ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኺድግፈካ እዩ

የሆዋ ኺድግፈካ እዩ

“የሆዋ ኣብ ዓራት ሕማሙ ኺድግፎ እዩ።”—መዝ. 41:3NW።

መዝሙር፦ 23, 9

1, 2. ሓድሓደ ግዜ እንታይ የተሓሳስበና ይኸውን፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስከ ምስዚ ብእተተሓሓዘ መነመን ተጠቒሶም ኣለዉ፧

ከቢድ ሓማም ምስ ሓመምካ፡ ‘ካብዚ ሕማመይ እዚ ኽሓዊ ድየ፧’ ኢልካ ሓሲብካ ትኸውን ኢኻ። ወይ ከኣ እትፈትዎ ኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ዓርክኻ ኻብ ሕማሙ ኺሓዊ እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲቡካ ይኸውን። ሓደ ሰብ ከቢድ ጸገም ጥዕና ኼጋጥሞ ኸሎ፡ ከምኡ ኢሉ ምሕሳቡ ንቡር እዩ። ብግዜ ነብዪ ኤልያስን ነብዪ ኤልሳእን ንዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ተመሳሳሊ ነገር ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ እዩ። እቲ ወዲ ኣከኣብን ኢዛቤልን ዝዀነ ንጉስ ኣሓዝያ ወዲቑ ስለ እተሃስየ፡ ‘ካብዚ ሕማመይ ክሓዊ ድየ፧’ ኢሉ ሓቲቱ እዩ። ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ እውን ከቢድ ሕማም ስለ ዝሓመመ፡ “ካብዚ ሕማም እዚ ደኾን ክሐዊ እየ፧” ኢሉ ሓቲቱ እዩ።—2 ነገ. 1:2፣ 8:7, 8

2 መሸም ንዓናን ንእንሓልየሎም ሰባትን ጥዕና ኽንረክብ ኢና እንምነ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሰባት፡ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ይሓስቡ እዮም። እቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ነገስታት ብህይወት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣምላኽ ንህይወትን ንጥዕናን ሰባት ዚጸሉ ተኣምራት ይገብር ነይሩ እዩ። አረ ብነብያቱ ገይሩስ ንገሊኦም እውን ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎም እዩ። (1 ነገ. 17:17-24፣ 2 ነገ. 4:17-20, 32-35) እሞኸ ሎሚ ተመሳሳሊ ነገር ከም ዚገብር ክንጽበ ንኽእል ዲና፧

3-5. ኣምላኽን የሱስን እንታይ ሓይሊ ኣለዎም፧ እዚኸ ናብ ምንታይ ሕቶታት ይመርሕ፧

3 ኣምላኽ ንጥዕና ሰባት ናይ ምጽላው ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣየጠራጥርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ የረጋግጸልና እዩ። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ንገሊኦም ሰባት፡ ንኣብነት ነቲ ብግዜ ኣብርሃም ዝነበረ ፈርኦንን ንሚርያም ሓብቲ ሙሴን ብሕማም ቀጺዕዎም እዩ። (ዘፍ. 12:17፣ ዘሁ. 12:9, 10፣ 2 ሳሙ. 24:15) እስራኤላውያን ዘይእሙናት እንተ ዀይኖም፡ “ኵሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን” ከም ዜምጽኣሎም ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ዘዳ. 28:58-61) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ የሆዋ ንሕማም ኬርሕቖ ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 23:25፣ ዘዳ. 7:15) ብዘይካዚ፡ ንዝሓመሙ እውን ኬሕዊ ይኽእል እዩ። እዮብ ሞት ክሳዕ ዚምነ ምስ ሓመመ፡ ኣምላኽ ኣሕውይዎ እዩ!—እዮ. 2:7፣ 3:11-13፣ 42:10, 16

4 እወ፡ ኣምላኽ ጣልቃ ኣትዩ ንሕሙም ንምሕዋይ ዜኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣየጠራጥርን እዩ። ወዱ እውን ከምኡ ዓይነት ሓይሊ ኣለዎ። የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ድዉያትን ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎምን ዕዉራትን ልሙሳትን ከም ዘሕወየ ነንብብ ኢና። (ማቴዎስ 4:23, 24 ኣንብብ፣ ዮሃ. 9:1-7) እቲ የሱስ ንሕሙማት ብምሕዋይ ዝገበሮ ተግባር፡ ኣብ ሓዳስ ዓለም ብዝዓበየ ደረጃ ኺግበር ምዃኑ ምፍላጥና ብሓቂ ዜተባብዕ እዩ። ሽዑ፡ “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳ. 33:24ትርጉም 1990።

5 ግናኸ ሕጂ ኣምላኽ ወይ የሱስ ብተኣምራዊ መገዲ ኼሕውዩና ትጽቢት ክንገብርሲ ግቡእ ድዩ፧ ከቢድ ሕማም ምስ እንሓምም ወይ ምስ እንማስን፡ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧ እንታይከ ኽንገብር ኣሎና፧

ኣብ ዓራት ሕማም ኪድግፈካ እዩ

6. ብዛዕባ እቲ ገሊኦም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝነበሮም “ውህበት ምፍዋስ” እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣምላኽ ንገሊኦም ቅቡኣት ክርስትያናት ተኣምራት ኪገብሩ ሓይሊ ኸም ዝሃቦም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ግብ. 3:2-7፣ 9:36-42) ሓደ ኻብቲ “በበይኑ ውህበት” መንፈስ ከኣ፡ “ውህበት ምፍዋስ” እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 12:4-11) እዝን ከም ምዝራብ ቋንቋታትን ምንባይን ዝኣመሰለ ኻልእ ውህበትን ግና ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኺውዳእ ነይርዎ። (1 ቈረ. 13:8) ሎሚ ድማ እዚ ውህበት እዚ የሎን። እምበኣር፡ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ንዓና ወይ ንእንፈትዎ ሰብና ኼሕዊ ትጽቢት ክንገብር የብልናን።

7. መዝሙር 41:3 እንታይ ዜተባብዕ ሓሳብ ትህበና፧

7 ይኹን እምበር፡ እንተ ሓሚምና፡ ከምቲ ጥንቲ ዝነበሩ ናይ ሓቂ ኣምላኽቲ ዚረኽብዎ ዝነበሩ፡ ንሕና እውን ካብ ኣምላኽ ምጽንናዕን ጥበብን ደገፍን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንጉስ ዳዊት፡ “ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ፡ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝ. 41:1, 2) ብግዜ ዳዊት ዚነብር ዝነበረ እሞ ንድኻ ዝሓለየ ሰብ ንሓዋሩ ምንባር ከም ዘይቀጸለ ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ዳዊት ከምዚ እተጠቕሰ ኺብል ከሎ፡ እቲ ሰብ እቲ ብተኣምራዊ መገዲ ንዘለኣለም ይነብር ማለቱ ኸም ዘይነበረ ኣይንስሕቶን ኢና። የግዳስ፡ እዘን ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፋ ቓላት እዚአን፡ ኣምላኽ ነቲ ብተኣማንነት ሓልዮቱ ዜርኢ ሰብ ከም ዚድግፎ እየን ዜመልክታ። ብኸመይ፧ ዳዊት፡ “የሆዋ ኣብ ዓራት ሕማሙ ኺድግፎ እዩ፣ ምስ ሓመመ፡ ንስኻ ንዓራቱ ምሉእ ብምሉእ ትልውጣ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (መዝ. 41:3NW) እወ፡ ንድኻ ዚሓልየሉ ሰብ፡ ኣምላኽ ነቲ ብተኣማንነት ዝገበሮ ተግባር ከም ዚፈልጦ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ሰብነቱ ዘሎ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ ናይ ምሕዋይ ዓቕሚ ድማ ካብ ሕማሙ ምእንቲ ኺሓዊ ኺድግፎ ይኽእል እዩ።

8. ብመሰረት መዝሙር 41:4፡ ዳዊት ካብ የሆዋ እንታይ እዩ ደልዩ፧

8 ዳዊት ካብ ተመክሮኡ ተላዒሉ፡ “ጐይታየ፡ በዲለካ እየ እሞ፡ ምሐረኒ፡ ንነፍሰይ ኣሕውያ፡ በልኩ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 41:4) እዘን ቃላት እዚአን ኣብቲ ኣቤሴሎም ንዝፋኑ ኺምንዝዖ ዝፈተነሉ እሞ ዳዊት ሓሚሙ ብምንባሩ ነቲ ዅነታት ንምቍጽጻሩ ኣጸጊምዎ ኣብ ዝነበረ እዋን ተጻሒፈን ኪዀና ይኽእላ እየን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዳዊት ይቕረታ ኣምላኽ ረኺቡ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ግና ኣይረስዖን። (2 ሳሙ. 12:7-14) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ኣብ ዓራት ሕማሙ ኸም ዚድግፎ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። እዚ ኺብል ከሎ ግና፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኼሕውዮን ንህይወቱ ኼንውሓሉን ድዩ ዚሓትት ነይሩ፧

9. (ሀ) ንንጉስ ህዝቅያስ እተገብረሉ ነገር ካብ ናይ ዳዊት እተፈልየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዳዊት ካብ የሆዋ እንታይ እዩ ለሚኑ፧

9 ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ኣምላኽ ነቲ “ንሞት ሐመመ” እተባህለሉ ንጉስ ህዝቅያስ ኣሕውይዎ እዩ። ኣብቲ ፍሉይ ኵነት እቲ፡ ኣምላኽ ጣልቃ ኣትዩ እዩ። ህዝቅያስ ከኣ ሓውዩስ ን15 ዓመት ብህይወት ቀጺሉ እዩ። (2 ነገ. 20:1-6) ዳዊት ግና፡ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ኼሕውዮ ኣይኰነን ጸልዩ። ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ከም እንርእዮ፡ የሆዋ ኸምቲ ንድኻ ንዚሓሊ ሰብ ዚገብረሉ፡ ንዕኡ እውን ከምኡ ኺገብረሉ እዩ ደልዩ። እዚ ድማ “ኣብ ዓራት ሕማሙ” ምድጋፍ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ንዳዊት ሓጢኣቱ ይቕረ ተባሂሉሉ ስለ ዝነበረ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኼጸናንዖን ምእንቲ ኺድግፎን ኪልምን ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ብዘይካዚ እውን ሰብነቱ በቲ ዘለዎ ዓቕሚ ተጠቒሙ ምእንቲ ኺሓዊ ልማኖ ኬቕርብ ይኽእል ነይሩ እዩ። (መዝ. 103:3) ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።

10. ካብ ተመክሮታት ጥሮፊሞስን ኤጳፍሮዲጦስን ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል፧

10 ከምቲ ዳዊት ብተኣምራዊ መገዲ ዘይሓወየን ነዊሕ ዕድመ ዘይተወሰኸሉን፡ እቲ መዓይይቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበረ ጥሮፊሞስ እውን ብተኣምራዊ መገዲ ኣይሓወየን። ጳውሎስ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ሕማም ንምሕዋይ ዜኽእል ሓይሊ ኸም ዝነበሮ ንፈልጥ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 14:8-10 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ‘ነቲ ረስንን ውጽኣትን ሓሚሙ ዝነበረ ኣቦ ጱብልዮስ’ ኣሕውይዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ፡ “ናብኡ ኸይዱ፡ ኣእዳዉ ኣንቢሩ ጸለየሉ እሞ ሓወየ” ዚብል ነንብብ። (ግብ. 28:8) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ኣብ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ምስኡ ዚጕዓዝ ዝነበረ ጥሮፊሞስ ከምኡ ኣይገበረሉን። (ግብ. 20:3-5, 22፣ 21:29) ጥሮፊሞስ ምስ ሓመመ እሞ ምስ ጳውሎስ ምቕጻል ምስ ሰኣነ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣየሕወዮን፣ የግዳስ፡ ክሳዕ ዚሓዊ ኣብ ሚሊጦስ እዩ ሓዲግዎ። (2 ጢሞ. 4:20) ብተመሳሳሊ፡ ኤጳፍሮዲጦስ “ሓሚሙስ ናብ ሞት ቀሪቡ” ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጳውሎስ በቲ ተኣምራዊ ሓይሉ ተጠቒሙ ነቲ ዓርኩ ኸም ዘሕወዮ ዚሕብር ነገር ኣይንረክብን ኢና።—ፊል. 2:25-27, 30

ሚዛናዊ ስጕምትታት ውሰድ

11, 12. ሉቃስ ንጳውሎስ ብኸመይ ይድግፎ ነይሩ፧ እንታይ ብቕዓትከ እዩ ነይርዎ፧

11 እቲ ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፈ “ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪም” እውን ምስ ጳውሎስ ይጐዓዝ ነይሩ እዩ። (ቈሎ. 4:14፣ ግብ. 16:10-12፣ 20:5, 6) ሉቃስ ንጳውሎስን ነቶም ኣብቲ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ዝነበሩ ኻልኦትን ሕክምናዊ ምኽርን ኣገልግሎትን ሂብዎም ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ እዩ ሉቃስ ከምኡ ኺገብር ዘድለዮ፧ ምኽንያቱ፡ ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ ኣብ ጕዕዞኡ ሓሚሙ ነይሩ እዩ። (ገላ. 4:13) ሉቃስ ዚህቦ ዝነበረ ሕክምናዊ ሓገዝ ምስቲ የሱስ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ዚሳነ እዩ።—ሉቃ. 5:31

12 ሉቃስ ነቲ ሕክምናዊ ስልጠና ኣበይ ወይ መዓስ ከም ዝረኸቦ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ሉቃስ ሓኪም ምዃኑ ዝጠቐሰሎም፡ ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይጥቀስ እዩ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ቈሎሴ እትርከብ ሎዲቅያ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ነይሩ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሉቃስ ብዛዕባ ጥዕና ዘዝመጸሉ ዚዛረብ ዘይሰልጠነ ተራ ሰብ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ሓኪም እዩ ነይሩ። ሉቃስ ኣብ ወንጌሉን ኣብ ግብሪ ሃዋርያትን ሕክምናዊ ቛንቋ ምጥቃሙ፡ ኣብቲ የሱስ ዝገበሮ ምሕዋይ ድማ ምትኳሩ፡ ነዚ ዚሕብር እዩ።

13. ብዛዕባ ጥዕና ንዚውሃብ ሓሳባት እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧

13 ክርስትያናት ብጾትና ብ“ውህበት ምፍዋስ” ገይሮም ኬሕውዩና ኣብ ዚኽእሉሉ ግዜ ኣይኰንናን እንነብር ዘለና። ገሊኦም ኣሕዋትና ግና ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ከይተሓትቱ ብዛዕባ ጥዕና ሓሳብ ይህቡ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ሓደ ሰብ ሓፈሻዊ ጠቓሚ ሓሳባት ኪህብ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ እውን ንጢሞቴዎስ ሕማም ከብዲ ምስ ኣሸገሮ፡ ከምኡ ገይሩ እዩ፣ ጢሞቴዎስ ምናልባት ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ እተበከለ ማይ እዩ ሓሚሙ ኪኸውን ዚኽእል። * (1 ጢሞቴዎስ 5:23 ኣንብብ።) እዚ ግና ንሓደ ብጻይና ናይ የሆዋ ምስክር፡ ገሊኡ ጥቕሚ ዘይብሉ ወይ እውን ጐዳኢ ኪኸውን ዚኽእል ዓይነት ኣትክልቲ ወይ ፈውሲ ኺጥቀም፡ ወይ ከኣ ገሊኡ ስርዓት ኣመጋግባ ኺስዕብ ከተእምኖ ኻብ ምፍታን ኣመና እተፈልየ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ዘመደይ ተመሳሳሊ ሕማም ነይርዎስ፡ እዚ ምስ ወሰደ ሓውዩ’ እናበሉ ንኻልኦት ኬምእኑ ዚፍትኑ ኣለዉ። እቲ ዚውሃብ ርእይቶ ኻብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሉ እተዋህበ ይኹን ብዘየገድስ፡ ዋላ እኳ እቲ ብዙሓት ዜዘውትርዎ ዓይነት ሕክምና፡ ሕማቕ ሳዕቤናት ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ክንርስዕ የብልናን።—ምሳሌ 27:12 ኣንብብ።

ጥንቁቕ ምዃን ጥበብ እዩ

14, 15. (ሀ) ገሊኦም ሰባት ንሕማም ካልኦት ከም ምንታይ እዮም ዚጥቀሙሉ፧ (ለ) ብዛዕባ ጥዕና ሓሳባት ኪውሃበና ኸሎ፡ ምሳሌ 14:15 ብኸመይ ክትሕግዘና ትኽእል፧

14 ንሕና ክርስትያናት ንህይወት ምእንቲ ኸነስተማቕራን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንሳተፍን፡ ጥዕና ኽንረክብ ንደሊ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና እውን ኣሎና፣ ምሕማምና እኳ ነዚ ዜርኢ እዩ። ምስ ሓመምና፡ ንምርጫ ዚቐርበልና እተፈላለየ ዓይነት ሕክምና ኺህሉ ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ኣየናዩ ኸም ዚቕበል ወይ ከም ዚጥቀም ኪመርጽ መሰል ኣለዎ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብዛ ስስዕቲ ዓለም እዚኣ፡ ብሕማም ሰብ ተጠቒሞም መኽሰብ ኪረኽቡ ዚጽዕሩ ሰባት ኣለዉ። እቲ “ሕክምና” ወይ “ፈውሲ” ዚብልዎ ነገር ንብዙሓት ከም ዝጠቐመ ኣምሲሎም ብምቕራብ፡ ኪሸጡልና ይፍትኑ እዮም። ገሊኦም ሰባት ወይ ትካላት ድማ ብዙሕ መኽሰብ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ክቡር ፍርያቶም ክንጥቀም የተባብዑ እዮም። ካብ ሕማሙ እፎይታ ንዝደለየ ወይ ብህይወት ኪቕጽል ንዝደለየ ዓቕሉ ዝጸበቦ ሕሙም ከኣ፡ እዚ “ፈውሲ” ዚብልዎ ነገር ዜዋጽእ ኪመስሎ ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ ግና፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን፡ ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ኢሉ ኸም ዚምዕደና ኣይንረስዕ።—ምሳ. 14:15

15 “ለባም” ብፍላይ ነቲ ኻብ ብቕዓቱ ዜተሓታት ሰብ ዚመጾ “ቓል” ወይ ሓሳብ ይጥንቀቐሉ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ “ለባም” ከምዚ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ፦ ‘እዚ ሰብ እዚ፡ እዚ ቪታሚን፡ ተኽሊ፡ ወይ ስርዓት ኣመጋግባ እዚ ንኻልእ ሰብ ጠቒምዎ እኳ እንተ በለኒ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ዜረጋግጹ እኹላት መሰኻኽር ግና ኣለዉ ድዮም፧ ንኻልኦት እኳ ንእተ ጠቐሞም፡ ንዓይ ከም ዚጠቕመኒ ኸመይ ገይረ እፈልጥ፧ ዝያዳ ምርምር ክገብርዶ፧ ወይ ኣብቲ ዓውዲ እቲ ዝሰልጠኑ ወይ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ከማኽርዶ፧’—ዘዳ. 17:6

16. ብዛዕባ ጥዕና ንዚውሃብ ሓሳባት ብዚምልከት ብ“ልብምና” ምእንቲ ኽንመላለስ፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧

16 ቃል ኣምላኽ፡ “ኣብዚ ስርዓት ዓለም እዚ ብልብምና” ኽንነብር ይምዕደና እዩ። (ቲቶ. 2:12) ገሊኡ ኣገባብ ምርመራ ወይ ሕክምና ጠሪሱ ዘይተለምደ ወይ ዜተሓታትት ኪኸውን ከሎ፡ “ልብምና” ንምልላዩ ይሕግዘና እዩ። እቲ ብዓል ሞያ ወይ እቲ ብዛዕባኡ ዚነግረና ዘሎ ሰብ፡ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ብዜዕግብ መገዲ ኺገልጸልና ይኽእል ድዩ፧ ምስ ፍሉጥ ሓቅታት ዚሳነ፡ ብብዙሓት ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ድማ ተኣማንነት ዘለዎ ጌርካ ዚርአ ድዩ፧ (ምሳ. 22:29) ወይስ ንስምዒታት ጥራይ እዩ ዚማርኽ፧ ምናልባት እቲ ፈውሲ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኸም እተረኸበ፡ ካብ ዘመናዊ ምርምር ከኣ ሕቡእ ከም ዝዀነ ጌርካ ይንገረና ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ግና፡ ንሓቅነት እቲ ፈውሲ ዜረጋግጽ ድዩ፧ ገሊኡ መመርመሪ መሳርሒ ወይ ዓይነት ሕክምና ‘ምስጢራዊ ነገር’ ወይ ‘ሓይሊ ሰብነት’ ከም ዚጥቀም ይግለጽ እዩ። ብፍላይ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ኽንሰምዕ ከለና ኽንጥንቀቕ ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ካብ “ስሒር”ን ካብ ጥየቓ መናፍስትን ክንርሕቕ የጠንቅቐና እዩ።—ኢሳ. 1:13NW፣ ዘዳ. 18:10-12NW።

“ደሓን ኩኑ”

17. እንታይ ሚዛናዊ ባህጊ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

17 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ናብ ኵለን ጉባኤታት ኣገዳሲት ደብዳበ ልኢኹ ነይሩ እዩ። ክርስትያናት ካብ ምንታይ ኪርሕቁ ኸም ዚግባእ ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ ነታ ደብዳበ በዚ ዚስዕብ ቃላት እዩ ዛዚምዋ፦ “ርእስኹም ካብዚ እንተ ሓሊኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።” (ግብ. 15:29) እተን ኣብ መወዳእታ ዘለዋ ቓላት ናይ ስንብታ ቓላት እኳ እንተ ዀና፡ ንየሆዋ ንምግልጋሉ ጽቡቕ ጥዕና ኽንረክብ ምብሃግ ንቡር ምዃኑ የዘኻኽራና እየን።

ንኣምላኽ ንምግልጋል ደሓን ክንከውንን ጥዕና ኽንረክብን ንደሊ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

18, 19. ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ክንረክብ ኢና ብሃንቀውታ እንጽበ፧

18 እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ክሳዕ ዝቐጸለን ንሕና ዘይፍጹማት ክሳዕ ዝዀንናን፡ ሕማም ዘይተርፍ ነገር እዩ። ሕጂ ብተኣምራዊ መገዲ ኽንሓዊ ትጽቢት ክንገብር የብልናን። ኰይኑ ግና፡ ራእይ 22:1, 2 ብዛዕባ እቲ ምሉእ ብምሉእ እንሓውየሉ ግዜ ትሕብረና እያ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ርባ ማይ ህይወት”ን “ፈውሲ ኣህዛብ” ዚኸውን ኣቝጽልቲ ዘለወን “ኣእዋም ህይወት”ን ብራእይ ርእዩ እዩ። እዚ ግና ሕጂ ንዘሎ ወይ ኣብ መጻኢ ንዚህሉ ኻብ ኣትክልቲ ዚርከብ ፈውሲ ዜመልክት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚህበሉ መሰናድዎ እዩ ዜመልክት፣ እዚ ኸኣ ብሃንቀውታ እንጽበዮ ነገር እዩ።—ኢሳ. 35:5, 6

19 ነቲ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ዜደንቕ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ፣ ሕጂ ግና የሆዋ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍና ኸም ዚግደስ፡ ምስ ሓመምና እውን ከም ዚግደሰልና ንፈልጥ ኢና። ከም ዳዊት ድማ፡ ኣምላኽ ኣብ ዝዀነ ሕማምና ኸም ዚድግፈና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ምስ ዳዊት ሓቢርና ኸኣ፡ “ንኣይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለኣለም ተንብረኒ አሎኻ” ኽንብል ንኽእል ኢና።—መዝ. 41:12

^ ሕ.ጽ. 13 ዘ ኦርጅንስ ኤንድ ኣንሽየንት ኦቭ ዋይን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ‘ፌራ ዜምጽእ ደቂቕ ተህዋስን ካልኦት ጐዳእቲ ዝዀኑ ደቀቕቲ ተህዋስያንን ምስ ወይኒ ኺሕወሱ ኸለዉ ብቕልጡፍ ከም ዝሞቱ ብፈተነ ተራእዩ እዩ’ ትብል።