ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርማጌዶን ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ኣምላኽ

ኣርማጌዶን ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ኣምላኽ

ኣርማጌዶን ንዅሉ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ኣምላኽ

“ንብጻዮም ፍጡር ምቕታል የስካሕክሖም እዩ፣ ስለዚ: ውግእ ብዓይኖም ክትርእዮ ኸለኻ: ምርዳኡ ዜጸግምን ዜስገድግድን ብምዃኑ ኣብቲ ቛንቋኦም ንዕኡ ዜመልክት ቃል የልቦን።” —ብ1888 ፍሪጆፍ ናንሰን ዝስሙ ኖርወያዊ ዳህሳሲ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግሪንላንድ ዚነብሩ ኢንዩት ዚበሃሉ ህዝቢ ዝበሎ

ኣብቲ ንውግእ “ምርዳኡ ዜጸግምን ዜስገድግድን” ገይሩ ዚርኢ ዝነበረ ሕብረተሰብ ኪነብር ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ፧ ኣብቲ ውግእ ስለ ዘይፍለጥ: ንዕኡ ዜመልክት ቃል እኳ ዘይብሉ ዓለም ኪነብር ሃንቀው ዘይብልከ መን እዩ፧ እዚ ሓሳብ እዚ ኺእመን ዘይከኣል ይመስል ይኸውን፣ ደቂ ሰብ ከምዚ ኺገብሩ ተስፋ ንገብር እንተ ዄንና ኸኣ እሞ ፈጺሙ ዘይከውን እዩ።

ይኹን እምበር: ኣምላኽ ባዕሉ ኸምዚ ዓይነት ዓለም ኬምጽእ ምዃኑ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ገሊጹ ነበረ:- “ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።”—ኢሳይያስ 2:4

እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም እንተ ዀይኑ: እዛ ብ20 ሚልዮን ዝዀኑ ወተሃደራት ዝመልአትን ዳርጋ 20 ውግኣት ዚግበረላ ዘሎን ዓለም ክትልወጥ ኣለዋ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ኢዱ ኼእቱ ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። እዚ ኸኣ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርማጌዶን ኢሉ ዚጽውዖ እዋን ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኺበጽሕ እዩ።—ራእይ 16:14, 16

ኣብዚ ቐረባ እዋን: እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ንኑክልየሳዊ ዕንወት እዛ ዓለም ንምምልካት ይስርሓላ እኳ እንተሎ: ሓደ መዝገበ-ቓላት ግን ንቐንዲ ትርጕም እታ ቓል: “ሓይልታት ሰናይን እከይን: ዓብዪን ናይ መወዳእታን ውግእ ዚገብሩሉ ቦታ” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። እሞኸ እቲ ሰናይ ንእከይ ይስዕሮ ደዀን ይኸውን፧ ወይስ ከምዚ ዝበለ ውግእ ሕልሚ ጥራይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ምጥፋእ እከይ ከም ዚዛረብ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ሓጥኣን ካብ ምድሪ ይጥፍኡ: ረሲኣንውን ደጊም ኣይሀልዉ” ኢሉ ተነበየ። (መዝሙር 104:35) መጽሓፍ ምሳሌ ድማ ከምዚ ትብል:- “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ: ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ። ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”—ምሳሌ 2:21, 22

ብዘይካዚ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም እኩያት ንሓይሎም ብሰላማዊ መገዲ ኸም ዘየስተልሙ ይገልጽ እዩ፣ ስለዚ: ኣምላኽ ንዅሉ እከይ: እንተላይ ነቲ እኩይ ዝዀነ ውግእ ንኼጥፍኦ ወሳኒ ስጕምቲ ኺወስድ ኣለዎ። (መዝሙር 2:2) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ፍሉይ ውግእ እዚ ኣርማጌዶን ኢሉ ምጽውዑ እምበኣር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ጥቓ መጊዶ እተገብረ ውግኣት

እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል: “ከረን መጊዶ” ማለት እያ። ኣብታ ጥንታዊት ከተማ መጊዶ ኸምኡውን ኣብቲ ኸቢብዎ ዝነበረ ለሰ ይዝርኤል ኣብ ታሪኽ ወሳኒ ዝዀነ ውግኣት ተኻይዱ እዩ። ኤሪክ ክሊን ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ኣብታ ዘ ባትልስ ኦቭ ኣርማጌዶን ዘርእስታ መጽሓፍ: “ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ: ኣብ መጊዶን ለሰ ይዝርኤልን ንኣንፈት ስልጣነ ዝወሰነ ውግኣት ተገይሩ እዩ” በለ።

ከምቲ ክሊን ዝገለጾ: ኣብ ጥቓ መጊዶ እተገብረ ውግኣት መብዛሕትኡ ግዜ ወሳኒ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ መበል 13 ዘመን ንመብዛሕትኡ እስያ ወሪሮም ሒዞምዎ ዝነበሩ ሰራዊት ሞንጎልያ: ኣብዚ ለሰ እዚ ንመጀመርታ እዋን ተሳዕሩ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: እቶም ብጀነራል ኤድሙንድ ኣለንቢ ዚምርሑ ዝነበሩ ሓይልታት ብሪጣንያ: ካብ መጊዶ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ንቱርካውያን ሰዓርዎም። ሓደ ጸሓፊ ወተሃደራዊ ታሪኽ: ነቲ ኣለንቢ ዝረኸቦ ዓወት: “ሓደ ኻብቲ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ እተገብረ ወሳኒ ወፈራታትን ውግኣትን” ምንባሩ ገለጸ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ኣብ ጥቓ መጊዶ እትገብረ ወሳኒ ውግኣት እውን ኣሎ። እቲ ፈራዲ ዝነበረ ባራቅ ነቲ ብሲሰራ ዚምራሕ ዝነበረ ሓይልታት ከነኣናውያን ኣብዚ ቦታ እዚ እዩ ስዒርዎ። (መሳፍንቲ 4:14-16፣ 5:19-21) ጊዴዎን እውን ምስ 300 ሰብኡት ጥራይ ኰይኑ ነቲ ዓብዪ ሰራዊት ሚድያን ዝሰዓሮ ኣብቲ ኸባቢ እቲ እዩ። (መሳፍንቲ 7:19-22) ሓይልታት ፍልስጥኤም ንሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ኣብ ጥቓ መጊዶ ዝነበረ ኸረን ጊልቦዓ ምስ ሰዓርዎም: ንጉስ ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ኣብኡ ሞቱ።—1 ሳሙኤል 31:1-7

ኣብዚ ዝሓለፈ 4,000 ዓመት: ብምኽንያት እቲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኡ: ኣብ መጊዶን ኣብቲ ኣብ ጥቓኡ ዚርከብ ለሰን ብዙሕ ውግኣት ተኻይዱ እዩ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ እንተ ወሓደ 34 ውግኣት ቈጸረ።

ታሪኽ መጊዶን ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኡን ኣብ ምሳልያዊ ኣጠቓቕማ እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል ጽልዋ ኸም ዘለዎ ኣየጠራጥርን እዩ። እዛ ቓል እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ጥራይ እኳ እንተ ተጠቕሰት: እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጻትሉ ዘላ ኣገባብ ግን: ኣርማጌዶን ንህይወት ዝዀነ ይኹን ኣብ ምድሪ ዚነብር ሰብ ከም ዚጸሉ ይሕብር።

ኣርማጌዶን ብዓይኒ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርአ ኸሎ

እቲ ኣብ ጥቓ መጊዶ እተገብረ ብዙሕ ውግኣት ወሳኒ እኳ እንተ ነበረ: ንእከይ ግን ኣየጥፈአን። ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰናይን እከይን ብሓቂ ውግእ ኣይተገብረን። ከምዚ ዓይነት ውግእ ካብ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኺምንጭ ዚግብኦ። ከምቲ የሱስ ኣብ ሓደ እዋን ዝበሎ ድማ “ብጀካ ሓደ: ንሱ ኸኣ ኣምላኽ: ሄር [ወይ ሰናይ] የልቦን።” (ሉቃስ 18:19) ብዘይካዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣርማጌዶን ከም ውግእ ኣምላኽ ገይሩ እዩ ዚጠቕሶ።

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ: “ነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ” ኪእከቡ ምዃኖም ትገልጽ እያ። (ራእይ 16:14) እዚ ትንቢታዊ ጸብጻብ ቀጺሉ “ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ አከብዎም” ይብል። a (ራእይ 16:16) መጽሓፍ ራእይ: “ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን” ‘ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ኺእክቡ’ ምዃኖም ትገልጽ። (ራእይ 19:19) እዚ ኣብ ፈረስ እተቐመጠ: ካብ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:14, 15፣ ራእይ 19:11, 12, 16

እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ኢልና ኸም እንድምድም እያ እትገብረና፧ ኣርማጌዶን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሓይልታት ዘይእዙዛት ደቂ ሰብን ዚግበር ውግእ ከም ዝዀነ ኢና እንድምድም። የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ከምዚ ዓይነት ውግእ ዚዋግኡ ስለምንታይ እዮም፧ ኣርማጌዶን: ‘እቶም መጥፋእቲ ምድሪ ዚጠፍኡሉ’ እዋን ስለ ዝዀነ እዩ። (ራእይ 11:18) ብተወሳኺ እውን ሰላም ዝሰፈና ዓለም ዜምጽእ እዩ፣ እዛ ዓለም እዚኣ “ኸምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” እተባህለላ እያ።—2 ጴጥሮስ 3:13

ኣርማጌዶን ንምንታይ ኣድለየ፧

እቲ “ኣምላኽ ፍቕሪ” ዝዀነ የሆዋ ነቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ ወዱ ንኺዋጋእ ዝመዘዞ ስለምታይ ምዃኑ ምርዳእ ይኸብደካዶ፧ (2 ቈረንቶስ 13:11፣ ኢሳይያስ 9:6) ዕላማኦም ምርዳእካ ነቲ ጕዳይ ንጹር ከም ዚገብረልካ ኣየጠራጥርን እዩ። መጽሓፍ መዝሙር ንየሱስ ከም ኣብ ፈረስ እተወጥሐ ተዋጋኢ ገይራ ትገልጾ። ስለምንታይ እዩ ዚዋጋእ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: ክርስቶስ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ ዚጋልበሉ ምኽንያት: “ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን” ምዃኑ ገለጸ። ስለዚ: ጽድቂ ስለ ዚፈቱን ዓመጻ ስለ ዚጸልእን እዩ ዚዋጋእ።—መዝሙር 45:4, 7

ብተመሳሳሊ: መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ነዚ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ዘሎ ምጕዳል ፍትሒ ኺርኢ ኸሎ ኸመይ ከም ዚስምዖ ይገልጽ እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ: “እግዚኣብሄር እዚ ረአየ: ቅንዕና ስለ ዜልቦ ኸኣ ጐሀየ” ኢሉ ጸሓፈ። ወሲኹ ድማ “ንጽድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸድኖ: ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእተወ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ኸኣ ተወንዘፈ: ንጸዓትውን ከም ባርኖስ ገይሩ ለፈፎ” በለ።—ኢሳይያስ 59:15, 17

እኩያት ሰባት ስልጣን ክሳዕ ዝሓዙ: ጻድቃን ሰላምን ደሓንን ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። (ምሳሌ 29:2፣ መክብብ 8:9) ንብልሽውናን እከይን ካብቶም ገበርቱ ኽትፈልዮ ኸኣ ዘይከኣል እዩ። ስለዚ: ነባሪ ሰላምን ፍትሕን ኪርከብ እንተ ዀይኑ: እኩያት ሰባት ኪጠፍኡ ኣለዎም። ሰሎሞን: “ረሲእ በጃ ጻድቕ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ምሳሌ 21:18

ኣምላኽ: ፈራዲ ስለ ዝዀነ: እቲ ኣብ ልዕሊ እኩያት ሰባት ዜውርዶ ፍርዲ ቕኑዕ ከም ዚኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣብርሃም: “እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። የሆዋ ዅሉ ሳዕ ፍትሒ ኸም ዚገብር ከኣ ርእዩ እዩ። (ዘፍጥረት 18:25) ብዘይካዚ እቲ እኩይ ኪጠፍእ ከሎ: የሆዋ ባህ ከም ዘይብሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ፣ ንእኩይ ሰብ ምጥፋእ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—ህዝቅኤል 18:32፣ 2 ጴጥሮስ 3:9

ንኣርማጌዶን ኣርዚንካ ምርኣዩ

ኣብዚ ወሳኒ ውግእ እዚ: ኣብ ጐድኒ መን ኢና ደው ክንብል፧ መብዛሕትና ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ሰናይ ከም ዘለና ጌርና ንሓስብ ንኸውን። ብኸመይ ኢና ግን ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ነብዪ ጸፎንያስ: “ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ” ኢሉ ምሕጽንታ ኣቕሪቡልና ኣሎ። (ጸፎንያስ 2:3) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ፍቓድ ኣምላኽ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ምዃኑ ገሊጹ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:4

ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንእከይ ካብ ምድሪ ኼጥፍኦ ምዃኑ ዚገልጽ ዕላማኡን እቲ ሓቂ ምፍላጥ: ናብ ምድሓን ገጽካ ሓደ ስጕምቲ ኸም ምኻድ እዩ። ጽድቂ ምግባር ከኣ እቲ ኻልኣይ ስጕምቲ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሞገስን ዕቚባን ኣምላኽ የምጽኣልና።

ከምዚ እንተ ጌርና: ንኣርማጌዶን: ማለት ነቲ ንዅሉ ሰብኣዊ ውግኣት ዚዛዝም ውግእ ብሃንቀውታ ኽንጽበዮ ንኽእል ኢና። እቲ ውግእ ምስ ተዛዘመ: ኣብ ኵሉ ቦታ ዚነብሩ ሰባት ንውግእ ከም ምርዳኡ ዜጸግምን ዜስገድግድን ገይሮም ኪርእይዎ እዮም። “ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።”—ኢሳይያስ 2:4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣርማጌዶን ቃል ብቓሉ ንሓደ ቦታ ዜመልክት እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ንምፍላጥ: ነታ ኣብ ገጽ 31 ዘላ “ሕቶታት ኣንበብትና” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ኢዱ ኼእቱ ኸሎ ኣርማጌዶን ይበሃል

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ጊዴዎንን ሰቡን ኣብ ጥቓ መጊዶ ወሳኒ ውግእ ሰዓሩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

መጊዶ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣርማጌዶን ምስ ተዛዘመ: ኣብ ኵሉ ቦታ ዚነብሩ ሰባት ንውግእ ከም ምርዳኡ ዜጸግምን ዜስገድግድን ገይሮም ኪርእይዎ እዮም

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ የሆዋን ዕላማኡን እቲ ሓቂ ምፍላጥ: ናብ ምድሓን ገጽካ ሓደ ስጕምቲ ኸም ምኻድ እዩ