ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ጶንጥዮስ ጲላጦስ ብዛዕባ የሱስ: “ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ:” ዚብል ክሲ ምስ ሰምዐ: ስለምንታይ እዩ ዝፈርሀ፧ዮሃንስ 19:7

ጁልየስ ቄሳር ምስ ሞተ: ላዕለዋይ ባይቶ ሮሜ: ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣወጁሉ። ድሕሪኡ: እቲ ዘዕበዮ ወዱን ወራሲኡን ዝነበረ ኦክተቭያን: ዲቪ ፊልዩስ ማለት: “ወዲ መለኮት” ወይ “ወዲ ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ተኣወጀ። እዚ ብላቲን ተጠቒሱ ዘሎ ስም: ኣርዚንካ ዚርአ መዓርግ ሃጸያት ኰነ። እቲ ናይ ሮሜ መሰውኢታት: ኣብያተ-መቕደስ: ሓወልትታት: ከምኡውን ኣብ ሰናቲም ዚርከብ ብዙሕ ጽሑፋት ነዚ ዜረጋግጽ እዩ። ኣይሁድ ንየሱስ: ንርእሱ “ወዲ ኣምላኽ” ከም ዝገበረ ኪኸስዎ ኸለዉ: ብኻልእ ኣበሃህላ እቲ ወግዓዊ መዓርግ ወሲዱ ማለቶም እዩ ነይሩ: እዚ ድማ ከም ክሕደት ይቝጸር ነበረ።

ኣብቲ የሱስ ተኸሲሱሉ ዝነበረ እዋን: ጢቤርዮስ: ዲቪ ፊልዩስ ኰይኑ ነበረ። እዚ ሃጸይ እዚ: ዝዀነ ይኹን ጸላኢኡ ገይሩ ንዝረኣዮ ሰብ ብምቕታል ዝመጸ ሕማቕ ስም ነበሮ። ስለዚ: እቶም ኣይሁድ: ጲላጦስ ንየሱስ እንተ ዘይፈሪድዎ ንቄሳር እሙን ከም ዘይኰነ ምስ ኣመቱሉ: እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጲላጦስ “ኣዝዩ ፈርሄ”። ኣብ መወዳእታ: በቲ ዝገበሩሉ ጸቕጢ ስለ እተሰነፈ: ንየሱስ ኪቐትልዎ ኣዘዘ።—ዮሃንስ 19:8, 12-16

ጢሮስ ብባቢሎናውያን ምስ ጠፍአት ነዊሕ ግዜ ጸኒሑ: ዘካርያስ ብዛዕባ ምጥፋእ ጢሮስ እተነበየ ስለምንታይ እዩ፧

ጥንታዊት ጢሮስ ኣብ ገማግም መዲተራነያን እትርከብ ኰይና ኽልተ ኽፍልታት ነበራኣ። እታ ሓንቲ ኣብ ቀንዲ መሬት እትርከብ ኰይና: እታ ኻልኣይቲ ድማ ኣብ ደሴት ነበረት።

ሓደ እዋን: ሰብ ጢሮስ ምስ እስራኤላውያን ምሕዝነት ፈጠሩ። ጸኒሓ ግን: ጢሮስ ሃብተመት: ንየሆዋ ኣምላኽ ከኣ ክትቃወሞ ጀመረት፣ ሕሉፍ ሓሊፋ ኻብ ህዝቡ ወርቅን ብሩርን ሰረቐት: ንገሊኦም ድማ ንባርነት ሸጠት። (ዮኤል 3:4-6) እዚ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኸቢድ ፍርዲ የሆዋ ኣምጸኣላ። የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ: ጢሮስ ኣብ ኢድ እቲ ንየሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ምስ ኣጥፈኣ ሰራዊቱ ናብ ጢሮስ ዝለኣኸ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከም እትወድቕ ተነበየ።—ኢሳይያስ 23:13, 14፣ ኤርምያስ 27:2-7፣ ህዝቅኤል 28:1-19

ህዝቢ ጢሮስ ከም ዚሰዓሩ ምስ ተረድኦም: ጥሪቶም ሒዞም ናብታ ደሴት ዝዀነት ከተማ ሃደሙ። ባቢሎናውያን ድማ ነታ ኣብ ቀንዲ መሬት እትርከብ ከተማ ኣዕነውዋ። ዳርጋ 100 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንጢሮስ ዚፈርዳ ፍርዲ: “እንሆ: እግዚኣብሄር ኪሕዛ: ንስልጣና ኸኣ ናብ ባሕሪ ኺድርብዮ እዩ: ብሓዊ ድማ ሞዅ ክትብል እያ” ኢሉ ንኺእውጅ ንነብዪ ዘካርያስ ብመንፈሱ ደረኾ።—ዘካርያስ 9:3, 4

ብ332 ቅ.ክ. እታ ደሴት ዝዀነት ከተማ ብኢድ እስክንድር እቲ ዓብዪ ምስ ጠፍአት: ትንቢት ዘካርያስ ፍጻሜኡ ረኸበ። እቲ እተነገረ ትንቢት ምእንቲ ኺፍጸም ድማ: እስክንድር ካብታ ዝዓነወት ከተማ ዕንጨይትን ኣእማንን ወሲዱ: ካብቲ ቐንዲ መሬት ናብታ ደሴት ዝዀነት ከተማ ዚወስድ 800 ሜተር ዝምንዋሑ መሳገሪ መገዲ ሰርሐ። እዚ እውን ኣቐዲሙ ብህዝቅኤል ተነጊሩ ነይሩ እዩ።—ህዝቅኤል 26:4, 12

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

“ከበባ ጢሮስ”

[ምንጪ ስእሊ]

Drawing by Andre Castaigne (1898-1899)