ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ
ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ
ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
መንግስቲ ኣምላኽ ንምልእቲ ምድሪ ንኸተመሓድር ብኣምላኽ ዝቘመት መንግስቲ እያ። የሱስ: “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ . . . መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” በለ።—ማቴዎስ 6:9, 10፣ ዳንኤል 2:44
ገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዀኑ መን እዮም፧
የሱስ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን እዩ ተወሊዱ። ሓደ መልኣኽ ንኣደ የሱስ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ . . . ኪነግስ እዩ” በላ። (ሉቃስ 1:30-33) ካብቶም ሰዓብቱ እውን ምስኡ ንኺገዝኡ መሪጹ እዩ። የሱስ ንሃዋርያቱ: “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። . . . ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” በሎም። (ሉቃስ 22:28, 29፣ ዳንኤል 7:27) ብድምር 144,000 ዝቝጽሮም ሰዓብቲ የሱስ ምስኡ ብሓባር ኪገዝኡ እዮም።—ራእይ 5:9, 10፣ 14:1
እዛ መንግስቲ እዚኣ: ኣበይ ኰይና እያ ኽትገዝእ፧
መንግስቲ ኣምልኽ ኣብ ሰማይ ኰይና እያ ኽትገዝእ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “[ናብ ሰማይ] ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ” በሎም።—ዮሃንስ 14:2, 3, 12፣ ዳንኤል 7:13, 14
መንግስቲ ኣምላኽ ንእከይ እንታይ ክትገብሮ እያ፧
የሱስ ነቶም ኣብዛ ምድሪ ዘለዉ እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም እዩ። ንሱ: “ወዲ ሰብ [የሱስ] ብኽብሩ ምስ መጸ: ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ: ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ማቴዎስ 25:31-34, 46
ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ: ንሱ ኸኣ . . . ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። . . . እዚኣቶም [ረሲኣን] ናብ ናይ ዘለኣለም [“ቅጽዓት:” ትርጕም 1990]: ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም” በለ።—ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ መን እዮም፧
የሱስ: “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:5፣ መዝሙር 37:29፣ 72:8) ምድሪ በቶም ሕጂ እውን ከይተረፈ ንሓድሕዶም ምፍቓር ዚመሃሩ ዘለዉ ሰባት ክትመልእ እያ። የሱስ ንሰዓብቱ: “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም።—ዮሃንስ 13:34, 35
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ ሰባት እንታይ ክትገብር እያ፧
የሱስ: ሕማም ደቂ ሰብ ኬሕዊ እዩ። ኣብ ምድሪ ኸሎ ነቶም ህዝቢ: ብዛዕባ “መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ነገሮም: ምሕዋይ ንዜድልዮምውን ኣሕወዮም።” (ሉቃስ 9:11) ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ዝተንስአ የሱስ ብራእይ ድሕሪ ምርኣዩ: “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ . . . ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ . . . ኪነብር እዩ: . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን [እዩ]” በለ።—ራእይ 21:1-4
መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ክትቅይራ እያ። እቲ ምስ የሱስ ተሰቒሉ ዝነበረ ገበነኛ ሰብኣይ ንየሱስ: “ጐይታይ: ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” በሎ። የሱስ ድማ “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ብምባል መለሰሉ።—ሉቃስ 23:42, 43፣ ኢሳይያስ 11:4-9
ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 8 ተወከስ። a
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።