ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ሓዳስ ዓለም

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብተደጋጋሚ ተኸሊሱ እዩ፣ ብ2013 እተገብረ ኽለሳ ግና ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ እቲ ሕጂ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ትርጉም ዚርከብ ቃላት፡ ካብቲ ዝሓለፈ ብ10 ሚእታዊት ነክዩ ኣሎ። ገሊኡ ኣገዳሲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቓላት ድማ ተኸሊሱ ኣሎ። ገሊኡ ምዕራፋት ብመልክዕ ግጥሚ ሰፊሩ ኣሎ፣ ኣብቲ ስሩዕ ሕታም እውን ንመነጸሪ ዚኸውን እግረ ጽሑፋት ተወሲኹሉ ኣሎ። ንዅሉ እቲ ለውጥታት ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽንገልጾ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ገለ ኻብቲ ቐንዲ ምትዕርራያት ግና ንርአ።

ኣየናይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቓላት ተቐዪሩ፧ ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ “ሲኦል፡” “ሃደስ፡” “ነፍሲ” ዚብል ቃላት ተኸሊሱ ኣሎ። ብተወሳኺ እውን ሓያሎ ኻልእ ቃላት ተዓርዩ ኣሎ።

ንኣብነት፡ እታ ንስቕለት እተመልክት ቃል እንግሊዝኛ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ እተቐትለሉ መገዲ ምእንቲ ኸይተጋጊ ተባሂሉ ምትዕርራይ ተገይሩላ ኣሎ። (ማቴ. 20:19፣ 27:31) እታ “ንውርምና” እትብል ቃል ድማ፡ ነቲ ብግሪኽኛ ዝሓዘቶ ናይ ንዕቀት ኣመለኻኽታ እትሓቍፍ ከም እትኸውን ጌርካ እያ ተመሪጻ። እታ “ዓቕሊ” ተባሂላ እትትርጐም ዘላ ቓል ከኣ፡ ካብቲ ቕድም ዝነበረቶ ኼደናግር ዚኽእል ናይ እንግሊዝኛ ቓል ምምሕያሽ ተገይሩላ ኣሎ። ሓንቲ ኣቐዲማ “ጓይላ” ብዚብል ዚዕየየላ ዝነበረ እተደናግር ዝነበረት ቃል እውን፡ “ፈንጠዝያ” ወይ “ቀይዲ በተኽ ድግስ” ብዚብል ሎሚ ንዘለዉ ብንጹር ዚርድኦም ቃላት ተተኪኣ ኣላ። (ገላ. 5:19-22) ኣቐዲምካ “ፍቕራዊ ለውሃት” ዚብሃል ዝነበረ እውን፡ “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ብዚብል ነቲ ሓሳብ ብልክዕ ዜመሓላልፍ ቃላት ተተኪኡ ኣሎ። እዚ ድማ ብዙሕ ሳዕ ምስ “ተኣማንነት” ብምዝማድ ዚዕየየሉ ኪኸውን ከሎ፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቓል ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ ብዚግባእ የመሓላልፎ እዩ።—መዝ. 36:5፣ 89:1

ገሊኡ ብሕደ ዓይነት ቃል ዚትርጐም ዝነበረ እውን፡ ከከም እቲ ኣሰዃዅዓኡ ኸም ዚትርጐም ተገይሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ እታ ንዘይተወሰነ ግዜ ብዜመልክት ቃላት እንግሊዝኛ እትትርጐም ዝነበረት ዖህላም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ዘለኣለም” ዚብል ትርጉም እውን ኪህልዋ ይኽእል እዩ። እዚ ኸከም ኣሰዃዅዓኡ ናይ ምትርጓም ኣሰራርሓ፡ ኣብ ከም መዝሙር 90:2ን ሚክያስ 5:2ን እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ኸም ዚኽእል ከተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ።

እተን “ዘርኢ” ተባሂለን ዚትርጐማ ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽኛን ቃላት ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይርከባ እየን፣ ምስ ሕርሻ እተተሓሓዘ ዘርእን ንውሉድ ዜመልክት ዘርእን ኰይነን ድማ የገልግላ እየን። ዝሓለፈ ብእንግሊዝኛ ዝወጸ ሕታማት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነታ “ዘርኢ” እትብል ቃል፡ እንተላይ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ብስሩዕ ይጥቀመላ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ “ዘርኢ” እትብል ቃል ንውሉድ ከም እተመልክት ኰይና ኣብ እንግሊዝኛ ስለ ዘይትዝውተር፡ ኣብዚ እተኸለሰ ትርጉም እዚ ኣብ ዘፍጥረት 3:15ን ምስኣ ኣብ ዚዛመድ ፍቕድታትን ምትዕርራያት ተገይሩ ኣሎ። (ዘፍ. 22:17, 18፣ ራእ. 12:17) ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ከከም ኣሰዃዅዓኡ ተተርጒሙ ኣሎ።—ዘፍ. 1:11፣ መዝ. 22:30፣ ኢሳ. 57:3

ገሊኡ ቓል ብቓሉ ዝነበረ ትርጉም ስለምንታይ ተዓርዩ፧ ኣብ መመላእታ ሀ1 እዚ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም፡ ሓደ ጽቡቕ ትርጉም ኬማልኦ ዘለዎ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ቃል ብቓሉ ምትርጓም ንሓሳባቱ ዚጠውዮ ወይ ዚዓብጦ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ እቲ ቓል ወይ ሓረግ ሒዝዎ ዘሎ ቕኑዕ ሓሳብ የመሓላልፍ” ይብል። ቍንቍኛ በዅሪ ቛንቋ ብኻልእ ቋንቋታት ትርጉም ዚህብ እንተ ዀይኑ፡ ቃል ብቓሉ እዩ ዚትርጐም። ነዚ ስርዓት እዚ ብምስዓብ፡ ኣብ ራእይ 2:23 ‘ልቢ ዚምርምር’ ዚብል ቃላት፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ትርጉሙ ርዱእ እዩ። እቲ ‘ዀላሊት ዚምርምር’ ዚብል ሓሳብ ግና ብቐሊሉ ርዱእ ብዘይምዃኑ፡ ኣብቲ እተኸለሰ ትርጉም ‘ውሽጣዊ ሓሳብ ዚምርምር’ ብዚብል ነቲ በዅሪ መልእኽቲ ዜንጸባርቕ ቃላት ተቐዪሩ ኣሎ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዘዳግም 32:14 ዚርከብ ቃል ብቓሉ ምስ ዚውሰድ “ስብሒ ዅሊት ስርናይ” ዚብል ቍንቍኛ፡ “ብሉጽ ስርናይ” ብዚብል ዝነጸረ መገዲ ተተርጒሙ ኣሎ። ብዘይካዚ እውን፡ ኣብ መብዛሕትኡ ቛንቋታት “ኣነ ኸናፍረይ ዘይግዙር እየ” ኻብ ምባል፡ “ኣነ ወታእ እየ” ምባል ይቐልል።—ዘጸ. 6:12

“ኣወዳት እስራኤል፡” “ኣቦ ዘይብሎም ኣወዳት” ዚብል ዝነበረ ቓላት፡ “እስራኤላውያን፡” “ኣቦ ዘይብሎም፡” ወይ “ዘኽታማት” ብዚብል እተተክአ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ እብራይስጢ፡ ንተባዕታይ ወይ ንኣንስተይቲ ጾታ ዜመልክት እተፈላለየ መጸውዒታት ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ገሊኡ ንተባዕታይ ጾታ ዜመልክት ቃላት፡ ንኽልቲኡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ጾታታት እዩ ዜመልክት። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ ገሊኡ ፍቕድታት ዘሎ ሓሳባት፡ እቲ ብእንግሊዝኛ “ኣወዳት እስራኤል” ዚብል ዝነበረ ቓል ንሰብኡትን ንኣንስትን ከም ዜጠቓልል ይሕብር እዩ፣ ስለዚ፡ እዚ ቓላት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ፡ “እስራኤላውያን” ተባሂሉ ኣብዚ ግዜና ዝውቱር ብዝዀነ ቓል ተተርጒሙ ኣሎ።—ዘጸ. 1:7፣ 35:29፣ 2 ነገ. 8:12

ብተመሳሳሊ፡ እታ ብእብራይስጢ ንተባዕታይ ጾታ ጥራይ እተመልክት “ኣወዳት” እትብል ቃል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕታማት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ ዘፍጥረት 3:16 “ደቂ” ተባሂላ ተተርጒማ ነይራ እያ። ኣብ ዘጸኣት 22:24 ግና፡ እታ ቓል እቲኣ ሕጂ ምስ ተኸለሰት፡ “ደቅኹም [ብእብራይስጢ፡ “ኣወዳትኩም”] ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ” ተባሂላ ኣላ። ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ “ኣቦ ዘይብሉ ወዲ” ዝነበረ ናብ “ዘኽታም” ወይ “ኣቦ ዘይብሉ” ተቐዪሩ ኣሎ። (ዘዳ. 10:18፣ እዮ. 6:27) እዚ ድማ ምስቲ ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ይመሳሰል እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መክብብ 12:1 ዝነበረ “ብመዓልትታት ጕብዝናኻ” ዚብል ቃላት፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ” ናብ ዚብል ቃላት ከም ዚቕየር ገይርዎ እዩ።

ትርጉም መብዛሕትኡ ግስታት እብራይስጢ ኸም ዚቐልል እተገብረ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ እብራይስጢ ዚርከብ ክልተ ቐንዲ ዓይነት ግሲ፡ እቲ ንቐጻሊ ተግባር ዜመልክት ግስን እቲ ንውዱእ ተግባር ዜመልክት ግስን እዩ። ዝሓለፈ ሕታማት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቲ ንቐጻሊ ወይ ንተደጋጋሚ ተግባር ዜመልክት ግስታት እብራይስጢ፡ ንዕኡ ብዜንጸባርቕ ግስታትን ሓጋዚ ግስታትን ገይሩ ይትርጕሞ ነይሩ እዩ። * ነቲ ንውዱእ ተግባር ዜመልክት ግስታት ንምሕባር ድማ ከም “ብርግጽ” ዝኣመሰለ ቓላት የእቱ ነይሩ።

ኣብቲ ብ2013 እተኸለሰ ግና፡ ከምዚ ዝበለ ሓጋዚ ግስታት ተኣልዩ፡ ኣብቲ ትርጉም ዚውስኸሉ ቦታታት ጥራይ እውን ተሰዂዑ ኣሎ። ንኣብነት፡ ነቲ “ብርሃን ይኹን” ዚብል ቃላት ብተደጋጋሚ ኸም ዝበሎ ምጕላሑ ዜየድሊ ብምዃኑ፡ ኣብቲ እተኸለሰ ትርጉም እቲ “በለ” ዚብል ግሲ ንቐጻሊ ኸም ዜመልክት ጌርካ ኣይሰፈረን። (ዘፍ. 1:3) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንኣዳም ኣብ ዘፍጥረት 3:9 ብተደጋጋሚ ኸም ዝጸውዖ ዚሕብር ነገር ስለ ዘሎ፡ “ደጋጊሙ ጸውዖ” ተባሂሉ ጐሊሑ ኣሎ። ብሓፈሻኡ፡ ግስታት ኣብቲ ተግባር ደኣ እምበር ኣብቲ ዘይውዱእ ወይ ውዱእ መዳይ ግሲ እብራይስጢ ብዘይምትኳሩ፡ ብዝቐለለ መገዲ ተተርጒሙ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ጽሑፍ እብራይስጢ ዘሎ ሓጺርን ንጹርን ዘረባ ንምንጽብራቕ ሓጊዙ እዩ።

ምስቲ ብግጥሚ ተጻሒፉ ዝነበረ በዅሪ ጽሑፍ ብምስምማዕ፡ መብዛሕትኡ ምዕራፋት ብመልክዕ ግጥሚ ዀይኑ ኣሎ

መብዛሕትኡ ምዕራፋት ብመልክዕ ግጥሚ ሰፊሩ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ብመልክዕ ግጥሚ እዩ ተጻሒፉ ነይሩ። ኣብ ዘመናዊ ቛንቛታት፡ ግጥሚ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ኣብ ናይ መጠረሽታ መስመር ቃላቱ ዚርከብ ስኒት ድምጺ እዩ ዚልለ፣ ኣገዳሲ ረቛሒታት ግጥሚ እብራይስጢ ግና ምስስሉን ንጽጽሩን እዩ። ኣብ ግጥሚ እብራይስጢ ረምታ ኸም ዚህሉ ዚግበር፡ ኣብ ቃላት ስኒት ድምጺ ኸም ዚመጽእ ብምግባር ዘይኰነስ፡ ብስነ መጐታዊ ኣሰራርዓ ሓሳባት እዩ።

ዝሓለፈ ሕታማት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ንእዮብን ንመዝሙርን ኪዝመር ወይ ኪድገም ተባሂሉ ኸም እተዳለወ ብዚሕብር መልክዕ ኣዳልይዎ ነይሩ። እዚ መልክዕ እዚ ነቲ ግጥማዊ ኣሰራርዓኡ የጕልሕ፡ ንምዝካሩ እውን ዝቐለለ ይገብሮ እዩ። ኣብቲ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም፡ ምሳሌን መሃልየ መሃልይን ሓያሎ ምዕራፋት ትንቢታዊ መጻሕፍትን፡ ግጥማዊ መልክዕ ከም ዘለዎ ንምሕባር፡ ነቲ ምስስልን ንጽጽርን እውን ንምጕላሕ ብዜኽእል መልክዕ ተዳልዩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢሳይያስ 24:2፡ ኵለን እተን መስመራት፡ ንጽጽር ሒዘን ኣለዋ፣ ሓንቲ ኣብታ ኻልእ እናተሃንጻ ብምኻደን ድማ፡ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘየምልጥ የጕልሓ። ሓደ ኣንባቢ ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ ብመልክዕ ግጥሚ ኸም እተዳለወ ምልላዩ፡ እቲ ጸሓፊ ስቕ ኢሉ ይደጋግም ዘይምንባሩ፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ ንመልእኽቲ ኣምላኽ ንምጕላሕ ግጥማዊ ተክኒክ ይጥቀም ምንባሩ ኼስተውዕል የኽእሎ።

ኣብ መንጎ ግጥሚ ዘይኰነን ግጥሚ ዝዀነን ጽሑፍ እብራይስጢ ዘሎ ፍልልይ ንጹር ከይከውን ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ግጥሚ ገይሩ ኣብ ዘቕርቦ መዳያት ፍልልያት ኣሎ። ተርጐምቲ ዚገብርዎ ውሳነ፡ ኣየናይ ክፋል ከም ግጥሚ ጌርካ ኸም ዚሕተም ኣብ ምውሳን ይጸሉ እዩ። ገሊኡ ዘይግጥማዊ ዀይኑ ዝሰፈረ ጽሑፍ፡ ኬመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ ንምጕላሕ ግጥማዊ ቓላት ኪህልዎ፡ ማለት ስእላዊ ቛንቋን ጣቋን ምስስልን ብብዝሒ ኺጥቀም ይኽእል እዩ።

እቲ ትሕዝቶ ዚብሃል ክፋል፡ ነቶም ኣብ ጥንታዊ ግጥሚ መሃልየ መሃልይ ዚርከቡ ብዙሕ ሳዕ ዚቀያየሩ ተዛረብቲ ንምልላይ ይሕግዝ እዩ።

ኣብ ኢደ ጽሑፋት በዅሪ ቛንቋ እተገብረ መጽናዕቲ ነቲ ኽለሳ ብኸመይ ጸልይዎ፧ እቲ ናይ ፈለማ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ ጽሑፍ እብራይስጢ ማሶራውያንን ኣብቲ ብዌስትኮትን ሆርትን እተዳለወ ኣኽቢርካ ዚርአ ጽሑፍ ግሪኽኛን እተመስረተ እዩ ነይሩ። ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እተገብረ መጽናዕቲ ኸኣ ካብ ምምዕባል ብዘይምቍራጹ፡ ገሊኡ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኺበርህ ክኢሉ እዩ። ካብ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ እተቐድሐ ቕዳሓት ሕጂ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ኣብ ተወሳኺ ኢደ ጽሑፋት ግሪኽኛ እውን መጽናዕቲ ተገይሩ ኣሎ። መብዛሕትኡ እዋናዊ መርትዖታት ኢደ ጽሑፋት ኣብ ኮምፕዩተር ኣትዩ ምህላዉ፡ ኣብ መንጎ ኢደ ጽሑፋት ዘሎ ፍልልይ ብቐሊሉ ንምርካብ፡ ኣየናይ ጽሑፍ እብራይስጢ ወይ ግሪኽኛ ድማ ብዝያዳ ደገፍ ከም ዘለዎ ንምውሳን ዝቐለለ ገይርዎ ኣሎ። ኮሚተ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም በዚ ምዕባለታት እዚ ተጠቒሙ ንገሊኡ ፍቕድታት መጽናዕቲ ገይሩሉ እዩ፣ እዚ እውን ገለ ለውጥታት ኣስዒቡ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ 2 ሳሙኤል 13:21፡ እቲ ብግሪኽኛ እተዳለወ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ “ወዱ ኣምኖን በዅሩ ብምንባሩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ ግና፡ ኬጕህዮ ኣይደለየን” ዚብል ሓሳብ ኣለዎ። እዚ ግና ኣብ ጽሑፍ ማሶራውያን ስለ ዘይርከብ፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሕታማት ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣይኣተወን ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ነዚ ቓላት እዚ ሒዙ ብምህላዉ፡ ኣብቲ ብ2013 እተኸለሰ ትርጉም ኣትዩ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ምኽንያት ድማ፡ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቀዳማይ ሳሙኤል ሓሙሽተ ሳዕ ኣብ ዝነበሮ ቦታ ተመሊሱ ኣትዩ ኣሎ። ኣብ ግሪኽኛ እተገብረ መጽናዕቲ እውን፡ ኣብ ማቴዎስ 21:29-31 ዘሎ መስርዕ ሓሳባት ከም ዚቕየር ገይሩ እዩ። ስለዚ፡ ገሊኡ ለውጥታት ኪመጽእ ዝኸኣለ፡ ኣብ ሓደ መበቈላዊ ጽሑፍ ግሪኽኛ ተመርኲስካ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምዕያይ፡ ንኢደ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣብ ዘለዎ ኽብደት ተመርኲስካ ስለ እተዓይየ እዩ።

እዚ እተጠቕሰ ለውጥታት እዚ፡ ካብቲ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም እተገብረ ለውጥታት ሒደት ጥራይ እዩ፣ እዚ ድማ ንሓያሎ ሰባት ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ህያብ ብዝያዳ ተነባብን ርዱእን ገይሩሎም እዩ።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 3ሐ፡ “ቀጻሊ ተግባር ዜመልክት ግስታት እብራይስጢ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ርአ።