ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣደዳ ዓመጻ ዝዀኑ ሰባት መሰሎም ተሓለወሎም

ኣደዳ ዓመጻ ዝዀኑ ሰባት መሰሎም ተሓለወሎም

ኣደዳ ዓመጻ ዝዀኑ ሰባት መሰሎም ተሓለወሎም

ብ3 ግንቦት 2007 እቲ ኣብ ስትራዝቡግ: ፈረንሳ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ: ነቶም ኣብ ሪፓብሊክ ጆርጅያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚድግፍ መገዲ ብምሉእ ድምጺ በየነሎም። እቲ ቤት ፍርዲ: ኣብ ጆርጅያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደዳ ሰብኣውነት ዝጐደሎ ኣተሓሕዛ ኸም ዝዀኑ: ከምኡውን ሃይማኖታዊ ናጽነቶም ከም እተጋህሰ ገለጸ። ብዘይካዚ: እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መንግስቲ ጆርጅያ ነቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ኣብ ምቕራብ ሸለልትነት ስለ ዘርኣየ ነቐፎ። ናብዚ ውሳነ እዚ ዝመርሐ እንታይ እዩ፧

ብ17 ጥቅምቲ 1999 ዳርጋ 120 ዝዀኑ ኣባላት እታ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ቲቢሊሲ እትርከብ ግልዳኒ እትበሃል ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምልኾ ተኣኪቦም ነበሩ። ሽዑ: ሓደ ቫሲሊ ምካላቪሽቪሊ ዚበሃል ቅሽነቱ እተቐንጠጠ ቐሺ ኦርቶዶክስ ዚመርሖም ጭፍራ ሰባት ናብቲ መአከቢ ህሩግ ኢሎም ኣተዉ። እዞም ኣባትርን ካብ ሓጺን እተሰርሐ መስቀልን እተዓጥቁ ጭፍራ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ብዘይ ንሕስያ ቐጥቀጥዎም: ኣብ ብዙሓት ማህሰይቲ ኣውረዱ: ኣብ ገሊኦም እውን ከቢድ መጕዳእቲ ኣውረዱ። ሓንቲ ሰበይቲ ብሰንኪ እቲ ዝወረዳ መውቃዕቲ: ሓንቲ ዓይና ንሓዋሩ ተጐድአት። እንተ ወሓደ 16 ዝዀኑ ሰባት ሕክምናዊ ረድኤት ኣድለዮም። ገሊኦም ኣሕዋት: ሓገዝ ደልዮም ናብ መደብር ፖሊስ ከዱ፣ ምስቲ ሓለቓ ፖሊስ ምስ ተራኸቡ ግን: ካብቲ ዝወረዶም ንላዕሊ ኸም ዚግብኦም ነገሮም። እቲ መጥቃዕቲ ብሓደ ኻብቶም ኣባላት ጭፍራ ብቪድዮ ተቐሪጹ ኣብ ሃገራዊ መደበራት ተለቪዥን ተራእየ: እዚ ኸኣ ንመንነት እቶም ኣጥቃዕቲ ብንጹር ዜርኢ ነበረ። a

እቶም ኣደዳ እዚ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥርዓን ኣቕረቡ: ነቶም መጥቃዕቲ ዘውረዱ ሰባት ግን ስጕምቲ ኣይተወስደሎምን። ሓደ መርማሪ ፖሊስ ነቲ ጕዳይ ኪርእዮ ምስ ተመደበ: ኦርቶዶክስ ስለ ዝዀነ ነዚ ጕዳይ እዚ ብዘይ ኣድልዎ ኺፈትሖ ኸም ዘይክእል ገለጸ። እቶም ሰበ-ስልጣን ግቡእ ስጕምቲ ዘይምውሳዶም: እቶም ናይ ሃይማኖት ጥሩፋት ምስቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ዚመሳሰል ልዕሊ ሚእቲ ዚኸውን መጥቃዕቲ ንኼውርዱ ኣደፋፈሮም።

በዚ ምኽንያት እዚ: ብ29 ሰነ 2001 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ኣመልከቱ። b እቲ ቤት ፍርዲ ብ3 ግንቦት 2007 ናይ መወዳእታ ብይን ሃበ፣ እቲ ብይን ነቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ ብንጹር ዜርኢ ነበረ: እቶም ሰበ-ስልጣን ጆርጅያ ግቡእ ስጕምቲ ብዘይምውሳዶም ድማ ኰነኖም። እቲ ቤት ፍርዲ: “እቶም . . . ሰበ-ስልጣን:” ነቲ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዚገልጽ “ሓበሬታ ንምርግጋጽ ብቕልጡፍ ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ሓላፍነት ነበሮም” በለ። ወሲኹ ድማ: “እቶም ሰበ-ስልጣን ንኸምዚ ዓይነት ተግባር ሸለል ምባሎም: ነቲ እቶም ህዝቢ ንፍትሒ ብዚምልከት ዝነበሮም ምትእምማን ከምኡውን ነቲ እቲ መንግስቲ ሕጊ ንኪኽበር ዚገብሮ ጻዕሪ ዜዳኽም ጥራይ እዩ” በለ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ደምደመ:- “እቲ ብ17 ጥቅምቲ 1999 ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመልከትቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ: መፈለምታ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወረደ ሰፊሕ ዓመጻ ኸም ምዃኑ መጠን: እቶም ሰበ-ስልጣን ዘርኣይዎ ሸለልትነት ነቶም መጥቃዕቲ ዘውረዱ ጕጅለ ኣብ ብምልእታ ጆርጅያ ሃይማኖታዊ ዓመጻ ንኼስፋሕፍሑ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም።”

በዚ ምኽንያት እዚ: እቶም ኣደዳ ዓመጻ ዝዀኑ ሰባት መሰሎም ተሓለወሎም፣ መንግስቲ ጆርጅያ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጉባኤ ግልዳኒ ዝወረደ ጕድኣት ካሕሳን ሕጋዊ ኽፍሊትን ኪኸፍል ትእዛዝ ተዋህቦ። ኣብ ጆርጅያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቲ ዓመጻን ሕሰምን ምንካዩ የሐጕሶም እዩ፣ ካብኡ ንላዕሊ ዜሐጕሶም ግን እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ምእካብ መሰል ከም ዘለዎም ዜረጋግጽ ብይን ብምሃቡ እዩ። እቲ ወትሩ ዚመርሖምን ዜዕቍቦምን ሰማያዊ ኣቦኦም የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ዓወት እዚ ስለ ዝሃቦም ብሓቂ እዮም ዜመስግንዎ።—መዝሙር 23:4

[እግረ-ጽሑፋት]

a ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 22 ጥሪ 2002 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 18-24 ርአ።

b ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ሓደ ኣካል ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ እዩ፣ እቲ ንሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነታትን ብዚምልከት እተገብረ ኣውሮጳዊ ውዕል ኪጠሓስ ከሎ ድማ ስጕምቲ ይወስድ። ጆርጅያ ነዚ ውዕል እዚ ብ20 ግንቦት 1999 ስለ እተቐበለቶ: ነቲ ዓንቀጻት ከተኽብሮ ኣለዋ።