ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠመካ ኽነሱ ሕጉስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠመካ ኽነሱ ሕጉስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠመካ ኽነሱ ሕጉስ ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ጕህዩ ዘይፈልጥ መን ኣሎ፧ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ: ዝጐሃየሉ እዋን ነይሩ እዩ። ንኣብነት: ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ብምውጻእ ኣብዚሑ ባሪኽዎም ነበረ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ: “ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ: ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ” ይብል። (መዝሙር 78:41) እንተዀነ ግን: የሆዋ ወትሩ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW

ብርግጽ: ጠንቂ ጓሂ ዚኸውን ብዙሕ ነገራት እዩ። ሓጐስና ኸየጥፍኣልና ኽንከላኸሎ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ካብቲ የሆዋ ኣምላኽ ንዜጕሂ ዅነታት ዝሓዘሉ መገዲኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ዜጕሂ ነገራት

ቃል ኣምላኽ ንዅላትና “ጊዜን ኣጋጣምን” ኸም ዚመጸና ይገልጽ። (መክብብ 9:11) ከም ገበን: ሓደጋ: ወይ ሕማም ዝኣመሰለ ብሃንደበት ዜጋጥም ነገራት: ጭንቀትን ጓህን ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ” ይብለና። (ምሳሌ 13:12) ንጽቡቕ ነገራት ብሃንቀውታ ምጽባይ ዜሐጕሰና እኳ እንተ ዀነ: ቀልጢፉ እንተ ዘይተፈጺሙ ግን ዓሚቝ ጓሂ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ደንከን a ሚስዮናዊ ዀይኑ ንኪቕጽል ሓያል ባህጊ እኳ እንተ ነበሮ: ንሱን ሰበይቱን ንነዊሕ ዓመታት ሚስዮናውያን ኰይኖም ድሕሪ ምግልጋሎም ግን ናብ ዓዶም ኪምለሱ ዜገድድ ኵነታት ኣጋጠሞም። “ኣብ ህይወተይ ንመጀመርያ ግዜ ዕላማ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ሸቶ ዚበሃል ኣይነበረንን። ዜገድሰኒ ነገራት ኣይነበረን” በለ። ከምቲ ንክሌር ዘጋጠማ እቲ ዚስምዓና ጓሂ ነባሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ጥንሲ ኪኸደኒ ኸሎ ናይ ሸውዓተ ወርሒ ጥንስቲ ነበርኩ። እዚ ቕድሚ ብዙሕ ዓመታት ዘጋጠመኒ እኳ እንተ ዀነ: ኣብ መድረኽ መደረ ዜቕርብ ቈልዓ ኺርኢ ኸለኹ ግን: ‘እዚ ወደይሲ ኽንድዚ ምዀነ ነይሩ’ ኢለ እሓስብ።”

ዝጀመርካዮ ወርዝነት ኪቋረጽ: ሓዳርካ ኺፈርስ: ውሉድካ ኺዓሉ: ናይ መርዓ ብጻይካ እሙን ከይኰነ ኺተርፍ: ወይ መሓዛኻ ዘየማሱ ኪኸውን ከሎ ዚስምዓካ ጓሂ መሪር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ዘይፍጹማት ሰባትን ኣብ ኣጸጋሚ ግዜን ስለ እንነብር: መወዳእታ ዘይብሉ ዜጕሂ ነገራት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ።

ናይ ገዛእ ርእስና ድኽመት እውን ንጓሂ ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: መርመራ ምስ ዘይንሓልፍ: ስራሕ ምስ እንስእን: ወይ ኣፍቃሪ ደሊና ምስ እንስእን: ዘይንረብሕ ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እንፈትዎ ሰብ ከም ክርስትያን መጠን ዕቤት ካብ ምግባር ኬቃርጽ ከሎ እውን: ብርእስና ኽንጕሂ ንኽእል ኢና። ሜሪ ኸምዚ በለት:- “ጓለይ ጽቡቕ ዕቤት እትገብር ዘላ ትመስል ነበረት። ጽቡቕ ኣብነት ከም ዝዀንክዋ ዀይኑ ድማ ተሰምዓኒ። ይኹን እምበር: ንየሆዋ ኣምላኽን ንስነ-ምግባር ስድራ ቤትናን ዝባና ምስ ሃበት: ኣነ ኸም እተጋገኹ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣብ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ኻልእ ዓወታት ኪኽሕሰኒ ኣይከኣለን። ኣዝየ ተስፋ ቘሪጸ ነበርኩ።”

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጓሂ ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ንኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ: ነቲ ጓሂ ብምስዓር የሆዋ ዝሓደገልና ኣብነት ንመርምር።

ኣብ ፍታሕ ኣተኵር

እቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር ዘየማስዉን ዓለወኛታትን እኳ እንተ ዀኑ: የሆዋ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዜድልዮም ነገራት ሃቦም። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 2ን 3ን) ድሕርዚ: ቃየል ወዶም ሕማቕ ኣረኣእያ ኸማዕብል ጀመረ። የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ንሓዉ ኣቤል ቀተሎ። (ዘፍጥረት 4:1-8) የሆዋ ኸመይ ዝበለ ጓሂ ኸም እተሰምዖስ ክትግምቶዶ ትኽእል፧

እቲ ኣምላኽ እተሰምዖ ጓሂ ሓጐሱ ዘየጥፈኣሉ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: ኵላ ምድሪ ብፍጹማት ሰባት ንምምላእ ዕላማ ስለ ዝነበሮን ነዚ ንምፍጻም ምዕያይ ስለ ዝቐጸለን እዩ። (ዮሃንስ 5:17) ዕላማኡ ንምፍጻም ከኣ: መስዋእታዊ በጃን መንግስቱን ኣዳለወ። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ ሮሜ 5:18, 19) የሆዋ ኣምላኽ ኣብቲ ጸገም ዘይኰነስ: ኣብቲ ፍታሕ እዩ ኣተኲሩ።

ብዛዕባ ሕሉፍ ጌጋ ኽንሓስብ ኣብ ክንዲ እንጭነቕ: ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ንኸነተኵር ቃል ኣምላኽ የተባብዓና። ከምዚ ድማ ይብል:- “ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ።”—ፊልጲ 4:8

ብዛዕባ ጓሂ ኺህልወና ዚግብኦ ቕኑዕ ኣረኣእያ

ንህይወትና ኪቕይር ዚኽእል ነገር ብሃንደበት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ብሃንደበት ስራሕና: ናይ መርዓ ብጻይና: ወይ ከኣ ኣብ ጉባኤ ዝነበረና ሓላፍነት ክንስእን ንኽእል ኢና። ጥዕናና: ቤትና: ወይ ፈተውትና እውን ክንስእን ንኽእል ኢና። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ብኸመይ ኢና እንዋጽኣሉ፧

ገሊኦም ቀዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ ነገራት ምስራዕ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። እቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዝነበረ ደንከን ከምዚ በለ:- “ኣነን ሰበይተይን ናብቲ ናይ ቀደም ናብራ ህይወትና ኽንምለስ ከም ዘይንኽእል ምስ ፈለጥና: እንገብሮ ሓርበተና። ጸኒሕና: ቀዳምነት ክንህቦ ዚግብኣና ኽልተ ነገራት ሰራዕና፣ እዚ ድማ ንኣዴና ምክንኻንን ብእተኻእለና መጠን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትና ምቕጻልን እዩ። ውሳነታት ክንገብር ከሎና: ነቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ዚትንክፍ እንተ ዀይኑ ኢና እንሓስብ። ከምዚ ምግባርና ኸኣ ንዅሉ ነገራት ቀሊል ይገብሮ።”

መብዛሕትና ዜጕሂ ነገራት ምስ ዜጋጥመና: ኣሉታዊ ነገራት ናይ ምግናን ዝንባለ ኣለና። ንኣብነት: ውሉድ ከነዕቢ: ንስራሕ ብቑዓት ክንኸውን: ወይ ነቲ ብስራት ኣብ ወጻኢ ሃገር ክንሰብኽ እንገብሮ ጻዕሪ ኸምቲ ዚድለ ውጽኢት ከይህልዎ ይኽእል። ‘ኣነ እየ ተጋግየ’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። እንተዀነ ግን: ልክዕ ከምቲ እቲ ዜጕሂ ኣጀማምራ ዘርኢ ደቂ ሰብ ኣምላኽ ከም እተጋገየ መርትዖ ዘይከውን: ዝገበርናዮ ጻዕሪ ዕዉት ስለ ዘይኰነ እውን ተጋጊና ኢና ማለት ኣይኰነን።—ዘዳግም 32:4, 5

ሰባት ኬጕህዩና ኸለው ብቕሬታ ተለዓዒልና መልሰ-ግብሪ ኽንህብ እዩ ዚቐለና። የሆዋ ግን ከምኡ ኣይገበረን። ንጉስ ዳዊት ዝሙት ምስ ፈጸመን ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ኪቕተል ምስ ገበረን ንየሆዋ ኣጕህይዎ ነበረ። ይኹን እምበር: የሆዋ ልባዊ ንስሓ ዳዊት ብምርኣዩ: ከም ኣገልጋሊኡ ዀይኑ ኪቕጽል ፈቐደሉ። ብተመሳሳሊ: እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዮሳፋጥ ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ኪዳን ብምእታዉ ተጋገየ። ነብዪ የሆዋ: “በዚ ነገር እዚ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵራ ኣብ ልዕሌኻ አሎ። ግናኸ . . . ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ አሎ” በሎ። (2 ዜና መዋእል 19:2, 3) የሆዋ ንዮሳፋጥ በታ ዝገበራ ሓንቲ ጌጋ ኸም ከሓዲ ገይሩ ኣይረኣዮን። ብተመሳሳሊ: ኣዕሩኽና ኺጋገዩ ኸለዉ: ነቲ ነገር እምብዛ ኣኽቢድና እንተ ደኣ ዘይርኢናዮ: ኣዕሩኽና ኻብ ምስኣን ክንድሕን ንኽእል ኢና። እቶም ዘጕሃዩና ኣዕሩኽና ጽቡቕ ባህርያት ኪህልዎም ይኽእል እዩ።—ቈሎሴ 3:13

ናብቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ቅድሚ ምብጻሕና: ጓሂ ዜጋጥም ዘይተርፍ ነገር ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ሓጢኣት ክንፍጽም ከለና ብርእስና ንጕሂ ንኸውን። ይኹን እምበር: ወሳንን ቈራጽን ስጕምቲ ብምውሳድ ንቕድሚት ክንስጕም ንኽእል ኢና። ንጉስ ዳዊት በቲ ዝገበሮ ነገር ዓሚቝ ጓሂ ምስ ተሰምዖ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ። . . . ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ: . . . ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ።” (መዝሙር 32:3-5) ነቲ ኣምላኽ ካባና ዚጽበዮ ነገር ከም ዘይፈጸምና እንተ ደኣ ፈሊጥና: ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና ብምሕታት ካብቲ ሕማቕ መገድና ኽንምለስ: ኣብ መጻኢ ንምኽሪ ኣምላኽ ዝያዳ ጠቢቕና ንምስዓብ ድማ ክንውስን ኣሎና።—1 ዮሃንስ 2:1, 2

ንዜጋጥመካ ጓሂ ኻብ ሕጂ ተዳሎ

ኵላትና ኣብ መጻኢ ዜጕሂ ነገር ከም ዜጋጥመና ዜጠራጥር ኣይኰነን። ድሉዋት ምእንቲ ኽንከውን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ንናብራ ህይወቱ ዝለወጠ ጓሂ ዘጋጠሞ ብሩኖ ዚበሃል ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያን ኣገዳሲ ርእይቶ ሃበ:- “ንዓይ ጓህየይ ንኽጻወሮ ዝሓዘኒ ቐንዲ ረቛሒ: ከምቲ ኣቐዲመ ዝገብሮ ዝነበርኩ መንፈሳውነተይ ንኸደልድል ምጽዓረይ እዩ። ኣምላኽ እዚ ጨካን ስርዓት እዚ ንኪቕጽል ዝፈቐደሉ ምኽንያት ተማሂረ ነይረ እየ። ንዓመታት ዚኸውን ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ንኽምስርት ጽዒረ እየ። ነዚ ኽገብር ብምኽኣለይ ከኣ ሕጉስ እየ። የሆዋ ምሳይ ከም ዝነበረን ንዘጋጠመኒ ጭንቀት ንኽዋጽኣሉ ኸም ዝሓገዘንን ምፍላጠይ ኣጸናንዓኒ።”

ብዛዕባ መጻኢ ኸነስተንትን ከለና: ሓደ ነገር ርግጸኛታት ንኹን፣ ዋላ እኳ ብርእስና ኽንጕሂ ወይ ካልኦት ኬጕህዩና ዚኽእሉ እንተ ዀኑ: ኣምላኽ ግን ፈጺሙ ኣየጕህየናን እዩ። አረ እቲ የሆዋ ዚብል ስሙ: “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” ዚብል ትርጕም ከም ዘለዎ ገሊጹ እዩ። (ዘጸኣት 3:14 NW) እዚ ዕላማኡ ንምፍጻም ኣድላዪ ዝዀነ ዅሉ ኸም ዚኸውን ምትእምማን ከም ዚህልወና ይገብር። ብመንግስቱ ኣቢሉ ፍቓዱ “ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ኸም ዚኸውን ቃል ኣትዩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ሞት ኰነ ወይ ህይወት: መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ . . . ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ አሎኹ” ኢሉ ዝጸሓፈ።—ማቴዎስ 6:10፣ ሮሜ 8:38, 39

ንፍጻመ እቲ ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ዝኣተዎ: “እንሆ: ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” ዚብል መብጽዓ ብምትእምማን ክንጽበዮ ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 65:17) ድሕሪ ሓጺር እዋን ኵሉ ዜጕሂ ተዘክሮታትና ነበረያ ነበረ ኪኸውንሲ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ ዀን እዩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ዝገበርናዮ ጻዕሪ ዕዉት ስለ ዘይኰነ: ተጋጊና ኢና ማለት ኣይኰነን

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ሕሉፍ ጌጋ ኽንሓስብ ኣብ ክንዲ እንጭነቕ: ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ንኸነተኵር ቃል ኣምላኽ የተባብዓና

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ደቂ ሰብ ዋላ እኳ እንተ ተጋገዩ: ኣምላኽ ዕላማኡ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛ ስለ ዝዀነ ሕጉስ እዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ: ነቲ ዜጋጥመና ጓሂ ንምጽዋር ሓጋዚ እዩ