ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድርና ኽትጠፍእ ድያ፧

ምድርና ኽትጠፍእ ድያ፧

ምድርና ኽትጠፍእ ድያ፧

‘ምድርና ኣብ መጻኢ እንታይ ክትከውን እያ፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ነዛ ጽብቕቲ ፕላነትና ዜጋጥማ ዘሎ ነገር ብምርኣይ: ምድርና ኻብ ጥፍኣት ከም ዘይተምልጥ ይኣምኑ።

ልክዕ እዩ: ሰባት ንኸም ማይን ዱርን ኣየርን ዝኣመሰለ ኽቡር ሃብቲ ብዘይግቡእ ይጥቀሙሉ ስለ ዘለዉ: ኣብዚ ግዜ እዚ ምድሪ ትዓኑ እያ ዘላ። ብተወሳኺ: ገለ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት: ምድርን ኣብኣ ዘሎ ህይወት ብምሉኡን ብኸም ዓብዪ ፍንጫል ኰዀብ: ተተኳሲ ኰዀብ: ወይ ኣብ ጸሓይ ዘሎ ሃይድሮጅን ነዳዲ ምስ ተጸንቀቐ ኽትጠፍእ ከም እትኽእል የጠንቅቑ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት: ምድሪ በብቝሩብ ምናልባት ድሕሪ ብዙሕ ቢልዮናት ዓመታት: ሰባት ብህይወት ከተንብር ዘይትኽእል ከም እትኸውን ይኣምኑ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ነዚ ነገር እዚ: “ናብ ምምዝባል ዚመርሕ ዘይተርፍ ዝንባለ” ኢሉ ይገልጾ።

እቲ ዜሕጕስ ግን: የሆዋ ኣምላኽ: ምድሪ ኽትጠፍእ ከም ዘይፈቅድ ወይ ብዘይ ሰብ ክትነብር ከም ዘይፈጠራ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና። ፈጣሪ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ‘ብርቱዕ ሓይሊ’ ኣለዎ: ስለዚ ነዚ ዩኒቨርስ ንዘለኣለም ኪከናኸኖ ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 40:26) እምበኣር: ኣብዘን ዚስዕባ ቓላት እምነት ከተሕድር ትኽእል ኢኻ:- “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ: [ኣምላኽ] ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ።” “ኣትን ጸሓይን ወርሕን: አመስግናኦ: ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲ: አመስግንዎ። . . . ንሱ አዚዙ: ተፈጢሮም እዮም . . . ንዘለኣለመ ኣለም ኣቘሞም።”—መዝሙር 104:5፣ 148:3-6

ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ

ምድሪ ኸምቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ሰባት ብዘይግቡእ ዚጥቀሙላን ዜበላሽውዋን ዘለዉ ኽትከውን ፈጺሙ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ፈጠሮም: ኣብ ጽብቕቲ ገነት ድማ ኣንበሮም። ልክዕ እዩ: እታ ገነታዊት መንበሪኦም ብርእሳ ጽብቕቲ ዀይና ኽትቅጽል ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ኣምላኽ: ‘ኪዓይዋን ኪሕልውዋን’ ሓላፍነት ሃቦም። (ዘፍጥረት 2:8, 9, 15) ኣምላኽሲ ነቶም ሓደ እዋን ፍጹማት ዝነበሩ ወለድና ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስን ዜዕግብን ስራሕ ኰን እዩ ዝሃቦም!

እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ: ነታ ናይ ፈለማ ገነት ካብ ምክንኻን ንላዕሊ የጠቓልል። ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እዩ ዚደሊ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን: “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” ኢሉ ትእዛዝ ዝሃቦም።—ዘፍጥረት 1:28

እቲ ዜሕዝን ግን: ዕላማ ኣምላኽ ብሓደ ሰይጣን እተባህለ ዕቡይ መልኣኽ ተቓውሞ ኣጋጠሞ። ንሱ ብኣዳምን ሄዋን ኪምለኽ ልዑል ድሌት ሓደሮ። ሰይጣን ንተመን ከም መዛረቢ ገይሩ ብምጥቃም: ካብ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ከም ዚዓልዉ ገበሮም። (ዘፍጥረት 3:1-6፣ ራእይ 12:9) እቲ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ስሱዕ ባህጎምሲ ንፈጣሪና ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኣጕሂይዎ ኪኸውን ኣለዎ! እንተዀነ ግን: እቲ ዕልወቶም ዘይለወጦ ሓደ ነገር ኣሎ፣ እዚ ድማ እቲ የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እዩ። ንሱ ባዕሉ: “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ . . . ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” በለ።—ኢሳይያስ 55:11

የሆዋ ንዕልወት ሰይጣን ክሳዕ እዚ ግዜና ንኪቕጽል ዝፈቐደሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። እቲ ዕልወት ካብ እተጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ወዲ ሰብ ርእሱ ንምምሕዳር ብዙሕ ኪፍትን ክኢሉ እዩ: እቲ ውጽኢት ከም ዚሕብሮ ግን እቲ ኻብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ብርእስኻ ምኻድ ዚብል ሰይጣን ዘቕረቦ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ፈሺሉ እዩ። aኤርምያስ 10:23

ብኣወንታዊ ሸነኹ ኺርአ ኸሎ: ኣብቲ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት: ኣምላኽ ንገለ ቕኑዓት ሰባት ባሪኽዎም እዩ። ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ምእዛዝ ወይ ምንጻግ ዜስዕቦ ሳዕቤን እውን ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ዓቂብዎ ኣሎ። ብተወሳኺ: የሆዋ ንመጻኢ ኺጠቕመና ኢሉ ዜደንቕ ነገራት ኣዳልዩ ኣሎ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ድማ እቲ ዜፍቅሮ ወዱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ንኺምህረናን ህይወቱ ምእንታና ንኪኸፍልን ኢሉ: ንደቂ ሰብ መድሓኒ ኪኸውን ለኣኾ። (ዮሃንስ 3:16) የሱስ ሞት ኣይግብኦን እዩ ነይሩ: ስለዚ ድማ ኣምላኽ ንሞት የሱስ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ዘጥፍእዎ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ብሕጋዊ መገዲ ኸፊልካ ንምምላስ ተጠቐመሉ። b በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ እትገዝእ ሰማያዊት መንግስቲ ዘቘመ: ነቲ ኻብ ሞት ዝተንስኤ ወዱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ድማ ንጉስ እዛ መንግስቲ ኪኸውን መዘዞ። እዚ ዜደንቕ መሰናድዎ እዚ ድማ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዚፍጸም የረጋግጽ።—ማቴዎስ 6:9, 10

ስለዚ: ኣብዚ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜደንቕ መብጽዓታት ፍጹም ምትእምማን ኪህልወካ እዩ:- “እኩያት ኪጸንቱ እዮም: ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: . . . ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ: በለ።”—መዝሙር 37:9, 29፣ ራእይ 21:3-5

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ኣይጋጮን

ገሊኦም ግን: ‘ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጥቕሲ ምስቲ ምድሪ ኸም እትጠፍእ ገይሩ ዚዛረብ ዚመስል ካልእ ጥቕስታት ከመይ ጌርና ኸነሰማምዖ ንኽእል፧’ ኢሎም ይሓቱ። ገለ ኣብነታት እስከ ንውሰድ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርምር: መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ኸም ዘይጋጮ የርኢ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ነቲ ኣብ ኵሉ ግኡዝ ነገራት ዘሎ “ናብ ምምዝባል ዚመርሕ ዘይተርፍ ዝንባለ” ቕድሚ ምግንዛቦም ነዊሕ ይገብር: ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣምላኽ: “ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ: ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም: ንስኻ ግና ትነብር: ኵላቶም ከም ክዳን ኪበልዩ እዮም: ከም ልብሲ ኽትልውጦም ኢኻ: ኪልወጡውን እዮም። ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ: ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳእን” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 102:25-27

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪምዝግበን ከሎ: ምስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዘለኣለማዊ ዕላማ ኣይኰነን ዚጋጮ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ዘለኣለማዊ ህላወ ኣምላኽ ምስቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ጠፋኢ ዝዀነ ዅሉ ነገራት እዩ ዜነጻጽሮ ነይሩ። ብዘይ እቲ ዘለኣለማዊ ናይ ኣምላኽ መሐደሲ ሓይሊ: ዩኒቨርስ ኰነ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ናይ ርግኣትን ብርሃንን ጸዓትን ምንጪ ዝዀነና ስርዓተ-ጸሓይ ናብ ፍጹም ምምዝባልን ጥፍኣትን መንቈልቈለ ነይሩ። ስለዚ: ምድርና ብርእሳ እንተ ትሕደግ: ‘ምበለየት’ ወይ ድማ ንሓዋሩ ምጠፍአት ነይራ።

ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕስታት ላዕለ ላዕሉ ኽትርእዮ ኸለኻ እውን ምስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዚጋጮ ኺመስል ይኽእል እዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ሰማይን ምድርን ከም ‘ዚሓልፍ’ ይዛረብ። (ራእይ 21:1) እዚ መግለጺ እዚ ምስቲ የሱስ: “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” ኢሉ እተመባጽዖ ኸም ዘይጋጮ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴዎስ 5:5) እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሰማይን ምድርን ‘ይሓልፍ’ ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ነታ “ምድሪ” እትብል ቃል ብስእላዊ ኣዘራርባ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምምልካት ይጥቀመላ እዩ። ንኣብነት: ነዚ ዚስዕብ ጥቕሲ እስከ ንውሰድ:- “ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት።” (ዘፍጥረት 11:1) እታ ኣብዚ “ምድሪ” እትብል ቃል ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ከም እተመልክት ንጹር እዩ። ካልእ ኣብነት ድማ መዝሙር 96:1 ኽትከውን ከላ: “ኵልኺ ምድሪ: ንእግዚኣብሄር ዘምሪ” ትብል። ብርግጽ እምበኣር ኣብዝን ኣብ ሓያሎ ኻልእ ጥቕስታትን እታ “ምድሪ” እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ ንሰባት እያ እተመልክት።—መዝሙር 96:13

መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ገዛእቲ ሓይልታት ምስ ሰማያት ወይ ድማ ምስ ሰማያዊ ኣካላት የመሳስሎም። ንኣብነት: እቶም ጨቈንቲ ባቢሎናውያን መራሕቲ ንርእሶም ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኽብ ስለ ዘበሉ: ከም ኰዀብ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 14:12-14) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ: እቶም ብ“ሰማያት” እተመሰሉ ባቢሎናውያን ገዛእቲ ኸምኡውን እቶም ብ“ምድሪ” እተመሰሉ ደገፍቲ እቲ ግዝኣት ብ539 ቅ.ክ. ጠፍኡ። (ኢሳይያስ 51:6) እዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቶም እተነስሑ ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ንኺምለሱ ኣኽኣሎም፣ ኣብኡ ድማ “ሓድሽ ሰማይ” ማለት ሓደስቲ መራሕቲ: ከምኡውን ኣብ ትሕቲኡ ዚግዛእ “ሓድሽ ምድሪ” ማለት ጻድቃን ዝዀኑ ሕብረተሰብ ቈመ።—ኢሳይያስ 65:17

እቲ ሰማይን ምድርን ‘ይሓልፍ’ ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቃላት: እዚ ብልሹው ሰብኣዊ መንግስትታትን እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ደገፍቶምን ኪጠፍኡ ምዃኖም የመልክት። (2 ጴጥሮስ 3:7) እዚ ድማ እቲ ናይ ኣምላኽ ሓድሽ ሰማያዊ መንግስቲ ነቲ ጻድቕ ዝዀነ ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንኺባርኾ መገዲ ኪኸፍት እዩ፣ ከመይሲ: “ከምቲ ተስፋኡ [ተስፋ ኣምላኽ] : ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።”።—2 ጴጥሮስ 3:13

ስለዚ: እታ ምድራዊት መንበሪትና ንዘለኣለም ከም እትነብር ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ እምነት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ: ምልእቲ ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር ከላ: ኣብቲ ባህ ዜብል ግዜ ንኽትህሉ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። የሱስ: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ስለምንታይ ደኣ እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምድርን ደቂ ሰብን እንታይ ከም ዚምህር ንምምርማር ሸቶኻ ዘይትገብሮ፧ ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ መዳይ እዚ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ ምዃኑ መብርሂ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 106-14 ተወከስ።

b ብዛዕባ መስዋእታዊ ሞት የሱስ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 47-56 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

መጽሓፍ ቅዱስ ምድራዊት መንበሪትና ንዘለኣለም ከም እትነብር ይመባጻዕ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Background globe: NASA/The Visible Earth (http://visibleearth.nasa.gov/); polar bear: © Bryan and Cherry Alexander Photography