ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመንእሰይ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ኣሰልጥኖ

ንመንእሰይ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ኣሰልጥኖ

“የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብኣካልን ብሞገስን ይዓቢ ነበረ።”—ሉቃ. 2:52

መዝሙር፦ 41, 11

1, 2. (ሀ) ገሊኦም ወለዲ ውሉዳቶም መንእሰያት ምስ ኰኑ እንታይ እዩ ዜተሓሳስቦም፧ (ለ) ክርስትያን መንእሰያት ከመይ ኢሎም እዮም ንዕድመ ንእስነቶም ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ፧

ንክርስትያን ወለዲ ኸም ጥምቀት ውሉዶም ገይሩ ዜሕጕሶም ብዙሕ ነገር የልቦን። ደቂ 14 ቕድሚ ምዃኖም እተጠምቁ ኣርባዕተ ውሉዳት ዘዕበየት በርኒስ፡ “ሽዑ፡ ስምዒትና ኣጸቢቑ እተተንከየሉ እዋን እዩ ነይሩ። ልክዕ እዩ፡ ደቅና ንየሆዋ ኼገልግሉ ብምድላዮም ነመስግን ኢና” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ግናኸ፡ ደቅና ገና መንእሰያት ብምንባሮም፡ ብዙሕ ብድሆታት ከም ዜጋጥሞም ንፈልጥ ኔርና ኢና” ትብል። ውሉድካ መንእሰይ እንተ ዀይኑ፡ ንበርኒስ ዘተሓሳሰባ ነገር ይርድኣካ እዩ።

2 ናብ ብጽሕና ዚግበር ዕቤት ንወለዲ ዀነ ንመንእሰያት ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ኽኢላ መጽናዕቲ ምዕባለ ቘልዓ ኸም ዝገለጾ፡ “ብጽሕና ወይ ጕርዝውና እዋን ‘ጽላለ’ ወይ ‘ዘይብስለት’ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ውዕዉዕ ስምዒትን ማሕበራዊ ርክባትን መሃዝነትን ዚምዕብለሉ ግዜ እዩ።” ውሉዳትኩም መንእሰያት ከለዉ፡ ምስ የሆዋ ትርጉም ዘለዎ ዕርክነት ኬማዕብሉ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሸቶ ኣውጺኦም ንምውቃዑ ኺጽዕሩ፡ ርእሶም ወፍዮም ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ኪመላለሱ ኸለዉ ድማ መሃዝቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከምቲ የሱስ ብንእስነቱ ዝነበሮ፡ እዋን ንእስነት ዜዕግብ መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብሩሉ እዋን ኰይኑ ኺረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። (ሉቃስ 2:52 ኣንብብ።) እሞኸ ንስኻ ኸም ወላዲ ኣብዚ ወሳኒ ዓመታት እዚ እንታይ ግደ እዩ ዘሎካ፧ የሱስ ምስ ዓበየ ኸመይ ገይሩ ፍቕርን ትሕትናን ልቦናን ከም ዘርኣየ ንርአ። እዘን ባህርያት እዚአን ንመንእሰይ ውሉድካ፡ ንየሆዋ ኼገልግሎ ንምስልጣን ከመይ ገይረን ኪሕግዛኻ ይኽእላ፧

ንውሉድካ ኣፍቅሮ

3. የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “ኣዕሩኸይ” ኢሉ ኺጽውዖም ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሱስ ፈቃርን እሙንን ዓርኪ እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 15:15 ኣንብብ።) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ጐይታ ናይ ውልቁ ሓሳባትን ስምዒታትን ንባሮቱ ኣይነግሮምን እዩ ነይሩ። የሱስ ግና ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ፡ ጐይታኦምን ዓርኮምን እዩ ነይሩ። ምሳታቶም ግዜ የሕልፍ፡ ስምዒታቱ የካፍሎም፡ ኣብ ልቦም ዘሎ ኼፍስሱሉ ኸለዉ ድማ ተጠንቂቑ ይሰምዖም ነይሩ እዩ። (ማር. 6:30-32) ከምዚ ዝበለ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መንፈስ፡ ኣብ መንጎ የሱስን ሃዋርያቱን ፍቕሪ ኸም ዚህሉ ገይሩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንዚህልዎም ሓላፍነታት እውን ኣዳልይዎም እዩ።

4. ከም ወላዲ ዘሎካ ስልጣን ከይሓደግካ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ዓርኪ ውሉድካ እትኸውን፧ (ኣብ ገጽ 8 ዘላ ስእሊ ርአ።)

4 ማይክል ዝስሙ ኣቦ ኽልተ፡ “ንሕና ወለዲ መዛኑ ደቅና ኽንከውን እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ኣዕሩኾም ክንከውን ግና ንኽእል ኢና” ኢሉ እዩ። ኣዕሩኽ ብሓባር ግዜ የሕልፉ እዮም። ምስ ውሉዳትካ ዝያዳ ግዜ ንምሕላፍ፡ ኣብ ዓለማዊ ስራሕካ ወይ ካልእ ንጥፈታትካ ምትዕርራይ ክትገብር ትኽእል እንተ ዄንካ ብጸሎት ሕሰበሉ። ብዘይካዚ፡ ኣዕሩኽ ሓባራዊ ዜገድሶም ነገር ኣለዎም። ስለዚ፡ መንእሰይ ውሉድካ ዚፈትዎ ነገር፡ ንኣብነት ዚፈትዎ ሙዚቃ፡ ፊልም፡ ወይ ስፖርት ክትፈቱ ጻዕሪ ግበር። ኣብ ኢጣልያ እትነብር ኢላሪያ፡ “ወለደይ ኣብቲ ኣነ ዝሰምዖ ሙዚቃ ተገዳስነት ኣሕዲሮም እዮም። ኣቦይ እሞ ኸኣ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝቐርቦ ዓርኪ እዩ ዀይኑለይ፣ ብዛዕባ ተኣፋፊ ጕዳያት እኳ ንምዝርራብ ኣይስከፍን እየ ነይረ” ትብል። ዓርኪ መንእሰይ ውሉዳትካ እንተ ዄንካን ‘ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት’ ኬማዕብሉ እንተ ሓጊዝካዮምን፡ እቲ ኸም ወላዲ ዘሎካ ስልጣን ትሓድጎ ኣይኰንካን ዘለኻ። (መዝ. 25:14) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ከም እተፍቅሮምን ከም እተኽብሮምን ኢኻ እተርእዮም፡ ብዝያዳ ድማ ተቐራቢ ትኸውን። ንሳቶም እውን ዜተሓሳስቦም ነገር ኬካፍሉኻ እዮም።

5. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዝ ምዃን ዜምጽኦ ሓጐስ ኬስተማቕርዎ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

5 የሱስ ንዜፍቅሮም ደቀ መዛሙርቱን ንፈተውቱን፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዝ ምዃን ዜምጽኦ ሓጐስ ኬስተማቕርዎ ደልይዎም እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብንጥፈት ኪሳተፉ ይደልዮም ነይሩ እዩ። እወ፡ ቀናኣት ገበርቲ ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ደልይዎም እዩ። ኪዕወቱ ኸም ዚሕግዞም ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ብፍቕሪ ኣረጋጊጹሎም እዩ።—ማቴ. 28:19, 20

6, 7. ወለዲ ንውሉዳቶም መንፈሳዊ ልማድ ከም ዚስርቱን ከም ዚዕቅቡን ምግባሮም ፍቕራዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ንስኻ እውን ንመንእሰያት ውሉዳትካ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑያት ኪዀኑ ኢኻ እትደልዮም። ኣምላኽ ከኣ ንውሉዳትካ፡ “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኸተዕብዮም እዩ ዚደልየካ። (ኤፌ. 6:4) ስለዚ፡ መንፈሳዊ ልማድ ንምስራትን ንምዕቃብን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ሓላፍነት ተጠቐመሉ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ትምህርቲ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነን ፍቕሪ ትምህርቲ ኽትቀርጸሎም ስለ እትደልን፡ ንውሉዳትካ ኺምሃሩ ግዲ ትብሎም ኢኻ። ብተመሳሳሊ፡ ፈቃራት ወለዲ ንውሉዳቶም ካብቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ካልእ መንፈሳዊ መደባትን ዚርከብ ‘ምዕዶ የሆዋ’ ኺጥቀሙ ግዲ ይብልዎም እዮም። መለኮታዊ ትምህርቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ውሉዳትካ ንመንፈሳዊ ነገራት ፍቕሪ፡ ንጥበብ ከኣ ሞሳ ኽትቀርጽ ትጽዕር ኢኻ። (ምሳ. 24:14) ከምቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሓገዞም፡ ንመንእሰያት ውሉዳትካ ቓል ኣምላኽ ናይ ምምሃር ፍቕሪ ኸም ዜማዕብሉን ጽቡቕ ልማድ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸም ዜጥርዩን ብምግባር ኣብ ኣገልግሎት ኪዕወቱ ትሕግዞም ኢኻ።

7 ስሩዕ መንፈሳዊ ልማድ ንመንእሰያት ብኸመይ ይሕግዞም፧ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትነብር ኢሪን፡ “ንሕና ውሉዳት፡ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣኼባታትን ኣገልግሎት ወፍርን ምኒን ንብልን ነማርርን ኔርና ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብኡ ንምምላጥ ኰነ ኢልና ንመጽናዕቲ ስድራ ቤትና ንሓናዅል ኔርና ኢና። ወለድና ግና ኣይተሓለሉን” ኢላ ዝገብርዎ ዝነበሩ ተኣሚናትሉ ኣላ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ “እቲ ስልጠና እቲ፡ ጽንዓት ከማዕብል ሓጊዙኒ እዩ። ሕጂ መንፈሳዊ ልማደይ እንተ ተሓናዂሉ፡ ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ናብኡ ኽምለስ ዜኽእል ባህጊ ኣሎኒ። ወለድና ንመንፈሳዊ ልማድና ኣብ ምዕቃብ ጽኑዓት እንተ ዘይኰኑ ነይሮም፡ እቲ ባህጊ እቲ ኣይመሕደርኩን። እንተ ዚሕለሉ ነይሮም፡ ካብ ኣኼባታት ወይ ካብ ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታት ንምብኳር ዝቐለለ ምዀነለይ ነይሩ” ኢላ እያ።

ኣብነት ብምዃን፡ ትሕትና ምሃር

8. (ሀ) የሱስ ኵሉ ነገር ኪገብር ከም ዘይኽእል ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (ለ) ትሕትና የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ጸልያቶም፧

8 የሱስ ፍጹም ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ኺገብሮ ዘይክእል ነገር ከም ዘሎን ናብ የሆዋ ኸም ዚጽጋዕን ብትሕትና ተኣሚኑ እዩ። (ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።) የሱስ ዘርኣዮ ትሕትና ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ንዕኡ ዝነበሮም ኣኽብሮት ነክይዎ ድዩ፧ ኣይፋልን። እኳ ደኣስ፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ብእተጸግዐ መጠን፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዝያዳ እዮም ኣሚኖምዎ። ንሳቶም እውን ደሓር፡ ንትሕትና የሱስ ቀዲሖም እዮም።—ግብ. 3:12, 13, 16

9. ብትሕትና ይቕረታ ምስ እትሓትትን ዓቕምኻ ድሩት ምዃኑ ምስ እትእመንን፡ እዚ ንመንእሰያት ውሉዳትካ ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧

9 ንሕና እውን ዓቕምና ድሩት እዩ፣ ዘይከም የሱስ ድማ ዘይፍጹማትን እንጋገን ኢና። እምበኣር፡ ዓቕምና ድሩት ምዃኑን ከም እንጋገን ብትሕትና ንተኣመን። (1 ዮሃ. 1:8) ከመይሲ፡ ንመን ኢኻ ብዝያዳ ኣኽቢርካ እትርኢ፧ ንሓደ ኺጋገ ኸሎ ጌጋኡ ዚእመን ዲኻ ወይስ ንሓደ ፈጺሙ ይቕረታ ዘይሓትት፧ መንእሰይ ውሉድካ ንጌጋታትካ ይቕረታ ኽትሓትት ከለኻ ምስ ሰምዐ፡ ንዓኻ ዘለዎ ኣኽብሮት ኪውስኽ እዩ። ጌጋታቱ ኺእመን ከም ዘለዎ እውን ኪምሃር ይኽእል ይኸውን። ሮዝሜሪ ዝስማ ኣደ ሰለስተ ዓበይቲ ውሉዳት ከምዚ ትብል፦ “ጌጋታትና ንእመን ኔርና ኢና፣ እዚ ድማ ንደቅና ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ፡ ናይ ውሽጦም ኪነግሩና ደሪኽዎም እዩ። ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ንፈልጥ ኔርና ኢና፣ ስለዚ፡ ንደቅና፡ ንጸገማቶም ዚኸውን ዝበለጸ ፍታሕ ኣበይ ከም ዚረኽቡ ምሂርናዮም ኢና። ሓገዝ ኪደልዩ ኸለዉ፡ ወትሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ እተመስረተ ጽሑፋት ኢና እንመርሖም፡ ብሓባር ኴንና ድማ ንጽሊ ኢና።”

10. የሱስ ንሰዓብቱ ኺእዝዞም ከሎ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

10 የሱስ ንሰዓብቱ ኺእዝዞም ስልጣን ነይርዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብትሕትና ተደሪኹ ንምንታይ ሓደ ትእዛዝ ከም ዝሃበ ምኽንያታቱ የረድኦም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ንሰዓብቱ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ኪስዕቡ ጥራይ ኣይኰነን ነጊርዎም፡ የግዳስ፡ “እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢልዎም እዩ። “ኣይትፍረዱ” ኺብሎም ከሎ እውን፡ “ከይፍረደኩም” ኢሉ ኸምኡ ዚገብሩሉ ምኽንያት ኣረዲእዎም እዩ፣ ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ከመይሲ፡ ብእትፈርድዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም . . . እዩ” ኢልዎም እዩ።—ማቴ. 6:31–7:2

11. ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን፡ ሕጊ ዘውጻእካሉ ወይ ውሳነ ዝገበርካሉ ምኽንያት ንውሉድካ ምግላጽ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ሕጊ ዘውጻኣካሉ ወይ ሓደ ውሳነ ዝገበርካሉ ምኽንያት ንውሉዳትካ ግለጸሎም። ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም እትሓስብ እንተ ተረዲእዎ፡ ብፍታው ልቢ ኺእዘዘካ ኺድረኽ እዩ። ኣርባዕተ ቘልዑ ዘዕበየ ባሪ፡ “ንመንእሰያት ምኽንያታት ምስ ዚንገሮም፡ ውሳነታትካ ብሃውሪ ዚግበር ወይ ፊን ከም ዝበለካ ዚለዋወጥ ዘይኰነስ፡ ሚዛናዊ ምዃኑ ስለ ዚግንዘቡ፡ ኪኣምኑኻ ይሕግዞም እዩ” ይብል። መንእሰይ ናይ ርእሱ “ኣእምሮ” ዘለዎ በጽሒ ንምዃን ይበስል እዩ ዘሎ። (ሮሜ 12:1) ብዛዕባ እዚ ኸኣ ባሪ፡ “መንእሰያት ኣብ ስምዒት ዘይኰነስ፡ ኣብ ምኽንያት ተመርኲሶም ናይ ልብምና ውሳነታት ምግባር ኪምሃሩ ኣለዎም” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 119:34) ንውሳነታትካ ዚኸውን ምኽንያታት ብትሕትና ኽትገልጽ ከለኻ፡ መንእሰይ ውሉድካ ናብ ብስለት ይዓቢ ኸም ዘሎ ኣሚንካ ምህላውካ ይፍለጦ እዩ፣ ውሳነታቱ ‘ብኣእምሮኡ’ ተጠቒሙ ኺገብር ከም ዘለዎ እውን ይምሃር እዩ።

ብልቦና ተመላለስ፡ ንመንእሰይ ውሉድካ እውን ተረድኣዮ

12. የሱስ ንጴጥሮስ ንምሕጋዝ ከመይ ገይሩ እዩ ልቦና እተጠቕመ፧

12 የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሓገዝ ኣብ ዜድልዮም እዋን፡ ልቦና ኣርእዩን ተረዲእዎምን እዩ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ ንርእሱ ኺሓልየላ ኺገንሖ ኸሎ፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ተደሪኹ እዩ ኸምኡ ኢሉ። የሱስ ግና እቲ ጴጥሮስ እተዛረቦ ዘረባ፡ ግጉይ ኣተሓሳስባ ዜንጸባርቕ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንዕኡን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ንምሕጋዝ ከኣ፡ ንርእስኻ ናይ ምንሕሳይ መንፈስ ዘለዎ ሳዕቤናት ገሊጹ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዎ በረኸት ድማ ሓቢሩ እዩ። (ማቴ. 16:21-27) ጴጥሮስ ከኣ ካብዚ ተማሂሩ እዩ።—1 ጴጥ. 2:20, 21

13, 14. (ሀ) እምነት ውሉድካ ሰንከልከል ትብል ከም ዘላ ንምፍላጥ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (ለ) ንወድኻ ወይ ንጓልካ ምእንቲ ኽትርድኣሎም ከመይ ጌርካ ልቦናኻ ኽትጥቀም ትኽእል፧

13 መንእሰይ ውሉድካ ኣበይ ሓገዝ ከም ዜድልዮ ምእንቲ ኽትርዳእ፡ የሆዋ ልቦና ኺህበካ ጸሊ። (መዝ. 32:8) ንኣብነት፡ እምነት ውሉድካ ሰንከልከል ትብል ከም ዘላ እንታይ ኪሕብረካ ይኽእል፧ ምናልባት ሓጐሱ ይጠፍእ፡ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ይነቕፎም፡ ወይ ምስጢራዊ ዀይኑ ይህሉ ይኸውን። እዚ ምልክት ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝዀነ፡ ማለት ክልተ ዓይነት ህይወት ይመርሕ ከም ዘሎ ጌርካ ተቐላጢፍካ ኣይትደምድም። * በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ነዚ ምልክታት እዚ ዕሽሽ ኣይትበሎ፡ ወይ ውሉድካ ንበይኑ ዚፍለ ምዃኑ ምስ ዕድሚኡ እተተሓሓዘ ኸም ዝዀነ ጌርካ ሸለል ኣይትበሎ።

ውሉዳትካ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ዚርከቡ ሰባት ዕርክነት ኪምስርቱ ኣጋጣሚታት ፍጠረሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14 ከም የሱስ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ሕቶታት ሕተቶም። ከምቲ ሓደ ሰብ ማይ ካብ ዒላ ብቕልጡፍ ኪግልል እንተ ፈቲኑ ንገለ ኻብቲ ማይ ዜፍስሶ፡ ንውሉድካ እንተ ኣፋጢጥካዮ ኸኣ እቲ ዚሓስቦን ዚሕልኖን ንምፍላጥ ዘሎካ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኼምልጠካ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 20:5 ኣንብብ።) ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኢላሪያ ኸምዚ ትብል፦ “ብግዜ ጕርዝውናይ፡ ኣብ መንጎ ብሓቂ ምምልላስን ምስ ደቂ ኽፍለይ ዝያዳ ግዜ ምሕላፍን ተዋጢረ ነይረ እየ። እዚ ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ቓልሲ ንጠባየይ ጸልይዎ ስለ ዝነበረ፡ ወለደይ ነዚ ኣለልዮምዎ እዮም። ሓደ ምሸት፡ ቍሩብ ጕህየ ኸም ዘለኹ ምስትብሃሎም ጠቒሶም፡ እንታይ ጸገም ከም ዘሎኒ ሓቲቶምኒ። ሽዑ፡ ንብዓት ስዒሩኒ፡ ኵነታት ከኣ ነጊረዮም፡ ሓገዝ ኪግበረለይ እውን ሓቲተ። ሓቚፎም ድማ ከም ዚርድኡለይ ነጊሮምኒ፡ ከም ዚሕግዙኒ ድማ ቃል ኣትዮምለይ።” ወለዲ ኢላሪያ ብኡብኡ ኣብ ጉባኤ ሓድሽን ዝሓሸን ዕርክነት ምእንቲ ኽትስርት ኪሕግዝዋ ጀመሩ።

15. የሱስ ምስ ካልኦት ኣብ ዝነበሮ ርክብ ከመይ ገይሩ ልቦና ኸም ዘርኣየ ግለጽ።

15 የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣበይ ሓገዝ ከም ዜድልዮምን ኣበይ ብሉጻት ከም ዝነበሩን ብምግንዛቡ እውን ልቦና ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ናትናኤል፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪርከብ ይኽእል እዩ፧” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 1:46) ነዚ ዘረባኡ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንናትናኤል እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ምበልካዮ፧ ነቓፊ፧ ከይመርመረ ዚፈርድ፧ እምነት ዘይብሉ፧ የሱስ ግና ብልቦናኡ ተጠቒሙ ነቲ ኣብ ናትናኤል ዝነበረ ጽቡቕ እዩ ርእዩ። ስለዚ ድማ፡ “ተንኰል ዚብሃል ዘይብሉ እስራኤላዊ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (ዮሃ. 1:47) የሱስ ልቢ ኼንብብ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ በዚ ኽእለቱ እዚ ተጠቒሙ ኸኣ ኣብ ካልኦት ዘሎ ጽቡቕ እዩ ዚርኢ ነይሩ።

16. ንውሉድካ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ጽቡቕ ባህርያት ኬማዕብል ክትሕግዞ እትኽእል፧

16 ልቢ ኸተንብብ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ግና ብልቦና ኽትመላለስ ትኽእል ኢኻ። እሞኸ ኣብ መንእሰይ ውሉድካ ጽቡቕ ከተናዲ ዲኻ፧ “መዕገርገሪ” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዚደሊ ሓደ እኳ የልቦን። ብሓሳብካ ወይ ብቓልካ፡ ንውሉድካ፡ “ዓለወኛ” ወይ “ኣሸጋሪ” ኣይትበሎ። ውሉድካ ይቃለስ እኳ እንተሎ፡ ዕቑር ተኽእሎኡን ቅኑዕ ንምግባር ዘለዎ ልባዊ ባህግን ከም እትርኢ ኣፍልጦ። ምልክት ዕቤቱን ምዕባለኡን ኣስተብሂልካ ንኣዶ። ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ተወሳኺ ሓላፍነታት ብምሃብ፡ ጽቡቕ ባህርያት ኬማዕብል ሓግዞ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምኡ እዩ ገይሩሎም። ምስ ናትናኤል (በርተሎሜዎስ ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ) ድሕሪ ምርኻቡ ኣስታት ዓመትን መንፈቕን ዚኣክል ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ኪኸውን ሓርይዎ እዩ፣ ናትናኤል ድማ ቀናእ ክርስትያን ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ሉቃ. 6:13, 14፣ ግብ. 1:13, 14) ናእዳን ምትብባዕን ምሃብካ፡ ንውሉድካ ወትሩ ብቕዓት ዘየማልእ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ኺጥቀመሉ ዚኽእል ብቑዕ ክርስትያን ምዃኑ ኺስምዖ እዩ።

ብቓላት ዘይግለጽ ሓጐስ ዜምጽእ ስልጠና

17, 18. ንመንእሰያት፡ ንየሆዋ ኼገልግሉ ንምሕጋዝ እትገብሮ ቐጻሊ ጻዕሪ እንታይ ፍረ ኼምጽእ ይኽእል፧

17 ውሉዳትካ ኸተዕቢ ኸለኻ፡ ሓድሓደ ግዜ ኸምቲ ንብዙሓት መንፈሳዊ ኣቦኦም ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚስምዖ ዝነበረ ይስምዓካ ይኸውን። ኣብ ቈረንቶስ ንዝነበሩ መንፈሳውያን ውሉዳቱ ‘ኣዝዩ የፍቅሮም’ ምንባሩ፡ “ብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን” ኣሕሊፉ እዩ። (2 ቈረ. 2:4፣ 1 ቈረ. 4:15) ክልተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ዘዕበየ ቪክቶር፡ “ዕድመ ንእስነት ቀሊል ኣይነበረን። ግናኸ፡ ካብቲ ዘሕለፍናዮ ጸገማት፡ እቲ ጽቡቕ ግዜ ይበዝሕ። ብሓገዝ የሆዋ፡ ምስ ደቅና ጽቡቕ ዕርክነት ነይሩና” ኢሉ እዩ።

18 ንውሉዳትካ፡ ንየሆዋ ኼገልግሉ ንምስልጣን ከይሰልከኻ ጽዓር። ንዓታቶም ዘሎካ ፍቕሪ ኸተርእዮም ከለኻ፡ ንሳቶም እውን ናብ ሓቂ ብምምጻእን ‘በታ ሓቂ ዚመላለሱ’ መንፈሳውያን ውሉዳት ብምዃንን ብቓላት ዘይግለጽ ሓጐስ የምጽኡልካ።—3 ዮሃ. 4

^ ሕ.ጽ. 13 ወለዲ፡ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 317 (እንግሊዝኛ)፡ 2ይ ጥራዝ፡ ገጽ 136-141 ኪውከሱ ይደልዩ ይዀኑ።