ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ከዋኽብቲ ይግለጽ

ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ከዋኽብቲ ይግለጽ

ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ከዋኽብቲ ይግለጽ

“ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ: ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”—ኢሳይያስ 40:26

ጸሓይና ማእከላይ ግዝፊ ጥራይ ዘለዋ ኰዀብ እያ። ኰይኑ ግን ርዝነታ ኻብ ምድሪ 330,000 ዕጽፊ ይዛይድ። ናብ ምድሪ ዝቐረባ ዚበሃላ መብዛሕትአን ከዋኽብቲ ኻብ ጸሓይ ዝነኣሳ እየን። ከምታ ቪ382 ሲግኒ እትበሃል ኰዀብ ዝኣመሰላ ኻልኦት ከዋኽብቲ ግን: ካብ ጸሓይ እንተ ወሓደ 27 ዕጽፊ ዚዛይድ ርዝነት ኣለወን።

ጸሓይና ኽንደይ ዚኣክል ጸዓት እያ እተመንጩ፧ ካብ ሓዊ 15 ኪሎ ሜተር ርሒቕካ ኽነስኻ እቲ ሙቐቱ እንተ ዚስምዓካ: እቲ ሓዊ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተጐሃሃረ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ጸሓይ ካብ ምድሪ ብገምጋም 150 ሚልዮን ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ። ብርቱዕ ጸሓይ ኣብ ዘለዋ መዓልቲ ግን: ዋዒኣ ንቘርበት ማይ ከም ዚምዑጕ ኪገብር ይኽእል እዩ! እቲ ዜገርም ግን: ካብቲ ጸሓይ እተመንጭዎ ሓይሊ: ሓደ ኻብ ቢልዮን ኣቢሉ ዚኸውን ጥራይ እዩ ኣብ ምድሪ ዚበጽሕ። እንተዀነ ግን: ኣብዛ ፕላነት ህይወት ንኪቕጽል እዚ ናብ ምድሪ ዚበጽሕ ሒደት ሓይሊ ጸሓይ እኹል እዩ።

አረ ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎስ እቲ ኻብ ጸሓይና ዚወጽእ ሓይሊ ብገምጋም: ከም ምድሪ ንዝኣመሰላ ኻልኦት 31 ትሪልዮን ፕላነታት ዚኣክል እዩ። ስፐይስ ወይዘር ፕረዲክሽን ሰንተር ዚበሃል ዌብ ሳይት ከም ዝበሎ: ንዅሉ እቲ ኻብ ጸሓይ ዚወጽእ ሓይሊ ንሓንቲ ኻልኢት ጥራይ ክትቈጻጸሮ እንተ ዚከኣል: ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ “ብመጠን እቲ ሕጂ እትጥቀመሉ ዘላ ሓይሊ: ንዚመጽእ 9,000,000 ዓመት ዚኸውን እኹል ሓይሊ” ኽትረክብ ትኽእል እያ።

ሓይሊ ጸሓይ ካብ ማእከላ ዚምንጭ ኪኸውን ከሎ: ኣብኡ ዚርከብ ንኣቶማት ብሓደ ዚጭፍልቕ ኒክልየሳዊ መራብሒ ብርቱዕ ሓይሊ ይፈጥር። ጸሓይ ኣዝያ ገዛፍን ማእከላ ኣዝዩ ጽዑቕን ካብ ምዃኑ እተላዕለ: እቲ ኣብ ማእከላ እተመንጭዎ ሓይሊ ናብ ግዳማዊ ኽፋል ጸሓይ ንኺበጽሕ ሚልዮናት ዓመታት እዩ ዚወስደሉ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዌብ ሳይት ከም ዝገለጾ: “ጸሓይ ሎሚ ሓይሊ ምምንጫው ደው እንተ ተብል: ኣብ ምድሪ ርኡይ ለውጢ ንኺርአ 50,000,000 ዓመት ምወሰደ ነይሩ!”

ነዚ ዚስዕብ እስከ ሕሰበሉ:- ደበና ኣብ ዘይብሉ ለይቲ ናብ ሰማይ ገጽካ ምስ እትጥምት: ልክዕ ከም ጸሓይና ብዙሕ ሓይሊ ዜመንጭዉ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኸዋኽብቲ ትርኢ ኢኻ። ተመራመርቲ እውን ኣብ ዩኒቨርስ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ኸዋኽብቲ ኸም ዘለዉ ጸብጺቦም እዮም!

እዞም ኵሎም ከዋኽብቲ ኻበይ እዮም መጺኦም፧ ሎሚ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ: እቲ ዩኒቨርስ ቅድሚ 14 ቢልዮን ዓመት ብሃንደበት ናብ ህልውና መጺኡ ዚብል ኣተሓሳስባ መርትዖ ኸም ዘይብሉ ኣሚኖም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ብምባል ብንጹር ይገልጽ። (ዘፍጥረት 1:1) ብዘይ ጥርጥር እምበኣር: ነቶም ኣዝዩ ብዙሕ ሓይሊ ዜመንጭዉ ኸዋኽብቲ ዝፈጠረ: ብዓል ‘ብርቱዕ ሓይሊ’ ኸም ዝዀነ ኺርድኣና ይኽእል እዩ።—ኢሳይያስ 40:26

ኣምላኽ ንሓይሉ ዚጥቀመሉ መገዲ

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ፍቓዱ ዚገብሩ ንኺድግፎም ሓይሉ ይጥቀም እዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ንምምሃር ይጽዕር ነበረ። ጳውሎስ ልዕለ-ሰብኣዊ ሓይሊ ኣይነበሮን፣ እንተዀነ ግን: ከቢድ ምጽራር እናወረዶ ኽነሱ ብዙሕ ሰናይ ግብሪ ኺገብር ክኢሉ እዩ። ብኸመይ፧ ካብ ኣምላኽ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኸም እተቐበለ ኣፍልጦ ሂቡ ኣሎ።—2 ቈረንቶስ 4:7-9

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ስነ-ምግባራዊ መለክዒታቱ ዚጥሕሱ ሰባት ንምጥፋእ እውን ሓይሉ ይጥቀም እዩ። የሱስ ክርስቶስ ንጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን ከምኡውን ብግዜ ኖህ ንዘጋጠመ ማይ ኣይሂ: ከም ኣብነት እቲ የሆዋ መምዩ ንምጥፋእ ዚጥቀመሉ ሓይሊ ገይሩ ጠቒስዎም ኣሎ። ድሕሪ ሓጺር እዋን የሆዋ ነቶም ንስርዓታቱ ዕሽሽ ዚብሉ ንምጥፋእ ሓይሉ ኸም ዚጥቀም: የሱስ ተነበዩ እዩ።—ማቴዎስ 24:3, 37-39፣ ሉቃስ 17:26-30

ብኸመይ ተተንኪፍካ፧

ብዛዕባ እቲ ኣብ ከዋኽብቲ ዚርአ ሓይሊ ኣምላኽ ድሕሪ ምስትንታንካ: ከምቲ “ንሰማያትካ: ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ: ንስኻ ዘቘምካዮም: ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ: እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ: እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧” ዝበለ ንጉስ ዳዊት ዝነበሮ ስምዒት ይህልወካ ይኸውን።—መዝሙር 8:3, 4

እወ: ምስዚ ደረት ዘይብሉ ዩኒቨርስ ክንነጻጸር ከለና: ኣብ ግምት ዘይንኣቱ ምዃንና እዩ ዜዘኻኽረና። ይኹን እምበር: ፈጺምና ሓይሊ ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና የብሉን። የሆዋ ንነብዪ ኢሳይያስ: “[ኣምላኽ] ንድኹም ሓይሊ ይህብ: ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጕባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን: ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ: እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ: ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን: ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን” ኢሉ ዜጸናንዕ ቃላት ንኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደረኾ።—ኢሳይያስ 40:29-31

ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ እንተ ኣልዩካ: መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ ከም ዚድግፈካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር: መንፈሱ ንኺህበካ ሕተቶ። (ሉቃስ 11:13) ብደገፍ የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ፈተና ኽትጻወርን ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ብርታዐ ኽትረክብን ትኽእል ኢኻ።—ፊልጲ 4:13

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ብደገፍ የሆዋ: ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ብርታዐ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ላዕሊ ጸጋም ከመ-ሰዓት:- ጋላክሲ ወርልፑል: ጥምሮ ከዋኽብቲ ፕልያድስ: ነቡላ ኦርዮን: ጋላክሲ ኣንድሮመዳ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ጸሓይ ካብ ምድሪ 330,000 ዕጽፊ ዚዛይድ ርዝነት ኣለዋ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pleiades: NASA, ESA and AURA/Caltech; all others above: National Optical Astronomy Observatories