ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኲናት ኣርማጌዶን ኣበይ እዩ ኺካየድ፧

ኲናት ኣርማጌዶን ኣበይ እዩ ኺካየድ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኲናት ኣርማጌዶን ኣበይ እዩ ኺካየድ፧

ኲናት ኣርማጌዶን ኣብ ሓደ ውሱን ዓውዲ ዂናት ኣይኪካየድን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ምልእቲ ምድሪ ዓውዲ ዂናት ክትኸውን እያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዞም ክልተ ተቓወምቲ ወገናት እዚኣቶም: ኣዝዮም ዓበይቲ ኻብ ምዃኖም እተለዓለ ንዕኦም ኪሕዞም ዚኽእል ሓደ ቦታ የልቦን።

ኣርማጌዶን: “በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ [ዚእከቡሉ] ” ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ። የሆዋ ኣምላኽ በቲ ወዱ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ተጠቒሙ ሰራዊት መላእኽቲ ኺእክብ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ምስ ኵሎም እቶም ሓይልታት እኩያት ገዛእቲ ምድሪ ኺዋግኡ እዮም።—ራእይ 16:14፣ 19:11-16

ኣህዛብ ብሓይልታት ሰይጣን ተሓቢሎም ኣብቲ ዂናት ኪጽምበሩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ: “ነገስታት [ገዛእቲ] ዅላ ዓለም” በቲ “ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ” ተደሪኾም ከም ዚወጹ: “ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዚብሀል ቦታ” ኸም ዚእከቡ ይገልጽ።—ራእይ 16:14-16

ንብዙሓት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ከም መጽሓፍ ራእይ ዝኣመሰለ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ንምርዳእ ዜጸግም ካልእ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ የለን። እቶም ንመጽሓፍ ራእይ ቃል ብቓሉ ዚርድእዋ ብዙሓት ሰባት: ነቲ ዂናት ዚካየደሉ ኢሎም ዚኣምኑሉ ውሱን ቦታ ድሕሪ ምርካቦም: ኣብቲ ኸባቢ ዚግበር ነገራት ብኣትኵሮ ይከታተሉ ኣለዉ። ኣብቲ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ድ.ክ. ብሓደ ኦኮመንዩስ ዚበሃል ሰብ ብግሪኽኛ እተጻሕፈ ኽሳዕ ግዜና ዘሎ መጽሓፍ: ኣርማጌዶን ንውሱን ቦታ ኸም ዜመልክት ዚሕብር ሓሳብ ይርከብ።

እቲ ፕረዚደንት ስነ-ሃይማኖት ቤት ትምህርቲ ዳላስ ዝነበረ ጆን ኤፍ. ዋልቩርድ: ኣርማጌዶን “ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝማእከለ ተስፋ ዝቐበጸት ዓለም እትገብሮ ናይ መወዳእታ ርእሰ-ቕትለታዊ ዂናት እዩ” ብምባል ነቲ በቶም ጥሩፋት ኣቕሽሽቲ ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳብ ኣቃልሖ። እዚ ዓብዪ ግጭት እዚ ዚካየደሉ ቦታ “ኣብ ‘ከረን መጊዶ’ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ፍልስጥኤም ዚርከብ ጫፍ ሓደ ዓብዪ ስንጭሮ ዘሎ ዅርባ” ኸም ዚኸውን ገለጸ።

ይኹን እምበር: መጽሓፍ ራእይ ቃል ብቓሉ ኣርማጌዶን ኢላ እትጽውዖ ቦታ የለን። እተን መእተዊ ቓላታ እቲ ጸብጻብ ብመልክዕ “ትእምርቲ” ኸም ዝቐረበ እየን ዚሕብራ። (ራእይ 1:1 NW) ነዊሕ እዋን ይገብር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 4ይ ጥራዝ እታ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ እትበሃል ጽሑፎም: “ኣብ ኵርባ መጊዶ ሰባት ቃል ብቓሉ ኺእከቡ ኣይንጽበን ኢና” ኢሎም ነይሮም።

ታሪኻዊት መጊዶ ነቲ መምለጢ ዘይብሉ ዅነታት እቶም ጸላእቲ ኣምላኽ እያ እተመልክት። ስለዚ: ኣምላኽ ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ዘበለ ዅሉ ብልሽውናን እከይን ኣብ ኣርማጌዶን ከም ዘይነበረ ኺገብሮ እዩ።—ራእይ 21:8

እቶም ንየሆዋ ኣምላኽን ንወዱ የሱስ ክርስቶስን ዜፍቅርዎም ሰባት: ንኣርማጌዶን ኪፈርሁ የብሎምን። ኣምላኽ ምስቶም መገዶም ዘይቅይሩ እኩያት ምዃኖም ዝፈረዶም ጥራይ እዩ ዚዋጋእ። ኣብቲ ውግኡ ብኣልማማ ኣይኰነን ዜጥፍእ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም . . . ይፈልጥ እዩ” ይብል። (2 ጴጥሮስ 2:9) ኣብ መዝሙር 37:34 ዚርከብ ልቢ ዜረስርስ መብጽዓ: “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ” ይብል።