ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቂ ሰብ ኪገዝእ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧

ንደቂ ሰብ ኪገዝእ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧

ፍሉይ ህዝባዊ መደረ

ንደቂ ሰብ ኪገዝእ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧

እንታዋይ ገዛኢ እዩ

• ቍጠባዊ ጸገም ብምፍታሕ: ንሰባት ኣኺሉ ዚተርፍ ምግብን ብሉጽ ኣባይትን ንኬቕርብ ውሕስነት ኪኣቱ ዚኽእል፧

• ባህርያዊ ሓደጋ ዓጊቱ: ሰባት ብሱናሚ: ብህቦብላ: ወይ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸይጕድኡ ኺገብር ዚኽእል፧

• ንዅሉ ሕማማት ኬጥፍእ: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እውን ናብ ንእስነት ኪመልስ ዚኽእል፧

• ንዅሉ ዂናት ኣወጊዱ ንተገዛእቱ ኣብ ሰላምን ደሓንን ዘለዎ ሃዋህው ኬንብር ዚኽእል፧

• ንኢኮሎጂ: ማለት ነቲ ሓድሕዳዊ ዝምድና ህይወታውያንን ከባቢኦምን ናብ ፍጹም ሚዛኑ መሊሱ: ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይራ ዚኽእል፧

ነዚ ተጠቒሱ ዘሎ በረኸት ኬምጽእ ዚኽእል ሓደ ገዛኢ ጥራይ እዩ ዘሎ። እዚ ገዛኢ እዚ መን እዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ: ኣብቲ “ንደቂ ሰብ ኪገዝእ ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧” ዚብል ህዝባዊ መደረ ኽትምለስ እያ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ: ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኪወሃብ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት: ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰንበት 6 ሚያዝያ 2008 እዩ ኺወሃብ። ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ነቲ ሰዓትን ኣድራሻን ኪነግሩኻ እዮም። ኣብኡ ንኽትርከብ ብኽብሪ ንዕድመካ።