ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

እቲ ማርያም እተጠቐመትሉ ቕዱይ ቅብኢ ኣዝዩ ኽቡር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ሒደት መዓልቲ ኣቐዲሙ: ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር “ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት:” ኣብ ርእሲ የሱስ ድማ ኣፍሰሰቶ። (ማርቆስ 14:3-5፣ ማቴዎስ 26:6, 7፣ ዮሃንስ 12:3-5) ማርቆስን ዮሃንስን ዝጸሓፍዎ ጸብጻባት: እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ: ዋጋኡ 300 ዲናር ከም ዝነበረ ይገልጽ: እዚ ድማ ናይ ሓደ ተራ ሰራሕተኛ ዳርጋ ናይ ሓደ ዓመት ደሞዝ ነበረ።

እዚ ኽቡር ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ እዚ: መበቈሉ ኻበይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምንጪ ናርዶስ ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ተኽሊ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ: እቲ ኣብ ኣኽራን ሂማላያ ዚርከብ ጥዑም ሽታ ዘለዎ ንእሽቶ ተኽሊ (ናርዶስታቺስ ጃታማንሲ) እዩ ነይሩ። እዚ ኽቡር ዝዋጋኡ ናርዶስ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሕሱር ዝዋጋኡ ንጥረ ነገር ይሕወስ: ንዕኡ ብዚመስል ናይ ሓሶት ቅዱይ ቅብኢ እውን ከይተረፈ ይትካእ ነበረ። ማርቆስን ዮሃንስን ግን: “ጹሩይ ናርዶስ” ዚብል መግለጺ እዮም ተጠቒሞም። እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኽቡር ምንባሩ: ካብ ርሑቕ ህንዲ ዝመጸ ኪኸውን ከም ዚኽእል እዩ ዚሕብር።

ኣብቲ ማርቆስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ: ማርያም “ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ” ብምባል ዝገለጸ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ቢልቃጥ መብዛሕትኡ ግዜ ጸቢብ ክሳድ ነበሮ: ከምዚ ምዃኑ ድማ እቲ ኽቡር ሽታ ምእንቲ ኸይሃፍፍ ንምዕሻግ ምሹእ ነበረ። ኣለን ሚለርድ ኣብታ ዲስከቨሪስ ፍሮም ዘ ታይም ኦቭ ጂሰስ እትበሃል መጽሓፉ: “እታ ሰበይቲ ነቲ እተዓሸገ ቢልቃጥ ኣብ ክንዲ ምኽፋት [ንኽሳድ እቲ ቢልቃጥ] ምስባራ: ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሰት እዩ ዜርኢ” በለ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ: “እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት” ዚብል። (ዮሃንስ 12:3) እዚ ህያብ እዚ: ኣዝዩ ኽቡር እኳ እንተ ዀነ: ግቡእ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዛ መማሰዊት ሰበይቲ እዚኣ: የሱስ ቅድሚ እተወሰነ እዋን ነቲ ኣልኣዛር ዝስሙ ፍቑር ሓዋ ኼተንስኦ ኸሎ ርእያቶ ነይራ እያ።—ዮሃንስ 11:32-45

ያሪኮ ሓንቲ ኸተማ ድያ ነይራ ወይስ ክልተ፧

ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ነቲ ኣብ ጥቓ ያሪኮ እተፈጸመ ተኣምራታዊ ምሕዋይ መዝጊቦምዎ እዮም። (ማቴዎስ 20:29-34፣ ማርቆስ 10:46-52፣ ሉቃስ 18:35-43) ማቴዎስን ማርቆስን ነቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት ካብ ያሪኮ ‘ኺወጽእ ከሎ’ ምዃኑ ገለጹ። ሉቃስ ግን: ናብ ያሪኮ ‘ምስ ቀረበ’ ኸም እተፈጸመ እዩ ዝገለጸ።

ብግዜ የሱስ ያሪኮ ትበሃል ሓንቲ ኸተማ ጥራይ ድያ ነይራ ወይስ ክልተ እየን ነይረን፧ ባይብል ዘን ኤንድ ናው ዘርእስታ መጽሓፍ: “ብግዜ ሓድሽ ኪዳን ያሪኮ ኻብታ ጥንታዊት ከተማ ብሸነኽ ደቡብ ሓደ ማይል (1.6 ኪሎ ሜተር) ርሒቓ ተሃኒጻ ነበረት። ኣብኣ ሄሮድስ እቲ ዓብዪ ኣብ ቈራሪ ወርሓት ዚጥቀመሉ ቤተ-መንግስቲ ሰሪቱ ነበረ” ትብል። እታ ኣርኪኦሎጂ ኤንድ ባይብል ሂስትሪ እትበሃል መጽሓፍ እውን: “ብግዜ የሱስ ከተማ ያሪኮ ኽልተ እያ ነይራ። . . . እታ ጥንታዊት ከተማ ኣይሁድ ካብ ከተማ ሮማውያን ሓደ ማይል ርሒቓ ትርከብ ነበረት” ብምባል ነዚ ሓሳብ እዚ ተረጋግጾ።

ስለዚ: የሱስ ምናልባት ካብ ከተማ ኣይሁድ ወጺኡ ናብ ከተማ ሮማውያን ምስ ቀረበ ወይ ብኣንጻሩ ኪኸይድ ከሎ እዩ ተኣምር ገይሩ ዚኸውን። ብንጹር እምበኣር: ነቲ እዚ ኺጸሓፍ ከሎ ዝነበረ ዅነታት ምርዳእና: እቲ ዚጋጮ ዚመስል ነገር ከም ዘይጋጮ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ቢልቃጥ ቅዱይ ቅብኢ

[ምንጪ ስእሊ]

© Réunion des Musées Nationaux/Art Resource, NY