ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ቀንዲ መልእኽቲ ስብከት የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ: መንግስቲ ኣምላኽ እያ ነይራ። (ሉቃስ 4:43) ሰባት ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪጠቕሳ ኸሎ ኸም ዝሰምዕዎ ፍሉጥ እዩ። እሞኸ እዚ ኣደናጊርዎም ወይ ምርድኡ ኣሸጊርዎም ድዩ፧ እዛ መንግስቲ እዚኣ እንታይ ምዃና ሓቲቶምዎ ድዮም፧ ኣይሓተትዎን። እቲ ኣብ ወንጌላት እንረኽቦ ጸብጻብ ከምኡ ኣይብልን እዩ። እሞ እቶም ሰባት እቲኣቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይፈልጡ ነይሮም ማለት ድዩ፧

እቲ ኣይሁድ ከም ቅዱስ ገይሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ቕዱሳት ጽሑፋት: መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን እንታይ ከም እትፍጽምን ብንጹር ይገልጽ እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርማር ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ዝያዳ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጾ ሸውዓተ ሓቅታት እስከ ንርአ። እተን ናይ መጀመርታ ሰለስተ ሓቅታት ብግዜ የሱስን ቅድሚኡን ብዝነበሩ ኣይሁድን ብቐሊሉ ኺፍለጣ ዚኽእላ ነበራ። እተን ቀጺለን ዘለዋ ሰለስተ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብክርስቶስን ብሃዋርያቱን እተገልጻ እየን። እታ ናይ መወዳእታ ሓቂ ኣብዚ ግዜና እያ ንጽርቲ ዀይና።

1. መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም እትነብር ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ናይ መጀመርታ ትንቢት: ኣምላኽ ነቶም እሙናት ደቂ ሰብ ዜድሕን መናገፊ ኸም ዚልእኽ ትገልጽ እያ። እዚ “ዘርኢ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ: ነቲ ብሰንኪ ዕልወት ኣዳምን ሄዋንን ሰይጣንን ዝመጸ ጸገማት ኬወግዶ እዩ። (ዘፍጥረት 3:15) ድሕሪ ብዙሕ ግዜ: እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ “ዘርኢ” ወይ መሲህ ኣዝዩ ዜደንቕ ነገር ተነግሮ። እዚ ኸኣ: ንጉስ ኪኸውን ምዃኑ ዚገልጽ እዩ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ኻብ ካልኦት መንግስትታት እተፈልየት እያ። ከመይሲ: ንዘለኣለም እያ እትጸንዕ።—2 ሳሙኤል 7:12-14

2. መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ከተጥፍአን እያ። ነብዪ ዳንኤል: ሓይልታት ዓለም ክሳዕ እዚ ግዜና ተኸታቲሎም ኪገዝኡ ኸለዉ ዜርኢ ራእይ ርእዩ ነበረ። ነቲ ራእይ ኪዛዝሞ ኸሎ ኸምዚ በለ:- “ብዘመን እዞም [ናይ መወዳእታ ሰብኣውያን] ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” ስለዚ: ኵለን መንግስትታት ዓለም: ምስ ኵሉ እቲ ዚገብራኦ ውግእ: ዜውርዳኦ ጭቈና: ኰነ ምስ ብልሽውናአን ንዘለኣለም ኪጠፍኣ እየን። ከምቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል እተገልጸ: መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ብምልእታ ምድሪ ኽትገዝእ እያ። (ዳንኤል 2:44, 45) እምበኣር: እዛ መንግስቲ እዚኣ ብሓቂ ኽትገሃድ ጥራይ ዘይኰነትስ: በይና እውን ክትገዝእ እያ። a

3. መንግስቲ ኣምላኽ ንውግእ: ንሕማም: ንጥሜት: እንተላይ ንሞት ከተጥፍኦ እያ። እቲ ዜደንቕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እንታይ ከም እትገብር ይሕብር። እዛ መንግስቲ እዚኣ ነቲ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ መንግስቲ ዘይገበሮን ኪገብሮ ዘይክእልን ነገር ክትገብር እያ። ኵሉ ኣጽዋር ውግእ ንዘለኣለም ኪጠፍእ ከሎ እሞ ሕስብ ኣብሎ! “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።” (መዝሙር 46:9) ሓካይም: ሆስፒታል: ወይ ዝዀነ ይኹን ሕማም ኣይኪህሉን እዩ። “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” ትርጕም 1990] እየ: ኣይብልን።” (ኢሳይያስ 33:24) ጥሜት: ሕጽረት ምግቢ: ወይ ጕድለት ኣመጋግባ ኣይኪህሉን እዩ። ከመይሲ: “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር . . . ኪኸውን” እዩ። (መዝሙር 72:16) ቀብሪ: መካነ-መቓብር: መካነ-ሬሳ: ወይ ከኣ እቲ ነዚ ስዒቡ ዚመጽእ ጓሂ ኣይኪህሉን እዩ። እቲ ሕሱም ጸላኢና ዝዀነ ሞት እውን ኪሰዓር እዩ። ኣምላኽ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8

4. መንግስቲ ኣምላኽ ብኣምላኽ እተመርጸ ገዛኢ ኣለዋ። እቲ መሲህ ብርእሱ እተሸመ ወይ ከኣ ብዘይፍጹማት ሰባት እተሓርየ ኣይኰነን። የሆዋ ኣምላኽ እዩ መሪጽዎ። እቲ መሲህን ክርስቶስን ዚብል መዓርግ እውን ነዚ ዚሕብር እዩ። ክልቲአን ቃላት “ቅቡእ” ማለት እየን። ስለዚ: እዚ ንጉስ እዚ ነቲ ፍሉይ ሓላፍነቱ ተባሂሉ ብየሆዋ እተቐብአ ወይ እተመዘዘ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባኡ “እንሆ: ዝድግፎ ባርያይ: ሕሩየይ: ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዚብላ: መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ አሎኹ: ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽኣሎም እዩ” በለ። (ኢሳይያስ 42:1፣ ማቴዎስ 12:17, 18) እንታይ ዓይነት ገዛኢ ኸም ዜድልየና ኻብ ፈጣሪና ንላዕሊ ዚፈልጥ መን ኣሎ፧

5. ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዕ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ ሰብ ኣመስኪሩ እዩ። የሱስ ብዓል ናዝሬት: እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲህ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ካብቲ ኣምላኽ ዝመረጾ መስመር ወለዶ እዩ ተወሊዱ። (ዘፍጥረት 22:18፣ 1 ዜና መዋእል 17:11፣ ማቴዎስ 1:1) ኣብ ምድሪ ኸሎ ነቲ ብዛዕባ እቲ መሲህ ዚገልጽ ቅድሚ ዘመናት እተነግረ ብዙሕ ትንቢት ፈጸሞ። ካብ ሰማይ እውን መሲህ ምዃኑ ተነጊሩ እዩ። ብኸመይ፧ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወዱ ምዃኑ ተዛረበ፣ መላእኽቲ: የሱስ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲህ ምዃኑ ሓበሩ፣ የሱስ እውን ነቲ ብሓይሊ ኣምላኽ እተገብረ ምዃኑ ዚሕብር ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ብኣማእታት ወይ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ፈጸመ። b ብተደጋጋሚ ድማ እንታይ ዓይነት ገዛኢ ኸም ዚኸውን ኣርእዩ እዩ። ንሰባት ንምሕጋዝ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ: ድሌት እውን ነበሮ። (ማቴዎስ 8:1-3) ዘይስሱዕን ሕያዋይን ተባዕን ትሑትን እዩ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ ምድራዊ ህይወቱ ዚገልጽ ጸብጻብ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ።

6. መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ 144,000 ኣለውዋ። የሱስ: ካልኦት ምስኡ ኣብ ሰማይ ከም ዚገዝኡ ሓበረ፣ ሃዋርያት ከኣ ምሳታቶም ይጽብጸቡ እዮም። ነዚ ጕጅለ እዚ ድማ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ጸውዖ። (ሉቃስ 12:32) ብድሕርዚ: ሃዋርያ ዮሃንስ ቍጽሪ እዚ ሒደት መጓሰ እዚ ብጠቕላላ 144,000 ምዃኑ ተነግሮ። ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ነገስታት ኰይኖም ብምግዛእን ከም ካህናት ኰይኖም ብምግልጋልን ኣዝዩ ባህ ዜብል ዕዮ ኺዓዩ እዮም።—ራእይ 5:9, 10፣ 14:1, 3

7. እዛ ኣብ ሰማይ እትገዝእ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ: ግዝኣታ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንምምስራት ተዳልያ ኣላ። እዛ ናይ መወዳእታ ሓቂ ኣዝያ ባህ እተብል እያ። መጽሓፍ ቅዱስ: የሱስ ኣብ ሰማይ ኪነግስ ስልጣን ከም እተዋህቦ ዚገልጽ ብዙሕ መርትዖታት ይህብ እዩ። ሕጂ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ኣሎ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ነቲ ግዝኣቱ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ኼስፍሖን ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ዜደንቕ ትንቢታት ኪፍጽሞን እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ ግን ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ንኸውን፧ ኣብ ምድሪ ኽትገዝእ ዝጀመረትከ መዓስ እያ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ከምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት: ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚሓስብዎ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ዘላ ነገር ከም ዘይኰነት ዜርኢ እዩ። ነታ ኣብ ገጽ 13 ዘላ “ሕቶታት ኣንበብትና” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።