ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥንታዊት መንግስቲ ልድያ ንዓና ብኸመይ ትጸልወና፧

ጥንታዊት መንግስቲ ልድያ ንዓና ብኸመይ ትጸልወና፧

ጥንታዊት መንግስቲ ልድያ ንዓና ብኸመይ ትጸልወና፧

ብዛዕባ ጥንታዊት መንግስቲ ልድያ ሰሚዕካ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ: እቲ ኣብኣ እተረኽበ ነገር ነቲ ናይ ዓለም ንግዲ ዚካየደሉ መገዲ ኸም ዝቐየሮ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን። ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን: ምህዞ ልድያውያን ነቲ ንምርዳኡ ዜጸግም ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜብርሆ ምፍላጦም ኬገርሞም ይኽእል እዩ። ልድያውያን እንታይ እዮም ምሂዞም፧ ቅድሚ ናብቲ መልሲ ምኻድና: ብዛዕባ እዚ ዳርጋ እተረስዐ ሃጸያዊ ግዝኣት እተወሰነ ነገር ምፍላጥና ኣገዳሲ እዩ።

ነገስታት ልድያ ኣብታ ርእሰ ኸተማኦም ሳርዴስ ኰይኖም: ንምዕራባዊ ኽፋል እታ ሕጂ ቱርኪ እትበሃል ዘላ ሽዑ ንእሽቶ እስያ ዝስማ ሃገር ይገዝኡ ነበሩ። እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ልድያ ዝነበረ ክሪሰስ ብዙሕ ሃብቲ ኣከበ፣ ኣብ ከባቢ 546 ቅ.ክ. ግን በቲ ሒደት ዓመታት ኣቐዲሙ ንሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ዝሰዓረ ቂሮስ ዓብዪ በዓል ፋርስ: ሃጸያዊ ግዝኣቱ ሰኣነ።

መሃዝቲ ዝዀኑ ልድያውያን ነጋዶ: እቶም ቀዳሞት ሰናቲም ዝሰርሑ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚንገር። ልክዕ እዩ: ቅድሚኡ ሰባት ንወርቅን ብሩርን ከም ገንዘብ ይጥቀሙሉ ነይሮም እዮም፣ ይኹን እምበር: መጠን እቲ ወርቂ ሕደ ስለ ዘይነበረ: ምልውዋጥ ንግዲ ኼካይዱ ኸለዉ ነቲ ገንዘብ ይመዝንዎ ነበሩ። ንኣብነት ኣብ እስራኤል: እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ኤርምያስ መሬት ምስ ዓደገ: “ነቲ ገንዘብ ዓሰርተው ሾብዓተ ሲቃል ብሩር: መዘንኩሉ” ኢሉ ጸሓፈ።—ኤርምያስ 32:9

ኣብታ ኤርምያስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበረት ልድያ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሳንቲም ወግዓዊ ማሕተም ብምግባር ምዱብ ክብደት ከም ዘለዎ ውሕስነት ይኸውን ነበረ። ናይ መጀመርያ ሰናቲም ልድያ ኻብ ኤለክትሩም ዚበሃል ተፈጥሮኣዊ ሕዋስ ወርቅን ብሩርን ይስራሕ ነበረ። ክሪሰስ ንጉስ ምስ ኰነ: ነዚ ብጽሩይ ሰናቲም ብሩርን ወርቅን ተክኦ። ልድያውያን ትሑት ዋጋ ኻብ ዘለዎ ዓይነት ብረት እተሰርሐ 12 ሰናቲም ምስ ሓደ ኽቡር ብዝዋጋኡ ዓይነት ብረት እተሰርሐ ሳንቲም ማዕረ ዋጋ ኸም ዚህልዎ ዚገብር ገንዘባዊ ኣሰራርሓ መሃዙ። ይኹን እምበር: ወርቂ ምስ ትሑት ዝዋጋኡ ብረት ብምሕዋስ ናይ ሓሶት ሰናቲም ስለ እተሰርሐ: እዚ ኣገባብ እዚ ዜስግእ ነበረ። ነጋዶ: ጽሬት እቲ ወርቂ ዜረጋግጽ ቀሊል መገዲ ኺረኽቡ ደለዩ።

ልድያውያን ንጸገሞም ኪፈትሕ ዚኽእል እምኒ ልድያውያን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ጸሊም እምኒ ኣብ ከባቢኦም ረኸቡ። ሳንቲም ኣብዚ ሓባጥ ጎባጥ ዘይብሉን ቅሩብ ሕርፍፍ ዝበለን እምኒ እንተ ተፋሕፊሑ: ምልክት ይሓድግ። ሕብሪ እቲ ምልክት ምስቲ ንመርኣያ ዚኸውን ቍራጽ ናይ ፍሉጥ ወርቂ ብምንጽጻር: መጠን እቲ ኣብቲ ሳንቲም ዘሎ ወርቂ ይፍለጥ ነበረ። ርኽበት እዚ ብጸሊም እምኒ ዚግበር ፈተነ ኸኣ: ዜተኣማምን ሰናቲም ንኺህሉ ኣኽኢሉ እዩ። ብዛዕባ እቲ ጸሊም እምኒ ምፍላጥና: ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምሳልያዊ ጸሊም እምኒ

ንወርቂ ኣብ ጸሊም እምኒ ምፍታን ኣብ ነጋዶ ብሰፊሑ እተለምደ ብምንባሩ: “ጸሊም እምኒ” እትብል ቃል ሜላ ፈተነ ዚብል ትርጕም ረኸበት። ኣብቲ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ቛንቋ ግሪኽ: እታ ቓል ነቶም ስቓይ ብዘለዎ መቕጻዕቲ ዚፍተኑ ሰባት እውን ተመልክት እያ።

ሓለውቲ እሱራት ነቶም እሱራት የሳቕይዎም ስለ ዝነበሩ: ካብታ “ጸሊም እምኒ” ዝመነጨት ቃል ንዕኦም እውን ተመልክት እያ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተጠቕሰ ዘየማሱ ባርያ: “ንዜጽብቡሉ” ወይ ኣብ ገሊኡ ትርጕማት “ንዜሳቕይዎ” ወይ “ንሓለውቲ እሱራት” ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ዝገለጸ። (ማቴዎስ 18:34ትርጕም 1990NW) ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዚምልከት ከምዚ በለ:- “ምናልባት እቲ ማእሰርቲ ንባዕሉ ኸም ‘ስቓይ’ (እዚ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን) ይቝጸር ስለ ዝነበረ: ‘ንዜሳቕይዎ’ ዚብል መግለጺ ንሓለውቲ እሱራት ካብ ምምልካት ሓሊፉ ኻልእ ትርጕም ኪህልዎ ኣይክእልን እዩ።” እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዚምስጥ ጥቕሲ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

ሕንቅሕንቅሊቶይ ተፈትሐ

ነቶም ቅኑዓት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ መወዳእታ ሰይጣን ንነዊሕ እዋን ሕንቅሕንቅሊቶይ ኰይንዎም ጸኒሑ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም” ይብል። (ራእይ 20:10) የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ፍጡር ንዘለኣለም ንኺሳቐ እንተ መጢዉ: ምስ ፍቕሩን ፍትሑን ዚጋጮ ምዃኑ ርዱእ እዩ። (ኤርምያስ 7:31) ብተወሳኺ እውን: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ህያብ ደኣ እምበር ከም መቕጻዕቲ ገይሩ ኣይገልጾን እዩ። (ሮሜ 6:23) ስለዚ: ራእይ 20:10 ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸም እተጻሕፈት ግልጺ እዩ። እቲ ኣራዊትን እቲ ቐላይ ሓውን ምሳልያውያን እዮም። (ራእይ 13:2፣ 20:14) እቲ ስቓይከ ምሳልያዊ ድዩ፧ እዚ ኣገላልጻ እዚ እንታይ ማለት ኪኸውን ይኽእል፧

ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: እታ ን“ስቓይ” እተመልክት ናይ ግሪኽ ቃል ካብቲ “ጸሊም እምኒ” ዚብል ቃል እተወስደት ኰይና: ንናይ ማእሰርቲ ስቓይ ከተመልክት ትኽእል እያ። ስለዚ: ዘለኣለማዊ ስቓይ ሰይጣን: ንሓዋሩ ኣብቲ ዜተኣማምን ቤት ማእሰርቲ ዝዀነ ሞት ከም ዚዳጐን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ልድያውያን ኣብቲ ጸሊም እምኒ ዚገብርዎ ዝነበሩ ፈተነ: እቲ ዘለኣለማዊ “ስቓይ” ሰይጣን ምስ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚሰማማዕ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት: “ጸሊም እምኒ” ኸም መፈተኒ ጌርካ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ንኣብነት: ብእንግሊዝኛ እታ “ጸሊም እምኒ” ኢልና እንትርጕማ “ታችስቶን:” “ሓደ ነገር ብሉጽ ወይ ናይ ሓቂ ምዃኑ ንምፍላጥ ዜኽእል መፈተኒ ወይ መለክዒ” ማለት እያ። ከምቲ ጸሊም እምኒ ልድያ ገንዘብ ንምፍታን ዜገልግል መለክዒ ዝነበረ: እቲ ንሰይጣን ዜጋጥሞ ዘለኣለማዊ “ስቓይ” ወይ ሞት እውን: ኣብ መጻኢ ኣንጻር የሆዋ ንዚለዓል ዕልወት ፍርዱ ኸም ዘለኣለማዊ ጸሊም እምኒ ወይ መፈተኒ ዀይኑ ኼገልግል ምዃኑ ዚሕብር እዩ። ድሕሪ ደጊም ንግዝኣት የሆዋ ዚምልከት ብድሆ እንተ ተላዒሉ: ጌጋ ምዃኑ ንምርግጋጽ ነዊሕ ግዜ ኺወሃቦ ኣየድልን እዩ።

ጸሊም እምኒ ልድያውያን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዝነበሩ ነጋዶ ንምንታይ ከም እተጠቕሙሉን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ዘለዎ ትርጕምን ምፍላጥና: ንሰይጣን እንታይ ከም ዜጋጥሞ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። እቲ ዜጋጥሞ ነገር: ኣምላኽ ዳግም ንዕልወት ኪጻወሮ ኸም ዘየድሊ ዜረጋግጽ ናይ ፍርዲ ጸሊም እምኒ ዀይኑ ንዘለኣለም ኬገልግል እዩ።—ሮሜ 8:20

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቲ ንሰይጣን ዜጋጥሞ ምሳልያዊ ስቓይ: ፍርዱ ኸም ዘለኣለማዊ ጸሊም እምኒ ዀይኑ ኼገልግል ምዃኑ ይሕብር

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጸሊም ባሕሪ

ልድያ

ሳርዴስ

ባሕሪ መዲተራነያን

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጥንታዊት ሳርዴስ ዘሎ ዑናታት

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Electrum coin: Courtesy Classical Numismatic Group, Inc.

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ብግዜ ጥንቲ ገንዘብ ንምዕቃን ሚዛን ይጥቀሙ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

E. Strouhal/Werner Forman/Art Resource, NY

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ፈተነ ጸሊም እምኒ ኽሳዕ ኣብዚ ግዜና ቐጺሉ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Coins: Courtesy Classical Numismatic Group, Inc.; touchstone: Science Museum/Science & Society Picture Library