ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እተላእከት ደብዳበ “ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ረኺበ ኣይፈልጥን”

ካብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እተላእከት ደብዳበ “ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ረኺበ ኣይፈልጥን”

ካብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እተላእከት ደብዳበ

“ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ረኺበ ኣይፈልጥን”

ኒውርካ ኣብዚ ሰሙን እዚ ንፈለማ ግዜ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ኣብ ጉባኤና ኣቕሪባ። ነቲ እትብሎ ኣብ ብረይል ብምጽሓፍ ተዳለወትሉ: ሸምደደቶ ኸኣ። ኣነ ድማ ከም ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኽትመሃር ተገዳስነት ዘሕደረት ሰብ ኰይነ ኣብቲ መድረኽ ምስኣ ነይረ። እቲ ማይክሮፎን ነቲ ድምጸይ ናብቲ ኣብ እዝና ዘሎ መስምዒ የመሓላልፎ ነበረ። ምስ ወዳእና: እቶም እተደነቑ ሰማዕቲ ድሙቕ ጣቕዒት ስለ ዘጣቕዑላ ኽትሰምዖም ከኣለት። እቲ ኣብ ገጻ ዚንበብ ዝነበረ ፍሽኽታ ኣዝያ ኸም እተሓጐሰትን ዕግበት ከም እተሰመዓን የመልክት። ኣነ እውን ተሓጒሰ ነይረ። ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ዓስቢ ዀን እዩ ዘለዎ!

ንኒውርካ ንፈለማ ዝረኸብክዋ እዋን እዝክሮ እየ። ቅድሚ ኽልተ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዶራን መገድታት ገጠር ንፍርቂ ሰዓት ዚኣክል ብማኪና ምስ ተጓዓዝና: ንፈለማ ግዜ ረኸብክዋ። ኣብ ገበላ እታ ንእስ ዝበለት ቤታ ኾፍ ኢላ ነበረት፣ እታ ቤት ብዕንጨይትን ብብሎኬቶን እተሰርሐት ኰይና: ናሕሳ ዝመረተ ዚንጎ እዩ። ኣብቲ ኸባቢ ኣጣልን ማንቲለታትን ኣኽላባትን ስለ ዝነበሩ: ደሃዮም ይስማዕ: ሽታኦም ድማ ይሽትት ነበረ። ኒውርካ ርእሳ ኣድኒና ኾፍ ኢላ ነበረት: እዚ ድማ ብጽምዋን ብጭንቀትን ከም እተዋሕጠት እዩ ዚሕብር። ዕድሚኣ 34 ክነሱ ኻብኡ ንላዕሊ እያ እትመስል።

ኣነ ድማ ብህድኣት እንግድዓ ትንክፍ ትንክፍ ኣበልክዋ: ካብኡ በተን ን11 ዓመት ምርኣይ ዝሰኣና ኣዒንታ ተዓዘበትና። ኣብ እዝና ዓው ኢለ መንነተይን መንነት መገላግልተይን ነገርክዋ። ኣብ ካልእ ግዜ: ኒውርካ ግዳይ ሓደ ብዙሕ ስቓይ ዘምጸኣላ ብውርሲ ዚመሓላለፍ ሕማም ከም ዝዀነት ፈለጥና። ብተወሳኺ: ከቢድ ሕማም ሽኮርያ ስለ ዘለዋ: ኣብ ደማ ዘሎ ናይ ሽኮር መጠን ብዙሕ ጥንቓቐ የድልዮ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣእዳዋ ምስ ኣቕረብኩላ ፈለጠቶ: ኣዒንታ ቕድሚ ምዕዋራ ቕዱሳት ጽሑፋት ምንባብ ትፈቱ ኸም ዝነበረት ድማ ተዛረበት። እሞ ደኣ ነዛ ብጽምዋ እተዋሕጠት: ትሕትቲ: ከምኡውን ተነቃፊት ውልቀ-ሰብ: ነዚ መንፈስ ዜሐድስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ኸመይ ገይረ ኽምህራ ነይሩኒ፧ ፊደላት ስለ እትፈልጥ: ካብ ፕላስቲክ እተሰርሐ ፊደላት ኣብ ኢዳ ኸንብረላ ጀመርኩ። ቀልጢፋ ድማ ከተለልዮ ኸኣለት። ቀጺለ: ብኣእዳወይ ገይረ ኣብ ኣእዳዋ ምልክት ክገብር ከለኹ: ነፍሲ ወከፍ ፊደል ምስቲ ኣብ ቋንቛ ምልክት ኣመሪካ ዘሎ ፊደል ምትሕሓዝ ተማህረት። በብቝሩብ ድማ ካልእ ምልክታት ተማህረት። ነቲ ቛንቛ ባዕለይ ክመሃሮ ስለ ዝጀመርኩ: ነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ናይ ሰዓታት ምድላው የድልዮ ነበረ። ይኹን እምበር: ኣነን ኒውርካን ልዑል ድሌት ሓደረና: ስለዚ ነቲ ቛንቛ ምልክት ብቕልጡፍ እናመለኽናዮ ኸድና።

ሓደ ትካል ግብረ ሰናይ ንመስምዒ ዜገልግል መሳርሒ ወፈየላ: በዚ ኣዝያ ተተባቢዓ ዝበለጸ ዕቤት ገበረት። ኣዝዩ ዘመናዊ እኳ እንተ ዘይኰነ: ብዙሕ እዩ ሓጊዙዋ። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዚኣክል ዓዊራን ምሉእ ብምሉእ ጸምዩዋን ድሕሪ ምጽናሕ: ናይ ገዛእ ርእሳ ዓለም ፈጢራ ነይራ። መንፈስ ቅዱስ የሆዋ ግን ኣእምሮኣን ልባን ከፊቱ: ብፍልጠት: ብተስፋ: ከምኡውን ብፍቕሪ መልኦ። ነዊሕ ከይጸንሐ: በትሪ ሒዛ ናብ ጐረባብታ እናኸደት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ከተካፍል ጀመረት።

ኒውርካ ንሓትኖኣን ንጓል ሓትኖኣን ንሰበይቲ ወዲ ሓትኖኣን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓለን ኣላ። ጽቡቕ ገይራ ትዳሎ: ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ኣቐዲማ ትሽምድዶ። እተን ተመሃሮኣ ሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ የንብባ: ንሳ ድማ ካብቲ ናይ ብሬል መጽሓፋ ነቲ ሕቶ ትሓተን። ካብኡ እታ መገላግልታ ነቲ መልሲ ኣብ እዝና ትነግራ ወይ ድማ ብናይ ምድህሳስ ምልክት ትሕብራ።

ኣባላት ጉባኤ ብምሉኦም ንኒውርካ ሓገዝ ይገብሩላን የተባብዕዋን እዮም። ገሊኦም ክርስትያናት ኣሕዋታ ናብ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ናብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ሒዞምዋ ይኸዱ። ገሊኦም ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሰንይዋ። ኒውርካ ኣብዚ ቐረባ ግዜ: “ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ረኺበ ኣይፈልጥን” በለትኒ። ኣብቲ ኣብ ዚቕጽል እንገብሮ ኣኼባ ኣውራጃ ኽትጥመቕ ድማ ተስፋ ትገብር።

ሓደ ግዜ ናብቲ ኒውርካ እትነብረሉ ቦታ ምስ ከድና: ኣብቲ ገበላ ኾፍ ኢላ ጸሓይ እናተጸልወት ርእሳ ኣቕንዕ ኣቢላ ረኣኽዋ: ኣብ ገጻ ድማ ፍሽኽታ ይርአ ነበረ። ኣነ ድማ ስለምንታይ ፍሽኽ ከም ዝበለት ሓተትክዋ። ንሳ ኸኣ: “ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ምድሪ ገነት እትዀነሉ እዋን እየ ዝሓስብ ነይረ። ኣብኡ ኸም ዘለኹ ገይረ ድማ ኽሓስብ ጸኒሐ” በለትኒ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኒውርካ ምስ ገለ ኣባላት ጉባኤና ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኒውርካ ነቲ እተማህረቶ ንኻልኦት ተካፍሎም