ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ ምሃሮም

እቲ ንምግልጋል ድሉውን ፍቓደኛን ዝነበረ ጢሞቴዎስ

እቲ ንምግልጋል ድሉውን ፍቓደኛን ዝነበረ ጢሞቴዎስ

“ተዳሊኻዶ፧” ተባሂልካ ተሓቲትካዶ ትፈልጥ፧— እቲ ኸምዚ ኢሉ ዝሓተተካ ሰብ ድሉው ምዃንካ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ እዩ። ንኣብነት: እቲ ሰብ ምናልባት: ‘ዝጽናዕ ኣሎካዶ፧ እሞኸ ኣጽኒዕካ ዲኻ፧’ ማለቱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቀጺልና ኸም እንርእዮ ጢሞቴዎስ ድሉው ነበረ።

ጢሞቴዎስ ፍቓደኛ እውን ነበረ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጥዶ፧— ጢሞቴዎስ ንኣምላኽ ኬገልግል ምስ ተዓደመ: ኣመለኻኽታኡ ልክዕ ከምቲ “እኔኹ ልአኸኒ” ዝበለ ኻልእ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 6:8) ጢሞቴዎስ ድሉውን ፍቓደኛን ብምንባሩ: ዜሐጕስ ህይወት ኣሕለፈ። ብዛዕባኡ ኽትሰምዕ ትደሊዶ፧—

ጢሞቴዎስ ካብ የሩሳሌም ብኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ኣብ ልስጥራ ተወልደ። ዓባዩ ሎኢስን ኣዲኡ ኤውንቄን ንፉዓት ተመሃሮ ቕዱሳት ጽሑፋት ነበራ። ንጢሞቴዎስ እውን ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዘን: ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኪምህርኦ ጀሚረን ነበራ።—2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:15

ጢሞቴዎስ ምናልባት ገና ዀተቴ ኸሎ: ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ በርናባስ ኰይኑ: ኣብቲ ነዊሕ ቀዳማይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ ንልስጥራ በጽሓ። ኣብቲ እዋን እቲ: ንጢሞቴዎስ ኣዲኡን ዓባዩን ድሮ ክርስትያናት ኰይነን ዝነበራ እዩ ዚመስል። ብዛዕባ እቲ ጳውሎስን በርናባስን ዘጋጠሞም ጸገም ክትሰምዕ ትደሊዶ፧— እቶም ንክርስትያናት ዚጸልኡ ሰባት ንጳውሎስ ኣውዲቖም ብኣእማን ፈጽፈጽዎ: ሞይቱ እዩ ኢሎም ከኣ ሓሰቡ። ድሕሪኡ ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኣውጽእዎ።

እቶም ነቲ ጳውሎስ ዝመሃሮ ዝኣመኑሉ ሰባት: ኣብ ዙርያኡ ተኣኪቦም ነበሩ: ጳውሎስ ድማ ተንስአ። ንጽብሒቱ ጳውሎስን በርናባስን ካብታ ኸተማ ወጹ: ይኹን እምበር: ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ ልስጥራ ተመልሱ። ከምዚ ምስ ገበሩ ጳውሎስ መደረ ኣቕረበ: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ: “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንአቱ ይግብኣና እዩ” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 14:8-22) ጳውሎስ ከምዚ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧— ገሊኦም ሰባት ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ሽግር ይፈጥሩሎም እዮም ማለቱ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ጸኒሑ ንጢሞቴዎስ: ‘እቶም ኣምላኻዊ ናብራ ኺነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም’ ኢሉ ጸሓፈሉ።—2 ጢሞቴዎስ 3:12፣ ዮሃንስ 15:20

ጳውሎስን በርናባስን ድሕሪ ልስጥራ ናብ ዓዶም ተመልሱ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ጳውሎስ ንሲላስ ምስኡ ኺጐዓዝ ወሰዶ: ብሓባር ኰይኖም ከኣ ነቶም ጳውሎስ ምብጻሕ ዚገበረሎም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ተመሊሶም ኣተባብዕዎም። ኣብ ልስጥራ ምስ በጽሑ: ጢሞቴዎስ ንጳውሎስ እንደገና ኺርእዮ ምኽኣሉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ዚኽእል! ምስ ጳውሎስን ሲላስን ተጓዒዙ ኼገልግል ምስ ተዓደመ እሞ: ዝያዳ እዩ ተሓጒሱ። ጢሞቴዎስ ነቲ ዕድመ ተቐበሎ። ንምኻድ ድሉውን ፍቓደኛን ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:40–16:5

ሰለስቲኦም ሓያሎ ኪሎ ሜተራት ብእግሮም ምስ ተጕዐዙ: ናብ መርከብ ደየቡ። ተጓዒዞም ናብ ካልእ ዓዲ ምስ በጽሑ: ናብታ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ከተማ ተሰሎንቄ ብእግሮም ከዱ። ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሓት ክርስትያናት ኰኑ። ይኹን እምበር: ካልኦት ስለ ዝሓረቑ ህዝቢ ኣከቡ። ህይወት ጳውሎስ: ሲላስ: ጢሞቴዎስ ኣብ ሓደጋ ስለ ዝነበረ: ናብ ቤርያ ኸዱ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:1-10

ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዘለዉ ሓደስቲ ኣመንቲ ስለ እተጨነቐ: ንጢሞቴዎስ መሊሱ ናብኡ ሰደዶ። ስለምንታይ ከምዚ ኸም ዝገበረ ትፈልጥዶ፧— ጸኒሑ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት: ‘ሓደ እኳ ተስፋ ኸይቈርጽ: ኬጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩም እውን ኬህድኣኩም’ ብምባል ገለጸሎም። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ናብቲ ሓደገኛ ዝዀነ ዕዮ ስለምንታይ ከም ዝለኣኾ ትፈልጥዶ፧— ጢሞቴዎስ በቶም ተጻረርቲ ብዙሕ ኣይፍለጥን እዩ ነይሩ: ንምኻድ ድማ ፍቓደኛ ነበረ። ናይ ብሓቂ ብዙሕ ትብዓት ዚሓትት ነበረ! ውጽኢት እቲ ምብጻሕ ከመይ ነበረ፧ ጢሞቴዎስ ናብ ጳውሎስ ምስ ተመልሰ: ሰብ ተሰሎንቄ ኽሳዕ ክንደይ እሙናት ከም ዝዀኑ ንጳውሎስ ነገሮ። ስለዚ: ጳውሎስ: “ብዛዕባኹም ተጸናናዕና” ኢሎ ጸሓፈሎም።—1 ተሰሎንቄ 3:2-7

ጢሞቴዎስ ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓሰርተ ዓመት ምስ ጳውሎስ ኣገልገለ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ነበረ: እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተፈትሐ ጢሞቴዎስ እውን ምስኡ ኪኸውን ናብኡ ኸደ። ጳውሎስ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ንሰብ ፊልጲ ደብዳበ ኺጽሕፈሎም ከሎ: ምናልባት ንጢሞቴዎስ ከም ጸሓፊ ገይሩ ተጠቒሙሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ: ‘እሙንን ብዝበለጸ ኼገልግለኩምን ዝኽእል ሓደኳ የብለይን እሞ: ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም: ተስፋ እገብር ኣለኹ’ በለ።—ፊልጲ 2:19-22፣ እብራውያን 13:23

እዘን ቃላት እዚኣተን ንጢሞቴዎስ ከመይ ኰን ኣሐጒሰናኦ ኪዀና ኣለወን! ጢሞቴዎስ ንምግልጋል ድሉውን ፍቓደኛን ስለ ዝነበረ: ጳውሎስ ኣዝዩ ፈተዎ። ንስኻ እውን ከምኡ ኸም እትኸውን ተስፋ ንገብር።