ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ሕዳር 2015

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 28 ታሕሳስ ክሳዕ 31 ጥሪ 2015 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ንቘልዓ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ኣሰልጥኖ

የሱስ ኣብ ኣመሃህራኡ እተጠቕመለን ሰለስተ ባህርያት፡ ንደቅኻ ኣብ ምስልጣን ውጺኢታዊ ኽትከውን ኪሕግዛኻ ይኽእላ እየን።

ንመንእሰይ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ኣሰልጥኖ

ውሉድካ ንእዋን ንእስነቱ ዜዕግብ መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብረሉ እዋን ምእንቲ ኺገብሮ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጥንታዊት ከተማ ያሪኮ ብዘይ ነዊሕ ከበባ ኸም እተሳዕረት ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ

መጽሓፍ ቅዱስ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን እንህበሉ ግቡእን ዘይግቡእን ውሽጣዊ ድራኸ ይገልጽ።

የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ

የሆዋ ንደቂ ሰብ ፍቕሩ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

’ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ተፍቅሮ’ ዲኻ፧

ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣብ ሓዳርካን ኣብ ጉባኤኻን ኣብ ዕዮ ስብከትካን ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ትኽእል ኢኻ።

ሚእቲ ዓመት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ!

በየናይ ሰለስተ መገድታት ኢና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ እተዓጠቕና፧

ካብ መዛግብትና

ኣብ ትሕቲ ጸሓይ፡ ገለ እኳ ደው ኣየብልኩም!’

ብ1930ታት ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ውርሻ ቕንኣትን ተጻዋርነትን ሓዲጎም።