ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ

ንልግሲ የሆዋ ሞሳ ኣርኢ

የሆዋ ለጋስ ኣምላኽ እዩ። (ያእ. 1:17) ፍጥረት የሆዋ ኻብቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ጸልማት ዝወሓጦ ሰማያት ክሳብ እቲ ብልሙዕ ኣትክልቲ እተሸፈነ ምድሪ ብዛዕባ ልግሱ ይዝምር እዩ።—መዝ. 65:12, 13፣ 147:7, 8፣ 148:3, 4

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንፈጣሪኡ ዝነበሮ ሞሳ ኣዝዩ ዓሚቝ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ንግብርታት ኣምላኽ ዚውድስ መዝሙር ኬዳሉ ተደሪኹ እዩ። ንመበል 104 መዝሙር እሞ ኣንብባ፡ ምስ ስምዒታቱ ኸም እትሰማማዕ ክትርኢ ኢኻ። ኣብኣ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ብህይወተይ ከሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር፡ ክሳዕ ዘሎኹ ንኣምላኸይ ኤመስግን” ኢሉ ኣሎ። (መዝ. 104:33) ንስኻ እውን ከምኡ ዓይነት ባህጊ ድዩ ዘሎካ፧

ብሉጽ ኣብነት ልግሲ

የሆዋ ነቲ ኣብነት ልግሱ ኽንስዕብ እዩ ዚደልየና። ለጋሳት ክንኰነሉ ዚግባእ ጽቡቕ ምኽንያታት እውን ይህበና እዩ። ንሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደሪኽዎ እዩ፦ “ነቶም ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ኣብዚሑ ዚህበና ኣምላኽ እምበር፡ በቲ ዘየተኣማምን ሃብቲ ተስፋ ኸይገብሩ ኣዝዞም። ሰናይ ኪገብሩ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነታ ናይ ሓቂ ህይወት ኣጽኒዖም ምእንቲ ኺሕዝዋስ፡ ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ ኣዝዞም።”—1 ጢሞ. 6:17-19

ጳውሎስ ነታ ብመንፈስ ተደሪኹ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቱ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ብዛዕባ ምሃብ ኪህሉ ዚግባእ ግቡእ ኣረኣእያ ኣጕሊሑ ኣሎ። ኣብኣ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ኢሉ እዩ። (2 ቈረ. 9:7) ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ ብልግሲ ብምሃብ መነመን ከም ዚጥቀሙ ጠቒሱ ኣሎ፣ ንሳቶም ከኣ እቶም ዜድልዮም እተማልኣሎም ተቐበልትን እቶም በቲ መንፈሳዊ በረኸት ዚህብትሙ ወሃብትን እዮም።—2 ቈረ. 9:11-14

ጳውሎስ ነዚ ኽፋል እዛ መልእኽቱ፡ ነቲ ዝሓየለ መርትዖ ልግሲ የሆዋ ብምጥቃስ እዩ ዛዚምዎ። “ስለቲ ኺግለጽ ዘይከኣል ውህበቱ፡ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረ. 9:15) ውህበት የሆዋ ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝዘርግሖ ሰናይ የጠቓልል እዩ። እዚ ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ፡ ብቓላት ኪግለጽ ዚከኣል ኣይኰነን።

እሞኸ ስለቲ ዅሉ እቲ የሆዋን ወዱን ዝገበሩልናን ብሕጂ ዚገብሩልናን ነገራት ከመይ ጌርና ኢና ሞሳና ኽንገልጽ እንኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን፡ ሒደት ይኹን ወይ ብዙሕ፡ ንምድንፋዕ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ብልግሲ ብምሃብ እዩ።—1 ዜና 22:14፣ 29:3-5፣ ሉቃ. 21:1-4