ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልሳንካ ንጽቡቕ ተጠቐመሉ

ልሳንካ ንጽቡቕ ተጠቐመሉ

“ኦ የሆዋ፡ . . . ቃላት ኣፈይ . . . ባህ ዜብለካ ይኹን።”—መዝ. 19:14NW።

መዝሙር፦ 21, 35

1, 2. ሓዊ ንልሳን ዚበቅዕ ምሳሌ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ መጀመርታ ጥቅምቲ 1871፡ ኣብ ታሪኽ ሕ.መ.ኣ. ብዘስዓቦ ጕድኣት ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ጌርካ ዚግለጽ ባርዕ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዊስካንሰን ዚርከብ ዱር ተላዒሉ እዩ። እቲ ባርዕ እናሓየለ ምስ ከደ፡ እቲ ሃልሃታኡን ብርቱዕ ዋዒኡን ልዕሊ 1,200 ሰባት ቀቲሉ፡ ልዕሊ ኽልተ ቢልዮን ኣእዋም እውን ሃሚኹ። እቲ ብርቱዕ ባርዕ ካብ እትሓልፍ ባቡር ብዝወደቐ ቝላዕ ሓዊ ጀሚሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ እቲ ኣብ ያእቆብ 3:5 ዚርከብ፡ “እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ!” ዚብል ቃላት ብሓቂ ቕኑዕ እዩ። እዚ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ከምኡ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

2 እቲ ያእቆብ ኣብዚ እተጠቕመሉ ምሳሌ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ፡ ኣብ ፍቕዲ 6 እዩ ንጹር ኰይኑ ዘሎ። ኣብኣ፡ “ልሳን እውን ሓዊ እያ” ተባሂሉ ኣሎ። ልሳን ንናይ ምዝራብ ክእለትና እያ እተመልክት። ዘረባና እውን ከም ሓዊ ኸቢድ ጕድኣት ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ኣለዎ። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ፡ “ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ” ይብል እዩ። (ምሳ. 18:21) ልክዕ እዩ፡ ከምቲ ባርዕ ከይልዓል ኢልና ሓዊ ምእጓድ ዘይንሓድጎ፡ ዚጐድእ ዘረባ ኸይንዛረብ ኢልና እውን ምዝራብ ኣይነቋርጽን ኢና። የግዳስ፡ ክንቈጻጸሮ ኢና እንጽዕር። ንሓዊ እንተ ተቘጻጺርናዮ፡ ምግብና ንምኽሻን፡ ሰብነትና ንምማቝ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ጸልማት ንምብራህ ንጥቀመሉ ኢና። ንልሳንና እንተ ገሪሕናያ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ንምኽባርን ንኻልኦት ንምጥቃምን ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና።—መዝ. 19:14

3. እንታይ ሰለስተ መዳያት ዘረባ ኢና ኽንምርምር፧

3 እቲ እነመሓላልፎ መልእኽቲ በቲ ኻብ ኣፍና ዚወጽእ ድምጺ ይኹን ወይ ብኣእዳውና ብእንገብሮ ምልክት፡ እቲ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ናይ ምምሕልላፍ ክእለትና ብሓቂ ዜደንቕ ውህበት ኣምላኽ እዩ። ነዚ ውህበት እዚ ግና ከመይ ጌርና ኢና ንምፍራስ ዘይኰነስ ንምህናጽ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ (ያእቆብ 3:9, 10 ኣንብብ።) ሰለስተ ኣገዳሲ መዳይ ዘረባ ኽንርኢ ኢና፣ እዚ ድማ መዓስ ከም እትዛረብን እንታይ ከም እትዛረብን ብኸመይ ከም እትዛረብን እዩ።

መዓስ ትዛረብ

4. ‘ስቕ ንምባል’ መዓስ ግዜኡ ኸም ዚኸውን ኣብነታት ሃብ።

4 ዘረባ ኽፍሊ መዓልታዊ ህይወትና እዩ፣ ግናኸ፡ ኵሉ ሳዕ ክንዛረብ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ” ይብል እዩ። (መክ. 3:7) ካልኦት ኪዛረቡ ኸለዉ ስቕ ምባል፡ ምልክት ኣኽብሮት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እዮ. 6:24) ምስጢር ንምዕቃብ ልሳንና ምቍጽጻርና፡ መርኣያ ምስትውዓል እዩ። (ምሳ. 20:19) ዜቘጥዕ ነገር ኣጋጢሙና ልሳንና ምግታእና፡ መገዲ ጥበብ እዩ።—መዝ. 4:4

5. ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ዘረባ ኸመይ ጌርና ምስጋናና ኽንገልጽ ንኽእል፧

5 በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንምዝራብ . . . ጊዜ አለዎ” እውን ይብል እዩ። (መክ. 3:7) ፈታዊኻ ጽቡቕ ህያብ እንተ ሂቡካ፡ ሰብ ኣብ ዘይርእዮ ቦታ መሸም ኣይተቐምጦን ኢኻ። የግዳስ፡ ነቲ ህያብ ጽቡቕ ጌርካ ብምጥቃም ምስጋናኻ ትገልጽ ኢኻ። ንሕና ድማ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ውህበት ዘረባ ብጥበብ ብምጥቃም ምስጋናና ኽንገልጽ ንኽእል ኢና። እዚ ኸኣ ስምዒታትና ምግላጽ፡ ዜድልየና እንታይ ምዃኑ ምሕባር፡ ዜተባብዕ ቃላት ምዝራብ፡ ከምኡ እውን ንኣምላኽ ምውዳስ ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። (መዝ. 51:15) ‘ንምዝራብ ግዜኡ’ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧

6. መጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ግዜ ምዝራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸመይ ገይሩ ብምሳሌ ይገልጽ፧

6 እተን ኣብ ምሳሌ 25:11 ዚርከባ፡ “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ” ዚብላ ቓላት ብግቡእ ግዜ ምዝራብ ዘለዎ ኣገዳስነት እየን ዜጕልሓ። ሮማን ወርቂ ንበይኑ ጽቡቕ እዩ። ኣብ ኣቕሓ ብሩር ምስ ዚቐመጥ ከኣ፡ ጽባቐኡ ብዝያዳ እዩ ዚጐልሕ። ብተመሳሳሊ እውን፡ መዓስ ከም እንዛረብ ተጠንቂቕና ምምራጽና፡ ንዘረባና ብዝያዳ ተፈታውን ውጽኢታውን ይገብሮ። ብኸመይ፧

7, 8. ኣብ ጃፓን ዝነበሩ ኣሕዋትና ብዛዕባ ትንሳኤ ንምዝራብ ግቡእ ግዜ ብምምራጽ ንየሱስ ዝመሰልዎ ብኸመይ እዮም፧

7 እቲ እንብሎ ቓላት ልክዕ እኳ እንተ ዀነ፡ መዓስ ኪዝረብ ከም ዘለዎ እንተ ዘየስተውዒልና ግና መልእኽቱ ኸይመሓላለፍ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 15:23 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣብ መጋቢት 2011 ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድርን ሱናሚን ንገሊኡ ኽፋል ምብራቓዊ ጃፓን ኣዕንይዎ፡ ምሉእ ከተማታት እውን ደምሲሱ እዩ። ሽዑ፡ ልዕሊ 15,000 ህይወት ሰባት ጠፊኡ እዩ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ጐረባብቶም ኣደዳ እቲ መከራ እኳ እንተ ዀኑ፡ በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሞም ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ንዝሓዘኑ ኣጸናኒዖም እዮም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ኣብቲ ዓዲ ዚርከቡ ሰባት ኣመንቲ ቡድህና ብምዃኖም፡ ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ፍልጠት የብሎምን። ስለዚ፡ ኣሕዋትና ደድሕሪ እቲ ሱናሚ ነቶም ዝሓዘኑ ግዳያት ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምንጋር ዘይግዜኡ ምዃኑ ኣስተውዒሎም እዮም። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ስምዒታዊ ደገፍ ሂቦሞም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜስካሕክሕ ነገር ስለምንታይ ንንጹሃት ሰባት ከም ዜጋጥሞም ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጾምሎም እዮም።

8 የሱስ መዓስ ኪዛረብ ከም ዘለዎን መዓስ ኪዛረብ ከም ዘይብሉን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 18:33-37፣ 19:8-11) ሓደ እዋን ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ገና ብዙሕ ዝነግረኩም ኣሎኒ፣ ግናኸ፡ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 16:12) እቶም ኣብ ምብራቓዊ ጃፓን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ነዚ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ስዒቦምዎ እዮም። ድሕሪ እቲ ሱናሚ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ሓለፈ፡ “ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧” ዘርእስታ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38 ንምዝርጋሕ ኣብ እተገብረ ዓለምለኻዊ ወፈራ ተሳቲፎም እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ልቢ ዜረስርስ መልእኽቲ ትንሳኤ ንምጽንናዕ ድሉዋት ኰይኖም ነይሮም እዮም፣ ብዙሓት ሰብ ቤት ከኣ ነታ ትራክት ተቐቢሎማ እዮም። ባህልታትን ሃይማኖታዊ እምነታትን ብዙሕ ስለ ዚፈላለ፡ ንምዝራብ ግቡእ ግዜ ብዛዕባ ምምራጽ ኣስተውዓልቲ ኽንከውን ኣሎና።

9. ኣብ ምንታይ ኵነታት ኢና ብግቡእ ግዜ ምዝራብና ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል፧

9 ንምዝራብ ግቡእ ግዜ እንተ ዀይኑ ኸነስተውዕለሉ ዜድልየና ፍሉይ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ጽቡቕ ሓሲቡ ብእተዛረቦ ቓላት እኳ፡ ቅር የብለና ይኸውን። እቲ ጕዳይ ኪዝረበሉ ዘለዎ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ግዜ ወሲድና ምሕሳብና ልብምናና እዩ ዜርኢ። ክንዛረብ እንተ ኣልዩና፡ ተበሳጪና ኸለና ሕማቕ ክንዛረብ ስለ እንኽእል፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ ቕር ዘበለና ሰብ ዘይምዝራቡ ይሓይሽ። (ምሳሌ 15:28 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ፡ ንዘይኣመንቲ ቤተ ሰብና ብዛዕባ ሓቂ ኽንዛረቦም ከለና፡ መዓስ ክንዛረቦም ከም ዚግባእ ከነስተውዕል ኣሎና። ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ንደልዮም ኢና፣ ግናኸ፡ ዕጉሳትን ኣስተውዓልትን ክንከውን ኣሎና። ብግቡእ ግዜ ግቡእ ቓላት ምዝራብ፡ ልቦም ኪኸፍቱ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ።

እንታይ ትዛረብ

10. (ሀ) ግቡእ ቃላት ተጠንቂቕና ኽንሓሪ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ሓደ ኣብነት ጐዳኢ ዘረባ ሃብ።

10 ቃላት ኪጐድእ ወይ ኬሕዊ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:18 ኣንብብ።) ብቓላት ጌርካ ምቝሳል፡ ኣብዛ ዘለናያ ናይ ሰይጣን ዓለም ልሙድ እዩ። ዓውዲ መዘናግዒ ንብዙሓት ሰባት ‘መላሕሶም ከም ሰይፊ ኺስሕሉን መሪር ቃላቶም ከም ፍላጻታት ኬዝግቡን’ የለዓዕሎም እዩ። (መዝ. 64:3) ሓደ ክርስትያን ካብዚ ሕማቕ ተግባር እዚ ኺርሕቕ ኣለዎ። ሓደ ኣብነት “መሪር ቃላት” ከኣ ንኻልኦት ንምቍንጻብ ወይ ንምውቃስ ዚዝረብ ዘረባ ሽምጠጣ እዩ። ሽምጠጣ ብዙሕ ሳዕ ከም መስሓቕ ጌርካ ይርአ እዩ፣ ቀልጢፉ ግና ናብ ንዕቀትን ጸርፍን ይበጽሕ እዩ። ሕሱም ሽምጠጣ ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት ‘ኬርሕቕዎ’ ዚግባእ ዓይነት ጸርፊ እዩ። ዋዛ ንዘረባና ቐመም ኪዀኖ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንሰባት ብዚጐድእ ወይ ብዜዋርድ ሃሳዪ ሕጫጨ ጌርና ኸነስሕቕ ከይንፍትን ግና ክንጥንቀቕ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሰማዕቱ ምእንቲ ኺጠቅምሲ፡ ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል እምበር፡ ሕማቕ ቃልሲ ኻብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” ኢሉ ይምዕደና።—ኤፌ. 4:29, 31

11. ቅኑዕ ቃላት ንምሕራይ፡ ልብና ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

11 የሱስ፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ” ኢሉ ምሂሩ እዩ። (ማቴ. 12:34) ስለዚ፡ ግቡእ ቃላት ምሕራይ፡ ካብ ልብና እዩ ዚጅምር። መብዛሕትኡ ግዜ ዘረባና ነቲ ብዛዕባ ሰባት ብሓቂ ዚስምዓና ነገር እዩ ዜንጸባርቕ። ልብና ብፍቕርን ብርሕራሐን እንተ መሊኡ፡ ዘረባና እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣወንታውን ሃናጽን እዩ ዚኸውን።

12. ቅኑዕ ቃላት ናይ ምምራጽ ክእለትና ኸመይ ጌርና ኸነዕቢ ንኽእል፧

12 ግቡእ ቃላት ምምራጽ፡ ጻዕርን ምምዝዛንን ይሓትት። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን እኳ፡ ‘ባህ ዜብል ቅኑዕን ቃላት ሓቅን’ ንምርካብ ‘ኬስተንትንን ኪምርምርን’ ነይርዎ እዩ። (መክ. 12:9, 10) “ባህ ዜብል ቃላት” ንምርካብ ትጽገምዶ፧ ትጽገም እንተ ዄንካ፡ ብዝሒ እትፈልጦ ቓላት ከተስፍሕ ኣሎካ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ እትገብረሉ መገዲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋትናን እንታይ ቃላት ኣብ ጥቕሚ ኸም ዚውዕል ምስትብሃል እዩ። ዘይትፈልጦ ቓላት ክትረክብ ከለኻ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ተምሃር። ንኻልኦት ብዚሕግዝ መገዲ ኸመይ ጌርካ ንቓላት ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል እውን ተምሃር። እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎኡን ዘሎ ርክብ ኪገልጽ ከሎ፡ “ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሀበኒ” ኸም ዝበለ ነንብብ። (ኢሳ. 50:4) እንታይ ከም እንብል ምስ እነስተትን፡ ቅኑዕ ቃላት ንምርካብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ያእ. 1:19) ንርእስና ኸኣ፡ ‘እዚ ቓላት እዚ ነቲ ኽብሎ ዝደልዮ የመሓላልፈለይ ድዩ፧ እቲ ዝመረጽክዎ ቓላት ኣብ ሰማዕየይ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧’ ኢልና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና።

13. ብቐሊሉ ዚርዳእ ዘረባ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ኣብ እስራኤል ንሰፈር ንምእካብን ንምብታንን፡ ከምኡ እውን ንሰራዊት ናብ ውግእ ንምጽዋዕ፡ መለኸት ይነፍሑ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ብቐሊሉ ዚርዳእ ዘረባ ኣድላዪ ምዃኑ ንምጕላሕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንመለኸት ከም ምሳሌ ተጠቒሙሉ ኣሎ። ዘይንጹር ደሃይ መለኸት ንሓደ ሰራዊት ሕማቕ ሳዕቤን ኬምጽኣሉ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ዘረባ ዘይንጹር እንተ ዀይኑ፡ ኬደናግር ወይ ኬጋጊ ይኽእል እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ዘረባና ሓጺርን ንጹርን ክንገብር ኢልና፡ ገታራት ወይ ዘይልኡማት ክንከውን ኣይግባእን።—1 ቈረንቶስ 14:8, 9 ኣንብብ።

14. የሱስ ብቐሊሉ ዚርዳእ ዘረባ ኸም እተጠቕመ ዚሕብር እንታይ ኣብነት ኣሎ፧

14 ግቡእ ቃላት ብምምራጽ ዝመጸ፡ የሱስ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ኽሳብ 7 እተመዝገበ ሓጺርን ሓያልን መደረኡ እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሱስ እተሓላለኸ ወይ ዜማትእ ዘረባ ኣይተጠቕመን፣ ኣሻዅ ወይ ጐዳኢ ቓላት እውን ኣይተጠቕመን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብንጹርን ቀሊልን ቃላት ገይሩ ንልቢ ሰማዕቱ ተንክዩ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ዕለታዊ ምግቦም ዘለዎም ጭንቀት ንምፍኳስ፡ የሆዋ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከመይ ገይሩ ኸም ዚቕልበን ገሊጹ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቱ ምስ ኣዕዋፍ ብምንጽጻር፡ “ካባታተንሲ ንስኻትኩምዶ ኣይትበልጹን፧” ኢሉ ሓቲትዎም። (ማቴ. 6:26) ልቢ ብዚትንክፍ ቀሊልን ዚርዳእን ቃላት ገይሩስ ከመይ ዝበለ ተፈታዊ ምሕጽንታ ዀን እዩ ኣቕሪቡ! ሕጂ ነቲ ሳልሳይ ኣገዳሲ መዳይ ዘረባ እስከ ንርአ።

ብኸመይ ትዛረብ

15. ዘረባና ጥዑም ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

15 ሓደ ዘረባ እትዛረበሉ መገዲ፡ ማዕረ እቲ እትዛረቦ ቓላት ኣገዳስነት ኣለዎ። የሱስ ኣብታ ኣብ ዓዱ ናዝሬት ዝነበረት ምኵራብ ኪዛረብ ከሎ፡ ሰባት ‘በቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ጥዑም ዘረባ ተገሪሞም እዮም።’ (ሉቃ. 4:22) ጥዑም ዘረባ ንልቢ ይማርኽ እዩ፣ ዘረባና ኸኣ ድኹም ኣይኰነን ዚኸውን፡ የግዳስ ዝያዳ ተሰማዕነት እዩ ዚረክብ። (ምሳ. 25:15) ለዋሃትን እዱባትን ሓለይትን ብምዃን፡ ነቲ ጥዑም ዘረባ የሱስ ክንቀድሖ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ እዋን ህዝቢ ንዕኡ ኺሰምዕዎ ብዙሕ ጻዕሪ ኺገብሩ ምስ ረኣየ፡ ብድንጋጽ ተለዓዒሉ ‘ብዙሕ ኪምህሮም ጀሚሩ’ እዩ። (ማር. 6:34) ምስ ተጸርፈ እውን እንተ ዀነ፡ መሊሱ ኣይጸረፈን።—1 ጴጥ. 2:23

16, 17. (ሀ) ምስ ኣባላት ስድራ ቤትናን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽናን ክንዛራረብ ከለና፡ ከመይ ጌርና ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) ጥዑም ዘረባ እንታይ ጥቕምታት ከም ዘለዎ ኣብነት ሃብ።

16 ሰማዒና ኣጸቢቕና እንፈልጦ ሰብ ምስ ዚኸውን፡ ብልእመትን ብሜላን ምዝራብ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ እንዛረቦ ነገር ብዙሕ ክንሓስብ ከም ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ንኣባል ስድራ ቤትና ወይ ኣብ ጉባኤ ንዚርከብ ናይ ቀረባ ዓርክና በዚ ኸምዚ ንዛረቦ ንኸውን። የሱስ ግና ብምኽንያት እቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ናይ ቀረባ ዕርክነት፡ ተሪር ዘረባ ኺዛረቦም ከም ዚኽእል ኰይኑዶ ተሰሚዕዎ እዩ፧ ኣይፋሉን። እቶም ዚቐርብዎ ሰዓብቱ መኖም ከም ዚዓቢ ምስ ተኻትዑ፡ ንቘልዓ ኸም ምሳሌ ገይሩ ብምጥቃም ብልኡም ቃላት እዩ ኣሪምዎም። (ማር. 9:33-37) ሽማግለታት ድማ “ብልኡም መንፈስ” ብምምካር፡ ንየሱስ ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም።—ገላ. 6:1

17 ሓደ ሰብ ዜጕሂ ነገር እኳ እንተ ተዛረበና፡ ብጥዑም ቃላት ምምላስ ኣወንታዊ ፍረ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 15:1) ንኣብነት፡ ሓደ መንእሰይ ክልተ ዓይነት ህይወት ይመርሕ ነይሩ፣ ኣዲኡ ድማ በይና ዀይና እያ እተዕብዮ ነይራ። ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ድማ ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒላ ነታ ኣደ፡ “ንውሉድኪ ኣሰልጢንኪ ኸይተዓወትኪ ምትራፍኪ ዜሕዝን እዩ” ኢላታ። እታ ኣደ ኸኣ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምሕሳብ፡ “ሓቅኺ ሕጂ ጽቡቕ የሎን፣ ስልጠናኡ ግና ገና ኣይተወድአን። ድሕሪ ኣርማጌዶን ንዛራረበሉ፣ ሽዑ ኢና ብርግጽ እንፈልጥ” ኢላ መሊሳትላ። እዚ ልኡም ምላሽ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ እተን ኣሓት ዝነበረ ሰላም ከም ዘይዝረግ ኣብ ልዕሊ ምግባሩ፡ ነቲ ፍንትት ኢሉ ንዝርርበን ዚሰምዕ ዝነበረ ወዳ እውን ኣተባቢዕዎ እዩ። ኣዲኡ ብእኡ ተስፋ ኸም ዘይቈረጸት ኬስተውዕል ክኢሉ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝነበሮ ሕማቕ ዕርክነት ኬቋርጾ ደሪኽዎ። ድሕሪ ግዜ፡ ተጠሚቑ፡ ጸኒሑ እውን ኣብ ቤት-ኤል ኣገልጊሉ እዩ። ስለዚ፡ ምስ ኣሕዋትና፡ ምስ ስድራ ቤትና፡ ወይ ምስ ካልኦት ክንዛራረብ ከለና፡ ዘረባና “ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”—ቈሎ. 4:6

18. ኣብ ኣዘራረባና ኣብነት የሱስ ምስዓብና፡ ልሳንና ንጽቡቕ ክንጥቀም ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

18 ሓሳባትናን ስምዒታትናን ናይ ምግላጽ ክእለትና ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። እምበኣር፡ ቅኑዕ ግዜ ብምምራጽ፡ ግቡእ ቃላት ንምሕራይ ብምጽዓር፡ ጥዑም ዘረባ ንምዝራብ ከኣ ጻዕሪ ብምግባር፡ ንየሱስ ንምሰሎ። ሽዑ፡ ልሳንና ንሰማዕትና ዜሕዊ፡ ነቲ ኽቡር ውህበት ዘረባ ዝሃበና የሆዋ እውን ባህ ዜብል ኪኸውን እዩ።