ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ማይ

ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ማይ

ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ማይ

“እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና: እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር: ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ: ኢሉ መለሰላ።”—ዮሃንስ 4:14

“ብሃንደበት . . . ሰማያውን ጻዕዳን ዝሕብራ ዕንቊ: ጻዕዳ ሻሽ እተቐነተት ሃሳስ ሰማያዊ ዝሕብራ ዅዕሶ: በብቝሩብ ከም ካብ ሓደ ምስጢራዊ ጸሊም ባሕሪ እትወጽእ ንእሽቶ ሉል ኰይና ተቐልቀለት።”—ኤድጋር ሚሸል ዚበሃል ጠፈርተኛ: ንምድሪ ኻብ ጠፈር ኰይኑ ምስ ረኣያ እተዛረቦ

ፕላነትና ነዚ ጠፈርተኛ ብመልክዕ ግጥሚ ንኺገልጽ ዝደረኾ ድሙቕ ሕብሪ ኺህልዋ ዝገበረ እንታይ እዩ፧ እቲ ንሰለስተ ርብዒ ዚኸውን ክፋል ምድሪ ዚሽፍን ማይ እዩ። ከም ሓቂ: ማይ ንፕላነትና ጽብቕቲ ኽትከውን ጥራይ ዘይኰነስ: ፍጡራት ኣብ ምድሪ ብህይወት ንኪቕጽሉ እውን ይሕግዝ እዩ። አረ ዳርጋ 65 ሚእታዊት ዚኸውን ኣካል ወዲ ሰብ ብማይ ዝቘመ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ እዩ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባ ማይ: “ንህይወት ኣገዳሲ እዩ፣ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርሕ ናይ ኣትክልትን እንስሳታትን ይሳተፍ እዩ” ዚብል።

ሳላ እቲ ስሉጥ ዝዀነ ስርዓተ ዑደት: ኣብ ምድሪ ዘሎ ቐረብ ማይ ኪትካእ ኣየድልን እዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እዚ: “ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ንጣብ ማይ ናብ ውቅያኖስ ትምለስ እያ። ካብኡ እቲ ማይ ብጸሓይ ይሃፍፍ። ድሕርዚ ድማ ብመልክዕ ዝናም ናብ መሬት ይምለስ። ማይ ብተደጋጋሚ ንጥቀመሉ ኢና። ፈጺሙ ግን ኣይውዳእን” ኢሉ ገለጸ። ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር እዚ ፍሉይ መስርሕ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ኸምዚ ተገሊጹ ነበረ:- “ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ: ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልእን። ወሓይዝ ናብቲ ዚኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ።” እቲ ኣብ ምድሪ ዚግበር ዑደት ማይ ኣየ ኽንደይ ዜደንቕ ፍጥረት ኰን እዩ!—መክብብ 1:7

ካብቲ ማይ ንህይወት ዘለዎ ኣገዳስነትን ንፍጡራት ዚቐርበሉ ዜደንቕ መገድን እተላዕለ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 700 ግዜ ተጠቒሱ ምህላዉ ዜገርም ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ማይ ንምንጻህን ህይወት ኪቕጽል ንምግባርን ዘለዎ ፍሉይ ባህርይ: ንመንፈሳዊ ነገራት ንምምልካት ይጥቀመሉ እዩ።—ኢሳይያስ 58:11፣ ዮሃንስ 4:14

መጽሓፍ ቅዱስ ንምንጻህ ዘለዎ ሓይሊ

እስራኤላውያን ወትሩ ብማይ ነብሶምን ክዳውንቶምን ይሓጽቡ ስለ ዝነበሩ: ብኣካላዊ ጽሬቶም ፍሉያት ነበሩ። ምግቢ ንምብላዕ ናብ ቤት ምስ ኣተኻ: ኣእጋርካ ምሕጻብ ልሙድ ነበረ። (ሉቃስ 7:44) እስራኤላውያን ኣካላዊ ጽሬቶም ንምሕላው ጥራይ ዘይኰነስ: ጽምብላዊ ንጽህና ንምሕላው እውን ማይ ይጥቀሙ ነበሩ። ኣብቲ ማሕደር ዜገልግሉ ዝነበሩ ኻህናት ኣዘውቲሮም ነብሶም ኪሕጸቡ: ክዳውንቶም እውን ኪሓጽቡ ነበሮም። (ዘጸኣት 30:18-21) ጸኒሑ ሰሎሞን ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ዚሓቶ ናይ ምሕጻብ ብቕዓት ንኺማላእ ዚሕግዝ ከም ንቡር ልዕሊ 44,000 ሊትሮ ማይ ዚሕዝ “ፍሲ ባሕሪ” ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ሰርሐ። (2 ዜና መዋእል 4:2, 6) ማይ በዚ ኸምዚ ምጥቃም: ሎሚ ንክርስትያናት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ: የሱስ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ “ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ” ከም ዘጽረያ ገለጸ። ልክዕ ከምቲ ማይ ንኣካላት ዜጽሪ: እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ እውን ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን ናይ ምንጻህ ሓይሊ ኣለዎ። እዚ ንጽህና እዚ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ‘ብዘይ መንቅብን ቅዱሳትን’ ከም ዚዀኑ ገይርዎም እዩ። (ኤፌሶን 5:25-27) ስለዚ: ኵሎም እቶም ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽቡ ዚብህጉ ሰባት: ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን” ኪዀኑ ኣለዎም። (2 ጴጥሮስ 3:11, 14) ከምዚ ንኺገብሩ ቓል ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚደልዩ ሰባት ኣዘውቲሮም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር መንፈሳዊ ማይ ኪወስዱ ኣለዎም። እቲ ዝረኸብዎ ፍልጠት ንኣእምሮኦምን ንልቦምን ኪትንክፎ ኸሎ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ: “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ” ብምባል ዝኣዘዞም ንኺገብሩ ሓያል ባህጊ እዩ ዚሓድሮም።—ሮሜ 12:2

ሰባት ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ኪረኽቡ ኸለዉ: ነቲ ኣብ ኣካይዳኦምን ኣተሓሳስባኦምን ዘሎ ርስሓትን ኣበርን ንኼለልዩ የኽእሎም። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ኬውዕልዎ ኸለዉ: ቃል ኣምላኽ ልክዕ ከም ማይ ኰይኑ ኻብ ከቢድ ሓጢኣት እውን ከይተረፈ ‘ንኺሕጸቡ’ ኺሕግዞም ይኽእል።—1 ቈረንቶስ 6:9-11

ኣብ ስጳኛ ዚነብር ሓደ መንእሰይ ዝገበሮ ለውጢ ዚገልጽ ተመክሮ እስከ ንርአ። ኣልፎንሶ: “ወዲ 18 ዓመት ከለኹ: ሓጐስ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ” በለ። ውሉፍ ሓሽሽን ልማደኛ ገበነኛን ኰይኑ ነበረ። ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብቲ ንኣካላተይን ንኻልኦት ሰባትን ዝሕዘሉ ዝነበርኩ ኣገባብ ዝረሳሕኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ።”

“ኣብ ቤት ትምህርቲ: ብንጹህ ትርኢታ ኻብ ካልኦት ተመሃሮ እተፈልየት መሰታይ ኣቢላ እትኸውን መንእሰይ ኣስተብሃልኩ። እቲ ኣብነታ ኣነ እውን ከምኣ ንጹህ ዝዀነ ህይወት ንኽመርሕ ባህጊ ኣሕደረለይ። ነቲ ዘቕረበትለይ ሓሳብ ተቐቢለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚገብርዎ ኣኼባ ተኻፈልኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕን ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክምስርትን ጀመርኩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናብራ ህይወተይ ብምጽራይ እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ። እቲ ዝገበርክዎ ዓብዪ ለውጢ: ብዙሓት ጐረባብተይ ዝነበሩ ወለዲ ነቶም ውሉፋት ሓሽሽ ዚዀኑ ዀተቴታት ደቆም ንኽሕግዞም ክሓቱኒ ደፋፍኦም።”

ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚህብ ማይ

ሓደ እዋን የሱስ ነታ ኣብ ዔላ ያእቆብ ማይ እትወርድ ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ ብዛዕባ “ማይ ህይወት” ተዛረባ። “እቲ ኻብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና: እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር: ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ” በላ። (ዮሃንስ 4:10, 14) “ማይ ህይወት” ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዝገበሮ መሰናድዎታት ከም ዜመልክት: እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ይሕብር፣ እዚ ድማ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ መሰናድዎታት እዚ ሰባት ንዘለኣለም ብህይወት ንኺነብሩ የኽእሎም። ኣገዳሲ ኽፋል እዚ ምሳልያዊ ማይ እዚ: መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ የሱስ እዩ። የሱስ: “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ።—ዮሃንስ 3:16

እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣልፎንሶ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ “ማይ ህይወት” ዝለዓለ ዋጋ ሂብዎ እዩ። ብዛዕባ እቶም ገበን ምፍጻምን ሓሽሽ ምውሳድን ዝቐጸሉ ኺዛረብ ከሎ: “ሓወይን ኵሎም እቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይን ሞይቶም እዮም። ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ካብ ሞት ኣድሒኑኒ እዩ። ሳላ እቲ መንፈሳዊ መሰናድዎታት የሆዋ ብህይወት እነብር ኣለኹ” በለ። ብዘይካዚ እውን ከምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተማህሮ: ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም መወዳእታ ዘይብሉ ዜሐጕስ ህይወት ንምንባር ብሃንቀውታ እዩ ዚጽበ።—2 ጴጥሮስ 3:13

ንዅሉ ሰብ ዝቐረበ ዕድመ

ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ: “ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት: . . . ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ” ዚብል መግለጺ ንረክብ። (ራእይ 22:1) እዚ ዚውሕዝ ማይ: ንህይወት ሰባት ናብቲ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣዳምን ሄዋንን ዜስተማቕርዎ ዝነበሩ ፍጹም ኵነታት ዚመልስ መሰናድዎታት ኣምላኽ የመልክት።

እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ርባ ድሕሪ ምግላጹ: “ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ: ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዚብል ዕድመ የቕርብ። (ራእይ 22:17) ሎሚ እውን እዚ ዕድመ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ይቃላሕ ኣሎ። ኣብ 235 ሃገራት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሰባት ነቲ ህይወት ዚህብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኪወስዱ ንምሕጋዝ ኣብ ዓዓመት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓት የሕልፉ ኣለዉ።

ማይ ህይወት ጸሚእካዶ ኣለኻ፧ ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ማይ ብምውሳድ: እዚ ማለት ከኣ ብዛዕባ ፈጣሪና ትምህርቲ ብምቕሳምን በቲ ዝረኸብናዮ መሰናድዎታት ብምጥቃምን ካብ መንጎ እቶም “ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም [ዚእክቡ]” ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—1 ጢሞቴዎስ 6:19

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ልክዕ ከምቲ ማይ ንኣካላት ዜጽሪ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ እውን ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን ናይ ምንጻህ ሓይሊ ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ቐረብ ማይ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ሰባት ዜተኣማምን ምንጭታት ማይ ንምርካብ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብሩ ነበሩ። ኣብርሃምን ይስሃቅን ንስድራ ቤቶምን ንመጓሰኦምን ዚኸውን እኹል ማይ ንምርካብ ኣብ ጥቓ ብኤር-ሸባዕ ዔላታት ኰዓቱ።—ዘፍጥረት 21:30, 31፣ 26:18

መብዛሕትኡ እዋን: ዕምቈት ዘይብሉ ዒላታት ኣብ ግዜ ሓጋይ ይነጽፍ ነበረ። ዜተኣማምን ማይ ንምርካብ እቲ ዔላ ዓሚቝ ኪኸውን ነበሮ። (ምሳሌ 20:5) ኣብ ላኪሽ ዝነበረ ሓደ ዔላ 44 ሜተር ዕምቈት ነበሮ። ኣብ ጊብዖን ዝነበረ ኻልእ ዔላ ድማ ልዕሊ 25 ሜተር ዕምቈትን 11 ሜተር ስፍሓትን ነበሮ። ነቲ ዔላ ንምዅዓት: 3,000 ቶን ዚኸውን ኣኻውሕ ከተውጽእ የድሊ። እታ ኻብ ዔላ ያእቆብ ማይ ክትወርድ ዝመጸት ሳምራዊት ሰበይቲ ንየሱስ: “እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ” በለቶ። ዕምቈት እቲ ማይ ዚርከበሉ ጽፍሒ ምናልባት 23 ሜተር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዮሃንስ 4:11

ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ኻልእ ምንጪ ማይ ከኣ ሓጽብታት እዩ። እዚ ሓጽብታት እዚ ነቲ ኻብ ጥቅምቲ ኽሳዕ ሚያዝያ ዚዘንም ዝናም ይዓቍር ነበረ። ካብ ኣኽራን ዚወርድ ወሓይዝ ናብቲ ሓጽብታት ንኺኣቱ መትረባት ይስራሕ ነበረ። እስራኤላውያን ማይ ንምዕቋር ዓበይቲ ሓጽብታት ይዅዕቱ ነበሩ።—2 ዜና መዋእል 26:10

ካብ ዒላታትን ሓጽብታትን ማይ ምቕዳሕ እውን ጻዕሪ ዚሓትት ነበረ። ከም ርብቃን ኣዋልድ የትሮን ዝኣመሰላ ኣንስቲ: መዓልታዊ ንስድራ ቤተንን ንማለንን ዚኸውን ማይ ብምቕዳሕ ኣገዳሲ ዕዮ ይዓያ ነበራ።—ዘፍጥረት 24:15-20፣ ዘጸኣት 2:16

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣልፎንሶ ቓል ኣምላኽ ኬካፍል ከሎ