ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መላሲ ህይወት ሉቃስ 7:11-15

መላሲ ህይወት ሉቃስ 7:11-15

ንኣምላኽ ቅረቦ

መላሲ ህይወት

ሉቃስ 7:11-15

እተፍቅሮ ሰብ ሞይቱካዶ፧ ሞይቱካ እንተ ደኣ ዀይኑ: ኣብ ህይወትካ እቲ ዝኸበደ ሓዘን ኣሕሊፍካ ኢኻ። ፈጣሪና ንሓዘንካ ይርድኦ እዩ። ካብ ምርዳእ ሓሊፉ እውን ንሳዕቤን ሞት ኬጥፍእ ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ንሱ ወሃቢ ህይወት ጥራይ ዘይኰነስ: መላሲ ህይወት እውን ከም ዝዀነ ንመርኣያ ኪዀነልና ኢሉ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እተፈጸመ ትንሳኤታት ከም ዚምዝገብ ገይሩ ኣሎ። ካብቶም ብወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ተጠቒሙ ዝፈጸሞም ትንሳኤታት ሓደ እስከ ንርአ። ጸብጻብ እዚ ተኣምር እዚ: ኣብ ሉቃስ 7:11-15 ተመዝጊቡ ይርከብ።

እዋኑ ብ31 ድ.ክ. ኰይኑ: የሱስ ኣብ ገሊላ ናብ እትርከብ ከተማ ናይን ከደ። (ቍጽሪ 11) ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኺበጽሕ ከሎ: እዋኑ መስዩ ዝነበረ እዩ ዚመስል። መጽሓፍ ቅዱስ: “ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ: እንሆ: ምዉት ተጾይሩ ወጸ: ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ: ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ከኣ ምስኣ ነበሩ” ብምባል ይጽብጽብ። (ቍጽሪ 12) ናይታ መበለት ኣደ ሓዘን ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ምኸኣልካዶ፧ እቲ ዝነበረ ሓደ ወዳ ምስ ሞታ: ንኻልኣይ ግዜ እያ ዚጥውራን ዚናብያን ሰብ ስኢና።

ትዅረት የሱስ ኣብታ ጥቓ እቲ ሬሳ ወዳ እተሰከመ ቓሬዛ እናኸደት ዝነበረት ክትኸውን እትኽእል ሓዘንተኛ ኣደ እዩ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ “ጐይታ ምስ ረአያ: ደንገጸላ እሞ፤ ኣይትብከዪ: በላ” ይብል። (ቍጽሪ 13) የሱስ በቲ ዜሕዝን ኵነታት እታ መበለት ልቡ ተተንከፈ። ምናልባት የሱስ ብዛዕባ እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ድሮ መበለት ኰይና ኽትኸውን እትኽእል ኣዲኡ: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ ንሱ ብሙማቱ ኸም እትሓዝን ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

የሱስ ናብቲ ቓሬዛ ቐረበ: ከምዚ ዝገበረ ግን ምስቶም ዚዕጅቡ ዝነበሩ ህዝቢ ኺጽምበር ኢሉ ኣይነበረን። ነቶም እኩባት ሰብ ደው ከብልሉ ብምምልካት: “ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ”። ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ከም እተዋህቦ ብዚሕብር ድምጺ: “ኣታ ጐበዝ: ተንስእ: እብለካ አሎኹ: በሎ። እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ: ምዝራብውን ጀመረ: ነዲኡ ድማ ሀባ።” (ቍጽሪ 14, 15) እዚ መንእሰይ እዚ: ምስ ሞተ: ናይ ኣዲኡ ኻብ ምዃን ኣቋሪጹ ነበረ። ስለዚ የሱስ “ነዲኡ [ምስ] ሀባ” እንደገና ሓቢሮም ምንባር ጀመሩ። እታ መበለት ዝነበራ ሓዘን ብናይ ሓጐስ ንብዓት ከም እተቐየረ ኣየጠራጥርን እዩ።

ምስቲ ሞይቱ ዘሎ እተፍቅሮ ሰብ እንደገና ንምርኻብሲ ልብኻዶ ሃረር ኣይብልን፧ ኣምላኽ ብዛዕባኻ ኸም ዚስምዖ ርግጸኛ ኹን። እቲ የሱስ ነታ ሓዘንተኛ መበለት ዘርኣዮ ድንጋጸ: ርሕራሐ የሆዋ የርኢ፣ ከመይሲ የሱስ ንባህርይ ኣቦኡ ምሉእ ብምሉእ የንጸባርቖ እዩ። (ዮሃንስ 14:9) ኣምላኽ ነቶም ሞይቶም ኣብ ዝኽሩ ዘለዉ ሰባት: መሊሱ ህይወት ኪህቦም ሃረር ከም ዚብል መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ። (እዮብ 14:14, 15) እዚ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዜደንቕ ተስፋ ይህበና: እዚ ድማ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምንባርን ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት ብትንሳኤ ናይ ምርኣይን ተስፋ እዩ። (ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 5:28, 29) እሞኸ ብዛዕባ እቲ መላሲ ህይወትን እቶም እተፍቅሮም ሰባት ከም ዚትንስኡ ብኸመይ ተስፋ ኽትገብር ከም እትኽእልን ስለምንታይ ዝያዳ ዘይትመሃር፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

“እቲ ምዉት ተንሲኡ ተቐመጠ: ምዝራብውን ጀመረ: ነዲኡ ድማ ሀባ”