ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህያው ትርጉም ቃል ኣምላኽ

ህያው ትርጉም ቃል ኣምላኽ

“ቃል ኣምላኽ ህያው . . . እዩ።”—እብ. 4:12

መዝሙር፦ 37, 43

1. (ሀ) ኣምላኽ ንኣዳም እንታይ ዕዮ እዩ ሂብዎ፧ (ለ) ህዝቢ ኣምላኽ ንኽእለት ቋንቋኦም ብኸመይ ይጥቀሙሉ ኣለዉ፧

የሆዋ ኣምላኽ ንፍጡራቱ ሓሳብ ናይ ምምሕልላፍ ክእለት ሂቡ እዩ ፈጢርዎም። ንኣዳም ኣብታ ገነት ዝዀነት መንበሪቱ ምስ ኣንበሮ፡ ምስ ቋንቋ እተተሓሓዘ ዕዮ ሂብዎ እዩ፣ እዚ ድማ ንእንስሳታት ናይ ምስማይ ዕዮ እዩ ነይሩ። ኣዳም ከኣ ብምህዞኡን ብምስትውዓሉን ተጠቒሙ፡ ንዅሉ እንስሳ ዘዚግብኦ ስም ሂብዎ እዩ። (ዘፍ. 2:19, 20) ካብ ሽዑ ንነጀው፡ ህዝቢ ኣምላኽ በቲ ናይ ምዝራብ ክእለቶም፡ ማለት ብቛንቋ ተጠቒሞም፡ ንየሆዋ ወዲሶምዎ፡ ፍቓዱ እውን ንኻልኦት ኣፍሊጦም እዮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ብዙሕ ቋንቛታት ምትርጓሙ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ ዓብዪ ግደ ኣለዎ።

2. (ሀ) ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም ዕዮኡ ንምዕያይ እንታይ ስርዓታት ተጠቒሙ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ኣብዚ ግዜና ኣሽሓት ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፣ ግናኸ፡ ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ብልክዕ ብምምሕልላፍ ዝመጸ እተፈላለየ ደረጃ እዩ ዘለዎ። ብ1940ታት፡ ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም ኣብ ልዕሊ 130 ቋንቋ እተሳዕበ ስርዓታት ትርጉም ኣቚሙ እዩ። እቲ ስርዓታት ከኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ (1) ንስም ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ግቡእ ቦታኡ ብምምላስ ምቕዳሱ። (ማቴዎስ 6:9 ኣንብብ።) (2) ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ በዅሪ መልእኽቲ ቓል ብቓሉ ምትርጓም፡ ነቲ በዅሪ ጽሑፍ ቃል ብቓሉ ምትርጓም ንሓሳባቱ ዚጠውዮ እንተ ዀይኑ ግና፡ ቅኑዕ ሓሳብ ምምሕልላፍ። (3) ንምንባቡ ዜተባብዕን ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነን ቋንቋ ምጥቃም። * (ነህምያ 8:8, 12 ኣንብብ።) እዚ ስርዓታት እዚ ኣብቲ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኰነ ኻብ እንግሊዝኛ ወጻኢ ኣብ ዚርከብ ካልእ ትርጉማት ብኸመይ ከም እተዓይየሉ ንርአ።

ንስም ኣምላኽ ምቕዳስ

3, 4. (ሀ) ቴትራግራማተን ኣብ ምንታይ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ይርከብ፧ (ለ) ሓያሎ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ እንታይ ገይርዎ፧

3 እቶም ንኸም እኒ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ዝኣመሰለ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ዜጽንዑ ሰባት፡ ብብዝሒ እቲ ቴትራግራማተን ዚብሃል ንስም ኣምላኽ ዚውክል ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ዚርከበሉ ቦታታት ይግረሙ እዮም። መለኮታዊ ስም ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት እብራይስጢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኻብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝዕለቱ ገሊኡ ቕዳሓት ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት እውን ይርከብ እዩ።

4 ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚርከብ ንጹር መርትዖ እናሃለወ ኽነሱ፡ ሓያሎ ትርጉማት ንስም ኣምላኽ ጠሪሱ ኣየእትዎን እዩ። ንኣብነት፡ ካብቲ ብ1950 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ዝወጸሉ ግዜ ኽልተ ዓመት ጸኒሑ፡ ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርሽን ዚብሃል ትርጉም ተሓቲሙ እዩ። እቲ ትርጉም እቲ ነቲ ኣሰናደውቲ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን ብ1901 ዝሰዓብዎ ስርዓት ብምግልባጥ፡ ንስም ኣምላኽ ኣውጺእዎ እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብ መቕድሙ ኸምዚ ይብል፦ “ነቲ ሓደን በይኑን ኣምላኽ . . . ናይ ብሕቲ ስም ምሃብ . . . ኣብቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እምነት ቤተ ክርስትያን ፈጺሙ ዘይግቡእ እዩ።” እዚ ኸኣ ብድሕሪኡ ንዝሰዓበ ሓያሎ ትርጉማት እንግሊዝኛ ዀነ ኻብ እንግሊዝኛ ወጻኢ ዘሎ ቛንቋታት ጸልይዎ እዩ።

5. ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕቃቡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ስም ኣምላኽ ምእታዉ ወይ ምውጽኡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ኽኢላ ተርጓሚ ንሓሳብ ደራሲ ምርዳእ ዘለዎ ኣገዳስነት ይፈልጥ እዩ፣ ከመይሲ፡ እዚ ፍልጠት እዚ ነቲ ኺትርጕም ከሎ ዚገብሮ ሓያሎ ውሳነታት ይጸልዎ እዩ። ኣብ ሓያሎ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም ኣምላኽን ነቲ ስም ምቕዳሱን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ጐሊሑ ኣሎ። (ዘጸ. 3:15፣ መዝ. 83:18፣ 148:13፣ ኢሳ. 42:8፣ 43:10፣ ዮሃ. 17:6, 26፣ ግብ. 15:14) እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንጸሓፍቱ፡ ንስሙ ብብዝሒ ኺጥቀሙሉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ። (ህዝቅኤል 38:23 ኣንብብ።) ነቲ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ኣሽሓት ግዜ ዚርከብ ስም ዘይምእታው፡ ንደራሲኡ ኣኽብሮት ከም ዘይብልካ እዩ ዜርኢ።

6. እቲ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ ሽዱሽተ ተወሳኺ ቦታታት መለኮታዊ ስም ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

6 ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕቀብ ከም ዘለዎ ዚድግፍ መርትዖታት እናነከየ ዘይኰነስ፡ እናወሰኸ እዩ ኸይዱ። ኣብቲ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ እቲ ስም እቲ 7,216 ሳዕ ይርከብ፣ እዚ ድማ ካብቲ ብ1984 ዝወጸ ሕታም ብ6 ይዛይድ። ካብዚ እዚ ስም ዚርከበሉ ተወሳኺ ሽዱሽተ ቦታታት፡ እቲ ሓሙሽተ ኣብ 1 ሳሙኤል 2:25፣ 6:3፣ 10:26፣ 23:14, 16 ይርከብ። ኣብዚ ቦታታት እዚ ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ እተመልሰሉ ምኽንያት፡ እቲ ንጽሑፍ እብራይስጢ ማሶራውያን ብ1,000 ዓመት ዚቕድሞ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ፡ ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን ነቲ ስም ሒዙ ስለ እተረኽበ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት እተገብረ ተወሳኺ መጽናዕቲ፡ ኣብ መሳፍንቲ 19:18 ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ ተመሊሱ ኣሎ።

7, 8. ኣገዳስነት እቲ “የኽውን” ዚትርጉሙ ስም እንታይ እዩ፧

7 ስም የሆዋ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ እቲ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝነጸረ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም፡ እቲ ስም እቲ መልክዕ ኣግብሮ እታ ሃዋህ እትብል ግሲ እብራስይጢ ኸም ዝዀነ እሞ፡ “የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ እዩ ዚኣምን። * ቅድሚ ሕጂ ጽሑፋትና ነዚ ትርጉም እዚ ምስታ፡ “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ” እትብል ዘጸኣት 3:14 እዩ ዜተሓሕዛ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ሕታም 1984 ተጠቒሱ ዘሎ፡ እቲ ስም እቲ፡ “ንርእሱ ፈጻሚ ቓሉ የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ ይእምነሉ ነይሩ። * ኣብ መመላእታ ሀ4 እቲ ብ2013 እተኸለሰ ሕታም ግና ከምዚ ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፦ “ስም የሆዋ ነዚ ሓሳብ እዚ ዜጠቓልል እኳ እንተ ዀነ፡ ኪዀኖ ዚደልዮ ኣብ ምዃን ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ዕላማኡ ኣብ ምፍጻም፡ ንፍጥረቱ ንዜዅኖ ወይ ከም ዚኸውን ንዚገብሮ እውን ዜጠቓልል እዩ።”

8 የሆዋ ንፍጥረቱ፡ ዝደለዮ ኸም ዚዀኑ ይገብሮም እዩ። ምስ ትርጉም ስሙ ብምስምማዕ፡ ኣምላኽ ንኖህ ሰራሕ መርከብ፡ ንበሳልኤል ክኢላ ኢደ ጥበበኛ፡ ንጊዴዎን ዕዉት ተዋጋኢ፡ ንጳውሎስ ከኣ ሃዋርያ ኣህዛብ ከም ዚኸውን ገይርዎ እዩ። እወ፡ ስም ኣምላኽ ንህዝቡ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም ድማ ነቲ ስም እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘይምእታው ኣገዳስነቱ ኼትሕቶ ኸቶ ኣይደልን እዩ።

9. መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ካልእ ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ዕዮ ቐዳምነት ከም ዚውሃቦ ዝገበረ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

9 ብልዕሊ 130 ቋንቋ እተተርጐመ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ንስም ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከበሉ ቦታታት ብምእታው የኽብሮ እዩ። (ሚልክያስ 3:16 ኣንብብ።) ብኣንጻሩ ግና፡ ንመለኮታዊ ስም፡ “ጐይታ” ብዚብል ወይ ብኻልእ ስም እቲ ኣብቲ ዓዲ ዚፍለጥ ኣምላኽ ናይ ምትካእ ዝንባለ ኣብ ካልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ይርአ ኣሎ። ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ስም ኣምላኽ ዜኽብር መጽሓፍ ቅዱስ ኪዳለወሎም ቀዳምነት ሂቡ ዚዓይየሉ ዘሎ ቐንዲ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ።

ንጹርን ልክዕን ትርጉም

10, 11. ንገለ ኻብቲ ኻብ እንግሊዝኛ ወጻኢ ዚግበር ትርጉም ሓዳስ ዓለም እንታይ ጸገማት የጓንፎ ነይሩ፧

10 ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ሓያሎ ቛንቋታት ናይ ምትርጓም መስርሕ፡ ኣብ ትርጉም ብዙሕ ጸገማት ይፈጥር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቲ ኣብ መክብብ 9:10ን ኣብ ካልእ ፍቕድታትን ነታ “ሲኦል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ይጥቀም ነይሩ። ካልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እንግሊዝኛ እውን ነዚ ኣተራጕማ ይጥቀም እዩ። እታ ፍቕዲ እቲኣ ኸኣ በቲ ትርጉማት እቲ፡ “ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ተባሂላ እያ ትንበብ። ተርጐምቲ እቲ መብዛሕትኡ ኻብ እንግሊዝኛ ወጻኢ ዚዀነ ቛንቋታት ግና ጸገም የጋጥሞም ነይሩ፣ እታ “ሲኦል” እትብል ቃል ብብዙሓት እትፍለጥ እኳ እንተ ዀነት፡ መቃጸሊ ቦታ ገይሮም እዮም ዚርድእዋ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነታ “ሲኦል” እትብል ቃልን ነታ “ሃደስ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓልን “መቓብር” ኢልካ ብምትርጓም ሓሳበን ንጹር ኪግበር ተወሲኑ።

11 ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት፡ ነታ ነፈሽ እትብል ቃል እብራይስጥን ነታ ፕሲኺ እትብል ቃል ግሪኽኛን ብሓንቲ ቓል “ነፍሲ” ኢልካ ምትርጓም፡ እተወሰነ ምድንጋራት ይፈጥር እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንሓንቲ ረቃቕ ክፋል ሰብ ተመልክት እያ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ ሰብ ባዕሉ ዘይኰነስ፡ ኣብ ውሽጡ ንዘሎ መንፈስ ከም እተመልክት ገይሮም ብጌጋ ይሓስቡ። ስለዚ፡ ነታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ከከም እተሰዅዓትሉ ቦታ፡ ምስቲ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ ዚርከብ መመላእታ ጽሑፋት ተሰማሚዕካ ኽትትርጐም ተወሲኑ። እወ፡ ነቲ ጽሑፍ ብኡብኡ ርዱእ ምግባር፡ ቀዳምነት ተዋሂቡ ተዓይዩሉ ኣሎ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ድማ ሓጋዚ እግረ ጽሑፋት ተገይሩሉ ኣሎ።

12. ገለ ኻብቲ ብ2013 ኣብ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እተገብረ ለውጥታት ጥቐስ። (ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለምዘርእስታ ዓንቀጽ እውን ርአ።)

12 ካብ ተርጐምቲ እተላእከ ሕቶታት፡ ተመሳሳሊ ግጉይ ግንዛበ ኼሕድር ዚኽእል ቦታታት ከም ዘሎ ሓቢሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መስከረም 2007፡ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ጽሑፍ እንግሊዝኛ ኪኽለስ ወሲኑ። ኣብቲ መስርሕ ክለሳ ድማ ካብ ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተላእከ ኣሽሓት ሕቶታት ተመርሚሩ። ግዜኡ ዝሓለፎ ቓላት እንግሊዝኛ ተተኪኡ፡ ነቲ ጽሑፍ ከኣ ንልክዕነቱ ብዘይንኪ መገዲ ንጹርን ንምርዳኡ ቐሊልን ንምግባር ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ። እቲ ኣብ ካልእ ቋንቋታት ግብራዊ ዝዀነ ፍታሕ ምስ ተዓይየሉ ድማ፡ እቲ ጽሑፍ እንግሊዝኛ ‘ተሳሒሉ።’—ምሳ. 27:17

ብዙሕ ምስጋና

13. ብዙሓት ብዛዕባ እቲ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም እንታይ ተሰሚዕዎም፧

13 እቲ ብእንግሊዝኛ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧ ምስጋና ዝሓዘ ኣሽሓት ደብዳበታት ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተላኢኹ እዩ። ሓንቲ ሓብቲ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝሃበቶ ሓሳብ ንስምዒት ብዙሓት ዜንጸባርቕ እዩ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ኣፉ ብኽቡር ዙሃራት ዝመልአ ሳጹን እዩ። በቲ ብ2013 እተኸለሰ ሕታም ጌርካ ቃል የሆዋ ምንባብ፡ ንዅሉ እቲ ዙሃራት በብሓደ ምስ ምምርማርን ንእተፈላለየ ገጽታኡን ጽሬቱን ሕብሩን ጽባቐኡን ምስ ምድናቕን ኪመሳሰል ይከኣል እዩ። እቲ ብቐሊል ቋንቋ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት ነቲ ኸም ኣቦ ሓቚፉ ብህዱእ ቃላት ዜንብበለይ የሆዋ ብዝያዳ ኽፈልጦ ሓጊዙኒ።”

14, 15. ትርጉም ሓዳስ ዓለም ካብ እንግሊዝኛ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ቛንቋታት እንታይ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ፧

14 ከምዚ ዓይነት ጦብላሕታ ዝሓደገ ግና፡ እቲ ብእንግሊዝኛ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ሶፍያ፡ ቡልጋርያ ዚነብር ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ብቡልጋርያኛ ዝወጸ ሕታም፡ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ዓመታት ኣንቢበዮ እየ፣ ንምርዳኡ ቐሊልን ትኽ ኢሉ ኣብ ልብኻ ዚኣቱን ከምዚ ዓይነት ትርጉም ግና ኣየንበብኩን” ኢሉ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሓንቲ ኣልባንያዊት ሓብቲ ምሉእ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ምስ ረኸበት፡ “ቃል ኣምላኽ ብኣልባንኛስ ክንደይ ይጥዕም! የሆዋ ብቛንቋና ዚዛረበና ምዃኑስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ!” ኢላ ሓሳብ ሂባ እያ።

15 ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዋጋኡ ኣዝዩ ኽቡርን ብቐሊሉ ዘይርከብን ኰይኑ ኣሎ፣ ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምርካብ ንባዕሉ እኳ ዓብዪ በረኸት እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ካብ ሩዋንዳ እተላእከ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ንነዊሕ እዋን፡ ምስ ኣሕዋት ዜጽንዑ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይነበሮም ዕቤት ኣይገበሩን ነይሮም። ነቲ ቤተ ክርስትያኖም እተቕርበሎም ሕታም ንምዕዳግ ዜኽእል ዓቕሚ የብሎምን። ንትርጉም ገሊኡ ፍቕድታት እውን ብንጹር ኪርድእዎ ኣይክእሉን ነይሮም፣ እዚ ድማ ንዕቤቶም ዓጊትዎ ነይሩ እዩ።” ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋኦም ምስ ወጸ ግና፡ እቲ ዅነታት ተቐዪሩ እዩ። ኣባላት ሓንቲ ኣርባዕተ መንእሰያት ዘለዉዋ ሩዋንዳዊት ስድራ ኸምዚ ኢሎም እዮም፦ “እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ስለ እተዋህበና፡ ንየሆዋን ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን ብሓቂ ነመስግኖም ኢና። ኣመና ድኻታት ኢና፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትና ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕዳግ ድማ ገንዘብ የብልናን። ሕጂ ግና ነፍሲ ወከፍና ነናትና መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ንየሆዋ ዘሎና ምስጋና ንምግላጽ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብስድራ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ኣለና።”

16, 17. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ኪረኽቡ እዩ ዚደልዮም፧ (ለ) እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

16 ድሕሪ ግዜ፡ እቲ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብዝያዳ ቛንቋታት ኪትርጐም እዩ። ሰይጣን ነዚ ጻዕርታት እዚ ኺዓግቶ ይፍትን እዩ፣ የሆዋ ግና ኵሎም ህዝቡ ምእንቲ ኺሰምዕዎ ኢሉ፡ ብንጹርን ብዚርዳእን ቋንቋ ኺዛረቦም እዩ ዚደሊ። (ኢሳይያስ 30:21 ኣንብብ።) ‘ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ እትመልኣሉ’ ግዜ ኺመጽእ እዩ።—ኢሳ. 11:9

17 እምበኣር፡ ነቲ የሆዋ ዚህበና ዅሉ ውህበት፡ እንተላይ ነቲ ንስሙ ዜኽብር ትርጉም ክንጥቀመሉ ንቝረጽ። ብቓሉ ኣቢሉ መዓልቲ መዓልቲ ኺዛረበና ንፍቐደሉ። ደረት ዘይብሉ ኽእለት ስለ ዘለዎ፡ ንጸሎትና ጽን ኢሉ ኺሰምዖ ይኽእል እዩ። እዚ ምስኡ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉ መገድታት፡ ንየሆዋ ብቐረባ ኽንፈልጦ ስለ ዜኽእለና፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ኺዓቢ እዩ።—ዮሃ. 17:3

“የሆዋ ብቛንቋና ዚዛረበና ምዃኑስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ!”

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብቲ እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ1፡ ከምኡ እውን ኣብታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2008 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ጽቡቕ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 7 ምስዚ ዚሰማምዑ ዅሎም ምሁራት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ገሊኡ መወከሲ ጽሑፋት ግና ከምዚ ዓይነት ሓሳብ የቕርብ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብቲ ትርጉም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 1ሀ፡ ኣብ ገጽ 1561 ዚርከብ “ኣሰዃዅዓ መለኮታዊ ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ርአ።