ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ኻብ ደቂ ኣምላኽ ምዃን

ሓደ ኻብ ደቂ ኣምላኽ ምዃን

ሓደ ኻብ ደቂ ኣምላኽ ምዃን

ካብቲ ውግእ ኮርያ እተገብረሉ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ: መደበር ፈነወ ኮርያ ነቶም እቲ ውግእ ካብ እተጀመረሉ ኣትሒዙ ተጠፋፊኦም ዝነበሩ ኣባላት ስድራ ቤት ኣበይ ከም ዚርከቡ ንምሕባር ዚሕግዝ ሓደ መደብ ኣዳለወ። እንታይ ውጽኢትከ ተረኽበሉ፧ ልዕሊ 11,000 ዝዀኑ ሰባት ምስቶም ዜፍቅርዎም እንደገና ኺራኸቡ ኸለዉ ብታሕጓስ ተሓቛቊፎምን ነቢዖምን በኽዮምን እዮም። እታ ኮርያ ታይምስ እትበሃል መጽሔት: “ህዝቢ ኮርያ ኣብ ታሪኾም ካብ ታሕጓስ እተላዕለ ኸምዚ ገይሮም ዝርንዝሕ ነቢዖም ኣይፈልጡን” ኢላ ጸብጸበት።

ኣብ ብራዚል: ሴዛር ሕጻን ከሎ ኸም ክፍሊት እቲ ወለዱ ዝነበሮም ዕዳ ጌርካ ንኻልእ ተመሓላለፈ። ድሕሪኡ ዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: ነታ ናይ ሓቂ ኣዲኡ ብምርካቡ ነቶም ዘዕበይዎ ሃብታማት ወለዱ ሓዲጉ ምስ ኣዲኡ ኺነብር ብምብቃዑ ኣዝዩ ተሓጐሰ።

ኣባላት ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ተጠፋፊኦምን ተፈላልዮምን ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ተራኸቡ: ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዚስምዖም! መጽሓፍ ቅዱስ ደቂ ሰብ ብኸመይ ብዜሕዝን መገዲ ኻብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ተፈልዮም ምንባሮም ይገልጽ። ብተወሳኺ: ሕጂ ብኸመይ ብታሕጓስ ሓድነት ይፈጥሩ ምህላዎም እውን ይነግረና። እዚ ኸመይ ኢሉ ዀይኑ፧ ካብዚ ሓጐስ እዚ ብኸመይ ክትካፈል ትኽእል፧

ኣብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ምፍልላይ ዘጋጠመ ብኸመይ እዩ፧

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣመልኪቱ: “ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ” በለ። (መዝሙር 36:9) የሆዋ ኣቦ እቶም ሓንቲ ዓባይ ስድራ ቤት ዘቘሙ እሙናት መስተውዓልቲ ፍጡራት እዩ። እዛ ስድራ ቤት እዚኣ ነቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መንፈሳውያን ደቂ ዝዀኑ መላእኽትን ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ምድራውያን ደቂ ዝዀኑ ደቂ ሰብን ትሓቍፍ።

ኣብታ ኣቐዲማ ተጠቒሳ ዘላ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: እቲ ቐዳማይ ሰብኣዊ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ኣዳም ምስ ዓለወ: ደቂ ሰብ ብዜሕዝን መገዲ ኻብቲ ፈቃር ኣቦኦምን ፈጣሪኦም ተፈልዩ። (ሉቃስ 3:38) እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ: ኣዳም በቲ ዕልወቱ ኣቢሉ ንርእሱን ነቶም ገና ዘይተወልዱ ዘርኡን ደቂ ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪ ስለ ዘጥፍአ እዩ። ኣምላኽ ብሙሴ ኣገልጋሊኡ ኣቢሉ: “ንሳቶም ተባላሸውዎ: ደቁ [ደቂ ኣምላኽ] ኣይኰኑን: ነውራማት እዮም” ብምባል ሳዕቤን እቲ ዜጋጠመ ነገር ገለጸ። እዚ ‘ነውሪ’ ወይ ሓጥእ ዝንባለ እዚ ንደቂ ሰብ ካብቲ ቕዱስን ብዅሉ መገዱ ፍጹምን ዝዀነ ኣምላኽ ኣርሓቖም። (ዘዳግም 32:4, 5፣ ኢሳይያስ 6:3) ብኻልእ ኣዘራርባ ወዲ ሰብ ጠፍአ: ብዘይ ኣቦ ኸኣ ተረፈ።—ኤፌሶን 2:12

መጽሓፍ ቅዱስ ወዲ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ካብ ኣምላኽ ከም እተፈልየ ንምጕላሕ: ነቶም ካብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ወጻኢ ዘለዉ “ጸላእቲ” ኢሉ ይጠቕሶም። (ሮሜ 5:8, 10) ወዲ ሰብ ካብ ኣምላኽ ብምርሓቑ: ኣብ ትሕቲ እቲ ጭካነ ዝመልኦ ኣገዛዝኣ ሰይጣንን ቀታሊ ሳዕቤን እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ወዲቑ ይርከብ። (ሮሜ 5:12፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ሓጥኣን ሰባት ክፍሊ ስድራ ቤት ኣምላኽ ኪዀኑ ይኽእሉዶ፧ ዘይፍጹማት ፍጡራት ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምሕጣኦም ዝነበርዎ ምሉእ ብምሉእ ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ ይኽእሉዶ፧

ነቶም ካብ ኣምላኽ እተፈልዩ ደቂ ምእካብ

የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንጥቕሚ እቶም ዜፍቅርዎ ዘይፍጹማት ሰባት መሰናድዎ ገበረ። (1 ቈረንቶስ 2:9) ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዐርቃ ኸሎ: ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ: በደሎም ኣይሐዘሎምን” ብምባል ይገልጽ። (2 ቈረንቶስ 5:19) ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: የሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ሓጢኣትና ኢሉ ንየሱስ ክርስቶስ በጃ ገይሩ ኣቕረቦ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) ሃዋርያ ዮሃንስ: “ርአዩ: ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል: እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና” ኢሉ ብኣድንቖት ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 3:1) በዚ ኸምዚ ድማ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ክፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኸም ብሓድሽ ተኸፍተሎም።

ኵሎም እቶም ኣብ ስድራ ቤት ኣምላኽ እተኣኻኸቡ ሰባት: ኣብ ትሕቲ ኽንክን እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዜደንቕ ሓድነት ዚረኽቡ እኳ እንተ ዀኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ክልተ ጕጅለ ተኣኪቦም ምህላዎም ከም ዚገልጽ ግን ኣስተብህል። ከምዚ ዚብል ነንብብ: “ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ [ስምረት ኣምላኽ] :. . . ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ: ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ: ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።” (ኤፌሶን 1:9, 10) ኣምላኽ ነዚ ነገር እዚ ኸምኡ ገይሩ ዜመሓደሮ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ የሆዋ ንደቁ ኣብ ክልተ ጕጅለ ኪዀኑ ዝገበሮ መሰናድዎ: ንስኒት ስድራ ቤቱ ኣበርክቶ ኣለዎ። ስለምንታይ ከምዚ ኸም ዝገበረ ንምርዳኡ ዜጸግም ኣይኰነን። ስድራ ቤት ኣምላኽ ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ምስ ሓደ ህዝቢ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ህዝቢ መንግስቲ ንምቛም ዚምረጹ ሒደት እዮም: በዚ ኸምዚ ድማ እቶም ዝተረፉ ብሕግን ስርዓትን ይምርሑ። ልክዕ እዩ: ዋላ ሓደ ብደቂ ሰብ ዝቘመ መንግስቲ ናይ ሓቂ ሰላም ኣየምጽአን: ኣምላኽ ግን ንስድራ ቤቱ ፍጽምቲ መንግስቲ ኣዳልዩ ኣሎ። እቶም ቀዳሞት ጕጅለ: ማለት “ኣብ ሰማይ ዘሎ” ተባሂሎም ዘለዉ ደቂ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸለዉ: ኣብ ሰማይ መንግስቲ ንኬቝሙ የሆዋ ዝመረጾም እዮም። ኣብኡ ዀይኖም: “ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም”—ራእይ 5:10

ደቂ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ

የሆዋ ነቶም “ኣብ ምድሪ ዘሎ” ተባሂሎም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ኣብ መወዳእታ ምድራውያን ደቁ ኪዀኑ ኢሉ ኻብ መላእ ምድሪ ይእክቦም ኣሎ። ዋላ እኳ ኻብ ብዙሓት ህዝብታት ዚመጹ እንተ ዀኑ: ሕያዋይ ኣቦ ኸም ምዃኑ መጠን: ነቲ ፍቕራዊ መገዱ ይምህሮም: ብስኒት ድማ ሓደ ይዀኑ። ዓመጸኛታት: ስሱዓት: ስነ-ምግባር ዚጐደሎም: ከምኡውን ንኣምላኽ ዘይእዘዙ ሰባት ከይተረፉ ‘ምስ ኣምላኽ ኪዕረቑ’ ተዓዲሞም ኣለዉ።—2 ቈረንቶስ 5:20

እቶም ምስ ኣምላኽ ተዓሪቖም ደቁ ንኪዀኑ ዝቐረበሎም ዕድመ ዝነጸጉኸ፧ የሆዋ ኣብ ስድራ ቤቱ ሰላምን ስኒትን ንኼረጋግጽ: ኣብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ዘየዳግም ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። ሓደ እዋን “መዓልቲ ፍርድን . . . ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን” ኪመጽእ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:7) ኣምላኽ ንምድሪ ኻብ ዓለወኛታት ኬጽርያ እዩ። ነቶም ዚእዘዙስ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ዀን እዩ ኼምጽኣሎም!—መዝሙር 37:10, 11

ድሕሪኡ ንሓደ ሽሕ ዓመት ሰላም ኪህሉ እዩ: ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ንፍቕሪ ኣምላኽ ምላሽ ዚህቡ ቐስ ብቐስ ናብቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ምዉታት እውን ከይተረፉ ኺትንስኡ እዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ራእይ 20:6፣ 21:3, 4) በዚ ኸምዚ ኣምላኽ: “እቲ [ሰብኣዊ] ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ” ንዚብል መብጽዓ ኺፍጽሞ እዩ።—ሮሜ 8:21

ምስ ኣቦኻ ምሕባር

እቶም ኣብ መጀመርታ እዚ ዓንቀጽ እዚ እተጠቕሱ ሴዛርን እቶም ኣሽሓት ኮርያውያንን ምስ ስድራ ቤቶም እንደገና ምእንቲ ኺሓበሩ ስጕምቲ ኺወስዱ ነበሮም። ህዝቢ ኮርያ ምስቲ እተገብረ መደብ ኪተሓባበሩ ነበሮም: ሴዛር እውን ነቶም ዘዕበይዎ ወለዱ ኺሓድጎም ነበሮ። ብተመሳሳሊ: ንስኻ እውን ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትዕረቕ: ከምኡውን ክፍሊ ስድራ ቤቱ ምእንቲ ኽትከውን ቈራጽ ስጕምቲ ኽትወስድ የድልየካ ይኸውን። እንታይ ደኣ እሞ ኽትገብር ኣሎካ፧

ንኣምላኽ ከም ኣቦኻ መጠን ምእንቲ ኽትቀርቦን ኣብኡን ኣብ መብጸዓታቱን ድልዱል እምነት ምእንቲ ኸተሕድርን ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ኣሎካ። ከምዚ እንተ ጌርካ: እቲ ኣምላኽ ንኽትገብሮ ዝነግረካ ንጥቕምኻ ምዃኑ ኽትኣምን ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት: “ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧” ስለ ዚብሎም: ነቲ ኣምላኽ ዚህቦ መአረምታን ተግሳጽን ክትቅበሎ ኼድልየካ እዩ።—እብራውያን 12:7

ከምዚ ዝበለ ስጕምቲ ምውሳድ ኣነባብራኻ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚቕየር ይገብሮ። መጽሓፍ ቅዱስ: “በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ: እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ይብል። (ኤፌሶን 4:23, 24) ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ከም እዙዛት ውሉድ እምበር: ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ስዓብ።—1 ጴጥሮስ 1:14

ነታ ናይ ሓቂ ስድራ ቤትካ ምርካብ

ሴዛር ንኣዲኡ ምስ ረኸባ: ሓውን ሓብትን ከም ዘለውዎ ፈለጠ እሞ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ብተመሳሳሊ: ናብቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ምስ እትቐርብ: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኪህልዉኻ እዮም። ምስኦም ምስ ተቐራረብካ: ካብቶም ብስጋ ኣባላት ስድራ ቤትካ ንላዕሊ ዚቐርቡኻ ዀይኑ ኺስመዓካ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 28:14, 15፣ እብራውያን 10:24, 25

እምበኣር ምስቶም ናይ ሓቂ ኣቦኻን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ንኽትሓብር እቲ ዕድመ ቐሪቡልካ ኣሎ። እቲ እትረኽቦ ሓጐስ ድማ ከምቲ ሴዛርን እቶም ኣብ ኮርያ ዝነበሩ ኣሽሓትን ምስ ስድራ ቤቶም እንደገና ምስ ተራኸቡ ዝረኸብዎ ሓጐስ ዓብዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሴዛር ወዲ 19 ዓመት ከሎ ምስ ኣዲኡ እተሳእሎ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንኣምላኽ ንኽትቀርቦ ስጕምቲ ውሰድ