ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

22 መጋቢት 2008—ክትዝከር ዘለዋ ዕለት

22 መጋቢት 2008—ክትዝከር ዘለዋ ዕለት

22 መጋቢት 2008—ክትዝከር ዘለዋ ዕለት

የሱስ ክርስቶስ ድሮ እታ ዚሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት: ንሃዋርያቱ ዘይበዅዐ ቕጫን ቀይሕ ወይንን ድሕሪ ምሃብ ካብኡ ኺበልዑን ኪሰትዩን ኣዘዞም። “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” እውን በሎም።—ሉቃስ 22:19

ኣብዛ ዓመት እዚኣ: እዚ በዓል እዚ ቐዳም 22 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺውዕል እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዛ ፍልይቲ ምሸት እዚኣ በዓል ዝኽሪ በቲ የሱስ ዝኣዘዞ መገዲ ንምብዓል ኪእከቡ እዮም። ምሳና ንኽትእከብ ብኽብሪ ንዕድመካ። እዚ ፍሉይ ኣኼባ እዚ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ንምፍላጥ ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወከሶም።