ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከየስገልካ ንየሆዋ ኣገልግሎ

ከየስገልካ ንየሆዋ ኣገልግሎ

“ማርያም . . . ኣብ እግሪ ጐይታ ተቐሚጣ፡ ዘረባኡ ትሰምዕ ነበረት። ማርታ ግና ብዙሕ ኣብ ምግልጋል ኣስጊላ ነበረት።”—ሉቃ. 10:39, 40

መዝሙር፦ 40, 55

1, 2. የሱስ ንማርታ ዜፍቅራ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ፍጽምቲ ኸም ዘይነበረት ዜርኢኸ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ማርታ ኽትሓስብ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ ዚመጽእ እንታይ እዩ፧ ካብቶም የሱስ ከም ዜፍቅሮም እተገልጹ፡ ብስማ እተጠቕሰት ሰበይቲ ንሳ ጥራይ እኳ እንተ ዀነት፡ ነታ ምድራዊት ኣዲኡ ዝነበረት ማርያምን ንማርያም ሓብቲ ማርታን ንኻልኦት ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስትን እውን ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ነይራቶ እያ። (ዮሃ. 11:5፣ 19:25-27) ኣብ ጸብጻብ ወንጌል፡ ማርታ በዚ ኸምዚ እተጠቕሰት ደኣ እሞ ስለምንታይ እያ፧

2 የሱስ ንማርታ ፍቕሪ ዝነበሮ፡ ተቐባሊት ጋሻን ትግህትን ስለ ዝነበረት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መንፈሳዊት ሰበይቲ እውን ስለ ዝነበረት እዩ። ብትምህርትታት የሱስ ብሓቂ እትኣምን ሰበይቲ እያ ነይራ። የሱስ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ እውን ብጽኑዕ ትኣምን ነይራ እያ። (ዮሃ. 11:21-27) እንተዀነ ግና፡ ከማና ዘይፍጽምቲ እያ ነይራ። ሓደ እዋን የሱስ ኣብ ቤታ ተኣንጊዱ ኸሎ፡ ንየሱስ ነቲ ጌጋ ኸም ዝዀነ ዝኣመነትሉ ነገር ኪእርሞ ነገረቶ። “ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምበኣር፡ ክትሕግዘኒ ንገራ” ድማ በለቶ። (ሉቃስ 10:38-42 ኣንብብ።) ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ኢና እንመሃር፧

ማርታ ኣስጊላ ነይራ

3, 4. ማርያም “ጽቡቕ ግደ” ዝሓረየት ብኸመይ እያ፧ ማርታ ኣብ ልባ ዘሕደረቶ ትምህርቲኸ እንታይ እዩ፧ (ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ ርአ።)

3 የሱስ ንማርታን ንማርያምን፡ ስለ ዘአንገዳኦ መንፈሳዊ ውህበት ኪህበን ተደረኸ። ማርያም ነቲ ኻብ ኣፍ እቲ ዓብዪ መምህር ክትመሃር ዝረኸበቶ ኣጋጣሚ ተጠቒማ፡ “ኣብ እግሪ ጐይታ ተቐሚጣ፡ ዘረባኡ ትሰምዕ ነበረት።” ማርታ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ነይራ እያ። ምሉእ ኣትኵሮኣ ኣብኡ እንተ ትገብር ከኣ፡ የሱስ ምነኣዳ ነይሩ።

4 ማርታ ግና፡ የሱስ ባህ ዜብል ግዜ ምእንቲ ኼሕልፍ ኢላ፡ ፍሉይ ምግብን ካልእ ዕዮ ገዛን ኣብ ምስራሕ ትሕዝቲ ነበረት። እዚ ዅሉ ድማ ብዘየድሊ ምኽንያት ከም እትጭነቕን ብማርያም ከም እትበሳጮን ገይርዋ እዩ። የሱስ፡ ማርታ ብዙሕ ነገራት ክትገብር ትጽዕር ከም ዘላ ተገንዚቡ፡ ብሕያውነት፡ “ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትሽገርን ኣለኺ” በላ። ሒደት ምግቢ እኹል ከም ዝዀነ ድማ ሓበራ። ማርያም ሸለልተኛ ኸም ዝዀነት ኰይኑ ኸይስምዓ ኢሉ ኸኣ፡ “ማርያምሲ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ፣ ካብኣ ኸኣ ኣይኪውሰድን እዩ” በለ። ማርያም ኣብቲ ፍሉይ ኣጋጣሚ እቲ እንታይ ከም ዝበልዐት ረሲዓቶ ኽትከውን እትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ንየሱስ ብኣቓልቦ ስለ ዝሰምዓቶ ንዝረኸበቶ ናእዳን መንፈሳዊ ምግብን ግና ፈጺማ ኣይትርስዖን እያ። ልዕሊ 60 ዓመት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “የሱስ ድማ ንማርታን ንሓብታን . . . የፍቅሮም ነበረ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃ. 11:5) እዚ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓላት እዚ፡ ማርታ ነቲ የሱስ ዝሃባ ፍቕራዊ እርማት ኣብ ልባ ኸም ዘሕደረቶን ኣብ ዝተረፈ ህይወታ ብምሉኡ ንየሆዋ እምንቲ ዀይና ኸም ዘገልገለትን ዚሕብር እዩ።

5. ኣብዚ ዘለናሉ ዘመናዊ ዓለም ዘሎ ህይወት ምስቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ህይወት ኪነጻጸር ከሎ፡ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ፧ እዚኸ እንታይ ሕቶ የበግስ፧

5 መስገሊታት ብዚምልከት፡ እዚ እንነብረሉ ዘለና ዓለም ምስቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ህይወት ኪነጻጸር ከሎ፡ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ፧ “ኣብ ታሪኽ፡ ሰባት ከም ሎሚ ገይሮም ብሉጽ መራኸቢታት፡ ፈጣናት ሓተምቲ ማካይን፡ ብዙሕ ስእልታት ዘለዎ መጽሔታት፡ ረድዮ፡ ፊልም፡ ተለቪዥን ረኺቦም ኣይፈልጡን እዮም። . . . በብመዓልቱ ሓድሽ መስገሊታት የዕለቕልቐና ኣሎ። . . . ገለ ዓመታት ይገብር፡ ግዜና፡ ‘መዋእል ንቕሓተ ኣእምሮ’ ኸም ዝዀነ ጌርካ ጥራይ እዩ ዚሕሰብ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ‘መዋእል ስጋለት’ እናዀነ እዩ ዚኸይድ ዘሎ።” እዚ ቓላት እዚ፡ ልዕሊ 60 ዓመት ይገብር፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንዝነበሩ ተምሃሮ እተነግሮም እዩ ነይሩ። ናይ 15 መስከረም 1958 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ)፡ “እዛ ዓለም ጥፍኣታ ኪቐርብ ከሎ፡ መስገሊታት ኪበዝሕ ይኽእል እዩ” በለት። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ዀን እዩ! ‘ዘየድሊ መስገሊታት ኣርሒቕና ኸም ማርያም ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንምትኳር እንታይ ክንገብር ንኽእል፧’ ዚብል ኣገዳሲ ሕቶ ኸም እንሓትት እውን ይገብረና እዩ።

ንዓለም ምሉእ ብምሉእ ኣይትጠቐመላ

6. ህዝቢ የሆዋ ንተክኖለጂ ዓለም እተጠቕሙሉ ብኸመይ እዮም፧

6 ምድራዊት ክፋል ውድብ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ረብሓታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኢላ፡ ወትሩ ንተክኖሎጂ ዓለም ኣጸቢቓ ትጥቀመሉ እያ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እታ ሕብራዊ ስእልን ድምጽን ዘለዋ ብስላይድን ብተንቀሳቓሲ ስእልን እተሰርሐት ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽንእሞ ሕሰብ። ቅድሚ ቐዳማይ ውግእ ዓለምን ድሕሪኡን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ሚልዮናት ሰባት በዛ ሰላማዊ ዝዀነ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ከም ዚመጽእ እትገልጽ ድራማ እዚኣ ተጸናኒዖም እዮም። ጸኒሑ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብህዝባዊ ረድዮ ተዘርግሐ፡ ኣብ መላእ ዓለም ከኣ ሚልዮናት ሰምዕዎ። ሎሚ ድማ፡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ዚርከባ ደሴታትን ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለምን ንዘለዉ ሰባት ብስራት ንምብጻሕ፡ ብኮምፕዩተርን ብኢንተርነትን ኣጸቢቕና ንጥቀም ኣለና።

ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታትካ ኺዓናቕፈካ ኣይተፍቅድ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. (ሀ) በዛ ዓለም እዚኣ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምጥቃም ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ዝያዳ ኼገድሰና ዘለዎ እንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

7 በቲ እዛ ዓለም እተቕርቦ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ምጥቃም ሓደገኛ ኸም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ የጠንቅቐና እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:29-31 ኣንብብ።) ሓደ ክርስትያን፡ ኣብ ከም እኒ ንመሕለፍ ግዜ ዚግበር ንጥፈታት፡ ንመዘናግዒ ዚኸውን ንባብ፡ ተለቪዥን ምርኣይ፡ ዑደት ቦታታት፡ ዕዳጋ ምርኣይ፡ ሓደስቲ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ወይ ኣቕሓ ምሾት ምድላይ ዝኣመሰለ ብርእሱ ጌጋ ዘይኰነ ነገራት ብቐሊሉ ብዙሕ ግዜ ኼጥፍእ ይኽእል እዩ። ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ኤለክትሮኒካዊ መልእኽቲ ብጽሑፍን ብኢ-መይልን ምልእኣኽ፡ ሓድሽ ዜናን ፍጻመታት ስፖርትን እናሳዕ ምክትታል እውን ግዜና ዜጥፍእን ወልፍን ኪዀነና ይኽእል እዩ። * (መክ. 3:1, 6) ነቲ ኣገዳሲ ኣብ ዘይኰነ ነገራት እነጥፍኦ ግዜ ደረት እንተ ዘይጌርናሉ፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ንጥፈት፡ ማለት ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ዕሽሽ ክንብሎ ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 5:15-17 ኣንብብ።

8. እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኸይንፈቱ እተዋህበና ሕጊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ሰይጣን ነዛ ዓለሙ ኸም እትስሕበናን ከም እተስግለናን ገይሩ እዩ ቐሪጽዋ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከምኡ እዩ ገይሩ፣ ሎሚ ድማ ብዝያዳ ኸምኡ ይገብር ኣሎ። (2 ጢሞ. 4:10) ስለዚ፡ ነቲ፡ “ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ” ዚብል ምኽሪ ኸነቕልበሉ ኣሎና። ምስዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንነብር ቀጻሊ ምትዕርራያት ብምግባር፡ መስገሊታት ከነርሕቕን ‘ንኣቦ ዘሎና ፍቕሪ’ ኸነዕብን ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ቀሊል ይዀነልና፡ ንዘለኣለም ከኣ ሞገሱ ንረክብ።—1 ዮሃ. 2:15-17

ዓይንኻ ትኵርቲ ትኹን

9. የሱስ ብዛዕባ ምሳልያዊት ዓይንና እንታይ እዩ ኢሉ፧ ኣብነት ዝሓደገኸ ብኸመይ እዩ፧

9 እቲ የሱስ ንማርታ ዝሃባ ምኽሪ ምስ ትምህርቱን ኣብነቱን ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕ እዩ ነይሩ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ ከየስገሉ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺስዕቡ፡ ንምሳልያዊት ዓይኖም “ትኵርቲ” ኺገብርዋ ኣተባቢዕዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:22, 33 ኣንብብ።) የሱስ ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ኣይነበሮን፣ ቤት ወይ መሬት እውን ኣይነበሮን።—ሉቃ. 9:58፣ 19:33-35

10. የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧

10 የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ብዙሕ ኬስግሎ ዚኽእል ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ኣየስገለን። ኣገልግሎቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ቅፍርናሆም ንህዝቢ ምስ መሃረን ተኣምራት ምስ ገበረን፡ እቶም ህዝቢ ካብ ከተማኦም ከይከይድ ለመንዎ። የሱስ ነቲ ዜህርር ልማኖኦም እንታይ ምላሽ ሂቡሉ፧ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃ. 4:42-44) ከምቲ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ብምንዋሓን ብምግፋሓን ተጓዒዙ ሰቢኹን ምሂሩን እዩ። ፍጹም እኳ እንተ ነበረ፡ ከም ሰብ መጠን ዜድልዮ ነገራት ነይሩ እዩ፣ ኣገልግሎት ኣምላኽ ኪዓዪ ኸሎ ድማ ብዙሕ ይደክም ነይሩ እዩ።—ሉቃ. 8:23፣ ዮሃ. 4:6

11. የሱስ ነቲ ኣብ ስድራ ቤቱ ባእሲ ዝነበሮ ሰብኣይ እንታይ እዩ ኢልዎ፧ እንታይ መጠንቀቕታ እዩኸ ዝሃበ፧

11 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንሰዓብቱ ምጽራር ኬጓንፎም ከሎ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኪምህሮም ከሎ፡ ሓደ ሰብኣይ፡ “መምህር፡ ንሓወይ ርስቲ ኺመቕለኒ ንገረለይ” በሎ። የሱስ ግና፡ ኣብቲ ጕዳይ ኪኣቱ ኣይደለየን። “ኣታ ሰብኣይ፡ ኣብ ልዕሌኹም ዳኛ ወይስ መማቐሊ ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” ኢሉ መለሰ። ድሕሪኡ ንሰማዕቱ፡ እቲ ንስጋዊ ነገራት ዘለዎም ባህጊ ኻብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከየስግሎም ኪጥንቀቑ ኸም ዘለዎም መሃሮም።—ሉቃ. 12:13-15

12, 13. (ሀ) የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ንገሊኦም ግሪኻውያን ጵሮሴሊት ተገዳስነት ዘሕደረሎም ነገር እንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ መስገሊ ኪኸውን ዚኽእል ዝነበረ ነገር ብኸመይ ኣልይዎ፧

12 እታ የሱስ ሰብ ኰይኑ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ሰሙን፡ ኣዝያ ኣጨናቒት እያ ነይራ። (ማቴ. 26:38፣ ዮሃ. 12:27) ብዙሕ ዚዕየ ነገራት ነበሮ፣ ዜዋርድ ፍርድን ጭካነ ዝመልኦ ሞትን እውን ይጽበዮ ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብ ሰንበት 9 ኒሳን 33 ድ.ክ. እንታይ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ። ከምቲ ብትንቢት እተነግረ፡ የሱስ ጻዕብ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ኣተወ፣ እቶም ህዝቢ ድማ፡ “ብስም የሆዋ ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ!” እናበሉ ብእልልታ ተቐበልዎ። (ሉቃ. 19:38) ንጽብሒቱ ድማ፡ የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፡ ነቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ካብ ብጾቶም ኣይሁዳውያን ገንዘብ ዚምንዝዑ ዝነበሩ ስሱዓት ነጋዶ ብትብዓት ሰጐጎም።—ሉቃ. 19:45, 46

13 ኣብ የሩሳሌም ኣብ መንጎ ህዝቢ ዝነበሩ ገለ ግሪኻውያን ጵሮሴሊት፡ ብየሱስ ስለ እተመሰጡ፡ ምስኡ ኺራኸቡ ንሃዋርያ ፊልጶስ ሓተትዎ። የሱስ ግና፡ ካብቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ኣገዳሲ ጕዳያት ኬስግል ኣይደለየን። ብኢድ ጸላእቲ ኣምላኽ መስዋእታዊ ሞት ምእንቲ ኸይመውት፡ ኣብ ህዝቢ ተፈላጥነት ኪረክብ ከም ዘይደለየ ንጹር እዩ። ስለዚ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚመውት ምስ ገለጸ፡ ንእንድርያስን ንፊልጶስን፡ “እቲ ንነፍሱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ፣ እቲ ንነፍሱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንናይ ዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ” በሎም። ነቲ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ እቶም ግሪኻውያን ምላሽ ኣብ ክንዲ ዚህበሉ፡ ሰዓብቱ ኸምኡ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ኪዀኑ መሃረ፣ “ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ” ኢሉ ድማ ተመባጽዐ። ፊልጶስ ነቶም ዝሓተትዎ እዚ ኣወንታዊ መልእኽቲ እዚ ኸም ዝነገሮም ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ዮሃ. 12:20-26

14. የሱስ ንዕዮ ስብከት ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ኪህብ ከሎ፡ ሚዛናዊ ኸም ዝነበረ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

14 የሱስ ካብቲ ብስራት ናይ ምስባኽ ቀንዲ ዕላማኡ ዘየስግል እኳ እንተ ነበረ፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን ብዛዕባ ዕዮ ዚሓስብ ነይሩ። እንተ ወሓደ ሓደ እዋን ናብ መርዓ ተዓዲሙ ኸይዱ እዩ፣ ብተኣምራዊ መገዲ ማይ ናብ ወይኒ ብምልዋጥ ድማ ኣብቲ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እቲ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። (ዮሃ. 2:2, 6-10) ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱን ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ምስ ዚኽእሉ ሰባትን እውን ድራር ተዓዲሙ ኸይዱ እዩ። (ሉቃ. 5:29፣ ዮሃ. 12:2) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኪጽልን ብብሕቲ ኼስተንትንን ኬዕርፍን ዜኽእሎ ግዜ ኣዘውቲሩ ይዕድግ ነይሩ እዩ።—ማቴ. 14:23፣ ማር. 1:35፣ 6:31, 32

‘ንዅሉ ኽብደት ቀንጥጥ’

15. ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂቡ፧ ኣብነት ዝሓደገኸ ብኸመይ እዩ፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንመገዲ ህይወት ሓደ ርእሱ ዝወፈየ ክርስትያን ተጻዋርነት ምስ ዚሓትት ቅድድም ኣመሳሰሎ፣ ‘ንዅሉ ኽብደት ንቐንጥጥ’ ድማ በለ። (እብራውያን 12:1 ኣንብብ።) ጳውሎስ፡ ነቲ ብዙሕ ሃብትን ተፈላጥነትን ኪረኽበሉ ዚኽእል ዝነበረ ኣብ ኣይሁድነት ዝነበሮ ሞያ ስለ ዝሓደጎ፡ ነቲ ዚሰብኮ ዝነበረ ይገብሮ ኸም ዝነበረ ርግጽ እዩ። ኣብቲ “ዚሓይሽ” ኣተኲሩ ነበረ፣ ካብን ናብን ሶርያን ንእሽቶ እስያን መቄዶንያን ይሁዳን እናተጓዕዘ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ኣበርቲዑ ይዓዪ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ ዝነበሮ ተስፋ ኸኣ፡ “ነቲ ብድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ናብቲ ብቕድመይ ዘሎ ድማ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሸቶ ኣቢለ . . . እግስግስ ኣለኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 1:10፣ 3:8, 13, 14) በቲ ንጽል ብምዃኑ ዝረኸቦ ናጽነት ተጠቒሙ ኸኣ፡ ‘ከየስገለ ንጐይታ ኣገልጊሉ’ እዩ።—1 ቈረ. 7:32-35

16, 17. እተመርዓና ወይ ዘይተመርዓና ንኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ ጳውሎስ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ምስ ኰነ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ክንስዕቦ ንኽእል፧ ተመክሮ ኣዘንቱ።

16 ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ከም ጳውሎስ፡ ብዙሕ ሓላፍነታት ስድራ ቤት ከይሃለዎም ገዛእ ርእሶም ንኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ኸይተመርዓዉ ኺጸንሑ መሪጾም እዮም። (ማቴ. 19:11, 12) መብዛሕትኡ እዋን፡ እተመርዓዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብዙሕ ሓላፍነታት ስድራ ቤት ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ እተመርዓና ንኹን ዘይተመርዓና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ‘ንዅሉ ኽብደት ክንቅንጥጦን’ ንየሆዋ ብዙሕ ከየስገልና ኸነገልግሎን ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ፡ ግዜ ዜጥፍእ ልማዳት ምንካይን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እነሕልፎ ግዜ ንምውሳኽ ሸቶ ምውጻእን ዚሓትት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

17 ማርክን ክሌርን ዚብሃሉ ዌልሳውያን ሰብ ሓዳር እስከ ንርአ። ክልቲኦም ትምህርቲ ምስ ወድኡ፡ ፈለምቲ ዀኑ፣ ምስ ተመርዓዉ እውን ቀጸሉ። ማርክ፡ “ኣብ ኣህጉራዊ ዕዮ ህንጸት ምእንቲ ኽንኣቱ፡ ሰለስተ መደቀሲ ኽፍሊ ዝነበሮ ቤትና ብምሻጥን ነቲ ዝነበረና ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ብምሕዳግን ህይወትና ኣቕሊልና ኢና” በለ። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ከኣ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ እናተጓዕዙ፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ ሓጊዞም እዮም። ሓደ እዋን፡ እቲ ዝነበሮም ቅሙጥ ገንዘብ ናብ 15 ዶላር ጥራይ ወሪዱ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ኣልይዎም እዩ። ክሌር፡ “መዓልቲ መዓልቲ ንየሆዋ ምግልጋል፡ ብዙሕ ዕግበት ሂቡና እዩ። ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣጥሪና ኢና፣ ዚጐድለና እውን የብልናን። እቲ ዝሓደግናዮ ሒደት ነገራት ምስቲ ንየሆዋ ምሉእ ግዜ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ ዚነጻጸር ኣይኰነን” በለት። ሓያሎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እውን ከምዚ ዓይነት ተመክሮ እዩ ዘለዎም። *

18. ገሊኦም እንታይ ሕቶታት እዮም ንርእሶም ኺሓትቱ ዚኽእሉ፧

18 ንስኻኸ፡ ብሰንኪ ዘየድሊ ስጋለት ከም ቀደምካ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይተቐድም እንተ ፈሊጥካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ እትገብሮ ናይ ብሕቲ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ዚምርኰስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ብኸመይ ኢኻ ናይ ብሕቲ ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር እትኽእል፧ እታ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽትገልጾ እያ።

^ ሕ.ጽ. 7 ነታ፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 17 ታሪኽ ህይወት ሄደን ሳንደርሰንን ሜሎዲ ሳንደርሰንን ዚገልጽ፡ “ቅኑዕ ዘበለ ፈሊጥካ ምግባሩ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ እውን ርአ። (ናይ 1 መጋቢት 2006 ግምቢ ዘብዐኛ) ንሳቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበሮም ዜኽስብ ስራሖም ሓዲጎም ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣተዉ። ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ህንዲ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ ገንዘቦም ምስ ተወድአ እንታይ ከም ዘጋጠሞም ኣንብብ።