ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቘልዓ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ኣሰልጥኖ

ንቘልዓ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ኣሰልጥኖ

“እቲ ዝለአኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና።”—መሳ. 13:8

መዝሙር፦ 41, 6

1. ማኖኣ ኣቦ ኪኸውን ምዃኑ ምስ ተነገሮ፡ እንታይ እዩ ገይሩ፧

እታ ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘይተጸበዮ ነገር ሒዛትሉ መጸት። ከመይሲ፡ እታ ሰበይቲ መኻን ምዃና ኽልቲኦም ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ግናኸ፡ መልኣኽ የሆዋ ተራእያ፡ እቲ ዘይመስል ዝነበረ ነገር ከኣ ኪኸውን ምዃኑ ተነግራ፣ እወ፡ ማኖኣን ሰበይቱን ወዲ ኸም ዚህልዎም ተሓበሮም! ሽዑ፡ ማኖኣ ኸም እተሓጐሰ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ከቢድ ሓላፍነት ከም እተሰከመ ግና ተፈለጦ። ኣብቲ ኽፍኣት ዝመልኦ ህዝቢ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ንሱን ሰበይቱን ንወዶም፡ ንኣምላኽ ከም ዜገልግል ገይሮም ኬዕብይዎ ዚኽእሉ፧ ስለዚ፡ ማኖኣ ንየሆዋ፡ “ዎ ጐይታይ፡ እቲ ዝለአኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና፡ ኢሉ ለመነ።”—መሳ. 13:1-8

2. ንቘልዓ ምስልጣን እንታይ የጠቓልል፧ (“ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሱ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

2 ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ማኖኣ ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ኸም ዝለመነ ይርድኣካ እዩ። ውሉድካ ንየሆዋ ኸም ዚፈልጦን ከም ዜፍቅሮን ናይ ምግባር ከቢድ ሓላፍነት ኣሎካ። (ምሳ 1:8) ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ፡ ክርስትያን ወለዲ ትርጉም ዘለዎን እናማዕበለ ዚኸይድን መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ይገብሩ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኣእምሮ ቘልዓ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምቕራጽ፡ ሰሙናዊ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ካብ ምግባር ንላዕሊ የጠቓልል። (ዘዳግም 6:6-9 ኣንብብ።) ሓቂ ኣብ ልቢ ውሉድካ ኸመይ ጌርካ ኽትቀርጽ ትኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትቕጽልን፡ ወለዲ ኸመይ ገይሮም ኣብነት የሱስ ከም ዚስዕቡ ኽንምርምር ኢና። የሱስ ኣቦ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ብፍቕርን ብትሕትናን ብልቦናን ስለ ዘሰልጠኖም፡ ወለዲ ኻብ ኣመሃህራኡ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ነዘን ባህርያት እዚአን፡ በብሓደ ንርኣየን።

ንውሉድካ ኣፍቅሮ

3. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸመይ ገይሩ እዩ ፍቕሩ ገሊጹሎም፧

3 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዜፍቅሮም ካብ ምንጋር ድሕር ኣይበለን። (ዮሃንስ 15:9 ኣንብብ።) ምስ ደቀ መዛሙርቱ ስሩዕ ዝዀነ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበሮ፡ ፍቕሩ በዚ መገዲ እዚ ኣርእይዎም እዩ። (ማር. 6:31, 32፣ ዮሃ. 2:2፣ 21:12, 13) መምህሮም ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ፣ የግዳስ፡ ዓርኮም እውን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ብሓቂ ዜፍቅሮም እንተ ዀይኑ ሕቶ ኣይተላዕሎምን። ንስኻኸ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ንኣመሃህራ የሱስ ክትቀድሖ እትኽእል፧

4. ንውሉዳትካ ኸም እተፍቅሮም ከመይ ጌርካ ኸተእምኖም ትኽእል፧ (ኣብ ገጽ 3 ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ንውሉዳትካ ኸም እተፍቅሮም ግለጸሎም፣ ብኣታቶም ክሳዕ ክንደይ ከም እትግደስ እውን ወትሩ ኣርእዮም። (ምሳ. 4:3፣ ቲቶ. 2:4) ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ሳሙኤል፡ “ገና ንእሽቶ ኸለኹ፡ ባባ ምሸት ምሸት ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት የንብበለይ ነይሩ። ሕቶታተይ ይምልሰለይ፡ ይሓቝፈኒ፡ ስዒሙ እውን ‘ደሓን ሕደር’ ይብለኒ ነይሩ። ጸኒሐ፡ ባባ ምሕቋፍን ምስዓምን ኣብ ዘይተለምደሉ ስድራ ቤት ከም ዝዓበየ ምስ ፈለጥኩ፡ ብሓቂ እዩ ደንጽዩኒ። ኰይኑ ግና፡ ፍቕሩ ንዓይ ንምግላጽ ብሓቂ ጽዒሩ እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ መንጎና ሓያል ፍቕሪ ማዕቢላ፡ ዕግበት ድማ ነይሩኒ፡ ከይተሸቝረርኩ እውን እነብር ነይረ” ኢሉ ሓሳቡ ገሊጹ ኣሎ። ንውሉዳትካ “እፈትወካ እየ” ብምባል ከም እተፈቕሩ ኸም ዚስምዖም ግበር። ፍቕርኻ ድማ ብግብሪ ኣርእዮም። ምሳታቶም ከኣ ተዛራረብን ብላዕን ተጻወትን።

5, 6. (ሀ) የሱስ ነቶም ዜፍቅሮም እንታይ እዩ ገይሩሎም፧ (ለ) ግቡእ ተግሳጽ ንቘልዑ፡ ከይተሸቝረሩ ኺነብሩን ከም ዚፍቀሩ ኸም ዚስምዖምን ዚገብር ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

5 የሱስ፡ “ኣነ ነቶም ዝፈትዎም ዘበሉ እገንሖምን እግስጾምን እየ” ኢሉ እዩ። * (ራእ. 3:19) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መኖም ከም ዚዓቢ ብተደጋጋሚ ይካትዑ እኳ እንተ ነበሩ፡ የሱስ ግና ብኣታቶም ተስፋ ኣይቈረጸን። ምኽሩ ኣብ ዘይሰምዑሉ እዋን ድማ ነዚ ነገር እዚ ዕሽሽ ኣይበሎን። የግዳስ፡ ኣብ ምሹእ ግዜን ቦታን፡ ብፍቕርን ብልእመትን ገሲጽዎም እዩ።—ማር. 9:33-37

6 ንውሉዳትካ ብምግሳጽ ፍቕርኻ ኣርእዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ተግባር ስለምንታይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኸም ዝዀነ ምግላጽ ጥራይ እኹል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ቈልዓ ነቲ እትብሎ ኣብ ግብሪ ኣየውዕሎን ይኸውን። (ምሳ. 22:15) ከምኡ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ንየሱስ ምሰሎ። ኣብ ግቡእ ግዜን ቦታን ንውሉድካ ብትዕግስቲ እናመራሕካን እናኣሰልጠንካን እናኣረምካን ብፍቕርን ብልእመትን ገስጾ። ብዛዕባ እዚ ኢሌን ዝስማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ወለደይ ኣብ ተግሳጽ ዘይቀያየር መትከል እዩ ነይርዎም። ሕማቕ ጠባይ ብዛዕባ ዜምጽኦ ሳዕቤናት እንተ ኣጠንቂቖምኒ፡ ወትሩ ኸምቲ ዝበልዎ እዮም ዚገብሩ። ግናኸ፡ ብቝጥዓ ወይ ስለምንታይ ከም እተገሰጽኩ ኸይገለጹ ፈጺሞም ኣይግስጹንን እዮም ነይሮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ከይተሸቝረርኩ እነብር ነይረ። ደረተይ ድማ እፈልጥ ነይረ፣ እንታይ ትጽቢት ከም ዚግበረለይ እውን ይርድኣኒ ነይሩ።”

ትሕትና ኣርኢ

7, 8. (ሀ) የሱስ ኣብ ጸሎቱ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጸሎትካ ንውሉዳትካ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺጽግዑ ብኸመይ ኪምህሮም ይኽእል፧

7 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሓደ ኻብቲ የሱስ ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝጸለዮ ናይ መወዳእታ ጸሎት ምስ ሰምዕዎ ወይ ብዛዕባኡ ደሓር ምስ ሰምዑ፡ ከመይ ከም እተሰምዖም እሞ ሕስብ ኣብሎ። እታ ጸሎት ከምዚ ትብል፦ “ኣባ፡ ኣቦ፡ ንዓኻ ኵሉ ይከኣለካ እዩ፣ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ። ግናኸ፡ ንስኻ እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ዝደልዮ ኣይኹን።” * (ማር. 14:36) እቶም ሰዓብቱ ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ልማኖ ብምዕዛብ፡ እቲ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ መለኮታዊ ሓገዝ ኪረክብ ብትሕትና ኻብ ጸለየ፡ ንሳቶም እውን ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም ተማሂሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

8 ውሉዳትካ ካብ ጸሎትካ እንታይ እዮም ዚምሃሩ፧ ልክዕ እዩ፡ ናብ የሆዋ እትጽልየሉ ቐንዲ ምኽንያት ንውሉዳትካ ንምምሃር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቅድሚኦም ብትሕትና ኽትጽሊ ኸለኻ፡ ውሉዳትካ ናብ የሆዋ ኺጽግዑ ኸም ዘለዎም ይምሃሩ እዮም። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ኣብ ብራዚል እትነብር ኣና ኸምዚ ትብል፦ “ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ፡ ንኣብነት ወለዲ ኣደይ ምስ ሓመሙ፡ ወለደይ ንየሆዋ፡ ነቲ ዅነታት ንምኽኣሉ ዜኽእል ብርታዐን ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ዚሕግዝ ጥበብን ኪህቦም ይልምንዎ ነይሮም እዮም። ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ጸቕጢ እኳ፡ ጸገማቶም ኣብ ኢድ የሆዋ እዮም ሓዲጎምዎ። ከም ውጽኢቱ፡ ናብ የሆዋ ምጽጋዕ ተማሂረ እየ።” ምስ ውሉዳትካ ብሓባር ኴንካ ኽትጽሊ ኸለኻ፡ ንዓታቶም ጥራይ ኣይትጸልየሎም። የሆዋ ንዓኻ ኺሕግዘካ እውን ጸሊ፣ ንኣብነት፡ ንኣስራሒኻ ብዛዕባ እቲ ንኣኼባ ዞባ ዝደለኻዮ ዕረፍቲ ንምዝራቡ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንጐረባብትኻ ንምምስካር ዜድሊ ትብዓት ምእንቲ ኺህበካ፡ ወይ ብኻልእ መገዲ ምእንቲ ኺረድኣካ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ። ብትሕትና ናብ ኣምላኽ ተጸጋዕ፣ ውሉዳትካ እውን ከምኡ ምግባር ኪምሃሩ እዮም።

9. (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንኻልኦት ብትሕትና ኼገልግሉ ኸመይ ገይሩ ምሂርዎም፧ (ለ) ንኻልኦት ንምግልጋል ፍቓደኛ እንተ ዄንካ፡ ውሉዳትካ እንታይ እዮም ዚምሃሩ፧

9 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንኻልኦት ብትሕትና ምእንቲ ኼገልግሉ ብቓልን ብኣብነትን ኣሰልጢንዎም እዩ። (ሉቃስ 22:27 ኣንብብ።) ንሃዋርያቱ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋን ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣብ ዘለዎም ርክብን ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡ ኪዀኑ ምሂርዎም እዩ። ንስኻ እውን ብትሕትና ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ከም ዝዀንካ ብኣብነት ምስ እተርኢ፡ ንውሉዳትካ ተመሳሳሊ ትምህርቲ ኽትምህሮም ትኽእል ኢኻ። ደቢ ዝስማ ኣደ ኽልተ፡ “ሰብኣየይ ሽማግለ ብምዃኑ፡ እቲ ንሱ ምስ ካልኦት ዜሕልፎ ግዜ ኸቶ ኣቕኒኡኒ ኣይፈልጥን እዩ። ስድራና ቘላሕታ ሰብኣየይ ኣብ እንደልየሉ እዋን፡ ቈላሕታኡ ኸም ዚህበና እፈልጥ ነይረ እየ” ትብል። (1 ጢሞ. 3:4, 5) ፕራናስ ዝስሙ ሰብኣያ ድማ፡ “ጸኒሖም፡ ደቅና ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታትን ብንጥፈት ተሳቲፎም እዮም። ንጡፍ ምንቅስቓስ ገይሮም፡ መሓዙት እውን ኣጥርዮም እዮም፣ ምስ ሰባት ድማ ኣይተጋየሹን!” ኢሉ ተወሳኺ ሓሳብ ይህብ። ሕጂ፡ ብዘላ እታ ስድራ ቤት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚዳ ንየሆዋ ተገልግል ኣላ። ብመጠን እቲ እተርእዮ ትሕትናን ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስን፡ ውሉዳትካ ኸመይ ገይሮም ንኻልኦት ከም ዜገልግሉ ይምሃሩ እዮም።

ብልቦና ተመላለስ

ውሉድካ ንዕዮ ስብከት ዜገድስን ዜዕግብን ገይሩ ድዩ ዚርእዮ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

10. የሱስ ብዛዕባ እቶም ደልዮም ዝረኸብዎ ህዝቢ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ልቦና ዘርኣየ፧

10 የሱስ ክንየው እቲ ርኡይ ብምርኣይን ሰባት ስለምንታይ ሓደ ነገር ከም ዚገብሩ ብምስትውዓልን፡ ልቦና ኣርእዩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ገሊላ ዝነበሩ ሰማዕቱ ኺስዕብዎ እተሃንጠዩ መሲሎም ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 6:22-24) እቲ ልቢ ኼንብብ ዚኽእል የሱስ ግና፡ እቶም ሰባት ካብቲ ትምህርቱ ንላዕሊ፡ እቲ ዝበልዕዎ ስጋዊ ምግቢ ኸም ዘገደሶም ኣስተውዒሉ እዩ። (ዮሃ. 2:25) ነቲ ጌጋ ምስ ረኣየ ኸኣ፡ ብትዕግስቲ ኣሪምዎምን ከመይ ገይሮም ኪምሓየሹ ኸም ዚኽእሉ ገሊጹሎምን እዩ።—ዮሃንስ 6:25-27 ኣንብብ።

11. (ሀ) ውሉድካ ንኣገልግሎት ዚፈትዎ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ ልቦና ኸመይ ገይሩ ኸም ዚሕግዘካ ዜርኢ ኣብነት ሃብ። (ለ) ኣገልግሎት ንውሉድካ ዜገድስን ዜዕግብን ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

11 ንስኻ ልቢ ኸተንብብ እትኽእል እኳ እንተ ዘይኰንካ፡ ልቦና ኸተርእን ውሉድካ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸመይ ከም ዚስምዖ ኽትፈልጥን ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ወለዲ ኣብ መንጎ ኣገልግሎት ወፍሪ ሓጺር ዕረፍቲ ገይሮም ሻሂ ይሰትዩ እዮም። ግናኸ፡ ‘ውሉደይ ነቲ ኣገልግሎት ድዩ ዚፈትዎ ወይስ ነቲ ሻሂ እንሰትየሉ ዕረፍቲ፧’ ኢልካ ብምሕታት ክንየው እቲ ርኡይ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት ንውሉዳትካ ብዝያዳ ዜገድስ ወይ ብዝያዳ ዜዕግብ ኪዀነሎም ከም ዚኽእል እንተ ኣስተውዒልካ፡ ምሳታቶም ሸቶታት ኣውጽእ። ከም መገላግልትኻ ዀይኖም ምሉእ እጃም ምእንቲ ኺህልዎም፡ ብምህዞኻ ተጠቒምካ ሓግዞም።

12. (ሀ) ከመይ ገይሩ እዩ የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ርኽሰት ንምጥንቃቕ ልቦናኡ እተጠቕመ፧ (ለ) መጠንቀቕታ የሱስ እዋናዊ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

12 የሱስ ናብ ሓጢኣት ዚመርሕ ግጉይ ስጕምቲ እውን ብምልላይ ልቦናኡ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ሰዓብቱ ምንዝርና ጌጋ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ናብ ምንዝርና ኺመርሕ ብዛዕባ ዚኽእል ስጕምቲ ኣጠንቂቕዎም እዩ፦ “‘ኣይትዘሙ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘመወ፡ እብለኩም ኣለኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እተስሕተካ እንተ ዀይና፡ ጐጥጒጥካ ደርብያ።” (ማቴ. 5:27-29) እዘን ቃላት እዚአን ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት እዋናውያን እየን ነይረን። ከመይሲ፡ ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ መድረኽ ኣብ ዚቐርብ ተዋስኦታት ሮሜ፡ “ዓይንን እዝንን ስድነት እየን ዚርእያን ዚሰምዓን ነይረን። እቲ ምርኢታት ዝያዳ ጽዩፍ ብዝዀነ መጠን ከኣ ብዝያዳ ይጣቕዓሉ ነይሩ።” ስለዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ብስነ ምግባር ንጹህ ንምዃን ኣጸጋሚ ዚገብሮ ነገር ምጥንቃቑስ፡ ፍቕሩን ልቦናኡን ዜርኢ ምኽሪ ደይኰነን፧

13, 14. ንውሉዳትካ ኻብ ርኹስ መዘናግዒ ኸመይ ጌርካ ኸተዕቍቦም ትኽእል፧

13 ልቦና ንውሉዳትካ ኻብ መንፈሳዊ ጕድኣት ንምዕቋብ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። ሎሚ፡ ቈልዑ ገና ብንኣሽቱኦም ንስእለ ጽዩፍን ካልእ ርኹስ ነገራትን ኪቃልዑ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ክርስትያን ወለዲ ንውሉዳቶም ርኹስ መዘናግዒ ጌጋ ምዃኑ ይምህርዎም እዮም። ግናኸ፡ ልቦናኻ እንተ ተጠቒምካ፡ ውሉድካ ብዛዕባ ስእለ ጽዩፍ ኪፈልጥ ከም ዚህንጠ ኽትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ውሉደይ ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ እንታይ ፈተና ኪቐርበሉ ይኽእል፧ ስእለ ጽዩፍ ስለምንታይ ኣዝዩ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ይፈልጥዶ፧ ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ እንተ ተፈቲኑ ሓገዝ ደልዩ ናባይ ምእንቲ ኺመጽእ፡ ተቐራቢ እዀነሉ ድየ፧’ ውሉዳትካ ገና ንኣሽቱ ኸለዉ እኳ፡ “ርኹስ ወብ ሳይት እንተ ኣጋጢሙካ እሞ ኽትርእዮ እንተ ተፈቲንካ፡ መጺእካ ኣዘራርበኒ። በዚ ኽትሓፍር የብልካን። ክሕግዘካ እየ ዝደሊ” ኽትብሎም ትኽእል ኢኻ።

14 ልቦናኻ ምስ እትጥቀም እውን፡ መዘናግዒኻ ተጠንቂቕካ ኽትመርጽ ኢኻ። እቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዝነበረ ፕራናስ፡ “ግቡእ ኢልና እንርእዮ ሙዚቃ፡ ፊልምታት፡ ወይ መጻሕፍቲ ንስድራ ቤትና ኣብነት ይኸውን እዩ። ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ብዙሕ ክትብል ትኽእል ኢኻ፣ ደቅኻ ግና እንታይ ከም እትገብር ይርእዩን ይመስሉኻን እዮም” ኢሉ ሓሳቡ ገሊጹ ኣሎ። ውሉዳትካ ተጠንቂቕካ ንጹህ መዘናግዒ ኽትመርጽ እንተ ርእዮምኻ፡ ተመሳሳሊ ምርጫ ኺገብሩ ድራኸ ኺሓድሮም ይኽእል እዩ።—ሮሜ 2:21-24

ኣምላኽ ኪሰምዓካ እዩ

15, 16. (ሀ) ኣምላኽ ንውሉዳትካ ንምስልጣን ከም ዚሕግዘካ ኸመይ ጌርካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ክንምሃር ኢና፧

15 ማኖኣ ንወዱ ንምዕባይ ሓገዝ ምስ ለመነ እንታይ ምላሽ እዩ ረኺቡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ድማ ቃል ማኖኣ ሰምዔ” ይብል። (መሳ. 13:9) ኣቱም ወለዲ፡ የሆዋ ኺሰምዓኩም እዩ። ጸሎትኩም ኪምልሰልኩም፡ ንውሉዳትኩም ንምስልጣን ከኣ ኪሕግዘኩም እዩ። ንውሉዳትኩም ብፍቕርን ብትሕትናን ብልቦናን ብምስልጣን ክትዕወቱ ትኽእሉ ኢኹም።

16 ከምቲ የሆዋ ንወለዲ፡ ቈልዑ ንዝዀኑ ውሉዳቶም ብዕዉት መገዲ ንምስልጣን ዚሕግዞም፡ ነቶም መንእሰያት ዝዀኑ ውሉዳቶም ንምስልጣን እውን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ንመንእሰይ ንየሆዋ ኼገልግሎ ኸተሰልጥኖ ኸለኻ፡ ፍቕርን ትሕትናን ልቦናን የሱስ ከመይ ጌርካ ኸም እትቐድሕ ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ተግሳጽ ኪብሃል ከሎ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚውሃብ ስልጠና፡ መአረምታ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን መቕጻዕቲ የጠቓልል፣ ጠሪስካ ግና ብሕርቃን ዚውሃብ ኣይኰነን።

^ ሕ.ጽ. 7 ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብቲ ብግዜ የሱስ ዚዝውተር ዝነበረ ልሙድ ዘረባ፡ ኣባ እትብል ቃል ብቐዳምነት ውሉዳት ንኣቦታቶም ቅርበቶምን ኣኽብሮቶምን ዚገልጹላ ኣጸዋውዓ እያ ነይራ።”