ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሚእቲ ዓመት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ!

ሚእቲ ዓመት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ!

“ኣምላኽ ሰላም . . . ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ፍቓዱ ኽትገብሩ የዕጥቕኩም።”—እብራውያን 13:20, 21

መዝሙር፦ 40, 14

1. የሱስ ንዕዮ ስብከት ክሳዕ ክንደይ ይግደሰሉ ነይሩ፧ ግለጽ።

የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝራብ ባህ ይብሎ ነይሩ እዩ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ካልእ ጕዳይ ንላዕሊ ብዙሕ ከም እተዛረበ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ኸኣ ልዕሊ 100 ግዜ ኸም ዝጠቐሳ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እወ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ይግደስ ነይሩ እዩ።ማቴዎስ 12:34 ኣንብብ።

2. እቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ዘሎ ትእዛዝ ኪውሃብ ከሎ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ክንደይ ይዀኑ፧ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ እንኽእልከ ስለምንታይ ኢና፧

2 የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ፡ ምስቶም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ተስፋ ዝገበረሎም 500 ሰባት ተራኸበ። (1 ቈረ. 15:6) መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ን“ዅሎም ኣህዛብ” ኪሰብኩ ዝኣዘዞም ኣብቲ ግዜ እቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኸቢድ ዕዮ እዩ ነይሩ! * እዚ ዕዮ እዚ፡ “ክሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም” ከም ዚዕየ የሱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ይፍጸም እዩ ዘሎ። ንስኻ እውን ኣብ ምፍጻም እዚ ትእዛዝን ትንቢትን እዚ እጃምካ ተበርክት ትህሉ ትኸውን።—ማቴ. 28:19, 20

3. ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ እተዋህበና ዕዮ ምእንቲ ኽንፍጽሞ፡ በየናይ ሰለሰተ መገድታት ኢና ኣጸቢቕና ተዓጢቕና፧

3 የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኪሰብኩ ትእዛዝ ምስ ሃቦም፡ ‘ኣነ ምሳኻትኩም እየ’ ብምባል ቃል ኣትዩሎም እዩ። (ማቴ. 28:20) ስለዚ፡ እዚ ሰፊሕ ዕዮ ስብከት እዚ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ እዩ ዚካየድ። ኣምላኽና ድማ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ምእንቲ ኽንፍጽሞ፡ ‘ብሰናይ ዘበለ’ ኣዕጢቑና እዩ። (እብ. 13:20, 21) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ ሰናይ ዘበለ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ነገራት ክንርኢ ኢና፦ (1) እቲ እተዋህበና ናውቲ፡ (2) እቲ እተጠቐምናሉ ሜላታት፡ (3) እቲ ዝረኸብናዮ ስልጠና። ፈለማ፡ ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት እተጠቐምናሉ ናውቲ እስከ ንርአ።

እቲ ንጉስ ንኣገልገልቱ ኺሰብኩ የዕጥቖም

4. ኣብ ዕዮ ስብከትና እተፈላለየ ናውቲ እተጠቐምና ስለምንታይ ኢና፧

4 የሱስ ነቲ “ቓል መንግስቲ” ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ሓመድ ምስ እተዘርአ ዘርኢ ኣመሳሲልዎ እዩ። (ማቴ. 13:18, 19) ሓደ ሓረስታይ ንግራቱ ኼዳልዋ ኸሎ እተፈላለየ ናውቲ እዩ ዚጥቀም። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንጉስና ልቢ ሚልዮናት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚቕበል ጌርና ንኸነዳልዎ ዚሕግዝና እተፈላለየ ናውቲ ሂቡና እዩ። ገሊኡ ናውቲ ንዓሰርተ ዓመት ወይ ካብኡ ንዚዛይድ እዋን ጠቓሚ ዀይኑ ጸኒሑ እዩ፣ ገሊኡ ድማ፡ ግዜ ዘይሓልፎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ እዚ ናውቲ እዚ፡ ብእተፈላለየ መገዲ ኽእለትና ኸነመሓይሽ ሓጊዙና እዩ።

5. ካርድ ምስክርነት እንታይ እያ፧ ብኸመይከ ይጥቀሙላ ነይሮም፧

5 ንብዙሓት ኣገልግሎት ኪጅምሩ ዝሓገዘቶም ንዋት፡ እታ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ 1933 ኣትሒዞም ዚጥቀሙላ ዝነበሩ፡ ካርድ ምስክርነት እትብሃል ካርድ እያ። እታ ካርድ 7.6 ብ12.7 ሰንቲ ሜተር ኣቢላ እትኸውን እያ ነይራ፣ ሓጺር መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ትሕዝ ነበረት። በብእዋኑ ኸኣ፡ ሓድሽ መልእኽቲ ዝሓዘት ሓዳስ ካርድ ትወጽእ ነበረት። እቲ መእተዊ ቐሊል እዩ ነይሩ! ቻርለስ አርለንመየር ዚብሃል ሓው ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ንፈለማ እዋን ኪካፈል ከሎ ወዲ ዓሰርተ ዓመት እዩ ነይሩ። ብዛዕባኣ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ልሙድ መእተዊ፡ ‘ነዛ ካርድ እዚኣዶ ኸተንብባ፧’ ዚብል እዩ ነይሩ። እቲ ብዓል ቤት ነታ ካርድ ምስ ኣንበባ ድማ፡ መጽሔት ሂብናዮ ንኸይድ ኔርና” በለ።

6. ካርድ ምስክርነት እንታይ ዕላማ እዩ ነይርዋ፧

6 ካርድ ምስክርነት ብእተፈላለየ መገዲ ጠቓሚት እያ ነይራ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ኪካፈሉ ሓያል ባህጊ እኳ እንተ ነበሮም፡ ሓፋራትን እንታይ ከም ዚብሉ ዘይፈልጡን እዮም ነይሮም። ካልኦት ከኣ ብዙሕ ይዛረቡ ነይሮም። ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ኵሉ እቲ ዚፈልጥዎ ይነግርዎ ነበሩ፣ እቲ መእተዊኦም ድማ ኵሉ ሳዕ ብሜላ ኣይነበረን! እታ ካርድ ምስክርነት ግና፡ ብሒደት ምሩጻት ቃላት፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኣስፋሒ “ትዛረብ” ነበረት።

7. ገሊኣቶም ነታ ካርድ ኪጥቀሙ ኸለዉ እንታይ ጸገማት ኣጋጢምዎም፧

7 ይኹን እምበር፡ ጸገማት እውን ነይሩ እዩ። ግሬስ ስቴፕ እትብሃል ንነዊሕ ዓመታት ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ሓብቲ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓድሓደ እዋን፡ ‘እንታይ እዩ ዚብል፧ ባዕልኻ ዘይትነግረኒ፧’ ኢሎም ይሓትቱና ነይሮም” በለት። ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ሰብ ቤት ነታ ካርድ ኬንብብዋ ኣይክእሉን ነይሮም። ካልኦት ከኣ፡ እታ ካርድ ንዓታቶም ዝሃብናዮም ስለ ዚመስሎም፡ ካብ ኣስፋሒ ተቐቢሎም ቤቶም ይዓጽዉ ነይሮም። እቲ ብዓል ቤት ኣዝዩ ዚጻረር እንተ ዀይኑ ድማ፡ ነታ ካርድ ኪቐዳድዳ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣሕዋትና ንሰባት ኪሰብኩን ወኪላት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ብግህዶ ኼፍልጡን ክኢሎም እዮም።

8. ከመይ ጌርና ብተንቀሳቓሲት ፎኖግራፍ ከም እተጠቐምና ግለጽ። (ኣብ ገጽ 26 ዘላ ስእሊ ርአ።)

8 ኣብ 1930ታትን ኣብ መጀመርታ 1940ታትን እንጥቀመላ ዝነበረት ካልእ መሳርሒት ከኣ፡ ተንቀሳቓሲት ፎኖግራፍ እያ ነይራ፣ እታ መሳርሒት እቲኣ፡ ኣብ ክንዳኦም ኰይና እትዛረብ ስለ ዝነበረት ድማ፡ ገሊኦም ኣሕዋት ኣሮን ኢሎም ሳጓ ኣውጽኡላ። (ዘጸኣት 4:14-16 ኣንብብ።) ሓደ ኣስፋሒ፡ ብዓል ቤት ምስ ፈቐደሉ፡ ናይ ኣርባዕተ ደቒቕን ፈረቓን መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ወሊዑ የስምዕ ነበረ፣ ድሕሪኡ፡ ጽሑፋት የበርክት ነበረ። ሓድሓደ እዋን፡ እተቐድሐ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሰምዑ ብምሉኦም ኣባላት ስድራ ቤት ይእከቡ ነበሩ! ብ1934 ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ኣገልግሎት ክንጥቀመላ ተባሂላ እተዳለወት ተንቀሳቓሲት ፎኖግራፍ ከተፍሪ ጀመረት። ድሕሪ ግዜ፡ 92 ኣርእስቲ ዚሽፍን ቅዳሓት ተዳለወ።

9. ብፎኖግራፍ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ኽሳዕ ክንደይ ውጽኢታዊ ነይሩ፧

9 ሂላሪ ጎስሊን ዝስሙ ብዓል ቤት፡ ሓደ ኻብቲ እተቐድሐ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ዘስምዖ ኣስፋሒ ነታ ፎኖግራፍ ንሓደ ሰሙን ኬለቅሖ ሓተቶ፣ ከምኡ ዝገበረ፡ ንጐረባብቱ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኼስምዖም ኢሉ እዩ። እቲ ኣስፋሒ ተመሊሱ ኺበጽሖም ከሎ፡ ሓያሎ ተገዳስነት ዘሕደሩ ሓደስቲ ሰባት ኪጽበይዎ ረኸቦም። ድሕሪ ግዜ፡ ብዙሓት ካብዚኣቶም ርእሶም ንየሆዋ ወፈዩ፣ ክልተ ደቂ ሂላሪ ኸኣ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማሂረን ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣገልጊለን እየን። ፎኖግራፍ ከም ካርድ ምስክርነት፡ ብዙሓት ዕዮ ስብከት ኪጅምሩ ሓጊዛ እያ። ጸኒሑ ድማ፡ እቲ ንጉስ ብቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣቢሉ ኣብ ኣፍ ኣገልገልቱ ቓላት ኣንበረ።

እቲ መልእኽቲ ንሰባት ንምብጻሕ፡ ኵሉ ዓይነት ሜላ ምጥቃም

10, 11. ጋዜጣታትን ረድዮን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምዝርጋሕ እተጠቐምናሉ ብኸመይ ኢና፧ እዚ ሜላታት እዚ ውጽኢታዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧

10 ህዝቢ ኣምላኽ ብእተኻእሎም መጠን ንብዙሓት እቲ ብስራት ምእንቲ ኺነግሩ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ንጉስ ኰይኖም እተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሞም እዮም። ‘ዓየይቲ ሒደት’ ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ ከምኡ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 9:37 ኣንብብ።) ኣብ መጀመርታ 20 ዘመን፡ ኣብቲ ህዝቢ የሆዋ ሒደት ዝነበሩሉ ቦታታት ንዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ ጋዜጣታት ንጥቀም ኔርና ኢና። ኣብ ሰሰሙን ሓውና ቻርለስ ቴዝ ራስል ሓደ ስብከት ብተሌግራፍ ገይሩ ናብ ጕጅለ ኣዳለውቲ ጋዜጣ ይልእኽ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ስብከት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ኤውሮጳን ናብ ዝነበራ ጋዜጣታት ብተሌግራፍ ይልእክዎ ነበሩ። ብ1913 ስብከታት ሓውና ራስል ኣብ 2,000 ጋዜጣታት ተሓቲሙ፡ ብገምጋም ንልዕሊ 15,000,000 ኣንበብቲ ይበጽሕ ነበረ።

11 ሓውና ራስል ምስ ሞተ፡ ካልእ ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ዚሕግዝ ውጽኢታዊ ዝዀነ ሜላ ኽንጥቀም ጀመርና። ብ16 ሚያዝያ 1922፡ ሓውና ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ ንኣስታት 50,000 ሰባት ሓደ ኻብቲ ናይ መጀመርታኡ ዝዀነ ፈነወ ረድዮ ኣስምዐ። ብ24 ለካቲት 1924 ከኣ፡ እቲ ዳብልዩ.ቢ.ቢ.ኣር (WBBR) ዚብሃል ናይ መጀመርታ መደበር ረድዮ ውድብ ፈነወኡ ጀመረ። ናይ 1 ታሕሳስ 1924 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እዚ ንሰባት ንምብጻሕ ዜኽእል ሓድሽ ሜላ ኽትገልጽ ከላ፦ “ረድዮ ኻብቲ ኽሳዕ ሕጂ እንጥቀመሉ መገድታት፡ ነቲ መልእኽቲ ሓቂ ንምዝርጋሕ ብቝጠባን ብውጽኢታውነትን ዝያዳ ዅሉ እተዋጽእ መገዲ ምዃና ኢና እንኣምን” በለት። ረድዮ እውን ከም ጋዜጣ፡ ኣብቲ ሒደት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዉሉ ቦታታት ነቲ መልእኽቲ ናብ ብዙሕ ህዝቢ ንምብጻሕ ጠቒማ እያ።

ብዙሓት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ምክፋልን ንሰባት ናብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ምምራሕን ባህ ይብሎም እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 12, 13 ርአ)

12. (ሀ) ካብ ሜላታት እቲ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት እትፈትዎ ኣየናይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ዘሎና ፍርሂ ኸነሰንፍ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12 ሕጂ ድማ ነቲ ኣብ መጸበይ ኣውቶቡስን መደበር ባቡርን ደው መበሊ ማካይንን ኣደባባያትን ዕዳጋታትን ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ብዙሕ ኣትኵሮ ተገይሩሉ ኣሎ። ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ምክፋል ዜፍርሃካ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኣንጀሎ ማኔራ ዝስሙ ገዲም ገያሺ ሓላዊ ዝሃቦ ሓሳብ ብጸሎት ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ፣ ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ንዅሉ እቲ ሓደስቲ ሜላታት ኣገልግሎት ንየሆዋ ኸነገልግሎ እንኽእለሉ ኻልእ መገዲ፡ ንዕኡ ዘሎና ተኣማንነት ከነርኢ እንኽእለሉ ኻልእ መገዲ፡ ንጽህናና ዚፍትን ካልእ ፈተና ጌርና ኢና ርኢናዮ፣ በቲ ንሱ ዚሓትተና ዘበለ መገዲ ኸነገልግሎ ፍቓደኛታት ምዃንና ኸነርኢ ድማ ሃንቀው ንብል ኔርና።” ፍርህና ኣሰኒፍና ብሓድሽ ሜላ ምግልጋል፡ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልትን እምነትን የደልድለልና፣ መንፈሳውነትና ድማ ይውስኽ።2 ቈረንቶስ 12:9, 10 ኣንብብ።

13. እቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና እንታይ ዕማም እዩ ዚዓምም ዘሎ፧ ሰባት ነዚ ወብ ሳይት እዚ ኺርእይዎ ኣብ ምግባር ዝረኸብካዮ ተመክሮ ኣሎዶ፧

13 ሓያሎ ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እቲ ብ700 ቋንቋታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኬንብቡሉን ኬራግፉሉን ዚኽእሉ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ንሰባት ይነግሩ እዮም። መዓልቲ መዓልቲ፡ 1.6 ሚልዮን ሰባት ንወብ ሳይትና ይርእይዎ እዮም። ወብ ሳይትና ኸምቲ ረድዮ ቐደም ዝገበሮ፡ ነቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚርከቡ ሰባት እውን ከይተረፈ ነቲ ብስራት የብጽሓሎም ኣሎ።

ኣገልገልቲ እቲ ብስራት ምስልጣን

14. ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ስልጠና የድልዮም ነይሩ፧ ውጽኢታውያን መምህራን ኪዀኑ ዝሓገዞም ቤት ትምህርቲኸ እንታይ እዩ፧

14 ገለ ኻብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ እተጠቐምናሉ ናውትን ሜላታትን ርኢና ኣለና። እቲ ዝረኸብናዮ ስልጠናኸ እንታይ እዩ፧ ንኣብነት፡ ሓደ ብዓል ቤት ነቲ ብፎኖግራፍ ዝሰምዖ መልእኽቲ እንተ ተጻሪርዎ ወይ በቲ ኣብ ካርድ ምስክርነት ዘንበቦ መልእኽቲ ተገዳስነት እንተ ኣሕዲሩ፡ እቲ ኣስፋሒ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ኣስፋሕቲ ንዜጋጥሞም ምጽራር ብኸመይ ብሜላ ኺዋጽኡሉ ኸም ዚኽእሉን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብኸመይ ብኽእለት ኪምህርዎም ከም ዚኽእሉን ኪፈልጡ የድልዮም ነይሩ። ናታን ኖር ብመንፈስ ኣምላኽ ተለዓዒሉ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ኪዛረቡ ኸም ዘለዎም ስልጠና ኺውሃቦም ከም ዜድሊ ተረድአ። እሞኸ እንታይ ፍታሕ ተረኽበ፧ ብ1943 ናይ መጀመርታ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣብ ጉባኤታት ኪውሃብ ጀመረ። እቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ድማ፡ ውጽኢታውያን መምህራን ክንከውን ሓጊዙና እዩ።

15. (ሀ) ገሊኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ኬቕርቡ ኸለዉ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) እቲ ኣብ መዝሙር 32:8 እተጠቕሰ የሆዋ ዝሃቦ ተስፋ ኣባኻ እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

15 ብዙሓት ኣብ ቅድሚ ሰማዕቲ ምዝራብ ይኸብዶም ነይሩ እዩ። ሁልዮ ራሙ ዝስሙ ሓው ነቲ ብ1944 ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ መደረኡ ኣይረስዖን እዩ። ብዛዕባ እንታይ እዩ ኣቕሪቡ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓሙሽተ ፍቕድታት ጥራይ እተጠቕሰ ዶኤግ እዩ ኣቕሪቡ። ሁልዮ ኣብተን ሓሙሽተ ጥቕስታት ተመስሪቱ ምሉእ መደረ ኺዳሎ ነበሮ፣ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ኣብራኸይ ንሓድሕዱ ይዋቓዕ፡ ኣእዳወይ የንቀጥቅጥ፡ ኣስናነይ ሓርቀምቀም ይብል ነበረ” በለ። ወሲኹ እውን፡ “ነታ መደረይ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቒቕ ኣቕረብኩዋ። እዚ ንመጀመርታ ግዜይ ኣብ መድረኽ ዘጋጠመኒ ናይ መጀመርታ ተመክሮ እኳ እንተ ዀነ፡ በዚ ተስፋ ቘሪጸ ኣይሓደግኩዎን” በለ። ቈልዑ እውን ኣብ ጉባኤ መደረ ምቕራብ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነሎም፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኺካፈሉ ጀሚሮም እዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣንጀሎ ማኔራ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ገና ኺምሃር ንዝጀመረ ሓደ ቘልዓ ዘቕረቦ ናይ መጀመርታ መደረ ኣይርስዖን እዩ። ንሱ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣዝዩ ፈሪሁ ስለ ዝነበረ፡ ነታ መደረኡ ኪጅምር ከሎ፡ እናተነኽነኸ ኺበኪ ጀመረ። ኪውድኣ ስለ ዝቘረጸ ግና፡ ነታ መደረ እናተነኽነኸ ኣቕረባ” በለ። ንስኻኸ፡ ሓፋር ስለ ዝዀንካ ወይ ዓቕምኻ ድሩት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ምሃብ ወይ ብኻልእ መገዲ ምክፋል ትፈርህ ዲኻ፧ ፍርህኻ ምእንቲ ኸተሰንፍ ንየሆዋ ኺሕግዘካ ሕተቶ። ከምቲ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዝሓገዞም፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ እዩ።መዝሙር 32:8 ኣንብብ።

16. ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ፡ (ሀ) ቅድሚ ሕጂ እንታይ ዕላማ እዩ ፈጺሙ፧ (ለ) ካብ 2011 ኣትሒዙ እንታይ ዕላማ እዩ ዚፍጽም ዘሎ፧

16 ህዝቢ የሆዋ ብቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኣቢሎም ጥራይ ኣይኰኑን ስልጠና ዚረኽቡ። ሚስዮናውያንን ካልኦትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብምክፋሎም ብዙሕ ተጠቒሞም እዮም። ሓደ ኻብቶም መምህራን ከም ዝገለጾ፡ ዕላማ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ “ኣብቶም ተምሃሮ፡ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ንምስታፍ ዝያዳ ሓያል ባህጊ ምሕዳር” እዩ። ጊልዓድ ብ1943 እዩ ጀሚሩ፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ፡ ልዕሊ 8,500 ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ሰልጢኖም እዮም። ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን ኣብ ኣስታት 170 ሃገራት ኣገልጊሎም እዮም። ካብ 2011 ኣትሒዙ ድማ፡ እቶም ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ፡—ማለት ፍሉያት ፈለምቲ፡ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ቤት-ኤላውያን፡ ወይ ኣብ ጊልዓድ ዘይተኻፈሉ ሚስዮናውያን፡—ጥራይ እዮም ናብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዚኣትዉ።

17. እቲ ኣብ ጊልዓድ ዚውሃብ ስልጠና ኽሳዕ ክንደይ ውጽኢታዊ እዩ፧

17 እዚ ተወሳኺ ስልጠና እዚ ኽሳዕ ክንደይ ውጽኢታዊ እዩ፧ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ነሓሰ 1949፡ ኣብ ጃፓን ካብ ዓሰርተ ዚውሕዱ ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት እቲኣ ግና፡ ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ 13 ሚስዮናውያን ኣብኡ ኣብ ዚግበር ዕዮ ስብከት ኪሳተፉ ጀመሩ። ሎሚ፡ ኣብ ጃፓን ልዕሊ 216,000 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዉ፣ ዳርጋ 42 ሚእታዊት ካባታቶም ድማ ፈለምቲ እዮም!

18. ብቕዓት ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንፈስ ኪዓብዩ ዚሕግዝ ኣብያተ ትምህርቲ ጥቐስ።

18 ከም እኒ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ፡ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ፡ ቤት ትምህርቲ ሓለውቲ ወረዳን ኣንስቶምን፡ ቤት ትምህርቲ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ኣንስቶምን ዝኣመሰለ ኣብያተ ትምህርቲ እውን፡ ህዝቢ የሆዋ መንፈሳውነት ኪውስኹን ውጽኢታውያን ኪዀኑን ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ብሓቂ፡ እቲ ንጉስ ንተገዛእቱ የሰልጥኖም እዩ ዘሎ!

19. ቻርለስ ቴዝ ራስል ብዛዕባ ዕዮ ስብከት እንታይ ምስትውዓል ዘለዎ ሓሳብ እዩ ሂቡ፧ እዚ እተፈጸመኸ ብኸመይ እዩ፧

19 መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትውለድ ልዕሊ 100 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። እቲ ንጉስና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ድማ ብቐጻሊ የሰልጥነና ኣሎ። ቻርለስ ቴዝ ራስል ብ1916 ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ዕዮ ስብከት ክሳዕ ክንደይ ብሰፊሕ ከም ዚዕየ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ኣርእዩ እዩ። ንሓደ ዚቐርቦ ብጻዩ፡ “እቲ ዕዮ ብፍጥነት ይውስኽ ኣሎ፣ ‘ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ’ ኣብ ምስባኽ ዚዕየ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስለ ዘሎ ድማ፡ ብቐጻሊ ኺውስኽ እዩ” በሎ። (ብኣሌክሳንደር ህዩ ማክሚላን እተጻሕፈት ፈይዝ ኦን ዘ ማርች ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ገጽ 69) ሓቁ ድማ እዩ ነይሩ! ኣምላኽ ሰላም ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ባህ ዜብል ዕዮ ኽንዓዪ ብቐጻሊ የዕጥቐና ምህላዉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን መማሰውቲ ኢና! እወ፡ ፍቓዱ ምእንቲ ኽንገብር ‘ሰናይ ዘበለ’ ሂቡና እዩ!

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ክርስትያን ከም ዝዀኑ ኸም እንኣምን ዚገብረና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ‘500 ኣሕዋት’ ኢሉ ጠቒስዎም ኣሎ። ወሲኹ እውን፡ “መብዛሕትኦም ክሳዕ ሎሚ ኣለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ዓሪፎም ኣለዉ” ኢሉ እዩ። ስለዚ፡ ጳውሎስን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ካብቶም ነቲ ትእዛዝ እቲ ብኣእዛኖም ዝሰምዕዎ ሰባት ንብዙሓት ዚፈልጡ ዝነበሩ እዩ ዚመስል።