ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእስነት ኣብ ሓዳር ብሓቂ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ርእስነት ኣብ ሓዳር ብሓቂ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ርእስነት ኣብ ሓዳር ብሓቂ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ዚፍጸም ስነ-ስርዓት መርዓ: እቶም ዚመራዓዉ ቓል ኪዳን ይተኣታተዉ እዮም። ኣብቲ ቓል ኪዳን ድማ እታ መርዓት ንሰብኣያ ኽትእዘዝ ቃል ትኣቱ እያ። ኰይኑ ግን: ብዙሓት ኣንስቲ: ሰብኣይ ኣብ ሓዳር ርእሲ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ሓሳብ ኣይወሓጠለንን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዚምህር እስከ ኣብ ግምት ኣእቱ። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ትምህርቲ ድማ ሚዛናውን ግብራውን ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ርእስነት ዘለዎ ኣረኣእያ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእስነት ዘለዎ መሰረታዊ መግለጺ ኣብ ኤፌሶን 5:22-24 ይርከብ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ: . . . ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ: ኣትን ኣንስቲ: ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ: ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተአዘዛኦም።” ሰብኣይ “ርእሲ ሰበይቱ” ኸም ምዃኑ መጠን: ኣብ ስድራ ቤቱ መሪሕ ግደ ኺህልዎ ኸሎ: ሰበይቱ ኸኣ ንመሪሕነቱ ትስዕብ: ንርእስነቱ ድማ ተኽብር።—ኤፌሶን 5:33

ሰብኣይ ዘለዎ ስልጣን በቲ ንሱ ንባዕሉ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘለዎ ተገዛእነት እተደረተ እዩ። ንሰበይቱ ሕግታት ኣምላኽ ንኸተፍርስ ወይ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኣ ንኽትጥሕስ መምርሒ ኺህባ ስልጣን የብሉን። ኣብ ውሽጢ እዚ ደረት እዚ ግን ነታ ስድራ ቤት ኣገዳሲ ውሳነታት ኪገብር ኣምላኽ ሓላፍነት ሂብዎ እዩ።—ሮሜ 7:2፣ 1 ቈረንቶስ 11:3

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይ: ርእስነቱ ኣብ ዚጥቀመሉ ኣገባብ ንጥቕሚ ሰበይቱ ኻብ ጥቕሙ ብምቕዳም ብሕያውነት ኪጥቀመሉ እዩ ዚእዝዞ። ኤፌሶን 5:25 “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ . . . ርእሱ በጃኣ ሀበ” ትብል። ነቲ ብሉጽ ኣብነት ፍቕሪ ዚዀነና ክርስቶስ ዚስዕብ ሰብኣይ: ንርእስነቱ ንዕኡ ኸም ዚጥዕሞ ጥራይ ገይሩ ኣይጥቀመሉን እዩ።

ብተወሳኺ: መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይ ምስ ሰበይቱ “በእምሮ” ኺነብር መምርሒ ይህቦ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ኣካላውን ስምዒታውን ፍልልያት ካብ ምርዳእ ንላዕሊ የጠቓልል። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዜድልያ ነገራት ኪርድኣላ ኣለዎ።

“ብጸይትኻ”

ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትግዝኦ ኣለዋ ኺበሃል ከሎ: እተነግራ ዅሉ እሺ ኢላ ኽትቅበል ኣለዋ ማለት ድዩ፧ ብዛዕባ እታ ንኣብርሃም ሰብኣያ እዝዝቲ ብምዃና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ኣብነት እተጠቕሰት ሳራ እስከ ንርአ። (1 ጴጥሮስ 3:5, 6) ኣብ ዓብዪ ዀነ ኣብ ንእሽቶ ነገር ንዕኡ ትግዝኦ ነበረት፣ ምሹእ ቤታ ሓዲጋ ኣብ ድንኳን ናብራ ዘላን ክትነብር ካብ እተዋህባ መምርሒ ኣትሒዛ: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዚብላዕ ንኸተዳሉ እተዋህባ ትእዛዝ ተቐቢላ እያ። (ዘፍጥረት 12:5-9፣ 18:6) ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ጕዳይ ግን: ምስቲ ንኣብርሃም ዝነበሮ ኣረኣእያ ዚጻረር ኣረኣእያኣ ብተደጋጋሚ ገሊጻ እያ። እዚ ዝዀነ ሳራ ነታ ንኣብርሃም ሰበይቲ ወሰኑ ዝነበረት ኣጋርን ነቲ በዅሪ ወዱ ዝነበረ እስማኤልን ካብ ቤት ኬውጽኦም ምስ ደለየቶ እዩ። ኣምላኽ ንሳራ ኣብ ክንዲ ዚገንሓ: ንኣብርሃም “ቃላ ስማዕ” በሎ። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን: ሳራ ንኣጋርን ንእስማኤልን ባዕላ ኣብ ክንዲ እተውጽኦም: ንኣብርሃም ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ እናተዓገሰት ትግዝኦ ነበረት።—ዘፍጥረት 21:8-14

ካብቲ ሳራ ዝገደፈቶ ኣብነት: ሰበይቲ ብሰብኣያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክንዲ እትዕበጥ: ከም “ብጸይቲ” ብምዃን ክቡር ቦታ ኽትሕዝ ከም ዚግባእ ኢና እንመሃር። (ሚልክያስ 2:14) ከም ብጸይቱ መጠን ኣብታ ስድራ ቤት ኣብ ዚግበር ውሳነታት ጠቓሚ ሓሳባት ትህብ: ኣብ ልዕሊ እታ ስድራ ቤት ድማ እተወሰነ ስልጣን ኣለዋ፣ እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንብዙሓት ኣባላት እቲ ስድራን ንገሊኡ ገንዘባዊ ጕዳያትን ምምሕዳር የጠቓልል። ልክዕ እዩ: ሰብኣይ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን: ናይ መወዳእታ ውሳነታት ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።—ምሳሌ 31:10-31፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:14

ነቲ መስራቲ ሓዳር ኣኽብሮ

የሆዋ ኣምላኽ: ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ: ንመርዓ ኸኣ ኣብ መንጎኦም ዚግበር ቅዱስ ጥምረት ገይሩ ፈጠሮ። (ዘፍጥረት 2:18-24) ነቲ ንሰብኣይን ሰበይትን ብዙሕ ሓጐስ ዜምጽኣሎም ኪፍጽምዎ ዘለዎም ነናቶም ግደ እውን ብዝርዝር ገሊጹ ኣሎ።—ዘዳግም 24:5፣ ምሳሌ 5:18

የሆዋ መስራቲ ሓዳር ከም ምዃኑ መጠን: ንስርዓት መርዓ ዚኸውን ስርዓታት ኪሰርዕ መሰልን ክእለትን ኣለዎ። እቶም ብግብራውነቱ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቲ ንስልጣን የሆዋ ዘለዎም ኣኽብሮት ተላዒሎም: ገግዲኦም ዚፍጽሙን ነቲ ኣምላኽ ዘቘሞ ስርዓት ርእስነት ዚስዕቡን ሰብ ሓዳር: ሞገስን ደገፍን ኣምላኽ ይረኽቡ እዮም።

ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧

◼ ፍጹም ኣብነት ርእስነት ዚኸውን መን እዩ፧—ኤፌሶን 5:25

◼ ኣምላኽ ንስልጣን ሰብኣይ ደረት ገይሩሉ ድዩ፧—1 ቈረንቶስ 11:3

◼ ዕላማ መርዓን ስርዓት ርእስነትን እንታይ እዩ፧—ምሳሌ 5:18

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ መግለጽ ስእሊ]

ሰብኡት ንርእስነቶም ኪጥቀሙሉ ኸለዉ ኣብነት ክርስቶስ እንተ ስዒቦም: ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ሓጐስን ዕግበትን ይረኽቡ