ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንምፍላጥ እተሕድሮ ሃንቀውታ ብግቡእ ተጠቐመሉ

ንምፍላጥ እተሕድሮ ሃንቀውታ ብግቡእ ተጠቐመሉ

ንምፍላጥ እተሕድሮ ሃንቀውታ ብግቡእ ተጠቐመሉ

“ሰብ: ሕቶታት ዚሓትት ፍጡር እዩ። ካብታ እተወለድናላ ግዜ ኣትሒዝና ሕቶታት ክንሓትት ንጅምር . . . ታሪኽ ደቂ ሰብ ብዛዕባ እቲ ንሕና ሰባት ዘቕረብናዮ ሕቶታትን መልስታትን ዚገልጽ ታሪኽ ኪበሃል ይከኣል እዩ።” —ኦክታብዮ ፓዝ: መክሲካዊ ገጣሚ

ሓደ ኸሻኒ ሓድሽ ኣሰራርሓ ምግቢ ኺምህዝ ዜለዓዕሎ እንታይ እዩ፧ ሓደ ዳህሳሲ ናብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ጕዕዞ ኺገብር ዚድርኾ እንታይ እዩ፧ ሓደ ቘልዓ ብዙሕ ሕቶታት ከም ዚሓትት ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ንምፍላጥ ዘሕደርዎ ሃንቀውታ እዩ ንኺሓቱ ዚድርኾም።

ንስኻኸ፧ ሓድሽ ሓሳባት ወይ ዚምስጥ ሕቶታት ንሃንቀውታኻ የለዓዕሎ ድዩ፧ ንኣብነት: ህይወት ካበይ እያ መጺኣ፧ ስለምንታይ ኢና ኣብዚ እንነብር ዘለና፧ ኣምላኽ ኣሎዶ፧ መብዛሕትና ኻብ ግዜ ቝልዕነትና ኣትሒዝና በቲ ንምፍላጥ እነሕድሮ ሃንቀውታ ተለዓዒልና ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንሓትት ኢና: ነዚ ምኽንያት ዚኸውን ነገራት ክንፈልጥ እውን ንደሊ። ሓደ ሓሳብ ዚምስጥ ኰይኑ ምስ እንረኽቦ: ብዛዕባ እቲ ነገር ንኽንፈልጥ ዝከኣልና ዘበለ ዅሉ ንጽዕር። በዚ ኸምዚ እቲ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ ዜገርም ውጽኢት ኬምጽእ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሽግራት ኬምጽእ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሓደጋታት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።

ኣገዳስነት ጥንቓቐን ሚዛንካ ምሕላውን

ነቲ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታና ብግቡእ እንተ ዘይተጠቒምናሉ ግን: ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሓደ ቘልዓ ንኺፈልጥ ብዘሕደሮ ሃንቀውታ ሓዊ ይሕዝ ይኸውን: እቲ ዚመጽእ ሳዕቤን ድማ ሓደገኛ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ህንጡይ ምዃን ፍልጠትና ኸነስፍሕን ንሕቶታትና መልሲ ንኽንረኽበሉን ኬለዓዕለና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ንኽንፈልጥ ብእነሕድሮ ሃንቀውታ ተለዓዒልና: ዜምጽኦ ሳዕቤን ኣብ ግምት ከየእተና ዝዀነ ይኹን ተገዳስነትና ዘለዓዓለ ስምዒት ክንስዕብሲ ጥበባዊዶ ምዀነ፧

ጐዳኢ ዝዀነ ዘየድሊ ፍልጠት ኣሎ። ንኣብነት: ብዛዕባ ስእለ-ጽዩፍ: ሽሕር: ትምህርትታት ኣንቆራታት: ወይ ብዛዕባ ኣኽረርቲ ጕጅለታት ንኽትፈልጥ ሃንቀውታ ምሕዳር: ንድሕንነትና ብቐሊሉ ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ይኽእል እዩ። ኣብዝን ኣብ ካልእ መዳያትን ነቲ: “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ዝጸለየ እብራዊ ጸሓፍ መዝሙር ክንመስሎ ዝከኣለና ኽንገብር ኣሎና።—መዝሙር 119:37

ብርእሱ ጐዳኢ ዘይኰነ ፍልጠት ይህሉ ይኸውን: እንተዀነ ግን: ሃጠው ቀጠውን ዘይጠቅምን እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ዅሉ ብሕታዊ ህይወት ውሩያት ተዋሳእቲ ወይ ህቡባት ሰባት: ብዛዕባ ኣሃዝ ኵለን ጋንታታትን ተጻወትን: ወይ ድማ ብዛዕባ ዘመናዊ መሳርሒታት ወይ ብዛዕባ ሓደስቲ ሞደል ማካይን ምፍላጥ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧ ብዙሓት ሰባት በዚ ነገር እዚ “ኽኢላታት” ምዃኖም ዚረኽብዎ ዝዀነ ይኹን ረብሓ የልቦን።

ዜነቓቕሕ ኣብነት

ልክዕ እዩ: ንምፍላጥ ሃንቀውታ ምሕዳር ኣወንታዊ ረብሓ ኣለዎ። ኣብነት እቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ብዛዕባ እንስሳታትን ኣትክልትን መጽናዕቲ ዝገበረን ዳህሳሲ ዝነበረን ጀርመናዊ ኣለክሳንደር ቮን ሁምቦልት እስከ ንርአ። ንሱ ናብ ምዕራባዊ ገማግም ደቡብ ኣመሪካ ምስ በጽሐ: እቲ ቦታ ብስሙ ሁምቦልት ካረንት ተባሂሉ ተሰምየ።

ሁምቦልት ሓደ እዋን ኣብ ህይወቱ: “ካብ ግዜ ንእስነትይ ኣትሒዘ: ነቲ ኣውሮጳውያን ሳሕቲ ዚበጽሕዎ ዝነበሩ ርሑቕ ዞባታት ክበጽሕ ሓያል ባህጊ ሓደረኒ” በለ። እዚ ባህጊ እዚ ኻብቲ ኺዓግቶ ዘይከኣለ ውሽጣዊ ተመስጦኡ ኸም ዝነቐለ ሓበረ። ወዲ 29 ዓመት ምስ ኰነ: ናብ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ተጓዕዘ: እቲ ወፍሪ ድማ ሓሙሽተ ዓመት ወሰደሉ። በቲ ዝኣከቦ ሓበሬታ ድማ: 30 ጥራዝ ዝሓዘ ጸብጻብ ፍጻመታት ጕዕዞኡ ኣዳለወ።

ንሁምቦልት ዝዀነ ይኹን ነገር እዩ ኣቓልቦኡ ዚስሕቦ ነይሩ፣ ገለ ኻብኡ ሙቐት ውቅያኖስ: እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ዓሳታት: እቶም ኣብ መገዱ ዚረኽቦም ኣትክልቲ ኺጥቀስ ይከኣል። ጎቦታት ሓዂሩ: ወሓይዝ ዳህሲሱ: ኣብ ውቅያኖሳት ተጓዒዙ እዩ። እቲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ድማ ንሓያሎ ዓውድታት ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት መሰረት ኣንቢሩ እዩ። ነዚ ዅሉ መበገሲ ዝዀነ ግን እቲ ንምፍላጥ ዘሕደሮ ሓያል ሃንቀውታን እቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዘሰነዮ ኻብኡ ተፈልዩ ዘይፈልጥ ንፍልጠት ዝነበሮ ዘይዓግብ ባህጉን እዩ። ከምቲ ኣመሪካዊ ደራሲ ራልፍ ዋልዶ ኢመርሶን ዝበሎ: “ሁምቦልት ሓደ ኻብቶም ሓሓሊፎም ዚቕልቀሉ: ኣእምሮ ወዲ ሰብ ዘለዎ ተኽእሎን ሓይልን ስፍሓትን ዜርኣዩና . . . መስተንክር ሰባት እዩ።”

ክትምርምሮ ዘሎካ ዓውዲ

ሓቂ እዩ: ንመብዛሕትና ዳህሰስቲ ዓለም ክንከውን ወይ ንስነ-ፍልጠት ከነበርክት ኵነታትና ኣይፈቕደልናን እዩ። ይኹን እምበር: ኣእምሮና ኼተኵረሉ ዚኽእል ሓደ ዓውዲ ፍልጠት ኣሎ: እዚ ድማ ክንረኽቦ ኻብ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ፍልጠት ዚበልጽ ዓስቢ ዜውህብ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣመልኪቱ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።—ዮሃንስ 17:3

ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝስሙ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ብዛዕባ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ፍልጠት ምጥራይ: ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሓበሬታ ንላዕሊ ዓስቢ ኣለዎ። ነቲ ኣብ መጀመርታ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተጠቕሰ ብዛዕባ ህይወት ዝቐረበ ሕቶታት እሞ ዘክሮ። ኣብ ልዕሊኡ ኻልእ ኣገዳሲ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና:- ኣብዛ ዓለም ብዙሕ መከራ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ እዛ ምድሪ ብሰባት ክትዓኑን ኽትጠፍእን ድያ፧ ደቂ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሳዕቤን ከም ዘየጋጥሞም ንኼረጋግጽ: ኣምላኽ እንታይ ኪገብር እዩ፧ ይኹን እምበር: ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽንረክብ ከለና: ንምፍላጥ እነሕድሮ ሃንቀውታ ጥራይ ኣይኰንናን እነዕግብ። ከምቲ የሱስ ዝገለጾ: “ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እዩ። እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ: “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ሕስብ እሞ ኣብሎ—እቲ ሃዋርያ: መጽሓፍ ቅዱስ ሰናይ ዘበለ ዅሉ ንኽንገብር ዜኽእለና ፍልጠት ከም ዜዕጥቐና ወይ ከም ዚህበና ተዛረበ። ኣረኣእያ ኣምላኽ ኪህልወና ድማ ይሕግዘና። ፍልጠትን ጥበብን ኣምላኽ ካብ ናይ ዝዀነ ይኹን ፍልጠትን ጥበብን ዝለዓለ ኸም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና። ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ: “ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን: መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን: ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል: መገድታተይ ካብ መገድታትኩም: ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ” ብምባል ዓሚቚ ሓሳብ ኪጽሕፍ ከኣለ።—ኢሳይያስ 55:8, 9

ብዛዕባ እቲ ኽብ ዝበለ መገድታትን ሓሳባትን ኣምላኽ ክትፈልጥ ትደሊዶ፧ እቲ ንምፍላጥ ዘሕደርካዮ ሃንቀውታ: እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መገድታትን ሓሳባትን ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ንኽትምርምር ደፋፊኡካዶ፧ ኣምላኽ ንዅሉ መከራ መወዳእታ ንኺገብረሉ እንታይ ከም ዚገብርን ንእዙዛት ደቂ ሰብ እንታይ ሰናይ ነገር ኣንቢሩሎም ከም ዘሎን ክትፈልጥ ትህንጠዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ዕድመ ንዓኻ ኣቕሪቡልካ ኣሎ:- “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን: ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 34:8

ከምቲ ንፈለማ ግዜ ብርሃን ዚርኢ ሰብ: እቲ ኣገዳሲ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እውን ኣብቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ጽልዋ ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ንኺብል ተደረኸ:- “ወዳጄ: መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን: ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ።” (ሮሜ 11:33) ሃብቲ ኣምላኽን ፍልጠቱን ጥበቡን ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ፈጺምና ኣይንኽእልን ኢና። ወትሩ ሓድሽ ነገር ስለ እንረክብን ህይወትና ዜሰልኪ ስለ ዘይከውንን: ኣብ ቅድሜና ዜሐጕስ መጻኢ ተነቢሩልና ኣሎ።

ነቲ ሃንቀውታ ኣይተጥፋኣዮ

ሓቂ እዩ: መብዛሕትና ውሩያት ዳህሰስቲ ወይ መሃዝቲ ኽንከውን ከቶ ኣይንኽእልን ኢና። ምናልባት እውን ንዅሉ እቲ ኣብ ማእከላይ ገምጋም ዕድሜና ኽንርድኦ ዝደለናዮ ነገር ፈጺምና ኣይንርድኦን ንኸውን። እንተዀነ ግን: ነቲ ንምፍላጥ እነሕድሮ ሃንቀውታ ኺመውት ኣይነፍቅድ። ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተላዒሉ ዘንበረልና ጽምኢ ፍልጠት ኣይነጥፍኣዮ።

ነዚ ዜደንቕ ኣምላኽ ዝሃበካ ውህበት ብግቡእ ተጠቐመሉ: ቅኑዕ ምርዳእ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣማዕብል። ከምኡ እንተ ደኣ ጌርካ: ሕጂ ኣብ ህይወትካ ትርጕምን ሓጐስን ትረክብ: ኣብ መጻኢ ድማ ንዘለኣለም ከምዚ ንኽትገብር ብሃንቀውታ ኽትጽበ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ: “[ኣምላኽ] ንዅሉ በብግዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ: ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብል።—መክብብ 3:11

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ትፈልጥዶ፧

• ቅርጺ እዛ ምድርና ኸቢብ እምበር ጸፊሕ ከም ዘይኰነ: ቅድሚ ኮለምበስን ማጀላንን ዘመናት ኣቐዲሙ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝሓበረ።ኢሳይያስ 40:22

• ጠፈርተኛታት ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ ኸም እተንጠልጠለት ቕድሚ ምፍላጦም: መጽሓፍ ቅዱስ ነዊሕ ይገብር ኣብ ገለ ዘይብሉ ምንጥልጣላ ኸም ዝገለጸ።እዮብ 26:7

• ቅድሚ እቲ ዊልያም ሃርቪ ዚበሃል እንግሊዛዊ ሓኪም ኣብ ኣካላት ወዲ ሰብ ዘሎ ስርዓተ ዙረት ደም ዝፈለጠሉ እንተ ወሓደ 2,500 ዓመት ይገብር: መጽሓፍ ቅዱስ ንልቢ ፈልፋሊት ወይ ምንጪ ህይወት ገይሩ ጠቒስዋ ኸም ዝነበረ።ምሳሌ 4:23

• መጽሓፍ ቅዱስ 3,000 ዓመት ይገብር ብቐሊል ቃላት ገይሩ ንዑደት ማይ: ክፍሊ እቲ ኣብ ምድሪ ህይወት ከም ዚህሉ ዚገብር መስርሕ ምዃኑ ኸም ዝገለጸ።መክብብ 1:7

ደቂ ሰብ ነዚ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቅታት እዚ ቕድሚ ምግንዛቦም ወይ ምርካቦም ነዊሕ ይገብር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ምህላዉስ ኣየገርምንዶ፧ ከም ሓቂ: ኣብኡ ንህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕቑር ሃብቲ ኣሎ: ነዚ ንኽትረኽቦ ኸኣ ንዓኻ እዩ ዚጽበየካ ዘሎ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣልክሳንደር ቮን ሁምቦልት