ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ናይታ መበለት ክልተ ሳንቲም ክንደይ ዋጋ ነበረን፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣይሁድ ዓመታዊ ግብሪ ቤተ መቕደስ “ክልተ ድሪም” ይኸፍሉ ነበሩ: እዚ ድማ ዳርጋ ናይ ክልተ መዓልቲ መሃያ ነበረ። (ማቴዎስ 17:24) ብኣንጻሩ ግን: የሱስ ክልተ ዑፍ “ብኣሳርዮን” ከም ዚሽየጣ ተዛረበ: እዚ ድማ ናይ 45 ደቂቕ መሃያ ነበረ። ሓሙሽተ ዑፍ ብኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ነበራ: እዚ ዳርጋ ናይ 90 ደቂቕ መሃያ ነበረ።—ማቴዎስ 10:29፣ ሉቃስ 12:6

እታ የሱስ ንቤተ መቕደስ ውጽኢት ክትገብር ከላ ዝረኣያ ድኻ መበለት: ዝወፈየተን ሳንቲም ካብ ዋጋ ሓሙሽተ ዑፍ ዝነኣሳ እየን ነይረን። ክልተ ሳንቲም ወይ ክልተ ለብጦን: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል ዝጥቀሙለን ዝነበሩ እተን ዝነኣሳ ናይ ነሓሲ ሳንቲም እየን። ክልተ ለብጦን ማዕረ 1/64 ካብ ናይ መዓልቲ መሃያ እዩ ነይሩ: ወይ እቲ ናይ ስራሕ ሰዓት ብገምጋም 12 ሰዓት እንተ ዀይኑ ድማ ካብ ናይ 12 ደቒቕ ዝዋሓደ መሃያ ነበረ።

የሱስ ክርስቶስ ናይታ መበለት ህያብ ካብ ኵሎም እቶም “ካብ ተረፎም” ሕልፊ ዘወፈዩ ሰባት ዝያዳ ኣኽቢሩ ረኣዮ። ስለምንታይ፧ እቲ ጸብጻብ “ክልተ ለብጦን” ከም ዝነበራ እዩ ዚገልጽ: ስለዚ ነታ ሓንቲ ሳንቲም ሂባ: ነታ ኻልአይቲ ሳንቲም ንባዕላ ኽትዕቅባ ትኽእል ነይራ እያ። እንተዀነ ግን: “ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሀበት።”—ማርቆስ 12:41-44፣ ሉቃስ 21:2-4

ሳውል: ጳውሎስ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዝጀመረ መዓስ እዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ትውልዱ እብራዊ ዀይኑ: ሮማዊ ዜግነት ነበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:27, 28፣ ፊልጲ 3:5) ስለዚ: ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ብእብራይስጢ ሳውል: ብሮማ ድማ ጳውሎስ ዚብል ስም ዝነበሮ እዩ ዚመስል። ገሊኦም ኣዝማድ ጳውሎስ እውን ልክዕ ከምኡ ናይ ሮማን ናይ ግሪኽን ስማት ነበሮም። (ሮሜ 16:7, 21) ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ: ንኣይሁዳውያን ብፍላይ ነቶም ካብ እስራኤል ወጻኢ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት: ብኽልተ ስም ምጽዋዕ ዘይተለምደ ነገር ኣይነበረን።—ግብሪ ሃዋርያት 12:12፣ 13:1

ጳውሎስ: ክርስትያን ድሕሪ ምዃኑ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ እውን ብመብዛሕትኦም ሰባት ሳውል ብዚብል ናይ እብራይስጢ ስሙ ዚፍለጥ ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ግብሪ ሃዋርያት 13:1, 2) ይኹን እምበር: ብ47/48 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዝኡ ምናልባት እቲ ጳውሎስ ዚብል ናይ ሮማ ስሙ ንኺጽዋዓሉ መሪጹ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣይሁድ ንዘይኰኑ ሰባት ብስራት ንኺእውጅ ተመዚዙ ስለ ዝነበረ: ምናልባት እዚ ስም እዚ: ተቐባልነት ከም ዚህልዎ ተሰሚዕዎ ይኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 9:15፣ 13:9፣ ገላትያ 2:7, 8) ካልእ ጳውሎስ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዝመረጸሉ ምኽንያት ድማ ምናልባት እቲ ሳውል ዚብል ስም ምስቲ ናይ ግሪኽኛ ኽፉእ ትርጕም ዘለዎ ቓል ኣጸቢቑ ስለ ዚመሳሰል ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዝቐየረሉ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ‘ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኼድሕን: ንዅላቶም ኵሉ ንምዃን’ ፍቓደኛ ኸም ዝነበረ እዩ ዜርኢ።—1 ቈረንቶስ 9:22

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ለብጦን