ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሎሚ ምሸት ኣብ ጥቓ መጋርያ ኾፍ ኢለ ኸንብባ እየ”

“ሎሚ ምሸት ኣብ ጥቓ መጋርያ ኾፍ ኢለ ኸንብባ እየ”

ካብ ኣውስትራልያ እተላእከት ደብዳበ

“ሎሚ ምሸት ኣብ ጥቓ መጋርያ ኾፍ ኢለ ኸንብባ እየ”

ብዛዕባ እቲ ርሑቕ ገጠራት ኣውስትራልያ ኽትሓስብ ከለኻ: ኣጻምእ ምድረ በዳ: ብርቱዕ ሃሩር: ገለ ዘይብሉ ኣዝዩ ሰፋሕቲ ጐላጕል እዩ ዚረኣየካ። ይኹን እምበር: እዚ ውሽጣዊ ኽፋል እዚ መንበሪ እቶም 180,000 ዚዀኑ ሰባት እዩ: እዚኣቶም ካብ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ኣስታት 1 ሚእታዊት እዮም።

ንእሽቶ ኸለኹ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለደይ: ንኽንሰብኽ ናብ ርሑቕ ገጠራት ምስኦም ይማልኡኒ ነበሩ። እቲ ኣዝዩ ሰፊሕን ፍልይ ዝበለን ገጠራት ልዑል ተገዳስነት ኣሕደረለይ። ነቶም ድልዱላትን ቅሱናትን ነበርቲ እቲ ኸባቢ እውን ሓያል ተገዳስነት ሓደረኒ። ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ርእሰይ ስድራ ቤት ኣለዉኒ: ብዓልቲ ቤተይን ደቂ 10ን 12ን ዓመት ደቅናን ድማ ነቲ ተመክሮ ኺምከርዎ ደለኹ።

ነቲ ጕዕዞ ምድላው

ፈለማ: ተቐሚጥና ወጻኢታትና ኽንጽብጽብ ነበረና። ንጕዕዞ ኽንደይ ዚኸውን ኢና ኸነውጽእ፧ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኢና ኣብኡ ኽንጸንሕ፧ ምርዑዋት ሰብ ሓዳርን ክልተ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ነታ ጕጅለና ሓበርዋ። እቲ ጕዕዞና ድማ ኣብ ናይ ፍርቂ ዓመት ናይ ትምህርቲ ዕረፍቲ ኪኸውን ተሰማማዕና። ድሕሪኡ: ነቲ ኣብ ሲድኒ: ኣውስትራልያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እነገልግለሉ ኽሊ ንኺወሃበና ዚሓትት ደብዳበ ጸሓፍና። ነቲ ኣብ ጥቓ ጉንዲውንዲ: ንእሽቶ ሓውሲ ገጠር ዝዀነት ከተማ ዚርከብ ግሉል ቦታ ንኽንሽፍኖ ዕድመ ቐረበልና: እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብታ እንነብረላ ኸተማ ብሪዝበን ብሸነኽ ምዕራብ 400 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ ትርከብ።

ኣብ ጉንዲውንዲ ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘላ ፈለጥና። እዚ ድማ ተወሳኺ በረኸት እዩ ነይሩ። ምስ ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ምርኻብ ሓደ ጕሉሕ ክፍሊ ጕዕዞና ኪኸውን እዩ። ብዛዕባ ጕዕዞና ንኣባላት እታ ጉባኤ ሓበርናዮም። በቲ ዝሃቡና ውዕዉዕ ምላሽ ድማ ብሃንቀውታ ይጽበዩና ኸም ዝነበሩ ፈለጥና።

ቀቅድሚ ምብጋስና: እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዘለዉ ሰባት: ብኸመይ ከነብጸሓሎም ከም ዘሎና ተመያየጥና። ብፍላይ ንባህልን ልምድን እቲ እንረኽቦ ዝዀነ ይኹን ኣቦርጅናዊ ኸነኽብር ከም ዘሎና ተሰማማዕና። ንኣብነት: ገለ ነገዳት ነቲ መሬቶም ከም ሓባራዊ ቤቶም ስለ ዚርእይዎ: ከይተዓደምካ ህሩግ ኢልካ ምእታው ከም ዘይእዱብ ተግባር ገይሮም እዮም ዚሓስብዎ።

ነቐልና

ኣብ መወዳእታ: እታ እተሐጕስ መዓልቲ መጸት። እተን ክልተ ማካይን ብሰባትን ብኣቓሑን መሊአን ጕዕዞ ናብ ጉንድውንዲ ዀነ። እቲ ዘራእቲ ዘለዎ ግራውቲ ምስ ሓለፍና ናብቲ ሓሓሊፉ ቐላሚጦስ ዘለዎ ሳዕሪ ዝበዝሖ ጐላጕል ኣተና። ኣብቲ ውዑይ ኵነታት ኣየር: ጸሓይ ኣብቲ ደበና ዘይብሉ ሰማይ ኰይና እቲ ድሙቕ ብርሃና ትህብ ነበረት። ድሕሪ ናይ ሰዓታት ጕዕዞ ኣብ ጉንዲዊንዲ በጻሕና: ኣብታ እተኻረናያ መደቀሲ ዘለዋ ተጐታቲት ማኪና ድማ ኣዕረፍና።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰንበት: ንስብከት እትምሽእ ጸሓይን ባህ ዜብል ኵነታት ኣየርን ነበረ። እዚ ኸባቢ እዚ ኣብቲ ሃሩር ዚዀነሉ ወርሓት ልዕሊ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ እዩ ዚበጽሕ። እታ ፈለማ ደው ዝበልናላ ቦታ: ኣስታት 30 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና ማሕበረሰብ ኣቦርጅናውያን ዚነብሩላ እያ። ድሕሪኡ ናብ ጀኒ እትበሃል ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሸያብ ሰበይቲ ወሰዱና: ንሳ ናይቲ ማሕበረሰብ መራሒት እያ። ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥና ጽን ኢላ ድሕሪ ምስማዕ: ነታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ተሓጒሳ ተቐበለትና። a ድሕሪኡ ናብቲ ማሕበረሰብ ኣቲና ነቶም ነበርቲ ንኽንሰብኽ ፈቐደትልና።

ቈልዑ እቲ ኸባቢ ቐቅድሜና እናኸዱ ምምጻእና የበስሩ ነበሩ። ኵሉ ዝረኸብናዮ ብዓል ቤት ንመልእኽትና ብኣኽብሮት ይሰምዖን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ይወስድን ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ጽሑፋትና ተወድአ: እቲ ናብታ ኸተማ ተመሊስና ኣኼባታት ጉባኤ እንገብረሉ ሰዓት ኣኺሉ ነበረ። ቅድሚ ምምላስና ግን: ነቶም ዘይረኸብናዮም ሰባት ተመሊስና ንኽንበጽሖም ተመባጻዕና።

ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና ምስቶም ሓደስቲ እተላለናዮም: ቀልጢፎም ድማ ፈተውትና ዝዀኑ ደስ ዜብል ዕላል ገበርና። እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ 25 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቶም ኣብ 30,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ፋሕ ኢሎም ዚርከቡ: 11,000 ዚዀኑ ሰባት ብተኣማንነት እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኬብጽሑሎም ጸኒሖም እዮም። ሓደ መማሰዊ ናይ የሆዋ ምስክር: “ስለቲ ናብዚ መጺእኹም ንኽትሕግዙና ዝገበርኩምዎ ጻዕሪ ነመስግነኩም” በለና። ድሕሪ እቲ ዜሐጕስ ኣኼባ: ኵላትና እኽለ-ማይ ንኽንጥዕም ተዳለና። በታ ምሸት እቲኣ ቕድሚ ምድቃስና: ነቶም ኣብ ከባቢ እታ ተጐታቲት ማኪና ዝነበሩ ፖሱም ዚበሃሉ እንስሳታት ዚብላዕ ሃብናዮም።

“ሎሚ ምሸት ኣብ ጥቓ መጋርያ”

ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኽልተ መዓልቲ: ነቲ ኣብ ዶብ ኲንስላንድን ኒው ሳውዝ ዌልስን ተበታቲኑ ዚርከብ ኣባይቲ በጻሕና። መብዛሕትኡ እቲ ገጠር: ዝደረቐ ቈጥቋጥ ቀላሚጦስን መገሃጫ ኣባጊዕን ከብትን ዚኸውን ሸኻታትን ይርከቦ። ኣብ መገዲ ድማ ሓያሎ ካንጋሩታት ድምጽና ምስ ሰምዓ ኣእዛነን የንቀሳቕሳ ነበራ። እተን ግርማ ዝዓሰለን ኢሙ ዚበሃላ ዘይነፍራ ኣዕዋፍ ኣብ ደምበ ሸናዕ ኪብላ ብማዕዶ ረኣናየን።

ሰሉስ ድሕሪ ቐትሪ ብዙሓት መጓሰ ኸብቲ ብመገዲ እናሓለፋ ኣጓነፋና። እቶም ገንዘብ እናተኸፍሎም ማል ዚዅብኵቡ: ብፍላይ ኣብ እዋን ድርቂ በቲ ኸባቢ እቲ ይሓልፉ እዮም። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሓደ ኣብ ፈረሱ ተወጢሑ ዚዅብኵብ ኣጋጠመና። ነታ ማኪና ናብ ወሰን መገዲ ኣጸጊዐ: ካብታ ማኪና ወረድኩ: ድሕሪኡ ሰላምታ ኣቕረብኩሉ። ንሱ ድማ: “ከመዓልካ” ኢሉ መለሰለይ። እዚ ብዕድመ ዚደፍአ ሰብኣይ: ነቲ ኸልቡ ኣብ ጐድኑ ገይሩ ንኼዘራርበኒ ደው በለ።

ብዛዕባ ድርቂ ቝሩብ ድሕሪ ምዕላል: ነቲ መልእኽትና ኽነግሮ ጀመርኩ። እቲ ሰብኣይ ድማ: “ካብቲ ቘልዓ ዝነበርኩሉ እዋን ኣትሒዘ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይኹን ነገር ሰሚዐ ኣይፈልጥን” በለ። በዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ብልሽውና: መራሕቲ ሃይማኖት ተሓተትቲ ምዃኖም ገለጸ። ይኹን እምበር: ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ኣኽብሮት ነበሮ። ጽቡቕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣበርከትኩሉ። b ንሱ ኸኣ ነታ መጽሓፍ ተገዲሱ ድሕሪ ምቕባል: ኣብቲ ጁባ ካምቻኡ ኣእተዋ: ድሕሪኡ: “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል እንተ ምሂራትኒ: ሎሚ ምሸት ኣብ ጥቓ መጋርያ ኾፍ ኢለ ኸንብባ እየ” በለ።

ናብ ቤትና ምምላስ

በታ ምሸት እቲኣ ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንና: ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተመክሮታትና ኣዘንተናሎም። ንሳቶም ድማ ነቶም ዝረኸብናዮም ተገዳስነት ዝነበሮም ሰባት ከይዶም ኪበጽሕዎም ምዃኖም ተመባጽዑልና። ኣዚና ተቐራሪብና ስለ ዝነበርና: እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ: ምስንባት ከቢዱና ነይሩ። ኵላትና በቲ ሓድሕዳዊ መንፈሳዊ ምጽንናዕ ተሃኒጽና ኢና።—ሮሜ 1:12

ንጽብሒቱ ናብ ቤትና ተጐዓዝና። ብዛዕባ ጕዕዞና ኽንሓስብ ከለና: የሆዋ ንጻዕርታትና ኣብዚሑ ኸም ዝባረኾ ተሰማማዕና። ብመንፈሳዊ ኸም እተሓደስና ዀይኑ ድማ ተሰምዓና። ኣብ ቤትና ምስ በጻሕና: ነቶም ደቅና: “ኣብ ዚቕጽል ዕረፍትና ናበይ ክትከዱ ምደለኹም፧ ናብቲ ኣኽራንዶ፧” ኢለ ሓተትክዎም። እቶም ቈልዑ ድማ: “ኣይኰነን ባባ: እንደገና ተመሊስና ኣብቲ ርሑቕ ገጠራት ንመስክር” ኢሎም መለሱ። ብዓልቲ ቤተይ እውን ምስ ሓሳቦም ብምስምማዕ: “እወ: ናብኡ ንኺድ። ቅድሚ ሕጂ ኻብ ዘሕለፍናዮ ዕረፍቲ እቲ ዝበለጸ እዩ ነይሩ” በለት።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።