ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐ

ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐ

ኤልያስ እቲ ህዝቢ ደፋእ እናበለ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኪድይብ ከሎ ይርኢ ነበረ። ብብርሃን ወጋሕታ እኳ ኸይተረፈ: ድኽነትን ስእነትን ነቲ ህዝቢ ኸም ዚጐድኦ ብንጹር ይርአ ነበረ። እቲ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝገበረ ድርቂ ሕማቕ በሰላ ሓዲጉሎም ነበረ።

ኣብ ማእከሎም እቶም ብዅርዓት እተመልኡን ነቲ ነብዪ የሆዋ ዝዀነ ኤልያስ ክቱር ጽልኢ ዝነበሮምን 450 ነብያት በዓል ሸናዕ ይብሉ ነበሩ። ንግስቲ ኢዛቤል ንብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣጽኒታ እኳ እንተ ነበረት: እዚ ሰብኣይ እዚ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣንጻር ኣምልኾ በዓል ቈይሙ ኣሎ። እንተዀነ ግን ክሳዕ መዓስ፧ ምናልባት እቶም ካህናት ሓደ ሰብኣይ ጥራይ: ኣንጻር ኵሎም ኪቐውም ፈጺሙ ዘይክእል ኰይኑ ተሰሚዕዎም ይኸውን። (1 ነገስት 18:3, 19, 20) ንጉስ ኣከኣብ እውን ኣብ ሰረገላኡ ተወጢሑ መጺኡ ነበረ። ንኤልያስ ከኣ ኣይፈትዎን ነበረ።

እዚ በይኑ ዝነበረ ነብዪ ቕድሚኡ ዘይተገብረ ፍሉይ ፍጻመ ይጽበዮ ነበረ። ኤልያስ እናተዓዘበ ኸሎ: ነቲ ቕድሚኡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፍለጥ ኣብ መንጎ ሰናይን እከይን ዚግበር ኣዝዩ ዜደንቕ ግጥም ዚኸውን ሃዋህው ተፈጥረ። ምስ ወግሐ ኸመይ ተሰሚዕዎ ይኸውን፧ “ከማና ዝድኻሙ ሰብ” ስለ ዝነበረ: ፍርሂ ዘይስምዖ ኣይኰነን ነይሩ። (ያእቆብ 5:17) ኤልያስ በቶም ዘይኣምኑ ህዝብን ዓለወኛ ንጉሶምን ቀተልቲ ኻህናትን ተኸቢቡ ስለ ዝነበረ: እንተ ወሓደ ብሑትነት ተሰሚዕዎ ኸም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ነገስት 18:22

ንእስራኤላውያን ናብዚ ሓደገኛ ዅነታት ዘእተዎም እንታይ እዩ፧ ካብዚ ጸብጻብ እዚኸ እንታይ ትምህርቲ ይርከብ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገበርዎ ተጠንቂቕና ኽንምርምር ይምሕጸነና: “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓቡ” እውን ይብለና። (እብራውያን 13:7) እስከ ቐጺልና ኣብነት ኤልያስ ንመርምር።

እቲ ነዊሕ ቃልሲ ኣብ ጠርዙ በጽሐ

ኤልያስ ኣብ ህይወቱ እቲ ናይ ሃገሩን ህዝቡን ዝበለጸ ነገር ዝዀነ ኣምልኾ የሆዋ ተስፋ ብዜቚርጽ መገዲ ዕሽሽ ኪበሃልን ኪርገጽን ከሎ ረኣየ። እስራኤላውያን ንነዊሕ እዋን ኣብ ማእከል እቲ ኣብ መንጎ ንጹህ ሃይማኖትን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣምልኾ የሆዋን እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ዚስዕብዎ ኣምልኾ ጣኦትን ዚግበር ቃልሲ እዮም ነይሮም። ኤልያስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ እቲ ቓልሲ ኣብ ዝኸፍአ ዅነታት በጺሑ ነበረ።

ንጉስ ኣከኣብ ንኢዛቤል ጓል ንጉስ ሲዶን ተመርዓዋ። ኢዛቤል ከኣ ኣምልኾ የሆዋ ኻብ ምድሪ እስራኤል ኣጥፊኣ ኣምልኾ በዓል ከተስፋሕፍሕ መደበት። ንኣከኣብ ብቕልጡፍ ጸለወቶ። ንበዓል ቤተ መቕደስን መሰውእን ሰርሓሉ: ነቲ ኣረማዊ ኣምላኽ ብምስጋድ ዝመጸ እውን መሪሕ ግደ ነበሮ። በዚ ኸምዚ: ንየሆዋ ኣጕሃዮ።—1 ነገስት 16:30-33 a

ንኣምልኾ በዓል ዜፈንፍን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ንብዙሓት እስራኤላውያን ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኺርሕቑ ኣስድዖም። ጽዩፍን ጭካነ ዝመልኦን ሃይማኖት ከኣ እዩ ነይሩ። ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ቤተ መቕደስ ዚገብርዎ ምንዝር: ጠገለ ዘይብሉ ጾታዊ ርኽሰት: ቈልዑ ምስዋእ ዜጠቓልል ኣምልኾ ነበረ። የሆዋ ንኤልያስ ናብ ኣከኣብ ለኣኾ፣ እቲ ነብዪ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ድርቂ ኽሳዕ ዚዛረብ: ድርቂ ኸም ዚኸውን ድማ ነገሮ። (1 ነገስት 17:1) ኤልያስ ንኣከኣብ ከይተራእዮ እተወሰነ ዓመታት ምስ ሓለፈ: መሊሱ ተራእዮ እሞ ንዅሉ ህዝብን ንነብያት በዓልን ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ኪእክቦም ነገሮ።

እሞኸ ደኣ እዚ ቓልሲ ንዓና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ገሊኦም ቤተ መቕደስ ኰነ መሰውኢ በዓል ሎሚ ስለ ዘየለ: እዚ ብዛዕባ ኣምልኾ በዓል ዚገልጽ ታሪኽ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ይሓስቡ ይዀኑ። ይኹን እምበር: እዚ ጸብጻብ እዚ ጥንታዊ ታሪኽ ጥራይ ዚገልጽ ኣይኰነን። (ሮሜ 15:4) እታ “በዓል” እትብል ቃል “ወናኒ” ወይ “ጐይታ” ማለት እያ። የሆዋ ንህዝቡ ኸም ‘በዓሎም’ ወይ ከም ሰብኣዮም ገይሮም ንኺሓርይዎ ነጊርዎም ነበረ። (ኢሳይያስ 54:5) ዛጊት ሰባት ካብቲ ዅሉ ዚከኣሎ ኣምላኽ ንላዕሊ ንእተፈላለዩ ጐይተት የገልግሉ ኸም ዘለዉስ ኣይትሰማመዐሉንዶ፧ ሰባት ደድሕሪ ገንዘብ: ስራሕ: መዘናግዒ: ጾታዊ ባህታ ንምስዓብ ህይወቶም ብምጥቃሞም: ወይ ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ማእለያ ንዘይብሎም ካልኦት ኣማልኽቲ ብምምላኾም ብርግጽ ጐይታኦም መሪጾም እዮም። (ማቴዎስ 6:24፣ ሮሜ 6:16) ስለዚ: እቲ ቐንዲ መዳያት ኣምልኾ በዓል ሎሚ እውን ሰሲኑ ይርከብ። እቲ ኣብ መንጎ የሆዋን በዓልን ዝነበረ ጥንታዊ ቓልሲ: ንመን ከም እነገልግል ጥበባዊ ውሳነ ንኽንገብር ይሕግዘና።

ብኸመይ ‘ይሕንክሱ’ ነበሩ፧

ኣብቲ ንፋስ ዝበዝሖ ኸረን ቀርሜሎስ ኴንካ ሰፊሕ ክፋል ምድሪ እስራኤል: ማለት ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ርባ ቂሶን ክሳብ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ዓብዪ ባሕሪ (ባሕሪ መዲተራንያን): ከምኡውን ክሳብ እቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ ርሒቑ ዚርከብ ኣኽራን ሊባኖስ ኪርአ ይከኣል እዩ። b ይኹን እምበር: ኣብዛ ወሳኒት መዓልቲ እቲ ትርኢት ሕማቕ ነበረ። ኣብቲ የሆዋ ንደቂ ኣብርሃም ዝሃቦም ፍርያም ዝነበረት ምድሪ ሞት ኣንጸላልዩ ነበረ። እታ ምድሪ በታ ምሕረት ዘይብላ ጸሓይ ፈንከው ኢላን በቶም ዓያሱ ህዝቢ ኣምላኽ ዓንያን ነበረት! እቲ ህዝቢ ምስ ተኣከበ: ኤልያስ ናብኦም ቀሪቡ: “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፧ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ: ደድሕሪኡ ስዐቡ: በዓል እንተ ደአ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ” በለ።—1 ነገስት 18:21

ኤልያስ “ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እቶም ህዝቢ ኻብ ኣምልኾ የሆዋን ኣምልኾ በዓልን ሓዲኡ ኺመርጹ ኸም ዘለዎም ኣይተገንዘቡን ነይሮም። በቲ ዓመጻ ዚመልኦ ጽምብላቶም ንበዓል ብምሕጓስን ካብ የሆዋ ኣምላኽ ሞገስ ብምሕታትን: ንኽልቲኦም ኬምልኹ ዚኽእሉ ይመስሎም ነበረ። ምናልባት በዓል ንኣእካሎምን መጓሰኦምን ኪባርኸሎም ከሎ: “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ከኣ ኣብ ውግእ ኪከላኸለሎም ከም ዚኽእል ሓሲቦም ይዀኑ። (1 ሳሙኤል 17:45) ነቲ ሎሚ እውን ብዙሓት ዘይተገንዘብዎ: የሆዋ ንዕኡ ዚግባእ ኣምልኾ ንኻልእ ከም ዘየካፍል ዚገልጽ መሰረታዊ ሓቂ ረሲዖምዎ ነበሩ። የሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ይሓትት እዩ: እዚ እውን ይግብኦ እዩ። ምስ ካልእ ኣምልኾ ተሓናፊጹ ዚቐርብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣምልኾ ተቐባልነት ዘይብሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ጽዩፍ እውን እዩ!—ዘጸኣት 20:5

ስለዚ: እስራኤላውያን ልክዕ ከምቲ ብሓንሳእ ኣብ ክልተ መገዲ ኪኸይድ ዚፍትን ሰብ ኰይኖም ‘ይሕንክሱ’ ነበሩ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ካልኦት “በዓላት” ቀስ ብቐስ ናብ ህይወቶም ኪኣትዉ ብምፍቃድ ኣምልኾ የሆዋ ምግዳፎም ተመሳሳሊ ጌጋ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ። እዚ ኣብ ክልተ ምሕንካስ ክንሓድጎ ዜነቓቕሕ ጻውዒት ኤልያስ: ነቲ ቀዳምነት እንህቦ ነገራትን ኣምልኾናን እንደገና ኽንምርምር ይሕግዘና።

ወሳኒ ፈተና

ኤልያስ ቀጺሉ ፈተና ኣቕረበ። እቲ ፈተና ኣዝዩ ቐሊል እዩ። ካህናት በዓል መሰውኢ ብምህናጽ ነቲ መስዋእቲ ኣብኡ ኼንብርዎ: ድሕርዚ ኸኣ ነቲ መስዋእቲ ብሓዊ ንኺበልዖ ናብ ኣምላኾም ኪጽልዩ ነበሮም። ኤልያስ እውን ከምኡ ኺገብር እዩ። “እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣ ንሱ ኣምላኽ ይኹን” በለ። ኤልያስ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መን ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶ ኸኣ: እቶም ነብያት በዓል ኣቐዲሞም ኪጅምሩ ሰጋእ መጋእ ከይበለ ፈቐደሎም። ተጻረርቱ ንመስዋእቲ ዝዀኖም ዝራብዕ ኪሓርዩን መጀመርታ ናብ በዓል ኪቐርቡን ብምፍቃድ ኵሉ ሓለፋታት ሃቦም። c1 ነገስት 18:24, 25

ተኣምራት ኣብ ዚግበረሉ እዋን ኣይኰንናን ንነብር ዘሎና። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣይተቐየረን። ከምቲ ኤልያስ ዝነበሮ ዓይነት ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ካልኦት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ዘይሰማምዑ እንተ ደኣ ዀይኖም: ከይፈራህና ኣቐዲሞም ሓሳቦም ከም ዚገልጹ ንገብር ኢና። ልክዕ ከም ኤልያስ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዜጋጥመና ጕዳይ ኬደቅሶ ንጽበ ንኸውን። ከምዚ እንገብር ኣብ ገዛእ ርእስና ብምትእምማን ዘይኰነስ: ኣብቲ “ንምቕናዕ” ተባሂሉ እተዳለወ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፍ ትውክልቲ ብምግባር እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ነብያት በዓል መስዋእቶም ኣዳልዮም ናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። “ዎ በዓል: ምላሽ ሀበና” እናበሉ ደጋጊሞም ጨደሩ። ከምዚ እናበሉ ደቓይቕ ከምኡውን ሰዓታት ሓለፈ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን: ዚመልስውን ኣይነበረን” ይብለና። ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ ኤልያስ: በዓል መልሲ ንምሃብ ይሓስብ ከይህሉ: ኣግሊሱ ወይ ገይሹ ኸይከውን: ምናልባሽ ከኣ ደቂሱ ኸይከውን ኬበራብርዎ ብምዝራብ ኬላግጸሎም ጀመረ። ኤልያስ ነቶም መደናገርቲ “ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ” በሎም። ኣምልኾ በዓል ትርጕም ኣልቦ ምድንጋር ምዃኑ ብንጹር ስለ ዝረኣየ: ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ ብምርኣይ መታለልቲ ምዃኖም ኪግንዘቡ ደልዩ ነበረ።—1 ነገስት 18:26, 27

ነብያት በዓል ዝያዳ ዓበድበድ ብምባል: “ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ: ከምቲ ስርዓቶም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ደም ክሳዕ ዚፈስስ: ንኣካላቶም በስያፍን ብዂናውትን ተፍተፍዎ።” እዚ ግን ረብሓ ኣይነበሮን! “ድምጺ ኣይነበረን: ዚመልስውን ኣይነበረን: ዜቕልብ ድማ ኣይነበረን።” (1 ነገስት 18:28, 29) ብርግጽ: በዓል ኣይነበረን። ንሰባት ካብ የሆዋ ንምርሓቕ ተባሂሉ ብሰይጣን እተኣልመ ምህዞ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ: ብዘይካ ንየሆዋ: ንኻልእ ጐይታ ምምራጽ ናብ ጓህን ውርደትን እዩ ዚመርሓና።—መዝሙር 25:3፣ 115:4-8

ምላሽ

ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ: ኤልያስ ተራኡ በጽሐ። በቶም ጸላእቲ ንጹህ ኣምልኾ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ የሆዋ ሓደሶ። ምናልባት ንሓያሎ ኻብቶም ብ10 ነገድ ዝቘሙ ህዝቢ እስራኤል: እቲ ነቶም 12 ነገድ እተዋህበ ሕጊ ኺሕልዉ ግዴታ ኸም ዘለዎም ንምዝኽኻር ኢሉ እዩ ኪኸውን ዚኽእል 12 ኣእማን እተጠቕመ። ድሕሪዚ ነቲ መስዋእቱ ኣብኡ ኣንበሮ: ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ባሕሪ መዲተራነያን ረኺብዎ ኪኸውን ዚኽእል ማይ ኣፍሰሰሉ። እቲ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ እተዃዕተ ጕድጓድ እኳ ብማይ መልአ። ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ምትእምማን ንምርኣይ: ንነብያት በዓል ካብ ዝሃቦም ኵሉ ሓለፋታት ብኣንጻሩ: የሆዋ ዅሉ ሓለፋታት ከም ዘይረክብ ገበረ።—1 ነገስት 18:30-35

ኤልያስ ኵሉ ነገር ምስ ኣዳለወ ጸለየ። እቲ ብቕንዕናኡ ዚምስጥ ጸሎት: ኤልያስ ቀዳምነት ዚህቦ ነገር እንታይ ምዃኑ ብንጹር ሓበረ። ቅድም ቀዳድም: “ኣብ እስራኤል ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ደኣ እምበር: በዓል ከም ዘይኰነ ኺፍለጥ ደልዩ ነበረ። ካልኣይ: ኣገልጋሊ የሆዋ ምዃኑ: ከምኡውን ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ኪወሃብ ከም ዚግባእ ኵሉ ሰብ ኪፈልጥ ደልዩ ነበረ። ኣብ መወዳእታ: ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኸም ዚግደስ ኣርኣየ፣ ከመይሲ: የሆዋ ንህዝቡ ‘ንልቦም ኪመልሶ’ ኸሎ ኺርኢ ሃንቀው ኢሉ ነበረ። (1 ነገስት 18:36, 37) ብሰንኪ ጕድለት እምነቶም ሕማቕ ተግባራት እኳ እንተ ገበሩ: ኤልያስ ግን ይፈትዎም ነበረ። ንኣምላኽ ኣብ እነቕርቦ ጸሎት: ንስም ኣምላኽ ከምኡውን ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት ትሕትናን ድንጋጽን ብምርኣይ ተመሳሳሊ ኽንገብር ንኽእልዶ፧

ኤልያስ ቅድሚ ምጽላዩ: እቶም ህዝቢ: የሆዋ እውን ከም በዓል ናይ ሓሶት ዚኸውን እንተ ዀይኑ ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ እቲ ጸሎት ግን ዜተሓሳስብ ነገር ኣይነበረን። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወረደ: ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ዕጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ: ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሐሶ።” (1 ነገስት 18:38) ከመይ ዝበለ መስተንክር ምላሽ ኰን እዩ! እሞኸ እቶም ህዝቢ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

ኵሎም: “እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ: እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ” እናበሉ ጨደሩ። (1 ነገስት 18:39) ኣብ መወዳእታ እታ ሓቂ ረኣዩ። ይኹን እምበር: ገና እምነት ኣየርኣዩን። ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ነቲ ጸሎት ምላሽ ኪህብ ድሕሪ ምርኣይ: የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ምእማን: ዜደንቕ መርኣያ እምነት ከም ዘይኰነ ግልጺ እዩ። ስለዚ: ኤልያስ ብኻልእ መገዲ እምነቶም ንኼርእዩ ሓተቶም። ነቲ ቕድሚ ነዊሕ ዓመታት ኪገብርዎ ዝነበሮም ነገር: ማለት ሕጊ የሆዋ ኺሕልዉ ሓተቶም። ሕጊ ኣምላኽ እቶም ናይ ሓሶት ነብያትን መምለኽቲ ጣኦትን ኪቕተሉ ይእዝዝ ነበረ። (ዘዳግም 13:5-9) እዞም ካህናት በዓል ደይ መደይ ኢሎም ምስ ዕላማ የሆዋ ኣምላኽ ብምጽራሮም: ጸላእቱ እዮም ነይሮም። ምሕረት ዚግብኦም ድዮም ነይሮም፧ ነቶም ብህይወቶም ከለዉ ንበዓል መስዋእቲ ኪዀኑ ተባሂሎም ኣብ ሓዊ እተደርበዩ ኽፍኣት ዘይብሎም ቈልዑ መንዶ ምሕረት ገይሩሎም እዩ፧ (ምሳሌ 21:13፣ ኤርምያስ 19:5) እቶም ሰባት እቲኣቶም ምሕረት ዚግብኦም ኣይነበሩን። ስለዚ ኸኣ ኤልያስ ንኪቕተሉ ኣዘዘ እሞ ተቐትሉ።—1 ነገስት 18:40

ገሊኦም ዘመናውያን ሓያስያን: ንመደምደምታ እዚ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ እተገብረ ፈተና ይነቕፉ እዮም። ገሊኦም ሰባት: እቶም ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ቕንኣት ዘለዎም ሰባት: ነቲ ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት ዘይብሉ ናይ ዓመጽ ተግባራቶም ከም መመኽነይታ ኸይጥቀምሉ ይጭነቑ ይዀኑ። እቲ ዜሕዝን ከኣ: ሎሚ ብዙሓት ሕሱማት ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ሰባት ምህላዎም እዩ። እንተዀነ ግን: ኤልያስ ጥሩፍ ኣይነበረን። ከም ወኪል የሆዋ ዀይኑ እዩ ብፍትሓዊ መገዲ ዝቐተሎም። ኣብ ርእሲ እዚ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ልዕሊ እኩያት ሰይፊ ብምልዓል ንመገዲ ኤልያስ ኪስዕቡ ኸም ዘይክእሉ ይፈልጡ እዮም። እቲ መሲሕ ድሕሪ ምምጻኡ: ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ በተን: “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ: ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ” ዚብላ ክርስቶስ ንጴጥሮስ እተዛረበን ቃላት ኪምርሑ ኣለዎም። (ማቴዎስ 26:52) የሆዋ ብወዱ ገይሩ ኣብ መጻኢ ፍትሒ ኺፍጽም እዩ።

ሓላፍነት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብእምነት ምንባር እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ከምዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ሓደ መገዲ: ኣስኣሰር እቶም ከም ኤልያስ ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ብምስዓብ እዩ። ንሱ ንየሆዋ በይኑ ጥራይ ኣምላኸ: ካልኦት ከምኡ ኺገብሩ ድማ ኣተባብዐ። ሰይጣን ንሰባት ካብ የሆዋ ንምርሓቕ ዚጥቀመሉ ሃይማኖት: መታለሊ ምዃኑ ብትብዓት ኣቃልዐ። ኣብ ናይ ርእሱ ኽእለትን ፍቓድን ኣብ ክንዲ ዚምርኰስ ከኣ: ነቲ ጕዳይ መዕለቢ ኺገብረሉ ኣብ የሆዋ ተወከለ። ብርግጽ: ኤልያስ ንንጹህ ኣምልኾ ተሓሊቑ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ኣስኣሰር እምነቱ ንስዓብ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ ኤልያስ ኣብ መጀመርታ ምስ ኣከኣብ ዝነበሮ ርክብ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብታ ናይ 1 ሚያዝያ 1992 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ከም ናይ ኤልያስ ዝዓይነታ እምነት ኣላትካዶ፧” እትብል ዓንቀጽ ተወከስ።

b ቀርሜሎስ ካብቲ ኻብ ባሕሪ ተላዒሉ ብእኡ ኣቢሉ ዚሓልፍ ጠሊ ዘለዎ ንፋስ ብተደጋጋሚ ዝናምን ኣውልን ስለ ዚረክብ: መብዛሕትኡ ግዜ ልሙዕን ሓምላይን እዩ። በዓል: ዝናም ከም ዜምጽእ ጌርካ ይእመነሉ ስለ ዝነበረ: እዚ ኸረን ንኣምልኾ በዓል ኣገዳሲ ስፍራ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ቀርሜሎስ ምድሪ ኣጻምእን ደረቕን ምዃኑ: ኣምልኾ በዓል መታለሊ ምዃኑ ንምቅላዕ ዚሰማማዕ ቦታ እዩ።

c ኤልያስ ነቲ መስዋእቲ “ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ” በሎም። ሓድሓደ ምሁራት ከም ዚብልዎ ገሊኦም መምለኽቲ ጣኦት ኣብ ትሕቲ እቲ መሰውኢ ኣብ ዚርከብ ስዉር ክፉት ቦታ ሓዊ ይገብሩሉን በዚ ኸምዚ ኸኣ ልዕለ-ባህርያዊ ደገፍ ከም ዘለዎም የምስሉን ነበሩ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብዘይካ ንየሆዋ: ንኻልእ ጐይታ ምምራጽ ናብ ጓሂ ይመርሕ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

‘የሆዋ ንሱ እዩ ናይ ሓቂ ኣምላኽ!’