ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እነምልኾ የገድስ ድዩ፧

ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እነምልኾ የገድስ ድዩ፧

ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እነምልኾ የገድስ ድዩ፧

“ሃይማኖት ኣብ ባህርይ ወዲ ሰብ ዓሚቝ ሱር ሰዲዱ እዩ።” እዚ ቓላት እዚ: ፕሮፌሰር ኣሊስተር ሃርዲ ኣብታ ዘ ስፕሪቹዋል ኔቸር ኦቭ ማን ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፎ እዩ። ውጽኢት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ነዚ መደምደምታ እዚ ዚድግፍ እዩ። ከባቢ 86 ሚእታዊት ዚኸውን ህዝቢ ዓለም ሃይማኖት ከም ዘለዎ እዩ ዚገልጽ።

ኣብቲ መጽናዕቲ እቶም ምእመናን ናይ 19 ዓበይቲ ሃይማኖታት ምዃኖም: ከምኡውን ክርስትያናት ኢና ዚብላ 37,000 ዚዀና ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ከም ዘለዋ ተፈሊጡ እዩ። እዝስ ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ኣምልኾታት ብማዕረ ዚቕበሎ እንተ ዀይኑ ኣየገርመካንዶ፧ ንምዃኑ ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እነምልኾ የገድስ ድዩ፧

ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ኣብ ብሕታዊ ስምዒትና ወይ ርእይቶና ተመርኲስና ኽንውስን ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ የድሊ። ነዚ ንምፍላጥ ድማ ናብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጽጋዕ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሱስ ክርስቶስ ንባዕሉ ብዛዕባ ኣምላኽ: “ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ኣሎ። እቲ እሙን ሃዋርያ ጳውሎስ: “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” ብምባል ምስክርነት ሂቡ እዩ።—ዮሃንስ 17:17, 18፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16

ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ: ኵሉ ዓይነት ኣምልኾ ዘይምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። ብኣምላኽ ተቐባልነት ዝረኸበን ብእኡ እተነጽገን ዓይነት ኣምልኾ ዚገልጽ ታሪኻዊ ኣብነታት ንረክብ ኢና። ነዚ ኣብነታት ብጥንቃቐ ብምምርማር: ኣምልኾና ንኣምላኽ ዜሕጕስ ንኪኸውን ክንገብሮ ዚግባእን ዘይግባእን ነገራት ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።

ጥንታዊ ኣብነት

የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብቕቡል መገዲ ንኼምልኽዎ ዚምህር ሕጊ ብነብዪ ሙሴ ኣቢሉ ሰርዓሎም። እቶም ህዝቢ ነቲ ሕጊ ሙሴ ተባሂሉ ዚፍለጥ ሕጊ ኺሕልዉ ኸለዉ: ኣምላኽ ከም ህዝቡ ይቕበሎምን ይባርኾምን ነበረ። (ዘጸኣት 19:5, 6) ይኹን እምበር: ህዝቢ እስራኤል ሞገስ ኣምላኽ ዋላ እኳ እንተ ረኸቡ: ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ቕቡል ዝዀነ ኣምልኾ ኣጽኒዖም ኣይሓዙን። ብተደጋጋሚ ንየሆዋ ዝባኖም ብምሃብ ንሃይማኖታዊ ልምድታት እቶም ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ተቐማጦ እታ ምድሪ ሰዓቡ።

ብግዜ ነብዪ ህዝቅኤልን ነብዪ ኤርምያስን ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበሩ ብዙሓት እስራኤላውያን: ንሕጊ ኣምላኽ ዕሽሽ ብምባል ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት ስጡም ርክብ መስረቱ። ልምድታቶም ብምስዓብን ኣብ በዓላቶም ብምስታፍን እተሓናፈጸ ሃይማኖት የካይዱ ነበሩ። ብዙሓት እስራኤላውያን: “ከምቶም ህዝብታትን ዓሌታት ሃገራትን: ንዕጭን እምንን ከነምልኽ” ይብሉ ነበሩ። (ህዝቅኤል 20:32፣ ኤርምያስ 2:28) ንየሆዋ ኣምላኽ ነምልኽ ይብሉ እኳ እንተ ነበሩ: ‘ንጣኦታት’ የምልኹን ንደቆም እውን ከይተረፈ ይስውኡሎምን ነበሩ።—ህዝቅኤል 23:37-39፣ ኤርምያስ 19:3-5

ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ነቲ ንእተፈላለዩ ኣማልኽቲ ብሓባር ብምምላኽ ዚግበር ዓይነት ኣምልኾ: ሃይማኖታዊ ምትሕንፋጽ ኢሎም ይጽውዕዎ። ህዝባዊ ወይ ህቡብ ሃይማኖት ከም ዝዀነ እውን ይገልጹ እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ሰባት: እተፈላለየ ጕጅለታት እምነት ኣብ ዘለዎ ሕብረተሰብ ስለ እንርከብ: ኣብ ሃይማኖት ኰነ ኣብ ካልእ ኵሉ ነገራት ሰፊሕ ኣረኣእያ ኺህልወና ኸም ዚግባእ ይስምዖም። ስለዚ: ንኣምላኽ ባህ ብዝበሎም መገዲ ምምላኽ ምንም ጌጋ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም። እዚ ግን ቅኑዕ ድዩ፧ እዚ ተግባር እዚ ጸዋርን ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ዘሎካን ምዃንካ ድዩ ዜመልክት፧ ገለ መዳያት እቲ ኣብቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ዝነበረ ህቡብ ሃይማኖትን እዚ ተግባራት እዚ ናብ ምንታይ ከም ዝመርሖምን እስከ ንርአ።

እተሓናፈጸ ኣምልኾ እስራኤላውያን

ማእከል እተሓናፈጸ ኣምልኾ እስራኤላውያን ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ: እቲ “በረኽቲ” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ ቦታታት እዩ፣ ኣብዚ ቦታታት እዚ መሰውኢታት: ዕጣን ዚዕጠነሉ መሰውኢ: ሓወልታት እምኒ: ካብ ዕንጨይቲ እተጸርበ ሓወልቲ ኣሸራ እትበሃል ኣምላኽ ፍርያምነት ይርከብ ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ይሁዳ ነበረ። ካልኣይ ነገስት 23:5, 8: “ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ የሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ . . . ካብ ጌባዕ [ሰሜናዊ ዶብ] ጀሚሩ ኽሳዕ ብኤር-ሸባዕ [ደቡባዊ ዶብ]” ከም ዝነበረ ይገልጽ።

እስራኤላውያን ኣብዚ በረኽቲ ቦታታት እዚ: ‘ንበዓልን ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይን ይዓጥኑ’ ነበሩ። “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር . . . ኣባይቲ ኣመናዝር” ገበሩ: ከምኡውን ደቆም ‘ንሞሌኽ ኢሎም ብሓዊ ብምሕላፍ’ ይስውእዎም ነበሩ።—2 ነገስት 23:4-10

ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ: ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ብፍላይ ከኣ ኣብ ፍርስራስ ብሕታዊ ኣባይቲ ብኣማእታት ዚቝጸር ምስልታት ረኺቦም እዮም። መብዛሕትኡ እቲ ምስልታት እተጋነነ ኣጥባት ዘለዋ ጥራሕ ነብሳ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ዜርኢ እዩ። ምሁራት እዚ ምስሊ እተን ኣማልኽቲ ምርባሕ ዝዀና ኣስታርተን ኣሸራን ምዃኑ ፈሊጦም እዮም። እቲ ምስሊ “ንጥንስን ንምውላድን ጽቡቕ ፋል” ምዃኑ ይእመነሉ ነበረ።

እስራኤላውያን ነቲ ኣብ ከባቢኦም ማእከል እተሓናፈጸ ኣምልኾ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ቦታታት ብኸመይ ይርእይዎ ነበሩ፧ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እብራይስጢ ዚሰርሕ ፕሮፌሰር ኤፍሬም ስተርን ከም ዝገለጾ: ሓያሎ ኻብቲ በረኽቲ ቦታታት ምናልባት “ንያህወህ [የሆዋ] እተወፈየ” እዩ ነይሩ። ኣብ ስነ-ጥንታዊ ቦታታት እተረኽበ ጽሑፋት ነዚ ኣረኣእያ እዚ ዚድግፎ እዩ ዚመስል። ንኣብነት: ሓደ ጽሑፍ “ብያህወህ ሰማርያን ብኣሸራኡን እባርኸካ ኣለኹ” ይብል፣ ካልእ ጽሑፍ ድማ “ብያህወህ ቴማን ብኣሸራኡን እባርኸካ ኣለኹ” ይብል።

እዚ ኣብነታት እዚ: እስራኤላውያን ነቲ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ኣምላኽ ምስቲ ዜሕፍር ኣረማዊ ተግባራት ብኸመይ ሓናፊጾምዎ ኸም ዝነበሩ ዜረድእ እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ስነ-ምግባራዊ ብልሽውናን መንፈሳዊ ጸልማትን ኣጋጠሞም። ኣምላኽ ነቲ እተሓናፈጸ ኣምልኾ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧

ኣምላኽ ነቲ እተሓናፈጸ ኣምልኾ ዝሃቦ ምላሽ

ኣምላኽ ብነብዪ ህዝቅኤል ኣቢሉ እቲ ሕሱር ኣምልኾ እስራኤላውያን ከም ዘቘጥዖን ከም ዚዅንኖን ገለጸ። ከምዚ ድማ በለ:- “መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኺባድምን ኪዖኑን: ጣኦታትኩም ከኣ ኪስበርን ኪጠፍእን: ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም ድማ ኪፍለጽ: ስራሕኩም ምእንቲ ኺድምሰስ: ንስኻትኩም ኣብ እትነብሩሉ ዘበለስ እተን ከተማታት ኪዖንዋ እየን: እቲ በረኽቲ ቦታታት ከኣ ኪፈርስ እዩ።” (ህዝቅኤል 6:6) የሆዋ ንኸምዚ ዓይነት ኣምልኾ ኸም ዘይቅበሎን ከም ዚነጽጎን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

የሆዋ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዕንወት ከም ዜጋጥም ተነብዩ ነበረ። “ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ግዙኤይ [ኪነቅል ክልእከሉ] እየ: . . . ናብ እዛ ሃገር እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋን ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅላቶም ህዝብታትን ከምጽኦም እየ። ብጥራስ ከጥፍኦም እየ:. . . ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ክትባድምን ክትዖኑን እያ” በሎም። (ኤርምያስ 25:9-11) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ: ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን መጺኦም ነታ ኸተማን ቤተ መቕደሳን ደምሰስዋ።

እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፕሮፌሰር ስተርን: ንጥፍኣት የሩሳሌም ብዚምልከት: እቲ እተረኽበ ስነ-ጥንታዊ ፍርስራስ “ንጹር ነጸብራቕ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ (2 ነገስት 25:8፣ 2 ዜና መዋእል 36:18, 19) ዕንወት: ምንዳድ: ምፍራስ ኣባይትን መናድቕን” ከም ዝዀነ ገለጸ። ወሲኹ ድማ: “እዚ ብዛዕባ ኣብ ታሪኽ የሩሳሌም ዘጋጠመ ዅነታት ዚገልጽ ስነ-ጥንታዊ መርትዖ: . . . ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተጠቕሰ ቦታታት እተፈጸመ ፍጻመታት እቲ ኣዝዩ ዜደንቕ ጌርና ኽንቈጽሮ ንኽእል ኢና” በለ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ

ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ምስ እተፈላለየ ሰረተ-እምነታት: ልምድታት: ወይ ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታዊ ጽምብላት ንምትሕንፋጽ ዚግበር ፈተነ ኸም ዘይቅበሎ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ትምህርቲ እዚ ብንጹር ተረዲእዎ ነበረ። ብሕጊ ፈሪሳውያን እናተማህረን ኣናሰልጠነን እዩ ዓብዩ። የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ ምስ ተማህረን ምስ ተቐበለን ግን እንታይ ገበረ፧ “እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ” በለ። ነቲ ናይ ቀደም መገድታቱ ሓዲጉ ውፉይ ሰዓቢ ክርስቶስ ኰነ።—ፊልጲ 3:5-7

ጳውሎስ ገያሺ ሚስዮናዊ ብምንባሩ ናይ እተፈላለዩ ህዝብታት ሃይማኖታዊ ልምድታትን ፍልስፍናዊ ኣረኣእያታትን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ: ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት: “ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧ ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ አለዎ፧ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ አለዎ፧ ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፧ . . . ስለዚ፤ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር” ኢሉ ጸሓፈሎም።—2 ቈረንቶስ 6:14-17

ኣምላኽ ብኸመይ ከም እነምልኾ ዜገድሶ ምዃኑ ምፍላጥና: ‘ኣምላኽ ዚሰምሮ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ እዩ፧ ከመይ ገይረ እየ ንኣምላኽ ክቐርቦ ዝኽእል፧ ንኣምላኽ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ንምምላኽ ብውልቀይ እንታይ ኪገብር ኣሎኒ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ይድርኸና ይኸውን።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነዝን ንኻልእ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታትን: መልሲ ንኽትረኽበሉ ተሓጕሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዚጥዕመካ እዋንን ቦታን ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረልካ ንምሕታት: ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽትራኸብ ወይ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት ንኽትጽሕፍ ንዕድመካ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቴል ዓራድ: እስራኤል ዚርከብ ንኣምልኾ ጣኦት እተሰርሐ ጥንታዊ መቕደስ

[ምንጪ ስእሊ]

Garo Nalbandian

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጥንታዊ ኣባይቲ ኣይሁዳውያን እተረኽበ ምስልታት ኣስታርተ

[ምንጪ ስእሊ]

Photograph © Israel Museum, Jerusalem; courtesy of Israel Antiquities Authority