ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን

ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን

ኤልያስ ምስቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦኡ በይኑ ብጸሎት ኪራኸብ ሃረር ይብል ነበረ። እንተዀነ ግን: እቶም ኣብ ዙርያኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት: እዚ ናይ ሓቂ ነብዪ ኻብ ሰማይ ሓዊ ኼውርድ ርእዮምሲ ብዙሓት ካባታቶም ሞገሱ ኺረኽቡ ተሃንጥዮም ነበሩ። ኤልያስ ናብቲ ብርቱዕ ንፋስ ዘለዎ ኸረን ቀርሜሎስ ደይቡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ቅድሚ ምጽላዩ: ሓደ ባህ ዘየብል ዕዮ ኺዓዪ ማለት: ምስ ንጉስ ኣከኣብ ኪዘራረብ ነበሮ።

እዞም ክልተ ሰብኡት: ኣዝዮም እተፈላለዩ እዮም ነይሮም። እቲ ስሱዕን ጽኑዕ መትከል ዘይብሉን ከሓድን ዝዀነ ኣከኣብ: ብሉጽ ክዳውንቲ ንጉስ ተኸዲኑ ነበረ። እቲ ተባዕን ብንጽህናን ብእምነትን ዚመላለስን ዝነበረ ኤልያስ ግን ነብያት ኣዘውቲሮም ዚኽደንዎ ኻብ ቈርበት እንስሳታት: ካብ ጸጕሪ ገመል: ወይ ካብ ጸጕሪ ጤል እተሰርሐ ተራ ባርኖስ ተኸዲኑ ነበረ። ኣብ ኣጋ ዕራርቦ እታ መዓልቲ: ባህርያት እዞም ክልተ ሰብኡት ዘለዎም ዜጕልሕ ነገር ኣጋጠመ። a

እታ መዓልቲ ንኣከኣብን ንኣምለኽቲ በዓልን ሕማቕ መዓልቲ እያ ነይራ። እቲ ኣከኣብን ሰበይቱ ንግስቲ ኢዛቤልን ዚሕለቕሉ: ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ዝነበረ ኣረማዊ ሃይማኖት ከቢድ ጽፍዒት ኣጋጠሞ። በዓል መታለሊ ምዃኑ ተቓልዐ። እቲ ህይወት ዘይብሉ ኣምላኽ ነቶም ዓበድበድ እናበሉ: እናሳዕስዑ: ከምኡውን ደም ክሳዕ ዚፈስስ ንኣካላቶም እናተፍተፉ ዚልምንዎ ዝነበሩ ነብያቱ: ንእሽቶ ሓዊ ብምውላዕ እኳ መልሲ ኺህቦም ኣይከኣለን። በዓል ነቶም ሞት ዚግብኦም 450 ሰባት ኬድሕኖም ኣይከኣለን። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ መታለሊ ምዃኑ ብኻልእ መገዲ እውን ተኸሺሑ እዩ፣ እቲ ምትላሉ ምሉእ ብምሉእ ዚቃልዓሉ ግዜ ድማ ይቃረብ ነበረ። ነብያት በዓል ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት: ኣብታ ሃገር ዝነበረ ድርቂ ንኼብቅዕ ንኣምላኾም እኳ እንተ ለመኑ: በዓል ግን እዚ ኺገብር ኣይከኣለን። የሆዋ ባዕሉ እቲ ድርቂ ኸም ዜብቅዕ ብምግባር: ንልዕልናኡ ዜርእየሉ ግዜ ግን ቀሪቡ ነበረ።—1 ነገስት 16:30–17:1፣ 18:1-40

የሆዋ ኸምዚ ዝገበረ ግን መዓስ እዩ፧ ክሳዕ ሽዑ ኤልያስ ብኸመይ ኪመላለስ ነበሮ፧ ካብዚ ናይ እምነት ሰብከ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ነቲ ኣብ 1 ነገስት 18:41-46 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ እስከ ንመርምር።

ናይ ጸሎት ሰብ

ኤልያስ ናብ ኣከኣብ ቀሪቡ: “ደሃይ ብዙሕ ዝናም አሎ እሞ: ደዪብካ ብላዕን ስተን” በሎ። (ቍጽሪ 41) እቲ እኩይ ንጉስ ኣብታ መዓልቲ ኻብ ዘጋጠመ ነገራት ገለ ትምህርቲ ረኺቡዶ፧ እቲ ጸብጻብ ብንጹር ኣይገልጽን እዩ፣ ይኹን እምበር: ከም እተነስሐን ምሕረት የሆዋ ንምርካብ እቲ ነብዪ ንኺሕግዞ ኸም ዝለመነን ዚገልጽ ቃላት ኣይንረክብን ኢና። የግዳስ: ኣከኣብ: “ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ።” (ቍጽሪ 42) ኤልያስከ፧

“ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ: ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ።” ኣከኣብ ከብዱ ኺመልእ ምስ ከደ: ኤልያስ ናብ ኣቦኡ ንኺጽሊ ኣጋጣሚ ረኸበ። ነቲ ኣብዚ እተገልጸ ትሕትና ዜርኢ ኣካላዊ ኣቃውማ እሞ ኣስተብህለሉ፣ ኤልያስ ብርእሱ ናብ ምድሪ ፍግም ብምባል ንገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ። እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧ ክንግምት ኣየድልየናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ያእቆብ 5:18 ኤልያስ እቲ ድርቂ ንኼብቅዕ ከም ዝጸለየ ይነግረና። ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ቀርሜሎስ ከምዚ ዝበለ ጸሎት የቕርብ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ኣቐድም ኣቢሉ የሆዋ: “ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ” ኢሉ ነበረ። (1 ነገስት 18:1) ስለዚ ኤልያስ: ልክዕ ከምቲ የሱስ ድሕሪ ሓደ ሽሕ ዓመት ንሰዓብቱ ኺጽልዩ ዝመሃሮም: ፍቓድ ኣቦኡ ኺፍጸም ጸለየ።—ማቴዎስ 6:9, 10

ኣብነት ኤልያስ ብዛዕባ ጸሎት ብዙሕ እዩ ዚምህረና። ብቐዳምነት: ናይ ኤልያስ ሓሳብ ፍቓድ ኣቦኡ ኺፍጸም ነበረ። ክንጽሊ ኸለና: “ከምቲ ፍቓዱ [ፍቓድ ኣምላኽ] ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና” ምዃኑ ንዘክር። (1 ዮሃንስ 5:14) ስለዚ: ጸሎትና ምእንቲ ኺስማዕ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ: እዚ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክፋል መዓልታዊ ህይወትና ኽንገብሮ ኸም ዜድሊ የነጽረልና። ኤልያስ ኣብቶም ደቂ ዓዱ ዝወረደ ስቓይ ስለ ዝረኣየ: እቲ ድርቂ ኼብቅዕ ከም ዝደለየ ዜጠራጥር ኣይኰነን። የሆዋ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዝፈጸሞ ተኣምር ምስ ረኣየ: ልቡ ብምስጋና ኸም ዝመልአ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ጸሎትና ብዛዕባ ድሕንነት ካልኦት ክንጠቅስን ልባዊ ምስጋና ኸነቕርብን ኣሎና።—2 ቈረንቶስ 1:11፣ ፊልጲ 4:6

ምትእምማን ዘለዎን ብንቕሓት ዚከታተልን

ኤልያስ: የሆዋ ነቲ ድርቂ መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ርግጸኛ እኳ እንተ ነበረ: መዓስ ከም ዚኸውን ግን ኣይፈለጠን። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን እቲ ነብዪ እንታይ ገበረ፧ ቍጽሪ 43 እንታይ ከም ዚብል ኣስተብህል:- “ነቲ ጊልያኡ ድማ፤ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ: በሎ። ደዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፤ ገለ እኳ የልቦን: በለ። ንሱ ኸኣ፤ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለስ: በለ።” ኣብነት ኤልያስ እንተ ወሓደ ኽልተ ነገራት ይምህረና። ቀዳማይ: እቲ ነብዪ ዝነበሮ ምትእምማን ኣስተብህል። ካልኣይ: ብንቕሓት ይከታተል ምንባሩ ኣስተውዕል።

ኤልያስ: የሆዋ ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ዜርኢ ምልክት ብሃንቀውታ ይደሊ ስለ ዝነበረ: ንጊልያኡ ኣብ በሪኽ ቦታ ዀይኑ ዝናም ከም ዚመጽእ ዚሕብር ዝዀነ ይኹን ምልክት ንኼማዓዱ ለኣኾ። እቲ ጊልያ ምስ ተመልሰ “ገለ እኳ የልቦን” ብምባል ባህ ዘየብል ጸብጻብ ሃበ። እቲ ኣድማስ ብሩህ: እቲ ሰማይ ከኣ ደበና ዘይብሉ ነበረ። ሓደ ፍልይ ዝበለ ነገር ኣስተውዒልካዶ፧ ኤልያስ ንንጉስ ኣከኣብ “ደሃይ ብዙሕ ዝናም አሎ” ኸም ዝበሎ ዘክር። ደበና እኳ ዘየለ ኽነሱ ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዝበለ፧

ኤልያስ እቲ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓ ይፈልጥ ነበረ። ነብዪን ወኪልን የሆዋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ኣምላኹ እተመባጽዖ ቓል ከም ዚፍጽም ርግጸኛ ነበረ። ኣዝዩ ኻብ ምትእምማኑ እተላዕለ ደሃይ ብዙሕ ዝናም ከም ዝሰምዐ ገይሩ እዩ ተዛሪቡ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሙሴ: “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ተዐጊሱ ጸንዔ” ብምባል ዝህቦ መግለጺ ንዝክሮ ንኸውን። እሞኸ ኣምላኽ ንዓኻ ህያው ኰይኑዶ ይረኣየካ፧ ኣብኡን ኣብ መብጽዓታቱን ከምዚ ዓይነት እምነት ከነሕድር ዜኽእለና ብዙሕ ምኽንያታት ሂቡና ኣሎ።—እብራውያን 11:1, 27

ቀጺሉ: ኤልያስ ክሳዕ ክንደይ ብንቕሓት ይከታተል ከም ዝነበረ ኣስተብህል። ነቲ ጊልያኡ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ዘይኰነስ: ሸውዓተ ሳዕ እዩ ልኢኽዎ! እቲ ጊልያ ብተደጋጋሚ ምምልላሱ ኣድኪምዎ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ኤልያስ ግን ምልክት ኪርኢ ተሃንጥዩ ስለ ዝነበረ ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ መወዳእታ: እቲ ጊልያ በታ ሻውዐይቲ ግዜ: “እንሃ: ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባሕሪ ትለዐል ኣላ” በለ። (ቍጽሪ 44) ኢዱ ዘርጊሑ ነታ ኻብ ዓብዪ ባሕሪ እተላዕለት ንእሽቶ ደበና ኺልክዓ ኸሎዶ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል፧ b ነቲ ጊልያ ኣይመሰጠቶን ትኸውን። ንኤልያስ ግን እታ ደበና ኣገዳሲት እያ ነይራ። ነቲ ጊልያኡ “ደዪብካ ንኣከኣብ፤ ዝናም ከይዐግተካስ: ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ: በሎ” ዚብል ህጹጽ መምርሒ ሃቦ።

ኣብዚ እውን ኤልያስ ሓያል ኣብነት እዩ ዚዀነና። ንሕና እውን ኣብቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ንኺፍጸም ቀሪቡሉ ዘሎ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ኤልያስ እቲ ድርቂ ኼብቅዕ ተጸበየ፣ ሎሚ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: መወዳእታ እዚ ብልሹው ስርዓት ዓለም ኪርእዩ ይጽበዩ ኣለዉ። (1 ዮሃንስ 2:17) የሆዋ ኣምላኽ ስጕምቲ ኽሳዕ ዚወስድ: ልክዕ ከም ኤልያስ ብንቕሓት ክንከታተል ኣሎና። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንሰዓብቱ: “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ” ዚብል ምኽሪ ሃቦም። (ማቴዎስ 24:42) የሱስ መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ ሰዓብቱ ፈጺሞም ኣፋፍኖት ኣይህልዎምን ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን: መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ዓለም ዜጋጥም ነገራት ተዛሪቡ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ እቲ “መወዳእታ ዓለም” ከም ዝቐረበ ዚሕብር ትእምርቲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 24:3-7 c

ነፍሲ ወከፍ ክፋል እቲ ትእምርቲ: ሓያልን ዜተኣማምንን መርትዖ እዩ ዚህብ። ከምዚ ዝኣመሰለ መርትዖ ህጹጽ ስጕምቲ ንኽንወስድ ኪድርኸናዶ ኣይግባእን፧ ኤልያስ ሓንቲ ንእሽቶ ደበና ብርሑቕ ከም እትለዓል ዘላ ብምፍላጡ: የሆዋ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ኣሚኑ እዩ። እሞኸ የሆዋ ነዚ እሙን ነብዪ ኣሕፊርዎዶ፧

የሆዋ እፎይታን በረኸትን ይህብ

እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ: “ኰነ ድማ: ብኡብኡ እቲ ሰማይ ብደበናን ብሸምቦባን ጸልመተ: ብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ” ይብል። (ቍጽሪ 45) ነገራት ብናህሪ ኺፍጸሙ ጀመሩ። ጊልያ ኤልያስ ናይቲ ነብዪ መልእኽቲ ናብ ኣከኣብ ኬብጽሕ ምስ ከደ: እታ ንእሽቶ ዝነበረት ደበና እናሰፍሐት ብምኻድ ነቲ ሰማይ ሸፈነቶን ኣጸልመተቶን። ሓያል ንፋስ ከኣ ነፈሰ። ኣብ መወዳእታ: ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን: ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝናም ወቕዐ። d እቲ ደሪቑ ዝነበረ መሬት ነቲ ዝናም ሰተዮ። እቲ ዝናም እናበርትዐ ምስ ከደ: ርባ ቂሶን ኪውሕዝ ጀመረ: ደም እቶም እተቐትሉ ነብያት በዓል ሒዝዎ ኸም ዝኸደ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቶም ነቓጻት እስራኤላውያን እውን ነቲ ሕማቕ ኣሰር ኣምልኾ በዓል ካብታ ሃገር ሓጺቦም ኬወግድዎ ኣጋጣሚ ረኸቡ።

ኤልያስ ከምኡ ኸም ዚገብሩ ተስፋ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ! ኣከኣብ ተነሲሑ ብኣምልኾ በዓል ካብ ምብካል ተመሊሱዶ፧ ከምዚ ዓይነት ለውጥታት ንኺገብር: ኣብታ መዓልቲ እተፈጸመ ነገራት ብቑዕ ምኽንያት ኣንቢሩሉ ነይሩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ኣከኣብ እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ንጉስ: “ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ” ይብለና። ገለ ነገር ተማሂሩዶ ይኸውን፧ መገዱ ንኪቕይር ወሲኑዶ፧ ጸኒሑ እተፈጸመ ነገራት ፈጺሙ ኸምኡ ኸም ዘይገበረ ዚሕብር እዩ። እቲ ንኣከኣብ ኰነ ንኤልያስ ዘጋጠሞም ኵነታት ግን ኣብዚ ኣየብቅዐን።

ነብዪ የሆዋ በቲ ኣከኣብ ዝኸደሉ መገዲ ኺጐዓዝ ጀመረ። በቲ ነዊሕን ብደበና ዝጸልመተን ብዝናም ዝጨቀወን መገዲ እዩ ኺጐዓዝ። ይኹን እምበር: ቀጺሉ ሓደ ዘይተለምደ ነገር ኣጋጠመ።

“ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት እሞ: ሕቜኡ ተዐጢቑ: ክሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዜእቱ: ቀቅድሚ ኣከኣብ ይጐዪ ነበረ።” (ቍጽሪ 46) “ኢድ እግዚኣብሄር” ብልዕለ-ባህርያዊ መገዲ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ከም ዝሰርሐት ግልጺ እዩ። ይዝርኤል 30 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ፣ ኤልያስ ከኣ መንእሰይ ኣይነበረን። e እቲ ነብዪ ኣእጋሩ ኸም ልቡ ምእንቲ ኼንቀሳቕስ: ነቲ ገፈፍ ዚብል ክዳኑ ኣብ ምሕዅልቱ ብምእሳር ኪዕጠቕ ከሎ: ከምኡውን በቲ ብዝናም ዝጨቀወ መገዲ ብናህሪ እናጐየየ ነታ ሰረገላ ንጉስ ኬርክባን ቀዲምዋ ኺሓልፍን ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ!

እዝስ ንኤልያስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ካብቲ ኣብ ንእስነቱ ዝነበሮ ኺበልጽ ዚኽእል ብርታዐን ሓይልን ሓቦን ምስ ተሰምዖ: ኣዝዪ ተሓጕሱ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ነቲ እሙናት ዚዀኑ ሰባት ኣብታ እትመጽእ ገነታዊት ምድሪ: ፍጹም ጥዕናን ሓይልን ከም ዚህልዎም ብትንቢት እተነግረ መብጽዓ ኼዘኻኽረና ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 35:6፣ ሉቃስ 23:43) ኤልያስ በቲ ዝጨቀወ ነዊሕ መገዲ ኺጐዪ ኸሎ: ስምረት እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣቦኡ ኸም ዝረኸበ ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ እዩ!

የሆዋ በረኸት ንኺህብ ሃረር ይብል እዩ። ነዚ ንምርካብ ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና። ልክዕ ከም ኤልያስ: ነቲ የሆዋ ኣብዚ ሓደገኛን ህጹጽን እዋን ስጕምቲ ኺወስድ ምዃኑ ዜርኢ ሓያል መርትዖታት: ብንቕሓትን ብጥንቃቐን ክንከታተል ኣሎና። ልክዕ ከም ኤልያስ: ኣብቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓታት ምሉእ ምትእምማን ንኸነሕድር እኹል ምኽንያት ኣሎና።—መዝሙር 31:5

[እግረ-ጽሑፋት]

a ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ: “ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ርአ።

b ዓብዪ ባሕሪ ሎሚ መዲተራነያን ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ።

c ቃላት የሱስ ሎሚ ፍጻሜኡ ይረክብ ከም ዘሎ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ምዕራፍ 9 ተወከስ።

d ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ንውሓት እቲ ድርቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ይመስሎም። ነቲ ኣብ ገጽ 19 ዚርከብ ሳጹን ርአ።

e ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: የሆዋ ንኤልያስ: ነቲ ጸኒሑ “እቲ ናብ ኣእዳዉ ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ” ተባሂሉ እተጸውዐ ኤልሳእ ኬሰልጥኖ ሓላፍነት ሃቦ። (2 ነገስት 3:11) ኤልሳእ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኤልያስ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ንምሕጋዝ: ከም ጊልያ ዀይኑ ይዓዪ ነበረ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኤልያስ ዝጸለዮ ጸሎት: ፍቓድ ኣምላኽ ንኺፍጸም ሓያል ባህጊ ኸም ዝነበሮ የርኢ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

እቲ ብግዜ ኤልያስ ዝነበረ ድርቂ ንኽንደይ ዚኸውን ግዜ እዩ ጸኒሑ፧

እቲ ነብዪ የሆዋ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ኤልያስ: እቲ ንነዊሕ ዝቐጸለ ድርቂ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም ዜብቅዕ ንኣከኣብ ነገሮ። እዚ ኻብቲ መጀመርያ ኤልያስ ድርቂ ኸም ዚኸውን ዝኣወጀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ “ሳልሰይቲ ዓመት” ከም ዝዀነ ርዱእ እዩ። (1 ነገስት 18:1) ኤልያስ እዚ ድሕሪ ምዝራቡ ብዙሕ ከይጸንሐ: የሆዋ ዝናም ከም ዚዘንም ገበረ። ስለዚ ኸኣ ገሊኦም እቲ ድርቂ ዘብቅዐ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ስለ ዝዀነ: ካብ ሰለስተ ዓመት ንዚውሕድ እዋን ከም ዝጸንሐ ይድምድሙ ይዀኑ። ይኹን እምበር: የሱስን ያእቆብን እቲ ድርቂ: “ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን” ከም ዝገበረ እዮም ዚነግሩና። (ሉቃስ 4:25፣ ያእቆብ 5:17) እዝስ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ድዩ፧

ኣይፋሉን። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እዋን ዝናም ዘይዘንመሉ ወቕቲ ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን እዩ ዚጸንሕ ነይሩ። ኤልያስ ንኣከኣብ ድርቂ ኸም ዚኸውን ኪነግሮ ኸሎ: እቲ እዋን ዝናም ዘይዘንመሉ ወቕቲ ድሮ ኻብቲ ልሙድ ንላዕሊ ዝነውሐን ጽንኩርን ኰይኑ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብኻልእ ኣበሃህላ: እቲ ድርቂ ፍርቂ ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ጀሚሩ። እምበኣር: ኤልያስ ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርያ ኣዋጁ ኣብታ “ሳልሰይቲ ዓመት” እቲ ድርቂ ኸም ዜብቅዕ ኪእውጅ ከሎ: እቲ ድርቂ ድሮ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ገይሩ ነበረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ እተገብረ ዓብዪ ፈተና ኺርእዩ ኣብ እተኣከቡሉ እዋን “ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን” ሓሊፉ ነበረ።

ብተወሳኺ እቲ ኤልያስ ናብ ኣከኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። እቶም ህዝቢ: እቲ “ተወጣሒ ደመናታት” ዚብልዎ በዓል ነቲ እዋን ዝናም ዘይዘንመሉ ወቕቲ ኣብቂዑ ዝናም ከም ዚዘንም ዚገብር ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ወቕቲ ኻብቲ ልሙድ ንላዕሊ ነዊሕ ምስ ኰነ ግን: እቶም ህዝቢ: ‘በዓል ኣበይ ኣሎ፧ መዓስከ ዝናም ኬዝንም እዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ኤልያስ ክሳዕ ንሱ ዚዛረብ ዝናም ኰነ ኣውሊ ኸም ዘይከውን ምእዋጁ: ንኣምለኽቲ በዓል ዓብዪ ጽፍዒት እዩ ነይሩ።—1 ነገስት 17:1

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.