ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካበይ ኢና መጺእና፧

ካበይ ኢና መጺእና፧

ካበይ ኢና መጺእና፧

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብዙሓት ሰባት: ህይወት ብኣጋጣሚ እዩ መጺኡ ዚብል ትምህርቲ እዮም ተማሂሮም። ደቂ ሰብ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ክእለት ሒዞም ኪነብሩ ዝኸኣሉ: በቲ ዜጠራጥርን ናይ ኣጋጣምን ፍጻመታት ፍልቀት ስለ ዝሓለፉ እዮም ተባሂሉ እዩ ተነጊርዎም።

ኰይኑ ግን: ሕስብ እሞ ኣብሎ። ካብ ፍልቀት ዝመጻእናን ኣምላኽ ዘየሎን እንተ ዚኸውን ነይሩ: ዘኽታማት ምዀንና ኔርና። ከመይሲ: ብሉጽ ጥበብ ደሊና ኸነማኽሮ እንኽእል ወይ ከኣ ጸገማትና ንምፍታሕ ኪሕግዘና ዚኽእል ኣካል ኣይምሃለወን ነይሩ። ኣከባብያዊ ዕንወት ንምውጋድ: ፖለቲካዊ ፍልልይ ንምፍታሕ: ከምኡውን ንብሕታዊ ጸገማትና ዚምልከት መምርሒ ንምርካብ ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ምተመርኰስና ኔርና።

እሞኸ እዚ ኣረኣእያ እዚ ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም የምጽእዶ፧ ዘየምጽእ እንተ ዀይኑ: ካልእ ኣማራጺ ኸተናዲ ኣሎካ። ከምዚ ምግባርካ ድማ ማራኺ ጥራይ ዘይኰነስ: ግቡእ እውን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንደቂ ሰብ ዝፈጠሮም ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዚምህር። ካብቲ ሓልዮት ኰነ ሓሳብ ዘየንጸባርቕ ፍልቀት ኣይኰንናን መጺእና። ኣብ ክንዳኡስ: ደቂ እቲ ፈቃርን ኣስተውዓልን ኣቦ ኢና። ነዚ ስዒቡ ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳብ እስከ ርአ።

ዘፍጥረት 1:27 “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።”

መዝሙር 139:14 “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ: ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።”

ማቴዎስ 19:4-6 “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ: ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ: ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር: ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ።”

ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25 “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ: ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ: ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ። ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ እዩ: ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ።”

ራእይ 4:11 “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መልሲ ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧

‘ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብ ኣምላኽ ዚስመ’ ምዃኑ ምፍላጥና: ነቲ ንኻልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ይቕይሮ እዩ። (ኤፌሶን 3:15) ከምዚ ዝበለ ፍልጠት: ነቲ ንርእስናን ንጸገማትናን ዘሎና ኣረኣእያ እውን ይጸልዎ እዩ። ኣተሓሳስባና ኺጽሎ ዚኽእለሉ መገድታት እስከ ንርአ።

ውሳነ ዜድልዮ ጕዳይ ኬጋጥመና ኸሎ: በቲ ሰባት ዚህብዎ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ርእይቶ ኣይንጭነቕን። የግዳስ: ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽሪ ኢና ብተኣማንነት እንውከል። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ሓቂ እዩ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጻዕርን ርእስኻ ምግሳጽን ይሓትት እዩ። ከመይሲ: ሓድሓደ ግዜ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መምርሒ ምስ ዝንባለና ዘይቃዶ ነገር ክንገብር ዚሓትት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 8:21) ብሓደ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦ ኸም እተፈጠርና ኣሚንና እንተ ተቐቢልናዮ ግን: ንሱ ንዓና ዚጠቅም ዝበለጸ መገዲ ኸም ዚፈልጥ ንምድምዳም ቀሊል ይዀነልና እዩ። (ኢሳይያስ 55:9) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ቃል ኣምላኽ: “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዚብል መረጋገጺ ዚህበና። (ምሳሌ 3:5, 6) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ: ነቲ በዳሂ ዝዀነ ነገራትን ውሳነ ዜድልዮ ጕዳይን ኬጋጥመና ኸሎ ዚስምዓና ጭንቀት ኬወግዶ እዩ።

ዘይፍትሓዊ ተግባር ኬጋጥመና ኸሎ: ካብቶም እተፈልየ ዓሌት ወይ ባህሊ ዘለዎም ሰባት ዝተሓትና ኸም ዝዀንና ጌርና ብምሕሳብ: ብናይ ትሑትነት ስምዒት ኣይንድቈስን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ: ንገዛእ ርእስና ግቡእ ኣኽብሮት ይህልወና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ [የልቦን]።”—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ነዚ ምፍላጥና: እቲ ብዛዕባ ኻልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ብሰንኪ ጽልኢ ንኸይበላሾ ይሕግዘና። ኣምላኽ “ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ [ካብ] ፈጠረ:” ዓሌትና ኻብ ካልእ ኪበልጸሉ ዚኽእል ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከም ዘየለ ንርዳእ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:26

ብሓቂ እምበኣር: ከም እተፈጠርናን ፈጣሪና ድማ ከም ዚሓልየልናን ምፍላጥና: መሰረት ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም እዩ። ነቲ ዘሎና ውሽጣዊ ሰላም ዓቂብና ንኽንቅጽል ግን ካልእ ነገር እውን የድልየና እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ደቂ ሰብ ካብ ፍልቀት ድዮም መጺኦም፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ፈጣሪና ኸም ዚሓልየልና ምፍላጥና: ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም የምጽኣልና