“እቲ ሕጊ ሓላዊ ኾነና”
“እቲ ሕጊ ሓላዊ ኾነና”
ነቲ ዚወሃቦም ሕግታትን ተግሳጽን ዘለዎ ዋጋ ዜማስዉሉ ኽንደይ ቈልዑ እዮም፧ ብዙሓት ኣይኰኑን። እዚ ቐይዲ እዚ የሰልክዮም እዩ። እቶም ንመንእሰያት ኪሕግዙ ሓላፍነት ዘለዎም ግን: ግቡእ ዝዀነ ቝጽጽር ኣዝዩ ኣድላዪ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ኸኣ መብዛሕትኦም መንእሰያት: መምርሒ ምቕባሎም ዘለዎ ዋጋ የማስዉሉ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣብ ሞንጎ የሆዋ ኣምላኽን ህዝቡን ዘሎ እናማዕበለ ዚኸይድ ርክብ ንምብራህ: ንደቁ ዜዕቍብ ሰብ ከም ምሳሌ ተጠቕመ።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ናይ ሮሜ ኣውራጃ ገላትያ ግብሪ ሃዋርያት 15:12) ስለዚ: ጳውሎስ ብምሳሌ ገይሩ ነቲ ግጉይ ርእይቶ ኣረሞ። ኣብታ ናብ ክርስትያናት ሰብ ገላትያ ዝለኣኻ መልእኽቱ: “ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ [“ሓላዊ ኾነና:” ትርጕም 1990]” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 3:24) ሓደ ምሁር: ሓላዊ “ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣገዳሲ ግደ” ከም ዝነበሮ ገለጸ። ነዚ ድሕረ-ባይታ ምርዳእና: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ ሓሳብ ንኺበርሃልና ኺሕግዘና እዩ።
ዝነበሩ ገለ ክርስትያናት: ነቲ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ዚእዘዙ ሰባት ጥራይ ስምረት ኣምላኽ ከም ዚረኽቡ ኣትሪሮም ይዛረቡ ነበሩ። ኣምላኽ ነቶም ሕጊ ኣይሁድ ኣኽቢሮም ዘይፈልጡ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝሃቦም: ሃዋርያ ጳውሎስ እዚ ሓሳብ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (እቲ ሓላውን ሓላፍነታቱን
ኣብ ግሪኽ: ሮሜ: ምናልባት እውን ኣብ ኣይሁድ ዝነበሩ ሃብታማት: ንደቆም ካብ ሕጻንነቶም ክሳዕ በጽሒ ዚዀኑ ዚገብርዎ ነገራት ንምቍጽጻር ሓለውቲ ብብዝሒ ይጥቀሙ ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሓላዊ ብዕድመ ዝደፍአ እሙን ባርያ ዀይኑ ንድሕንነት እቲ ቘልዓ ይከታተልን ነቲ ኣቦ ንውሉዱ ኺግበረሉ ዚደለዮ ነገራት ከም እተፈጸመ የረጋግጽን ነበረ። እቲ ሓላዊ ምሉእ መዓልቲ እቲ ቘልዓ ናብ ዝኸዶ ዘበለ የሰንዮ: ጽሬቱ ንኺሕሉ ይከናኸኖ: ናብ ቤት ትምህርቲ ይወስዶ: ንመጻሕፍቱን ካልእ ናውቱን ይስከመሉ: ከምኡውን ኬጽንዕ ከሎ ይሕግዞ ነበረ።
እቲ ሓላዊ መብዛሕትኡ ግዜ መምህር ኣይኰነን ነይሩ። ከም ስሩዕ ትምህርቲ ዚህብ ዘይኰነስ: ከም መጕዚ ዀይኑ ናይቲ ኣቦ መምርሒ ኸም ዚፍጸም ጥራይ እዩ ዚገብር። ይኹን እምበር: ብዚገብሮ ቝጽጽርን ብዚህቦ ተግሳጽን ኣቢሉ ብተዘዋዋሪ መምርሒ ይህብ እዩ። እዚ ኸኣ ስነ-ስርዓት ምምሃር: ምግናሕ: ከምኡውን ንዘይእዱብ ኣካይዳ ኣካላዊ መቕጻዕቲ ምሃብ የጠቓልል። ብርግጽ: እቶም ቀንዲ መምህራን ኣቦን ኣደን እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: እቲ ቘልዓ ኽሳዕ ዚዓቢ: ኣብ ጐደናታት ኪጐዓዝ ከሎ ጽቡቕ ቁመና ኺህልዎ: ካባኡ ብዚግባእ ኪኽደን: ብግቡእ ኮፍ ኪብልን ኪበልዕን: ዓበይቲ ሰባት ኪመጹ ኸለዉ ኪትንስእ: ንወለዱ ኼፍቅር: ከምኡውን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኪገብር ሓላዊኡ ይምህሮ ነበረ።
እቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ዝነበረ ፕላቶ (428-348 ቅ.ክ.) ነቲ ቘልዑ ዘለዎም ብርቱዕ ስምዒታት ምቍጽጻር ከም ዜድሊ ይስምዖ ነበረ። “ልክዕ ከምቲ ኣባጊዕ ወይ ከኣ ካልኦት ሳዕሪ ዚበልዓ እንስሳታት ብዘይ ጓሳ ኺነብራ ዘይክእላ: ቈልዑ ብዘይ ሓላዊ: ባሮት ከኣ ብዘይ ጎይታ ኺነብሩ ኣይክእሉን እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። እዚ ርእይቶ እዚ ሚዛኑ ዘይሓለወ ኺመስል ይኽእል ይኸውን፣ እንተዀነ ግን: ንፕላቶ ኸምኡ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ነይሩዎ።
እቶም ሓለውቲ ኻብ ቈልዑ ዘይፍለዩ ብምንባሮም: ከም ጨቈንቲ: ተሪር ተግሳጽ ዚህቡ: ብጢጥ ቅሚጥን ብዜሰልኪን ብዘይረብሕ ነገራትን ዚኸሱ ጌርካ ኺረኣዩ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር: ገሊኦም ሓለውቲ ብስነ ምግባራውን ኣካላውን ዕቝባ ይዀኑ ስለ ዝነበሩ: ጽቡቕ ስም ነበሮም። ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ኣጵዮስ ዝስሙ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ: ብዛዕባ ሓደ ነቲ ዚከናኸኖ ቘልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ኺወስዶ ኸሎ: ቀተልቲ ምስ መጽዎ ኻብኦም ንምክልኻል ኣብ ሕቝፉ ዘእተዎ ሓላዊ ዘጋጠሞ ነገራት ኣዘንተወ። እቲ ሓላዊ ነቲ ወዲ ንኸይሰድድ ምስ ኣበየ: ንሱን እቲ ቘልዓን ተቐትሉ።
ስነ-ምግባራዊ ርኽሰት ኣብ ሄለናውያን ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ቈልዑ: ብፍላይ ከኣ ኣወዳት ካብ ጾታዊ ማህሰይቲ ዕቝባ የድለዮም ነበረ። ብዙሓት መምህራን ኪእመኑ ዘይክእሉ ስለ ዝነበሩ: ሓለውቲ ኣብ ትምህርቲ እቲ ቘልዓ ይካፈሉ ነበሩ። እቲ ኣብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ሊባኒዩስ እተባህለ ግሪኻዊ ኸኣል ዘረባ እውን ከይተረፈ: ሓለውቲ: “ዘይድለዩ ኣፍቀርቲ ምስቶም ቈልዑ ምእንቲ ኸይተዓራረኹ ብምስጓጕን ከም ዘይቀርብዎም ብምግባርን የርሕቕዎም” ብምንባሮም “ሓለውቲ ዕምባባታት ቈልዑ” ዀይኖም ይዓዩ ምንባሮም ገሊጹ ኣሎ። መብዛሕትኦም ሓለውቲ በቶም ዜዕቍብዎም ቈልዑ ይኽበሩ ነበሩ። እቶም በጽሕታት ነቶም ዝሞቱ ናይ ቀደም ፍቑራት ሓለውቶም ዘንበሩሎም ኣእማን መዘከርታ: ንዕኦም ሞሳ ኸም ዝነበሮም እዩ ዜረጋግጽ።
ከም ሓላዊ ዝዀነ ሕጊ
ሃዋርያ ጳውሎስ ንሕጊ ሙሴ ምስ ሓላዊ ዘመሳሰሎ ስለምንታይ እዩ፧ ብፍላይ እዚ ምሳሌ እዚ ዚሰማማዕ ዚገብሮኸ እንታይ እዩ፧
እቲ ቐዳማይ መዳይ: እቲ ሕጊ ዕቝባ ስለ ዚኸውን እዩ። ጳውሎስ: ኣይሁድ ‘ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሓልዮም’ ከም ዝነበሩ ገለጸ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ሓላዊ እዮም ነይሮም። (ገላትያ 3:23) ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ህይወቶም እቲ ሕጊ ይጸልዎም ነበረ። ንስምዒታቶምን ንስጋዊ ትምኒቶምን ልጓም ገበረሉ። ንባህርያቶም ብምቍጽጻርን ንጕድለቶም ብቐጻሊ ብምግናሕን: ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ፍጹም ዘይምዃኑ ኣፍለጦም።
ብተወሳኺ እውን: እቲ ሕጊ ኻብ ሕማቕ ጽልዋ እቶም ሕሱር ስነ-ምግባርን ሃይማኖትን ዝነበሮም ኣብ ከባቢ እስራኤል ዝነበሩ ህዝብታት ዕቚባ ዀኖም። ንኣብነት: ኣምላኽ ምስ ኣረማውያን ከይዋሰቡ ምኽልካሉ: ንመንፈሳዊ ድሕንነት እቲ ህዝቢ ኣገዳሲ ነበረ። (ዘዳግም 7:3, 4) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጊ መንፈሳዊ ንጽህና ህዝቢ ኣምላኽ ኪሕሎ ኣኽኢሉን ነቲ መሲሕ ምልላይ ንኪኽእሉ ኣዳልይዎምን እዩ። እዚ ብርግጽ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዩ ነይሩ። ሙሴ ነቶም እስራኤላውያን ብጾቱ: “ሰብ ንወዱ ኸም ዚቐጽዕ: እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከምኡ ኸም ዝቐጽዓካ: ብልብኻ ፍለጥ” ብምባል ኣዘኻኸሮም።—ዘዳግም 8:5
ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ጳውሎስ ዝገለጾ ምሳሌ ግን: ስልጣን እቲ ሓላዊ ግዜያዊ ምዃኑ እዩ። እቲ ቘልዓ ምስ ዓበየ: ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓላዊኡ ኣይከውንን ነበረ። ዘኖፎን ዚበሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ (431-352 ቅ.ክ.): “ሓደ ወዲ ቝልዕነቱ ምስ ወድአን ምስ ዓበየን: ካልኦት ካብ [ሓላዊኡ] ከምኡውን [መምህሩ] ሓራ ይገብርዎ፣ ድሕርዚ ኣብ ትሕቲኦም ኣይከውንን: ብርእሱ ኪኸይድ ከኣ ይፈቕዱሉ” ኢሉ ጸሓፈ።
እዚ ምስቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበሮ ስልጣን ዚመሳሰል እዩ። ሕጊ ሙሴ “ብሰሪ ኣበሳ እተወሰኸ: እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ [የሱስ ክርስቶስ] ኽሳዕ ዚመጽእ” ዜገልግል ግዜያዊ መሰናድዎ ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ: እቲ ሕጊ ንኣይሁድ: ‘ናብ ክርስቶስ ዜብጽሕ ቀጻዒ [“ሓላዊ:” ትርጕም 1990] ’ ከም ዝነበረ ገለጸ። ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ኣይሁድ: ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ: ነቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ኺህቡሉ ነበሮም። ከምኡ ምስ ገበሩ: እቲ ሓላዊ ዝነበሮ ዕማም ይፍጸም ነበረ።—ገላትያ 3:19, 24, 25
ሮሜ 7:7-14) እቲ ሕጊ ጽቡቕ ሓላዊ ነበረ። ኣብ ትሕቲ ዕቝባ እቲ ሕጊ ንዝነበሩ ገሊኦም ግን: እቲ ዝሓቶ ብቕዓታት ከቢድ መሲሉ ተራእይዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸኣ ጳውሎስ: እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ምስ ኣኸለ: “ክርስቶስ . . . ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና” ኢሉ ኺጽሕፍ ከኣለ። እቶም ዘይፍጹማት ዝነበሩ ኣይሁድ: ንብቕዓታት እቲ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ኬማልእዎ ስለ ዘይክእሉ: “መርገም” ኰይንዎም ነይሩ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ብልዑል ጥንቃቐ ኪኽበር ዘለዎ ወግዕታት ዝሓዘ ነበረ። ሓደ ኣይሁዳዊ ነቲ ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ እተገብረ ብሉጽ መሰናድዎ ሓንሳእ እንተ ተቐቢሉ: ኣብ ትሕቲ ቐይዲ እቲ ሓላዊ ኪኸውን ኣድላዪ ኣይነበረን።—ገላትያ 3:13፣ 4:9, 10
እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ፍጹም እዩ ነይሩ። ዕላማ እቲ ኣምላኽ ዝመስረቶ ሕጊ ንህዝቡ ንምክልኻልን ነቲ ልዑል ስርዓታቱ ንኺግንዘቡ ምግባርን ነበረ፣ እዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ዕላማኡ ወቒዑ እዩ። (ስለዚ: ጳውሎስ ንሕጊ ሙሴ ምስ ሓላዊ ዘመሳሰሎ: ንኣይሁድ ኣብ ምእላይ ዝነበሮ ግደን ግዜያዊ ምንባሩን ንምጕላሕ እዩ። ሞገስ የሆዋ ዚርከብ ነቲ ሕጊ ብምእዛዝ ዘይኰነስ: ንየሱስ ኣፍልጦ ብምሃብን ኣብኡ ብምእማንን እዩ።—ገላትያ 2:16፣ 3:11
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
“ሰብ ሕድርን” “መገብትን”
ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓላዊ ኣብ ልዕሊ ምጽሓፉ: “ሰብ ሕድርን” “መገብትን” ዚብል ምሳሌታት እውን ተጠቕመ። ኣብ ገላትያ 4:1, 2: “ወራሲ ብዘመን ቍልዕነቱ ኸሎ: ጐይታ ዅሉ ኽነሱ: ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር: ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን” ዚብል ነንብብ። ዕማም እቶም “ሰብ ሕድርን” “መገብትን” ካብቶም ሓለውቲ እተፈልየ እኳ እንተ ነበረ: እቲ ጳውሎስ ኬጕልሖ ዝደለየ ነጥቢ ግን ተመሳሳሊ እዩ።
ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሮሜ: ሓደ ‘ብዓል ሕድሪ’ ንዘኽታም ቈልዓ ኸም መጕዚ ኪዀኖን እቲ ቘልዓ ኽሳዕ ዚዓቢ ንቝጠባዊ ጕዳያቱ ኼስተናብረሉን: ብሕጋዊ መገዲ ይምዘዝ ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ እዩ ጳውሎስ: ዋላ እኳ እቲ ቘልዓ ኸም ወራሲ መጠን “ጐይታ” እቲ ውርሱ እንተ ተባህለ: ቈልዓ እናሃለወ ግን ካብ ባርያ ዚዛይድ መሰል ከም ዘይብሉ እተዛረበ።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ሓደ ‘መጋቢ’ ኣብ ቍጠባዊ ጥሪት እቲ ቘልዓ ኸም ወኪል ኰይኑ ይዓዪ ነበረ። ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቭየስ ጆሰፈስ: ሃይርካነስ እተባህለ መንእሰይ ወዲ ዝደለዮ ዘበለ ንኺገዝእ እቲ መጋቢ ገንዘብ ምእንቲ ኺህቦ ንኣቦኡ ኸም ዝሓተቶ ገለጸ።
ስለዚ: ኣብ ትሕቲ ሓላዊ ምዃን ኰነ ኣብ ትሕቲ ‘ብዓል ሕድሪ’ ወይ ‘መጋቢ’ ምዃን: ሓደ ሰብ ብንእስነቱ ኸሎ ናጽነቱ እተገደበ ምዃኑ እዩ ዜመልክት። ኣቦኡ ሓራ ኽሳዕ ዜውጽኦ ህይወት እቲ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ካልኦት እያ ነይራ።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ሓላዊ ምስ በትሩ ዜርኢ ኣብ ጥንታዊ ናይ ግሪኽ ሳርማ እተሳእለ ስእሊ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
National Archaeological Museum, Athens
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Bildarchiv Preussischer Kulturbesitz/Art Resource, NY
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ሓላዊኡ (ምስ በትሩ) ዀይኑ ብዛዕባ ግጥምን ሙዚቃን ኪመሃር ከሎ ዜርኢ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ኹባያ