ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅዱስ ቍርባን ብድሕሪ እቲ ጽምብል ዘሎ ሓቅታት

ቅዱስ ቍርባን ብድሕሪ እቲ ጽምብል ዘሎ ሓቅታት

ቅዱስ ቍርባን ብድሕሪ እቲ ጽምብል ዘሎ ሓቅታት

ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት እንተ ዓመታዊ: እንተ ሰሙናዊ: ወይ መዓልታዊ ሓደ ጽምብል የብዕሉ እዮም። ኰይኑ ግን: ምስጢር እምነት ተባሂሉ ይጽዋዕ: እቶም ኣብኡ ዚሳተፉ እውን ከም ዘይርድኦም ይገልጹ እዮም። ቅዱስን ተኣምራውን ከም ዝዀነ ጌርካ ድማ ይርአ።

እዚ ጽምብል እዚ ቕዱስ ቍርባን እዩ፣ ኣብ እምነት ካቶሊክ ቅዳሰ ኺግበር ከሎ: እቲ ኻህን ነቲ እንጌራን ወይንን ድሕሪ ምብራኹ ነቶም ምእመናን ኣብቲ ቕዱስ ሱታፌ ብምስታፍ ንክርስቶስ ኪቕበልዎ ይዕድሞም። a ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16: ንምእመናን ካቶሊክ ብዚምልከት እዚ ጽምብል እዚ “ኣጠቓላልን ሓፈሻውን እምነትና” ኢሎም ተዛሪቦም ነይሮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እታ ቤተ-ክርስትያን ከም ክፍሊ እቲ “ኣብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎ እምነት ንምንቕቓሕን ንምሕያልን” ዚግበር ጻዕሪ: “ዓመት ቅዱስ ቍርባን” ኣብዒላ እያ።

እቶም እምነቶም ዝደኸመት ምእመናን ካቶሊክ እውን ከይተረፉ ነዚ ጽምብል እዚ ፍሉይ ስምዒት እዩ ዘለዎም። ንኣብነት: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ መጽሔት ታይም ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ: ሓንቲ መንእሰይን ምዕብልትን ጌርካ እተገልጸት ሰበይቲ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ብዛዕባ ሰረተ-እምነት ካቶሊክ ዘሎና ኽርክር ብዘየገድስ: ነቲ ኣብ እምነት ካቶሊክ ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር ነገር ጠቢቕና ኢና እንሕዞ፣ እዚ ድማ ንጽምብል ቅዱስ ቍርባን ዘሎና ተወፋይነት እዩ።”

ቅዱስ ቍርባን ግን እንታይ እዩ፧ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኬብዕልዎ ዘለዎም ድዩ፧ ፈለማ: ልምዲ ቕዱስ ቍርባን ብኸመይ ከም ዝማዕበለ እስከ ንርአ። ድሕሪኡ: ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዝያዳ ኣገዳሲት ሕቶ ኸነተኵር ኢና:- ቅዱስ ቍርባን ነቲ የሱስ ዳርጋ 2,000 ዓመት ይገብር ዘቘሞ በዓል ብሓቂ ዜንጸባርቕ ድዩ፧

ቅዱስ ቍርባንን ህዝበ-ክርስትያንን

ቅዱስ ቍርባን ከም ተኣምራዊ ጌርካ ዚረኣየሉ ምኽንያት ብቐሊሉ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። ናይቲ ጽምብል ወሳኒ ህሞት: ነቲ ቕዱስ ቍርባን ዚግበር ጸሎት እዩ። ብመሰረት ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች: ኣብቲ ህሞት እቲ: “ሓይሊ እቲ ቓላትን ተግባርን ክርስቶስ ኰነ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ” ንስጋን ደምን ክርስቶስ ‘ኣብቲ ጽምብል ከም ዚህሉ’ ዚገብር ምዃኑ ይእመነሉ። እቲ ኻህን ካብቲ እንጌራን ወይንን ድሕሪ ምስታፉ: ነቶም እሙናት ዘበሉ ነቲ እንጌራ ብምብላዕ ኣብቲ ሱታፌ ኺሳተፉ ይዕድሞም።

ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ እቲ እንጌራን ወይንን ብተኣምራዊ መገዲ ቓል ብቓሉ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከም ዚቕየር ትምህር። እዚ ትምህርቲ እዚ በብቝሩብ እዩ ማዕቢሉ፣ ፈለማ ብወረ ኺዝርጋሕ ድሕሪ ምጽናሑ: ኣብ መበል 13 ዘመን ንመጀመርታ ግዜ ብወግዒ ተኣታተወ። ተሓድሶ ፕሮተስታንት ኣብ እተጀመረሉ እዋን: ገሊኡ መዳይ ናይ ካቶሊክ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ሕቶ ኣተወ። ሉተር ነቲ ቓል ብቓሉ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ይቕየር ዚብል ትምህርቲ ብኻልእ ቀየሮ። እቲ ለውጢ ብዙሕ ኣይነበረን። ሉተር እቲ እንጌራን ወይንን ናብ ስጋን ደምን የሱስ ይቕየር ዘይኰነስ: ምስኡ ብሓባር ከም ዚህሉ መሃረ።

ምስ ግዜ ብዛዕባ ትርጕም ቅዱስ ቍርባንን ኣገባብ ኣበዓዕላኡን ክንደይ ሳዕ ኪበዓል ከም ዘለዎን ብዚምልከት: ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ካልእ ፍልልያት ማዕበለ። ይኹን እምበር: እንተ በዚ እንተ በቲ: እዚ ጽምብል እዚ ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ኣገዳሲ ዀይኑ ቐጸለ። እቲ የሱስ ዘቘሞ ናይ መጀመርታ በዓል ግን እንታይ እዩ ነይሩ፧

ምቛም “ድራር ጐይታ”

የሱስ ባዕሉ “ድራር ጐይታ” ወይ ዝኽሪ ሞቱ ኣቚሙ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:20, 24 NW) ይኹን እምበር: ሰዓብቱ ብሓቂ ስጋኡ ዚበልዑሉን ደሙ ዚሰትዩሉን ምስጢራዊ ጽምብል ኣቚሙ ድዩ፧

የሱስ ቀቅድሚኡ ፋስጋ ኣይሁድ ኣብዓለ: ነቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሃዋርያ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ ኣባረሮ። ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገራት: ሓደ ኻብቶም ምስኡ ዝተረፉ 11 ሃዋርያት ዝነበረ ማቴዎስ ከምዚ ኢሉ ጸብጸበ:- “ኪበልዑ ኸለዉ: የሱስ እንጌራ ኣልዐለ: ባሪኹ ቘሪሱ: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፤ እዚ ስጋይ እዩ: ውሰዱ: ብልዑ: በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፤ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ: ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።”—ማቴዎስ 26:26-28

የሱስ እንጌራ ኣልዒሉ ኺባርኽ ከሎ: ከምቲ ዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚገብርዎ እዩ ዚገብር ነይሩ። (ዘዳግም 8:10፣ ማቴዎስ 6:11፣ 14:19፣ 15:36፣ ማርቆስ 6:41፣ 8:6፣ ዮሃንስ 6:11, 23፣ ግብሪ ሃዋርያት 27:35፣ ሮሜ 14:6) ኣብዚ ህሞት እዚ ምምስጋኑ: ተኣምር ይገብር ከም ዝነበረ: ንሰዓብቱ ድማ ቃል ብቓሉ ስጋኡን ደሙን ከም ዚበልዑን ከም ዚሰትዩን ምግባሩ ዜእምነና ምኽንያት ኣሎዶ፧

‘እዚ ማለት’ ወይስ ‘እዚ እዩ’፧

ልክዕ እዩ: ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንቓላት የሱስ ከምዚ ኢሉ ተርጒምወን ኣሎ:- “እዚ ስጋይ እዩ: ውሰዱ: ብልዑ” “እዚ . . . ደመይ እዩ እሞ: ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።” (ማቴዎስ 26:26-28ትርጕም 1990) እታ ኢስቲን እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: “ምዃን” ዝትርጕሙ ናይ ግሪኽ ግሲ ስለ ዝዀነት: “እዩ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። እዛ ግሲ እዚኣ ግን “የመልክት” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። ኣብ ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እዛ ግሲ እዚኣ “ማለት” ወይ “የመልክት” ዚብል ሓሳባት ሒዛ ኣላ። b ነቲ ቕኑዕ ትርጕም ዚውስኖ: እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት እዩ። ንኣብነት: ኣብ ማቴዎስ 12:7: እታ “ምዃኑ” ተባሂላ እተተርጐመት ኢስቲን እትብል ቃል: “ማለት” ዚብል ትርጕም ከም ዘለዋ ብንጹር ኪርድኣና ይኽእል እዩ:- “ምሕረት እፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን: እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ: ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም።”

ኣብዚ መዳይ እዚ: ብዙሓት ኣኽቢርካ ዚረኣዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት: እታ “እዩ” እትብል ቃል ነቲ የሱስ ዝገልጾ ዝነበረ ሓሳብ ብልክዕ ከም ዘይትገልጾ ይሰማምዑ እዮም። ንኣብነት: ዣክ ዱፖን ነቲ የሱስ ዚነብረሉ ዝነበረ ባህልን ሕብረተሰብን ድሕሪ ምምርማሩ: እቲ “ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ባህርያዊ” ኣተራጕማ: “እዚ ስጋይ ማለት እዩ” ወይ “እዚ ንስጋይ ዜመልክት እዩ” ኪኸውን ከም ዚግባእ ደምዲሙ ኣሎ።

በዚ ይኹን በቲ: የሱስ ንሰዓብቱ ቓል ብቓሉ ስጋኡ ኺበልዑን ደሙ ኺሰትዩን ማለቱ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፧ ኣምላኽ ድሕሪ እቲ ብዘመን ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ: ንሰባት ስጋ እንስሳታት ኪበልዑ ኺፈቕደሎም ከሎ: ደም ከይበልዑ ብቐጥታ ኸልከሎም። (ዘፍጥረት 9:3, 4) እዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተደጊሙ እዩ፣ የሱስ እውን ምሉእ ብምሉእ ሓልይዎ እዩ። (ዘዳግም 12:23፣ 1 ጴጥሮስ 2:22) ሃዋርያት እውን ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ነቲ ደም ከይብላዕ እተዋህበ ትእዛዝ ኣሐደስዎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኵሎም ክርስትያናት ዚቕየዱሉ ሕጊ ዀነ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:20, 29) የሱስ ንሰዓብቱ: ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝሃቦ ቕዱስ ትእዛዝ ኸም ዚጥሕሱ ዚገብሮም በዓል መቘመዶ፧ ዘይከውን እዩ!

ብንጹር እምበኣር የሱስ ነቲ እንጌራን ወይንን ከም ተምሳል እዩ ተጠቒሙሉ። እቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ነቲ መስዋእቲ ኪኸውን ዝነበሮ ሓጢኣት ዘይብሉ ስጋኡ የመልክት። እቲ ቐይሕ ወይኒ ድማ “ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት” ኪፈስስ ዝነበሮ ደሙ የመልክት።—ማቴዎስ 26:28

ዕላማ ድራር ጐይታ

የሱስ ነቲ ናይ ፈለማ ድራር ጐይታ: “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ብዚብል ቃላት እዩ ዛዚምዎ። (ሉቃስ 22:19) እቲ በዓል ንየሱስን ነቲ ብሞቱ እተዓመ ዜደንቕ ነገራትን ንኽንዝክር የኽእለና። የሱስ ንልዑላውነት የሆዋ ኣቦኡ ኸም ዝደገፈ የዘኻኽረና። ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ብሙማቱ: “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ኸም ዝሃበ የዘኻኽረና። እዚ በጃ እዚ ኣብቲ መስዋእቱ ንዚኣምን ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ሓጢኣት ሓራ ዀይኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ የኽእሎ።—ማቴዎስ 20:28

ብቐዳምነት ግን ድራር ጐይታ ሓባራዊ መኣዲ እዩ። እቶም ኣብኡ ዚሳተፉ: (1) እቲ ነቲ በጃ መሰናድዎ ዝገበረ የሆዋ ኣምላኽ: (2) እቲ በጃ ዝዀነ “ገንሸል ኣምላኽ” እተባህለ የሱስ ክርስቶስ: ከምኡውን (3) እቶም ብመንፈስ ኣሕዋት የሱስ ዝዀኑ እዮም። እቶም ኣሕዋት የሱስ ካብቲ ቕጫን ወይንን ብምውሳድ: ምስ ክርስቶስ ምሉእ ሕብረት ከም ዘለዎም የርእዩ። (ዮሃንስ 1:29፣ 1 ቈረንቶስ 10:16, 17) ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ምዃኖም መጠን ከኣ ኣብቲ “ሓድሽ ኪዳን” እቱዋት ከም ዝዀኑ የርእዩ። እዚኣቶም እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ካህናትን ነገስታትን ኰይኖም ዚገዝኡ እዮም።—ሉቃስ 22:20፣ ዮሃንስ 14:2, 3፣ ራእይ 5:9, 10

እዚ በዓል ዝኽሪ እዚ መዓስ እዩ ኪኽበር ዘለዎ፧ የሱስ ነዚ በዓል እዚ ንምቛም ሓንቲ ፍልይቲ ዕለት ከም ዝመረጸ ምዝካርና መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ የነጽረልና። እታ ዝመረጻ መዓልቲ ፋስጋ እያ ነይራ። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ዜደንቕ ምድሓን ንምዝካር: ቅድሚኡ ንዝነበረ 1,500 ዓመት ኣብ 14 ኒሳን ፋስጋ የብዕሉ ነበሩ። የሱስ ነቲ ብሞቱ ኣቢሉ ኣምላኽ ዚኸፍቶ ዝዓበየ ምድሓን ንምዝካር ነታ ዕለት እቲኣ ኺጥቀሙ ንሰዓብቱ መምርሒ ይህቦም ምንባሩ እምበኣር ንጹር እዩ። ስለዚ: ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ኣብታ ብዓውደ-ኣዋርሕ እብራውያን 14 ኒሳን ዝዀነት መዓልቲ ኣብ ዓዓመት ድራር ጐይታ ኼብዕሉ ጸኒሖም እዮም።

ከምኡ ዚገብሩ ጽምብል ምግባር ስለ ዚፈትዉ ድዮም፧ ከም ሓቂ ብዙሓት ካብቶም ቅዱስ ቍርባን ዚጽምብሉ እቲ ጽምብል እዩ ዚስሕቦም። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ኣብ መጽሔት ታይም ንዝወጸት ዓንቀጽ ዝጸሓፈት ሰበይቲ: “ብዙሓት ኣብ ዜብዕልዎ ጥንታዊ ጽምብላት ምስታፍ ውሽጣዊ ህድኣት የምጽእ እዩ” በለት። እዛ ሰበይቲ እዚኣ: ከምቶም ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ: እቲ ጽምብል ከም ቀደሙ ብላቲን ኪግበር እያ እትመርጽ። ስለምንታይ፧ “መብዛሕትኡ ግዜ ብእንግሊዝኛ ዝሰምዖ ነገር ስለ ዘይፈትዎ: ቅዳሰ ብዘይርድኣኒ ቛንቋ ኺዝመር እየ ዝደሊ” በለት።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ: ምስቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ተገደስቲ ብሓባር ኰይኖም ድራር ጐይታ በብቛንቋኦም ምብዓል የሐጕሶም እዩ። ብዛዕባ ትርጕምን ኣገዳስነትን ሞት ክርስቶስ ዘለዎም ምርዳእ ምምሕያሽ ባህ ይብሎም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቅታት ኣብ ምሉእ ዓመት ከነስተንትነሉን ክንመያየጠሉን ይግባእ። ነታ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዘርኣዩና ዓማቝ ፍቕሪ እንዝክረሉ ብሉጽ መገዲ: በዓል ዝኽሪ ምብዓል ምዃኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይኣምኑሉ እዮም። እዚ ድማ ‘ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ: ሞቱ ኺነግሩ’ ይሕግዞም።—1 ቈረንቶስ 11:26

[እግረ-ጽሑፋት]

a እዚ ጽምብል እዚ ቝርባን: ድራር ጐይታ: ሱታፌ: ቅዳሰ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ኣብ መጀመርታ ዘቘሞ በዓል ከመይ እዩ ነይሩ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ኣቘመ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ ምብዓል