ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍልቀት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይቃዶ ድዩ፧

ፍልቀት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይቃዶ ድዩ፧

ፍልቀት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይቃዶ ድዩ፧

ኣምላኽ ንሰባት ካብ እንስሳታት ንምፍጣር ፍልቀት ተጠቒሙ ድዩ፧ ባክተርያ እናማዕበለ ብምኻድ ፈለማ ዓሳ: ድሕሪኡ ለመምትን መጥበውትን እንስሳታት: ቀጺሉ ህበይ: ኣብ መወዳእታ ድማ ሰብ ከም ዚኸውን ገይሩ ድዩ፧ ገሊኦም ተመራመርትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ከም ዚኣምኑ ይዛረቡ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኦሪት ዘፍጥረት ምሳልያዊት እያ ኢሎም ከኣ ይዛረቡ። ምናልባት ንስኻ እውን: ‘እቲ ሰብ ካብ እንስሳታት እዩ መጺኡ ዚብል ክልሰ-ሓሳብ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይቃዶ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

መንነትና: ናበይ ንኸይድ ከም ዘለና: ከምኡውን ብኸመይ ክንነብር ከም ዘሎና ንኽንርዳእ: መበቆልና ምፍላጥና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። መበቈል ወዲ ሰብ ምስ እንፈልጥ ጥራይ ኢና ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደሉ ምኽንያትን መጻኢ ደቂ ሰብን ክንፈልጥ እንኽእል። ኣምላኽ ፈጣሪና ምዃኑ ርግጸኛታት እንተ ዘይኴንና: ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መበቈል ወዲ ሰብን ህሉው ኵነታቱን መጻእን ዚብሎ እስከ ንመርምር። ብድሕሪኡ: ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይቃዶ እንተ ዀይኑ ኽንርኢ ኢና።

ሓደ ሰብኣይ ዝነበረሉ እዋን

እቶም ኣብ ፍልቀት ዚኣምኑ ሰባት: ካብ ሓደ ሰብኣይ ከም ዝመጻእና ብምኽሓድ: ብዙሓት እንስሳታት ቀስ ብቐስ እናማዕበሉ ሰብ ከም ዝዀኑ ይገልጹ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ እተፈልየ ጸብጻብ እዩ ዚህብ። ካብ ሓደ ኣዳም ዚበሃል ሰብኣይ ከም ዝመጻእና እዩ ዚገልጽ። ንኣዳም ድማ ናይ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ሰብ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። ንስም ሰበይቱን ደቁን ይጠቅስ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮን እተዛረቦን ነገራት: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዚነብረሉ ዝነበረን ዝሞተሉን እዋን ይነግረና። የሱስ ነዚ ጸብጻብ እዚ: ንዘይተማህሩ ሰባት ከም እተጻሕፈ ዛንታ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእዮ ነይሩ። ነቶም ምሁራት መራሕቲ ሃይማኖት ኪዛረቦም ከሎ: “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም” በሎም። (ማቴዎስ 19:3-5) ብድሕሪኡ: ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 2:24 ዘሎ ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ዚገልጽ ሓሳብ ጠቐሰ።

እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን ጥንቁቕ ጸሓፍ ታሪኽን ዝነበረ ሉቃስ: ኣዳም ልክዕ ከም የሱስ ብሓቂ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ሓበረ። ነቲ ኽሳዕ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዚበጽሕ መስመር ወለዶ የሱስ ድማ ጠቐሰ። (ሉቃስ 3:23-38) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብቲ ህቡብ ኣብያተ-ትምህርቲ ግሪኽ እተማህሩ ፈላስፋታት ኪዛረብ ከሎ: “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ: . . . ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:24-26) እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ “ሓደ ሰብ” ከም ዝመጻእና እዩ ብንጹር ዚምህር። እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ናይ መጀመርታ ዅነታት ሰብ ዚብሎ ነገራት ምስ ፍልቀት ይቃዶ ድዩ፧

ሰብ ካብ ፍጽምና ረሓቐ

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ፍጹም ገይሩ ፈጠሮ። ኣምላኽ ፍጹም ዘይኰነ ነገር ኪገብር ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ: “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። . . . ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ይብል። (ዘፍጥረት 1:27, 31) ፍጹም ሰብ ከመይ ዝበለ እዩ፧

ፍጹም ዝዀነ ሰብ: ናይ ምምራጽ ናጽነትን ንባህርያት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምንጽብራቕ ክእለትን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ: ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ” ይብል። (መክብብ 7:29) ኣዳም ካብ ኣምላኽ ኪዓሉ መረጸ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: እቲ ንዕኡን ንዘርኡን ዚኸውን ፍጽምና ኣጥፍኦ። ጽቡቕ ክንገብር እናደለና ኽነስና ዘይንገብረሉ ምኽንያት: ዘይፍጽምና ስለ ዘሎና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 7:15

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ ፍጹም ሰብ ምሉእ ጥዕና ሒዙ ንዘለኣለም ኪነብር ምኸኣለ። ኣዳም ንኣምላኽ እንተ ዚእዘዝ ነይሩ: ከቶ ኸም ዘይመውት ካብቲ ኣምላኽ ንኣዳም ዝበሎ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:22, 23) ኣዳም ከም ዚሓምም ወይ ከም ዚዓሉ ዀይኑ እንተ ዚፍጠር ነይሩ: የሆዋ ነዚ ሰብ እዚ ኺፈጥሮ ኸሎ “ብዙሕ ጽቡቕ” ከም ዝዀነ ኣይምተዛረበን። ካብ ፍጽምና ምርሓቅና: ኣካል ወዲ ሰብ ብዜደንቕ መገዲ እኳ እንተ ተነድፈ: ንጕድለትን ሕማምን እተቓልዐ ዝዀነሉ ምኽንያት ይሕብር። ስለዚ: ፍልቀት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይቃዶን እዩ። ፍልቀት ንዘመናዊ ሰብ ከም ዚመሓየሽ ዘሎ እንስሳ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ኻብ ሓደ ፍጹም ዝነበረ ሰብኣይ ዝመጸ ዘርኢ ገይሩ እዩ ዚገልጾ።

እቲ ኣምላኽ ንሰብ ንምፍጣር ፍልቀት ተጠቒሙ ዚብል ሓሳብ: ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ዚገልጾ ነገራት ኣይቃዶን እዩ። ኣምላኽ ንፍልቀት እንተ ተጠቒሙ: ንሰባት ናብዚ ሕጂ ዘለውዎ ጸገምን ጓህን መሪሕዎም ማለት እዩ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ: “ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ: እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ: ዓመጽ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ: ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ። ንሳቶም ተባላሸውዎ: ደቁ ኣይኰኑን: ነውራማት እዮም” ይብል። (ዘዳግም 32:4, 5) ስለዚ: እዚ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዚወርድ ዘሎ መከራ: ኣምላኽ ንፍልቀት ስለ እተጠቕመ ዝመጸ ኣይኰነን። የግዳስ: ሓደ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ብሰንኪ ምዕላዉ ነቲ ንዕኡን ንዘርኡን ዚኸውን ፍጽምና ስለ ዘጥፍአ እዩ። ኣቐድም ኣቢልና ብዛዕባ ኣዳም ርኢና ኔርና: ሕጂ ድማ ብዛዕባ የሱስ እስከ ንርአ። ፍልቀት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዚብሎ ይቃዶ እዩ፧

ኣብ ፍልቀትን ኣብ ክርስትናን ክትኣምን ትኽእልዶ፧

“ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ።” እዚ ሓደ ኻብቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ምዃኑ ትፈልጥ ትኸውን። (1 ቈረንቶስ 15:3፣ 1 ጴጥሮስ 3:18) ፍልቀት ምስዚ ሓሳብ እዚ ኸም ዘይቃዶ ንምርኣይ: ፈለማ: ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጢኣተኛታት ኢሉ ኸም ዚጽውዓናን ሓጢኣት እንታይ ሳዕቤን ከም ዘውረደልናን ክንርዳእ ኣሎና።

ኵልና ሓጢኣተኛታት: ማለት ነቲ ኸም እኒ ፍቅርን ፍትሕን ዝኣመሰለ ኽቡር ባህርያት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንቀድሖ ዘይንኽእል ሰባት ኢና። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ: “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ዚብል። (ሮሜ 3:23) መጽሓፍ ቅዱስ: ሓጢኣት ሞት ከም ዜምጽእ ይገልጽ እዩ። ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:56: “ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ” ዚብል ሓሳብ ንረክብ። እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት: ሕማም የስዕበልና እዩ። የሱስ እውን እንተ ዀነ: ንሕማም ምስቲ ሓጥእ ኵነታትና ኣተሓሓዞ። ንሓደ ልሙስ: “ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ” በሎ: ብድሕሪኡ እቲ ሰብኣይ ካብቲ ሕማሙ ሓወየ።—ማቴዎስ 9:2-7

ሞት የሱስ ንዓና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መንጎ ኣዳምን የሱስ ክርስቶስን ዘሎ ፍልልይ ኪገልጽ ከሎ: “ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ: ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:22) የሱስ ህይወቱ ብምሃብ: ዋጋ እቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ከፈሎ። ስለዚ: ኵሎም እቶም ኣብ የሱስ እምነት ዜርእዩን ዚእዘዝዎን ሰባት: ነቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 6:23

እሞኸ ፍልቀት ምስ ክርስትና ኸም ዘይቃዶ ርኢኻዶ፧ ‘ኵላቶም ብኣዳም ከም ዝሞቱ’ ንጠራጠር እንተ ዄንና: ከመይ ጌርና ኢና እሞ ‘ዅላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ከም ዚዀኑ’ ተስፋ ኽንገብር እንኽእል፧

ፍልቀት ንሰባት ዚስሕበሉ ምኽንያት

መጽሓፍ ቅዱስ: ከም ፍልቀት ዝኣመሰለ ትምህርትታት ብኸመይ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ይገልጽ እዩ። ከምዚ ይብል:- “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ: ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ: ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4) መብዛሕትኡ እዋን ፍልቀት ስነ-ፍልጠታዊ ቛንቋ እኳ እንተ ተጠቕመ: ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግን ሃይማኖታዊ ሰረተ-እምነት እዩ። ብዛዕባ ህይወት ዚገልጽ ፍልስፍናን ንኣምላኽ ኪህልወና ብዛዕባ ዘለዎ ኣረኣእያን እዩ ዚምህር። እዚ ድማ ነቲ ደቂ ሰብ ዘለዎም ስሱዕን ብርእስኻ ናይ ምኻድን ዝንባለ ዚስሕብ እዩ። ብዙሓት ኣብ ፍልቀት ዚኣምኑ ሰባት: ኣብ ኣምላኽ እውን ከም ዚኣምኑ ይዛረቡ እዮም። ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ከም ፈጣሪ: ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ከም ዚኣቱ: ከምኡውን ንሰባት ከም ዚፈርድ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። እዚ ኸኣ ንኣእዛን ሰባት ዜሳሒ ወይ ባህ ዜብል እምነት እዩ።

መምህራን ፍልቀት ኣብ ሓቅታት ተመስሪቶም ዘይኰነስ: “ብትምኒት ርእሶም” ተደሪኾም: ማለት ኣብቲ ፍልቀት ልሙድ ዝዀነሉ ማሕበረሰብ ተመራመርቲ ተቐባልነት ኪረኽቡ ስለ ዚደልዩ እዮም ነዚ ኽልሰ-ሓሳብ እዚ ዚቕበልዎ። ነቲ እተሓላለኸ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ህያዋን ዋህዮታት ንነዊሕ እዋን ዘጽንዐ ፕሮፌሰር ባዮከሚስትሪ ሚካኤል በሀ: እቶም ብዛዕባ ፍልቀት መዋቕር ዋህዮ ዚምህሩ ሰባት ዋላ ሓንቲ መሰረት ከም ዘይብሎም ገለጸ። ኣብዛ ደቃቕን ሞለክዩላዊትን ዋህዮ ፍልቀታዊ ለውጢ ኼጋጥም ይኽእልዶ፧ እቲ ፕሮፌሰር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሞለክዩላዊ ፍልቀት ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ ሓበሬታ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ሞለክዩላዊ ፍልቀት እቲ ጭቡጥን ሕልኽላኽን ባዮኬሚካዊ ስርዓት ብኸመይ ከም እተኸስተን ብኸመይ ኪኽሰት ከም ዚኽእልን ዚገልጽ ስነ-ፍልጠታዊ ጽሑፋት: ማለት ኣኽቢርካ ዚርአ መጽሔታት: ሞያዊ መጽሔታት: ወይ መጻሕፍቲ የለን። . . . ዳርዊናዊ ሞለክዩላዊ ፍልቀት ዚህብዎ ሓሳብ: ታህዲድ እዩ።”

እቶም ንፍልቀት ዚጣበቑሉ ሰባት መርትዖ ዘይብሎም ክነሶም: ኣፎም መሊኦም ዚዛረቡ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዮም፧ በሀ: “ብዙሓት ሰባት: እንተላይ ኣገደስትን ሕፉራትን ተመራመርቲ: ልዕለ-ባህርያዊ ሓይሊ ኸም ዘሎ ኪቕበሉ ኣይደልዩን እዮም” በለ።

ሰረተ-እምነት ፍልቀት: ነቶም ጥበበኛታት መሲሎም ኪረኣዩ ዚደልዩ ኣቕሽሽቲ እውን ይስሕቦም እዩ። ምስቶም ኣብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝለኣኸሎም መልእኽቲ ተገሊጾም ዘለዉ ሰባት ይመሳሰሉ እዮም። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ: ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ: እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ: እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ: ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ: እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ።” (ሮሜ 1:19-22) ብኸመይ ኢኻ ኻብቲ ናይ ሓሶት መምህራን ዚምህርዎ መታለሊ ትምህርቲ ኸተምልጥ እትኽእል፧

ኣብ መርትዖ ተመርኲስካ ንፈጣሪ ምእማን

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትርጕም እምነት ኪዛረብ ከሎ: ንኣገዳስነት መርትዖ የጕልሖ እዩ። “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” ይብል። (እብራውያን 11:1) ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ናይ ሓቂ እምነት: ኣብቲ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚገልጽ መርትዖ ምርዳእ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነዚ መርትዖ እዚ ኣበይ ክትረኽቦ ኸም እትኽእል ይገልጽ።

እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዳዊት ብመንፈስ ተደሪኹ: “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 139:14) ብዛዕባ ንድፊ ኣካላትናን ካልእ ህያው ነገራትን ምስትንታንና: ንጥበብ ፈጣሪና ብምርኣይ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከም ዚሓድረና እዩ ዚገብር። እቲ ብህይወት ከም እንቕጽል ዚገብረና ብኣሽሓት ዚቝጸር ስርዓታት: ብጥንቃቐ እዩ ተነዲፉ። እቲ ግኡዝ ዩኒቨርስ እውን ልክዕነትን ስርዓትን ሓልዩ ኸም ዚኸይድ ዚሕብር መርትዖ ኣሎ። ዳዊት: “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 19:1

መጽሓፍ ቅዱስ ንባዕሉ እውን ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ብዙሕ መርትዖ ሒዙ ኣሎ። ነቲ ኣብ መንጎ እተን 66 መጻሕፍቲ ዘሎ ስኒት: እቲ ዚህቦ ስነ-ምግባራዊ መለክዒታት ዘለዎ ብልጫ: ከምኡውን ነቲ ምሉእ ብምሉእ እተፈጸመ ትንቢታት ብምምርማር: ደራሲ እዚ መጽሓፍ እዚ ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብር ብዙሕ መርትዖ ኽትረክብ ኢኻ። ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምርዳእካ: ብሓቂ ቓል ፈጣሪ ምዃኑ ኸም እትተኣማመን ኪገብረካ እዩ። ንኣብነት: ነቲ ኸም ጠንቂ መከራ: መንግስቲ ኣምላኽ: መጻኢ ደቂ ሰብ: ከምኡውን ምንጪ ሓጐስ ዝኣመሰለ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተረዳእካዮ: ንጥበብ ኣምላኽ ዜርኢ መርትዖ ኽትርዳእ ኢኻ። ልክዕ ከምቲ “ወዳጄ: መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን: ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ” ኢሉ ዝጸሓፈ ጳውሎስ ኪስምዓካ እዩ።—ሮሜ 11:33

ነቲ መርትዖታት ብምምርማር እምነትካ ምስ ዓበየት: መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ንፈጣሪ ትሰምዖ ኸም ዘለኻ ርግጸኛ ኽትከውን ኢኻ። ኣምላኽ: “ንምድሪ ዝገበርኩ: ኣብኣ ዘሎ ሰብ ከኣ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ: ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን: ንዅሎም ሰራዊቶምውን አዘዝኩ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 45:12) ብርግጽ ድማ ነቲ የሆዋ ፈጣሪ ዅሉ ነገራት ምዃኑ ንምርግጋጽ እትገብሮ ጻዕሪ ኣይክትጠዓሰሉን ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ምሁራት ግሪኻውያን: “ኣምላኽ . . . ኻብ ሓደ ሰብ . . . ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ” በሎም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ፍልቀት ንዘመናዊ ሰብ ከም እተመሓየሸ እንስሳ ገይሩ እዩ ዜቕርቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብ ሓደ ፍጹም ሰብኣይ ከም ዝመጸ ገይሩ እዩ ዚገልጾ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

“ሞለክዩላዊ ፍልቀት ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ ሓበሬታ እተመርኰሰ ኣይኰነን”

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዜደንቕ ንድፊ ህያዋን ነገራት: ነቲ ገባሪና ዘለዎ ጥበብ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከም ዚህልወና ይገብር