል ኣምላኽ፡ እምነት ከነሕድር ኣሎና። ጳውሎስ እውን፡ ኣምላኽ “ከምቲ ኣባና ዚዓዪ ዘሎ ሓይሉ ገይሩ፡ ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር [ከም] ዚኽእል” መዘኻኸሪ ሂቡና ኣሎ። (ኤፌ. 3:20) ኣገልገልቲ የሆዋ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ዚከኣሎም ዘበለ ይገብሩ እዮም፣ ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ ግና፡ ኣብ በረኸት የሆዋ እዮም ዚተኣማመኑ። ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቦታ ዘለዎ ምዃኑስ ዜሐጕስ ደይኰነን፧

እምነት ኪውሰኸሎም ዘቕረብዎ ልማኖ ተመሊሱሎም

17. (ሀ) ሃዋርያት እምነት ኪውሰኸሎም ዘቕረብዎ ልማኖ ብኸመይ እዩ ተመሊሱ፧ (ለ) እምነት ኪውሰኸልና እነቕርቦ ልማኖ ኸም ዚምለሰልና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

17 ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሳባት ድሕሪ ምርኣይና፡ ከምቲ እቶም ሃዋርያት ንጐይታና፡ “እምነት ወስኸና” ኺብልዎ ኸለው እተሰምዖም ስምዒት ይስምዓና ይኸውን። (ሉቃ. 17:5) ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣባታቶም መንፈስ ቅዱስ ምስ ፈሰሰ እሞ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ዝዓመቘ ልቦና ምስ ኣጥረዩ፡ ልማኖኦም ተመሊሱ እዩ። እዚ ድማ ንእምነቶም ኣደልዲልዋ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓብዪ ወፈራ ስብከት ጀሚሮም እዮም። (ቈሎ. 1:23) ንሕናኸ ነቲ እምነት ኪውሰኸልና እነቕርቦ ልማኖ ኸም ዚምለሰልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ዲና፧ ‘ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌርና እንተ ለሚንና፡’ ምላሽ ከም እንረክብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ።—1 ዮሃ. 5:14

18. የሆዋ ነቶም እምነት ዜጥርዩ ኸመይ ገይሩ ይባርኾም፧

18 የሆዋ በቶም ብእኡ ምሉእ ብምሉእ ዚእመኑ ባህ ይብሎ እዩ። ነቲ እምነት ኺውስኸልና እነቕርቦ ልማኖ ድማ ኪምልሶ እዩ፣ እምነትና ኸኣ ኣዝያ ኽትዓቢ እያ። እዚ ድማ ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንና ኸም እንቝጸር ኪገብረና’ እዩ።—2 ተሰ. 1:3, 5

^ ሕ.ጽ. 4 ንኣብነት፡ ታሪኽ ህይወት አይቫ ዩሴፍሶን (1 ሰነ 1998፡ ግምቢ ዘብዕኛ)፡ ፔርክለዝ ያኖሪስ (1 ለካቲት 2003፡ ግምቢ ዘብዐኛ)፡ ሶለዳድ ካስቲዮ (1 ጥቅምቲ 2008፡ ግምቢ ዘብዐኛ) ርአ።