ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞት የሱስ ኬድሕነካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ሞት የሱስ ኬድሕነካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ሞት የሱስ ኬድሕነካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ዳርጋ 2,000 ዓመት ይገብር: ኣብ ፋስጋ 33 ድ.ክ. ካልኦት ሰባት ምእንቲ ኺነብሩ ንጹህ ሰብ ሞተ። እቲ ሰብኣይ መን እዩ ነይሩ፧ የሱስ ብዓል ናዝሬት እዩ። ካብቲ ዚነኣድ ተግባር ኪጥቀም ዚኽእልከ መን እዩ፧ ኵሎም ዘርኢ ደቂ ሰብ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍሉጥ ጥቕሲ ነቲ ህይወት ዜድሕን መስዋእቲ: “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ብምባል ይገልጾ።—ዮሃንስ 3:16

ዋላ እኳ ብዙሓት ነዛ ጥቕሲ ይፈልጥዋ እንተ ዀኑ: ሒዛቶ ዘላ ትርጕም ዚርድኡ ግን ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም። ‘መስዋእቲ ክርስቶስ ስለምንታይ የድለየና፧ ሞት ሓደ ሰብ ንደቂ ሰብ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ዜድሕኖም ከመይ ኢሉ እዩ፧’ ኢሎም ይሓስቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ንጹርን ዜዕግብን መልሲ እዘን ሕቶታት ይህበና።

ሞት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዝገዝአ ብኸመይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት: ሰብ ኣብ መሬት ሓጺር እዋን ኪነብር: ብፈተናታት ኪሓልፍ: ቍሩብ ኪሕጐስ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሞይቱ ናብ ዝሓሸ ቦታ ኺግዕዝ ከም እተፈጥረ እዮም ዚኣምኑ። በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኺርአ ኸሎ: ሞት ክፍሊ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እዩ ማለት እዩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ: ሞት ንደቂ ሰብ ዚጐድኦም ዘሎ ብኻልእ ምኽንያት ከም ዝዀነ እዩ ዚሕብር። ከምዚ ድማ ይብል:- “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ።” (ሮሜ 5:12) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣት ከም ዚሞቱ እያ እትሕብር። እሞኸ ደኣ: እቲ ንዘርኢ ወዲ ሰብ ብሰሪ ሓጢኣቱ ሞት ከም ዚወርሱ ዝገበረ “ሓደ ሰብኣይ” መን እዩ፧

ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ: መብዛሕትኦም ተመራመርቲ: ኵሎም ሰባት መበቆሎም ሓደ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እቲ መበቆል ዝዀነ “ሓደ ሰብኣይ” መን ምዃኑ ብንጹር ይገልጾ እዩ። ኣብ ዘፍጥረት 1:27 “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ዚብል ነንብብ። ስለዚ: እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ክብሪ ዜምጽኡ ፍጥረታት ምንባሮም: መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።

ጸብጻብ ዘፍጥረት: የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ድሕሪ ምፍጣሩ ብዛዕባ ዝነበረ ህይወት ደቂ ሰብ ተወሳኺ ዝርዝር ይህብ። እቲ ዜገርም: ንብምሉኡ እቲ ጸብጻብ እንተ ርኢናዮ: ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ዘይምእዛዝ ዚመጽእ ሞት እንተ ዘይኰይኑ: ፈጺሙ ብዛዕባ ሞት ኣይጠቐሰን። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ደቂ ሰብ ኣብ ምልክዕቲ ገነታዊት ምድሪ: ሕጉሳትን ጥዑያትን ኰይኖም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ ደልዩ ነይሩ። ብሰንኪ እርጋንን ሞትን ኪሳቐዩ ኣይደለየን። ሞት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ገዛኢ ዝዀነ ደኣ ብኸመይ እዩ፧

ዘፍጥረት ምዕራፍ 3: እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን: ንትእዛዝ እቲ ወሃብ ህይወቶም ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንምጥሓስ ብፍላጥ ውሳነ ኸም ዝገበሩ መዝጊቡ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ ኣፍሊጥዎም ዝነበረ ፍርዲ ፈጸሞ። ነቲ ሰብኣይ: “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:19) ከምቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ኣብ መወዳእታ እቶም ክልተ ዘይእዙዛት ሰባት ሞቱ።

ይኹን እምበር: እቲ ጕድኣት ኣብቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ እተሓጽረ ኣይነበረን። ዘይምእዛዞም ነቲ ዘርኦም ኬስተማቕርዎ ዚኽእሉ ዝነበሩ ተስፋ ፍጹም ህይወት ኣጥፍኦ። የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ኪዛረቦም ከሎ: ነቶም ገና ዘይተወልዱ ደቂ ሰብ እውን ኣብ ዕላማኡ ሓዊሱ: “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” በሎም። (ዘፍጥረት 1:28) ድሕሪ ግዜ ሰባት ንምድሪ ኺመልእዋን ከይሞቱ ሓጐስ ብዝመልኦ ህይወት ኪነብሩን ነበሮም። እንተዀነ ግን: እቲ “ሓደ ሰብኣይ” እተባህለ ኣቦሓጎኦም ኣዳም: ባሮት ሓጢኣትን ክትሃድመሉ ዘይከኣል ሞትን ኪዀኑ ሸጦም። ካብ ዘርኢ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ” ኢሉ ጸሓፈ።—ሮሜ 7:14

ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ገለ ጸይቅታት ነቲ ብዋጋ ዘይሽነን ስርሓት ስነ-ጥበብ ዘበላሸውዎ: ኣዳም ከኣ ሓጢኣት ብምግባሩ ነቲ ዜደንቕ ፍጥረት ኣምላኽ ዝዀነ ወዲ ሰብ ኣበላሸዎ። ደቂ ኣዳም: ደቂ ወለዱ: ደቆም ድማ ደቂ ወለዱ: ከምኡ እናበሉ ድማ ተባዝሑ። ነፍሲ ወከፍ ተኸታታሊ ወለዶታት ምስ ተወልዱ: ዓብዮምን ውሉዳት ወሊዶምን ሞቱ። ኵሎም ዚሞቱ ግን ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ ዅሎም ዘርኢ ኣዳም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ: “ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም” ይብለና። (ሮሜ 5:15) ሕማም: እርጋን: ጌጋ ናይ ምፍጻም ዝንባለ ኸምኡውን ሞት: ኣዳም ንስድራ ቤቱ ኣሕሊፉ ምስ ሃባ ዝመጹ ሳዕቤናት እዮም። እታ ስድራ ቤት ከኣ ንዅላትና እተጠቓልል እያ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዚነብሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ: ንዕኡ እውን ሓዊሱ ንዘይፍጹማት ሰባት ብዛዕባ ዜጋጠሞም ዜሕዝን ኵነታት ከምኡውን ምስ ሳዕቤን ሓጢኣት ዚግበር ዜባሳጩ ቓልሲ ገሊጹ እዩ። “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ: ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧” በለ። እዚኣስ ኣገዳሲት ሕቶ ደይኰነትን፧ ንጳውሎስን ነቶም ምድሓን ሃረር ዚብሉ ኻልኦትን ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ኬድሕኖም ዚኽእል መን ኰን ይኸውን፧ ጳውሎስ ባዕሉ መልሱ ኺህብ ከሎ: “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” በለ። (ሮሜ 7:14-25) እወ: ፈጣሪና ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ኽንድሕነሉ እንኽእለሉ መሰናድዎ ገይሩ እዩ።

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኣብ ዝገበሮ ምድሓን የሱስ ዘለዎ ግደ

የሱስ ንደቂ ሰብ ካብ ቀታሊ ባርነት ሓጢኣት ኣብ ምድሓን ዘለዎ ግደ ገሊጹ እዩ። “ወዲ ሰብ . . . ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ” ከም ዝመጸ ተዛረበ። (ማቴዎስ 20:28) ህይወት የሱስ ከም በጃ ዀይኑ ዜገልግል ከመይ ኢሉ እዩ፧ ሞቱኸ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ “ብዘይ ሓጢኣት” ከምኡውን “ካብ ሓጥኣን እተፈልየ” ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጾ። የሱስ ኣብ መላእ ህይወቱ ንሕጊ ኣምላኽ ፍጹም ተኣዛዝነት ኣርእዩ እዩ። (እብራውያን 4:15፣ 7:26) ስለዚ: የሱስ ልክዕ ከም ኣዳም ብሰንኪ ሓጢኣትን ዘይምእዛዝን ኣይኰነን ሞይቱ። (ህዝቅኤል 18:4) ኣብ ክንዳኡስ: ሞት ዘይግብኦ ኽነሱ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን ፍቓድ ኣቦኡ ንኺፍጽም ሞተ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ: ‘ህይወቱ በጃ ኼሕልፍ’ ኢሉ ብፍታው መጸ። በቲ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ መወዳድርቲ ዘይተረኽቦ ፍቕሩ ተደሪኹ: ‘ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ጠዓመ።’—እብራውያን 2:9

እታ የሱስ መስዋእቲ ዝገበራ ህይወት: ምስታ ኣዳም ሓጢኣት ምስ ፈጸመ ዘጥፈኣ ህይወት ተመጣጣኒት እያ ነይራ። ሞት የሱስ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧ የሆዋ ነቲ መስዋእቲ ‘ኣብ ክንዲ ዅሉ ዚኸውን በጃ’ ከም ዝዀነ ገይሩ ተቐበሎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:6) ስለዚ ድማ: ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን መሊሱ ንኺዕድጎም ወይ ንኺብጀዎም ንዋጋ ህይወት የሱስ ተጠቕመ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዛ ፈጣሪ ደቂ ሰብ ዘርኣያ ዓባይ ፍቕሪ ደጋጊሙ ይጠቅስ እዩ። ጳውሎስ ንክርስትያናት: “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም” ብምባል ኣዘኻኸሮም። (1 ቈረንቶስ 6:20፣ 7:23) ጴጥሮስ ከኣ ኣምላኽ ንክርስትያናት ካብዚ መዋቲ ናብራ ህይወት ንምድሓን: ወርቂ ወይ ብሩር ዘይኰነስ ደም ወዱ ኸም እተጠቕመ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 1:18, 19) የሆዋ ብመስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ኣቢሎም ሰባት ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ዚድሕንሉ መገዲ ኣዳለወ።

ካብ በጃ ክርስቶስ ክትጥቀም ዲኻ፧

ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ዘለዎ ጥቕሚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[የሱስ ክርስቶስ] ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ: ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር: ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።” (1 ዮሃንስ 2:2) እወ: ብበጃ ክርስቶስ ኵሎም ሰባት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ማለት ግን ኵሉ ሰብ ካብዚ ብዋጋ ዘይሽነን መሰናድዎ ብኡንብኡ ኺጥቀም ይኽእል እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ እተጠቕሰ ምድሓን ዘክር። ነቶም ዓደንቲ ኼድሕንዎም ዝፈተኑ ሰባት ናብቶም ተቐርቂሮም ዝነበሩ ጋብያ እኳ እንተ ኣውረዱ: ነፍሲ ወከፍ እተቐርቀረ ዓዳኒ ግን ናብቲ ጋብያ ኺድይብ ነበሮ። ብተመሳሳሊ: እቶም ካብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ ኪጥቀሙ ዚብህጉ: ብቐሊሉ በረኸት ኣምላኽ ኪረኽቡ ኺጽበዩ የብሎምን። ስጕምቲ ኺወስዱ የድሊ።

ኣምላኽ እንታይ ስጕምቲ ኽንወስድ እዩ ዚደሊ፧ ዮሃንስ 3:36 “ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ: እቲ ብወዲ ዘይአምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር: ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” ኢላ ትነግረና። ኣምላኽ ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስ እምነት ከነሕድር እዩ ዚደሊ። ተወሳኺ ዚደልዮ ብቕዓት ከኣ ኣሎ። “ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎና: [ንየሱስ] ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ።” (1 ዮሃንስ 2:3) እምበኣርከስ: ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን እቲ ቐንዲ ረቛሒታት ኣብ በጃ ክርስቶስ እምነት ምሕዳርን ትእዛዛቱ ምሕላውን ከም ዝዀነ ንጹር እዩ።

ሓደ ኻብቲ ኣብ በጃ ክርስቶስ እምነት ከም ዘሎና ኽንገልጸሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ: ከምቲ ዝኣዘዘና ንሞቱ ብምዝካር ዘለና ሞሳ ብምርኣይ እዩ። የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ምሳልያዊ መኣዲ ኣቘመ: ድሕርዚ ኸኣ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በሎም። (ሉቃስ 22:19) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ ወዲ ኣምላኽ ዘለዎም ዕርክነት ኣኽቢሮም ይርእይዎን ነዚ ዝሃቦም ትእዛዝ ይሕልዉን እዮም። ኣብዛ ዓመት እዚኣ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ: ቀዳም 22 መጋቢት ጸሓይ ምስ ዓረበት ኪኽበር እዩ። ትእዛዝ የሱስ ብምሕላው ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባ ንኽትካፈል ብኽብሪ ንዕድመካ። ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ቦታን ሰዓትን ኪነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ በዓል ዝኽሪ: በጃ ክርስቶስ ካብቲ ሞት ዜስዕብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ሓራ ንኼውጽኣካ እንታይ ክትገብር ከም ዚግባእ ብዙሕ ክትመሃር ኢኻ።

ሎሚ ነቲ ፈጣሪኦምን ወዱን ንዕኦም ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ዝገበሩሎም ዓብዪ መስዋእቲ ልባዊ ሞሳ ዘለዎም ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም። እቶም ኣብኡ እምነት ዜርእዩ ፍሉይ ሕጐስ እዮም ዚረኽቡ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ: “[ብየሱስ] እትአምኑ ዘሎኹም: ነቲ መደምደምታ እምነትኩም: ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም: ምስ ረኸብኩምዎ: ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ጴጥሮስ 1:8, 9) ንክርስቶስ ዘላትካ ፍቕሪ ብምምዕባልን ኣብ መስዋእታዊ በጃኡ ብምእማንን: ሕጂ ሓጐስ ዝመልኦ ህይወት ክትመርሕ ከምኡውን ኣብ መጻኢ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ክትድሕን ትኽእል ኢኻ።