ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

መወዳእታ ምስ መጸ፡ ገለ ኻብቲ ሽዑ ዚጠፍእ እንታይ እዩ፧

ገለ ኻብቲ ሽዑ ዚጠፍእ፡ ፍሹላት ሰብኣውያን መንግስትታትን ውግእን ዘይፍትሓውነትን እተን ንኣምላኽን ንሰብን ዘይጠቕማ ሃይማኖታትን ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባትን ኪጥቀስ ይከኣል።—1/5፡ ገጽ 3-5

እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ተጠቒሱ ዘሎ ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ መን እዩ፧

ጎግ ብዓል ሃገር ማጎግ ንሰይጣን ዘይኰነስ፡ ነቶም ድሕሪ ምጅማር ብርቱዕ ጸበባ ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጥፍኡ ዚጽዕሩ ጕጅለ መንግስትታት እዩ ዜመልክት።—15/5፡ ገጽ 29-30

ንግዜ እርጋን ክትሕጐሰሉ ዚሕግዝ ሽዱሽተ ነገራት እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ (1) ትሑታት፡ (2) ሚዛናውያን፡ (3) ኣወንታውያን፡ (4) ለጋሳት፡ (5) ተቐረብቲ፡ (6) መማሰውቲ ኽንከውን ይምዕደና እዩ። ነዚ ባህርያት እዚ ዜንጸባርቕ ሰብ ንግዜ እርጋኑ ይሕጐሰሉ እዩ።—1/6፡ ገጽ 8-10

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ንልግሱ ዜርእየና ብኸመይ እዩ፧

የሱስ ኣብ ቃና ኣብ እተገብረ መርዓ፡ ንኣስታት 380 ሊትሮ ማይ ናብ ወይኒ ቐዪርዎ እዩ። ኣብ ካልእ ግዜ ድማ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ልዕሊ 5,000 ሰባት መጊቡ እዩ። (ማቴ. 14:14-21፣ ዮሃ. 2:6-11) ኣብ ክልቲኡ እዋን፡ ንልግሲ ኣቦኡ እዩ ኣንጸባሪቑ።—15/6፡ ገጽ 4-5

ዘይፍጹማት ክነስና፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ኸም እንኽእል ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ከም እኒ እዮብን ሎጥን ዳዊትን ዝኣመሰሉ ሰባት ጌጋታት ገይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ኬገልግሉ ይደልዩ ነይሮም፡ ብጌጋታቶም ከኣ ጕህዮም እዮም፡ መገድታቶም እውን ቀዪሮም እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ሞገስ ኣምላኽ ረኺቦም እዮም፣ ንሕና እውን ከማታቶም ክንከውን ንኽእል ኢና።—1/7፡ ገጽ 12-13

ዓባይ ባቢሎን ክትጠፍእ ከላ፡ ኵሎም ኣባላት እተን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ይጠፍኡ ማለት ድዩ፧

ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ዘካርያስ 13:4-6፡ ገለ ኻብ ኣቕሽሽቲ እኳ ሃይማኖቶም ከም ዚገድፉን ኣባላት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምንባሮም እውን ከይተረፈ ኸም ዚኽሕዱን ትእምት።—15/7፡ ገጽ 15-16

ባራቕ ናብ ውግእ ንምኻድ፡ ንዴቦራ ምስኡ ኽትከይድ ግዲ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

ባራቕ ናይ እምነት ሰብ እዩ ነይሩ። የሆዋ ዝያዳ ኣጽዋር ኪህቦ ኣብ ክንዲ ዚሓትት፡ ነታ ወኪል ኣምላኽ ዝዀነት ዴቦራ ምስኡ ኸይዳ ንዕኡን ንሰቡን ከተበራትዖም እዩ ደልዩ። (መሳ. 4:6-8፣ 5:7)—1/8፡ ገጽ 13

ገለ ኻብቲ ሓደ ክርስትያን ኬስተንትነሉ ዘለዎ ነገራት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

ገለ ኻብቲ ኸነስተንትነሉ ዘሎና ነገራት ፍጥረታት የሆዋን እቲ ብድራኸ መንፈሱ እተጻሕፈ ቓሉን ጸሎት ንምቕራብ ዘሎና መሰልን የሱስ በጃ ኪኸፍለልና ዝገበሮ ፍቕራዊ መሰናድዎን ኪጥቀስ ይከኣል።—15/8፡ ገጽ 10-13

ካብ ሕማቕ ዕርክነት ክንርሕቕ እተዋህበ ምኽሪ፡ ፍቕራዊ ርክብ ንምምስራት ኣብ እንገብሮ ቕርርብ ጽልዋ ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

ንዘይኣመንቲ ሕሱማት ኣይንዀኖምን ኢና። ርእሱ ንኣምላኽ ምስ ዘይወፈየን ንስርዓታቱ ብተኣማንነት ምስ ዘይስዕብን ሰብ ፍቕራዊ ርክብ ምምስራት ግና፡ ንስርዓት ኣምላኽ ዚጥሕስ እዩ። (1 ቈረ. 15:33)—15/8፡ ገጽ 25

እምነት ጴጥሮስ ዝደኸመት፡ ደሓር ግና ዝደልደለት ብኸመይ እያ፧

ሃዋርያ ጴጥሮስ ብእምነት ናብ የሱስ ብማየ ማይ ከይዱ ነይሩ። (ማቴ. 14:24-32) ነቲ ህቦብላ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈሪሁ። ድሕሪኡ፡ መሊሱ ናብ የሱስ ኣተኲሩን ካብኡ ሓገዝ ረኺቡን እዩ።—15/9፡ ገጽ 16-17

ግብሪ ሃዋርያት 28:4፡ ሰብ ማልታ ንሃዋርያ ጳውሎስ ከም ቀታሊ ገይሮም ከም ዝረኣይዎ ትሕብር። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ሓሲቦም፧

ኣፍዑት ንጳውሎስ ምስ ነኸሶ፡ እታ ዲከ እትብሃል ኣምላኽ ፍትሒ ኸም ዝቐጽዓቶ ገይሮም ብጌጋ ደምዲሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—1/10፡ ገጽ 9

ካብቲ ማርታ ብብዙሕ ዕዮ ዘስገለትሉ ኣጋጣሚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

ኣብ ሓደ እዋን፡ ማርታ ብዙሕ ምግቢ ኣብ ምድላው ኣስጊላ ነይራ። የሱስ ከኣ ሓብታ ንትምህርቱ ብምስማዕ፡ ጽቡቕ ግደ ኸም ዝሓረየት ተዛሪቡ እዩ። ንሕና እውን ዘየድሊ ነገራት ንመንፈሳዊ ንጥፈታትና ኸይሓናዅሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።—15/10፡ ገጽ 18-20