ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ

የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ

“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።”—1 ዮሃንስ 4:8, 16

መዝሙር፦ 18, 51

1. ቀንዲ ባህርይ ኣምላኽ እንታይ እያ፧ ነዚ ብምፍላጥካኸ እንታይ ይስምዓካ፧

እቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓል ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና። እወ፡ ፍቕሪ ሓንቲ ኻብተን ዜደንቓ ባህርያት የሆዋ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ኣምላኽ ባዕሉ እውን “ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃ. 4:8) ፍቕሪ ቀንዲ፡ ማለት ኣገዳሲት ባህርዩ እያ። የሆዋ ፍቕሪ ኣላቶ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵለንትናኡ እውን ፍቕሪ እዩ። እቲ ፈጣሪ ዅሉ ግኡዝን ህያውን ፍጥረታት፡ ኣምላኽ ፍቕሪ ኸም ዝዀነ ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ኵሉ ነገራት በዛ ባህርይ እዚኣ ተደሪኹ እዩ ዚገብሮ።

2. ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ እያ እተረጋግጸልና፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

2 እታ ኣምላኽ ዘላቶ ሓያል ፍቕሪ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ብዝበለጸ መገዲ ኸም ዚፍጽሞ፡ ተገዛእቱ ዝዀኑ ዅሎም ድማ ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዚረኽቡ ተረጋግጸልና እያ። ንኣብነት፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ “በቲ ዝሸሞ ሰብኣይ [የሱስ ክርስቶስ] ኣቢሉ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ።” (ግብ. 17:31) እዚ ኸም ዚፍጸም ድማ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። እቶም ዘንቀዱን እዙዛትን ሰባት ዚረኽብዎ ፍርዲ ንዘለኣለም ዚቕጽል ናይ ሓቂ እተባረኸ መጻኢ ኼምጽኣሎም እዩ።

ታሪኽ እንታይ እዩ ኣረጋጊጹ፧

3. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እንተ ዘየፍቅሮም ነይሩ፡ ህይወት እንታይ ምመሰለት፧

3 ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እንተ ዘየፍቅሮም ነይሩ፡ ህይወት እንታይ ክትመስል ከም እትኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ። ነዚ ንምፍላጥ፡ ሕማቕ ታሪኽ እዛ በቶም እቲ ጨካንን ቍጡዕን ኣምላኻ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ዚቈጻጸሮም ደቂ ሰብ እትግዛእ ዓለም ምርኣይ ጥራይ እኹል እዩ። (2 ቈረ. 4:4፣ 1 ዮሃ. 5:19፣ ራእይ 12:9, 12 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንፍጥረቱ ብፍቕሪ እንተ ዘይመርሖ ነይሩ፡ መጻኢና ኽሳዕ ክንደይ ሕማቕ ከም ዚኸውን የርእየና እዩ።

4. የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጽድቃዊ ኣገዛዝኣኡ እተላዕለ ዕልወት ግዜ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧

4 ድያብሎስ ካብ ኣገዛዝኣ የሆዋ ኺዓሉ ኸሎ፡ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን እውን ኣሰሩ ኺስዕቡ ጸልይዎም እዩ። ንቕንዕናን ንጽድቅን ልዑላውነት ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሰይጣን ኣገዛዝኣኡ ኻብ ኣገዛዝኣ ፈጣሪኡ ኸም ዚሓይሽ ገይሩ ቘጺሩ እዩ። (ዘፍ. 3:1-5) የሆዋ ንሰይጣን፡ ሓቅነት እቲ ዘልዓሎ ጕዳይ ንምርግጋጽ ኪፍትን እኳ እንተ ፈቐደሉ፡ ከምኡ ኺገብር እተፈቕደሉ ንግዜኡ እዩ። የሆዋ በታ ዓባይ ጥበቡ ኣቢሉ፡ ኪገዝእ ብቕዓት ዘለዎ ብዘይካኡ ኻልእ ከም ዘየለ ብንጹር ምእንቲ ኺቃላዕ እኹል ግዜ ኺሓልፍ ፈቒዱ እዩ። እቲ ዜሕዝን ታሪኽ ደቂ ሰብ ከኣ፡ ሰይጣን ኰነ ደቂ ሰብ ነቲ ዜድልየና ጽቡቕ ኣገዛዝኣ ኼምጽኡ ኸም ዘይክእሉ ኣርእዩ እዩ።

5. ታሪኽ ደቂ ሰብ ብንጹር ዘረጋገጾ ነገር እንታይ እዩ፧

5 ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመት፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣብ እተገብረ ውግእ ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኵነታት ዓለም እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ። ቃል ኣምላኽ እውን፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት እዚ፡ ‘እኩያትን ኣምሰሉታትን ናብ ዝገደደ ምስ በጽሑ’ ኸምኡ ኸም ዚኸውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 13) “ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ አሎኹ” ዚብል ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ታሪኽ ኣረጋጊጹ እዩ። (ኤር. 10:23) እወ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ካብኡ ተፈልዮም ንርእሶም ኬመሓድሩ ዚኽእሉሉ ኽእለት ወይ መሰል ሂቡ ኣይኰነን ፈጢርዎም።

6. ኣምላኽ ንግዜኡ እከይ ኪህሉ ምፍቃዱ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

6 ኣምላኽ ንግዜኡ እከይ ኪህሉ ምፍቃዱ፡ ኣገዛዝኣ ደቂ ሰብ ከንቱ ኸም ዝዀነ ንምርኣይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ሰፊሕ ዕላማ እውን ኣለዎ። ከምኡ ምግባሩ፡ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ጥራይ ኪዕወት ከም ዚኽእል ዜረጋግጽ ነባሪ ምስክር ኣቕሪቡ እዩ። የሆዋ ንእከይን ንገበርቲ እከይን ምስ ኣጥፍአ፡ ነቲ ፍቕራዊ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዚብድህ እንተ ተላዒሉ፡ ኣምላኽ ኪዕገሶ ኣይከድልዮን እዩ። ከመይሲ፡ ነቶም ዓለወኛታት ቀልጢፉ ንምጥፋእ፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ዘጋጠመ ነገራት ከም ብቑዕ ምኽንያት ገይሩ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ፣ እከይ ከም ብሓድሽ ኪህሉ ድማ ኣይኪፈቅድን እዩ።

ፍቕሪ የሆዋ ድሮ ተራእዩ

7, 8. የሆዋ ዓባይ ፍቕሩ ዘርኣየሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

7 የሆዋ ብእተፈላለየ መገዲ ዓባይ ፍቕሩ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ግዝፊ ዩኒቨርስ እሞ ሕሰብ። ቢልዮናት ከዋኽብትን ፕላነታትን ዝሓዙ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ጋላክሲታት ኣለዉ። ኣብዚ ዘለናዮ ጋላክሲ ሊሐ ካብ ዚርከቡ ኸዋኽብቲ ሓንቲ ጸሓይ እያ፣ ብዘይካኣ ኸኣ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህያዋን ፍጥረታት ኪነብሩ ኣይምኸኣሉን ነይሮም። እዚ ዅሉ ፍጥረታት፡ የሆዋ፡ ኣምላኽ ከም ዝዀነን ከም ሓይልን ጥበብን ፍቕርን ዝኣመሰለ ባህርያት ከም ዘለዎን ዜረጋግጽ መርትዖ እዩ። እወ፡ “እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ ዀነ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን ኣምላኽነቱን፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ብንጹር ይርአ እዩ።”—ሮሜ 1:20

8 የሆዋ ኣብ ምድሪ ነቶም ኣብኣ ኺነብሩ ኢሉ ዝፈጠሮም ፍጥረታቱ ዜድልዮም ዘበለ ነገራት ፈጢሩሎም እዩ። ንደቂ ሰብ፡ ጽብቕቲ ገነትን ፍጹም ኣእምሮን ንዘለኣለም ኪነብር ዚኽእል ሰብነትን ሂብዎም እዩ። (ራእይ 4:11 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ‘ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዚነብር፡ ንዅሉ ስጋ ይምግብ እዩ።’—መዝ. 136:25

9. ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ብዘይካ ፍቕሪ እንታይ ባህርይ እዩ ዜርኢ፧ ስለምንታይከ፧

9 የሆዋ ኣምላኽ ፍቕሪ ኸም ዝዀነ ገሊጹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክፉእ ከም ዚጸልእ እውን ሓቢሩ እዩ። ንኣብነት፡ መዝሙር 5:4-6 ብዛዕባ የሆዋ፡ “ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን . . . ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም” ይብል። ወሲኹ ድማ፡ “እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም” ይብል።

መወዳእታ እከይ ቀሪቡ

10, 11. (ሀ) የሆዋ ንእኩያት እንታይ ኪገብሮም እዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቶም ዘንቀዱ ዓስቢ ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧

10 የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነን ክፍኣት ስለ ዚጸልእን፡ እቲ ብዛዕባ ኣገዛዝኣኡ እተላዕለ ጕዳይ ንዕኡ ብዜዕግብ መገዲ መዕለቢ ምስ ተገብረሉ፡ እከይ ካብ ምድርን ካብ ካልእ ክፍሊ ዩኒቨርስን ኬጥፍእ እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡ ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም። . . . ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ . . . ጸላእቲ እግዚኣብሄር ድማ ከም ጌጽ ሸኻ እዮም፡ ኪበኑ፡ እወ፡ ከም ትኪ ኺበኑ እዮም” ኢሉ ይመባጻዕ እዩ።—መዝ. 37:9, 10, 20

11 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ፡ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ እውን ይመባጻዕ እዩ። (መዝ. 37:29) እዞም ቅኑዓት ሰባት እዚኣቶም፡ “ብብዝሒ ሰላም . . . ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝ. 37:11) እቲ ፈቃር ኣምላኽና ዅሉ ሳዕ ብዛዕባ ረብሓ እሙናት ኣገልገልቱ ስለ ዚሓስብ፡ እዚ ኺፍጸም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ” ይብለና። (ራእ. 21:4) ነቶም ንፍቕሪ ኣምላኽ ሞሳ ዘሎናን ንዕኡ ኸም ገዛኢና ጌርና እንእዘዞን ዘበልናስ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መጻኢ ዀን እዩ ዚጽበየና ዘሎ!

12. መንቅብ ዘይብሉ ሰብ ከመይ ዝበለ እዩ፧

12 ቃል የሆዋ፡ “ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ፡ እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ፡ ነዚ ቕኑዕ ርአዮ። በደልቲ ግና ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ረሲኣንውን ዳሕራዮም ኪቝረጽ እዩ” ይብለና። (መዝ. 37:37, 38) “ፍጹም ሰብ” ወይ መንቅብ ዘይብሉ ሰብ፡ ንየሆዋን ንወዱን ይፈልጦም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ይገብር እዩ። (ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።) ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:17 ዚርከብ፡ “ዓለም ከኣ ትሓልፍ እያ ዘላ፡ ትምኒታ እውን ከምኡ፣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዚብል ቃላት ብቝም ነገር እዩ ዚርእዮ። መወዳእታ ዓለም ኪቐርብ ከሎ ድማ፡ ብህጹጽ ‘ንየሆዋ ኽንጽበዮን መገዱ ኽንሕሉን’ ኣሎና።—መዝ. 37:34

ዝዓበየ መርኣያ ፍቕሪ ኣምላኽ

13. የሆዋ ኣብ ክንዲ ሓጥኣን ዘርኣዮ ዝዓበየ መርኣያ ፍቕሪ እንታይ እዩ፧

13 ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ‘መገዲ የሆዋ ኽንሕሉ’ ንኽእል ኢና። ሳላ እቲ ዝዓበየ መርኣያ ፍቕሩ ድማ፡ ምስኡ ናይ ብሕቲ ርክብ ክንምስርት ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ የሱስ ክርስቶስ መስዋእታዊ በጃ ኸም ዚኸውን ብምግባር፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስዎ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኺወጹ መገዲ ኸፊትሎም እዩ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ኣብ ሰማይ ማእለያ ንዘይብሉ ዘመናት እሙን ዝነበረ ሓደ ወዱ ምሉእ ብምሉእ ይተኣማመኖ እዩ። ፈቃር ኣቦ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ግፍዒ ኺበጽሖ ኸሎ ኸም ዝሓዘነ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንልዑላውነት ኣምላኽ ብተኣማንነት ደጊፉን ሓደ ፍጹም ሰብ ኣዝዩ ፈታኒ ዝዀነ ዅነታት እንተ ኣጋጢምዎ እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናኡ ኺሕሉ ኸም ዚኽእል ኣርእዩን እዩ።

ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቲ ፍቓደኛ ዝዀነ ወዱ ናብ ምድሪ ሰዲድዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

14, 15. የሱስ ብሙማቱ እንታይ እዩ ተፈጺሙ፧

14 የሱስ ካብ ኵሉ ዝበርትዐ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ንጽህናኡ ሓልዩን ንልዑላውነት የሆዋ ደጊፉን እዩ፣ እሙን ኣገልጋሊ ኣቦኡ ዀይኑ ድማ ሞይቱ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብሞቱ ንደቂ ሰብ ንምብጃው ዜኽእል ዋጋ ስለ ዝኸፈለን ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዜኽእል መገዲ ስለ ዝኸፈተን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ ዘሎና! በዚ ኸምዚ የሆዋን የሱስን ፍቕሪ ብግብሪ ኸም ዘርኣዩና ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ እዩ፣ “ገና ድኹማት ከለና፡ ክርስቶስ ብግዜኡ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ። ምእንቲ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዚርከብ ኣይመስልን፣ ምእንቲ ሕያዋይ ኪመውት ዚደፍርሲ ምናልባት ኣይሰኣንን ይኸውን። ግናኸ፡ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና፡ ክርስቶስ ምእንታና ብሙማቱ፡ ኣምላኽ ንፍቕሩ በዚ የርእየና ኣሎ” ድማ በለ። (ሮሜ 5:6-8) ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ፡ ንዕኡ ናብ ዓለም ልኢኽዎ እዩ እሞ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገልጸትልና። ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኰነስ፡ ንሱ ስለ ዘፍቀረናን ንሓጢኣትና ኸም ዜተዓርቕ መስዋእቲ ገይሩ ወዱ ስለ ዝሰደደልናን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ” በለ።—1 ዮሃ. 4:9, 10

15 የሱስ ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ፍቕሪ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም [እቶም ኪድሕኑ ዚኽእሉ ደቂ ሰብ] ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃ. 3:16) ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብዙሕ ስለ ዜፍቅሮም፡ ዓብዪ ዋጋ እውን እንተ ኣኽፈሎ፡ ንዓታቶም ጽቡቕ ካብ ምግባር ድሕር ኣይብልን እዩ። ፍቕሩ ዘለኣለማዊት እያ። ኵሉ ሳዕ በዚ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ጳውሎስ፡ “ሞት ኰነ፡ ህይወት ኰነ፡ መላእኽቲ ዀኑ፡ መንግስትታት ኰኑ፡ ዘሎ ዀነ፡ ዚመጽእ ኰነ፡ ሓይልታት ኰነ፡ ልዕል ዝበለ ዀነ፡ ትሕት ዝበለ ዀነ፡ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል፡ ርግጸኛ እየ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—ሮሜ 8:38, 39

መንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ ትገዝኣ ኣላ

16. መሲሓዊት መንግስቲ እንታይ እያ፧ የሆዋ ግዝኣት መንግስቲ ዝሃበኸ ንመን እዩ፧

16 ኣምላኽ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ብምድላው፡ ንደቂ ሰብ ከም ዜፍቅሮም ኣርእዩ እዩ። ነቲ ንደቂ ሰብ ዜፍቅርን ንኺገዝእ ሓለፍ ዝበለ ብቕዓት ዘለዎን ወዱ ድማ፡ ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ሂብዎ ኣሎ። (ምሳ. 8:31) እቶም ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ሓቢሮም ዝገዝኡ 144,000 መጋዝእቲ የሱስ ድማ፡ ነቲ ሰብ ኰይኖም ዘሕለፍዎ ተመክሮ ሒዞም ኪትንስኡ እዮም። (ራእ. 14:1) ፍረ ነገር እቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እያ ነይራ፣ ንደቀ መዛሙርቱ እውን፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴ. 6:9, 10) እዚ ጸሎት እዚ ኺፍጸም ከሎስ፡ እቶም እዙዛት ደቂ ሰብ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዮም ኪረኽቡ!

17. ግዝኣት የሱስ ምስ ግዝኣት እቶም ሓጥኣን ገዛእቲ ደቂ ሰብ ኣነጻጽሮ።

17 እቲ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ሰማያዊ ግዝኣት የሱስ ምስቲ ኣብ ውግእ ንሚልዮናት ሰባት ዝቐተለ ግዝኣት ደቂ ሰብ ኪነጻጸር ከሎስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ፍልልይ ዘለዎ! የሱስ ንተገዛእቱ ይሓልየሎም እዩ፣ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ፡ ብፍላይ ድማ ፍቕሪ የንጸባርቕ እዩ። (ራእ. 7:10, 16, 17) የሱስ፡ “ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንነፍሳትኩም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡ ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 11:28-30) እዝስ ከመይ ዝበለ ዜጸናንዕ ቃላት ኰን እዩ!

18. (ሀ) መንግስቲ ኣምላኽ ካብ እትምስረት ኣትሒዛ እንታይ ትገብር ኣላ፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

18 እቲ የሱስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ብ1914 ምስ ጀመረ፡ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተመስረተት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ድሕሪኡ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ቕቡኣትን እቶም ካብ ጥፍኣት እዚ ስርዓት እዚ ድሒኖም ናብ ሓዳስ ዓለም ዚኣትዉ “ብዙሓት ህዝብን” ኪእከቡ ጀሚሮም እዮም። (ራእ. 7:9, 13, 14) እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ክንደይ ብዙሓት ኰይኖም ኣለዉ፧ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኬማልእዎ ትጽቢት ዚግበረሎም ብቕዓታትከ እንታይ እዩ፧ እታ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትምልሶ እያ።