ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሞት የሱስ ክርስቶስ እቲ ነቶም ኣብኡ እምነት ዜሕድሩ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ ኣጋጣሚ ዝኸፈተ በጃ ኸም ዚቐርብ ምግባሩ ብጽኑዕ ይኣምኑ እዮም። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16) ይኹን እምበር: ከምቲ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ስእልታት ዚርአ: የሱስ ኣብ መስቀል ሞይቱ ኢሎም ኣይኣምኑን እዮም። የግዳስ: ኣብ ትኽ ዝበለ ዘይተመሳቐለ ዕንጨይቲ ኸም ዝሞተ እዮም ዚኣምኑ።

ክርስቶስ ቅድሚ ምውላዱ ኽልተ ሽሕ ዓመት ይገብር ኣብ መሶጶታምያ መስቀል ይጥቀሙ ነበሩ። ብዘይካዚ የሱስ ቅድሚ ምውላዱ ዘመናት ይገብር: ማለት ኣብ መዋእለ ብሮንዞ: ኣብ ስካንዲነቭያ ኣብ ከውሒ እተቐርጸ መስቀል ተረኽበ። ስቨን ቲቶ ኣኸን ዝስሙ ደንማርካዊ ጸሓፍ ታሪኽን ናይ ምልክት ክኢላን ኣብታ ሲምቦልስ ኣራውንድ ኣስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጾ: እዞም ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ንመስቀል “ከም ምልክት ሽሕር:” ማለት “ዕቝባ ዚህብን ጽቡቕ ዕድል ዜምጽእን” ገይሮም ይጥቀሙሉ ነበሩ። “መስቀል ኣብቲ ብዓብዪኡ ኣብቲ ኸም ተምሳል ቆዝሞሳዊ ወይ ተፈጥሮኣዊ ምልክት ተገይሩ ዚርአ ዝነበረ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረን ክርስትያናዊ ዘይኰነን ባህልታት ተረኺቡ እዩ” ኢላ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ምግላጻ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ኣብያተ-ክርስትያን ንመስቀል ከም ቅዱስ ገይረን ዚርእያኦ ደኣ እሞ ስለምንታይ እየን፧

ሓደ ዊልያም ኢ. ቫይን ዝስሙ ዓብዪ ኣኽብሮት ዚወሃቦ ብሪጣንያዊ ምሁር ነዚ ዚስዕብ ጭቡጥ ሓቅታት ኣቕረበ:- “ኣብ መፋርቕ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. . . . እቶም ኣረማውያን ብኣብያተ-ክርስትያን ተቐባልነት ረኸቡ: ነቲ ኣረማዊ ምልክቶምን መለለዪኦምን ኪጥቀሙ ድማ ተፈቕደሎም። በዚ ምኽንያት እዚ . . . [መስቀል] ተቐባልነት ረኸበ።”—ቫይንስ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኦልድ ኤንድ ኒው ተስታመንት ዎርድስ

ቫይን ወሲኹ ኸም ዝገለጾ: እታ “መስቀል” እትብል ስምን እታ “ሰቐለ” እትብል ግስን “ካብቲ ቤተ ክርስትያን እትጥቀመሉ እተመሳቐለ ዕንጨይቲ እተፈልየ” “ዓንዲ ወይ ሽኻል” እተመልክት እያ። ምስዚ ብምስምማዕ እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዚርከብ ኮምፓንየን ባይብል: “ጐይታ ኣብ እተመሳቐለ ዕንጨይቲ ዘይኰነስ: ኣብ ትኽ ዝበለ ዓንዲ ኸም ዝሞተ ዚሕብር . . . መርትዖ ኣሎ” በለ። እምበኣር: ኣብያተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተመስረተ ልምዲ እየን ተቐቢለን።

እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዝነበረ ኣኸን ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ: “የሱስ ድሕሪ ሙማቱ ኣብ ዝነበራ ኽልተ ዘመን: ክርስትያናት መስቀል ይጥቀሙ ነይሮም ምባል ዘይመስል እዩ” ኢሉ ርእይቶኡ ሃበ። ወሲኹ ኸም ዝገለጾ: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንመስቀል “ብቐንዱ ምስ ሞትን እከይን የተሓሕዝዎ ነበሩ፣” ብኻልእ ኣበሃህላ “ልክዕ ከምቲ እቶም ደሓር ዝመጹ ወለዶታት ንጊለቲን [መቐንጸሊ] ወይ ከኣ ነቲ ናይ ኤለክትሪክ መንበር ዚርእዩሉ ዝነበሩ መገዲ” ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ።

ልዕሊ ዅሉ ግን: ንየሱስ ንምስቓይን ንምቕታልን ዝዀነ ይኹን መሳርሒ ኣብ ጥቕሚ ይውዓል ብዘየገድስ: ክርስትያናት ነቲ መሳርሒ ዜመልክት ስእሊ ወይ ምልክት ኣብ ኣምልኾኦም ኪጥቀሙሉ የብሎምን። ከመይሲ: መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ” ኢሉ ይእዝዝ እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:14) የሱስ ባዕሉ መለለዪ እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ሂቡ እዩ። “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 13:35

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትናያት: ኣብ ኣምልኾኦም ንመጽሓፍ ቅዱስ እምበር ንልምዲ ኣይስዕቡን እዮም። (ሮሜ 3:4፣ ቈሎሴ 2:8) በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ኣምልኾኦም መስቀል ዘይጥቀሙ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ኣረማዊ ንጉስ ኣሶር: መስቀል ገይሩ ኸሎ ዜርኢ ኣብ ከባቢ 800 ቅ.ክ. እተቐርጸ ምስሊ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photograph taken by courtesy of the British Museum