ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንይቕረታ ድሉው ዝዀነ ኣምላኽ

ንይቕረታ ድሉው ዝዀነ ኣምላኽ

ንኣምላኽ ቅረቦ

ንይቕረታ ድሉው ዝዀነ ኣምላኽ

ዮሃንስ 21:15-17

“ዎ እግዚኣብሄር: ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ።” (መዝሙር 86:5) መጽሓፍ ቅዱስ በዘን ልቢ ዚትንክፋ ቓላት ገይሩ: የሆዋ ኣምላኽ ይቕረታ ብምግባር ዝመጸ ለጋስ ከም ዝዀነ የረጋግጸልና። የሆዋ “ኣዝዩ” ይቕረ ኸም ዚብል: እቲ ኣብ ህይወት ሃዋርያ ጴጥሮስ ዘጋጠመ ፍጻመ ብንጹር ይገልጽ።—ኢሳይያስ 55:7

ጴጥሮስ ሓደ ኻብቶም ናይ ቀረባ ብጾት የሱስ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኣብታ የሱስ ኣብ ምድሪ ብህይወት ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ምሸት: ጴጥሮስ ብፍርሂ ተዋሒጡ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጸመ። ኣብ ጥቓ እቲ የሱስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዚፍረደሉ ዝነበረ ኣጸድ: ንየሱስ ከም ዘይፈልጦ ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ: ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ ሰባት ከሓዶ። ንሳልሳይ ግዜ ኣትሪሩ ምስ ከሓዶ ኸኣ የሱስ: “ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ።” (ሉቃስ 22:55-61) የሱስ ምስ ጠመቶ: ጴጥሮስ እንታይ ከም እተሰምዖ ኽትግምቶዶ ትኽእል፧ እቲ ዝፈጸሞ ኸቢድ ሓጢኣት ስለ እተፈለጦ: “ነዚ ነገርዚ ሐሲቡ በኸየ።” (ማርቆስ 14:72) እቲ እተነስሐ ሃዋርያ ንየሱስ ሰለስተ ግዜ ስለ ዝኸሓዶ: ካብ ኣምላኽ ይቕረታ ኺረኽብ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ኣለዎ።

ጴጥሮስ ይቕረታ እተገብረሉ ምዃኑ ንኸይጠራጠር: የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኣዘራረቦ። የሱስ ተሪር ቃል ኣይተዛረቦን: ከምኡውን ኣይኰነኖን። ኣብ ክንዳኡስ: ‘ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ከኣ “እወ ጐይታይ: ኣነ ኸም ዘፍቅረካ: ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ” በሎ። የሱስ ድማ “ዕያውተይ ኣብልዕ” በሎ። መሊሱ ነታ ሕቶ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ደገማ: ጴጥሮስ ድማ ተመሳሳሊ መልሲ ሃበ: ምናልባት እውን ኣትርር ኣቢሉ መሊሱ ይኸውን። የሱስ ድማ “ኣባጊዔይ ሐሉ” በሎ። ድሕሪኡ የሱስ ንሳልሳይ ግዜ “ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧” በሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ጴጥሮስ “ጕህዩ፤ ጐይታይ: ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ አሎኻ: ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ አሎኻ” በሎ። የሱስ ከኣ “ኣባጊዔይ ኣብልዕ” በሎ።—ዮሃንስ 21:15-17

የሱስ ኣቐዲሙ ንዚፈልጦ ነገር: ሕቶታት ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ: ስለዚ ድማ ጴጥሮስ ከም ዜፍቅሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ማርቆስ 2:8) ነዚ ሕቶታት እዚ ብምሕታቱ: ጴጥሮስ ፍቕሩ ሰለስተ ሳዕ ደጋጊሙ ንኺገልጽ እዩ ኣጋጣሚ ሂብዎ። እተን “ዕያውተይ ኣብልዕ . . . ኣባጊዔይ ሐሉ . . . ኣባጊዔይ ኣብልዕ” ዚብላ ቓላት የሱስ: ነቲ እተነስሐ ሃዋርያ ሕጂ እውን እሙን ከም ዝዀነ ኣረጋጊጸናሉ እየን። ከመይሲ: የሱስ ነቶም ፍቑራት ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰዓብቱ ንኺሕሉ: ነቲ ኣዝዩ ኽቡር ሓላፍነት እዩ ንጴጥሮስ ዚህቦ ነይሩ። (ዮሃንስ 10:14, 15) ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ የሱስ እሙን ከም ዝዀነ ምፍላጡ: ብሓቂ ዕረፍቲ ኣምጺኡሉ ኪኸውን ኣለዎ።

እምበኣር: የሱስ ነቲ እተነስሐ ሃዋርያ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ንጹር እዩ። የሱስ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ባህርያትን መገድታትን ኣቦኡ ስለ ዘንጸባረቐ: የሆዋ እውን ንጴጥሮስ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ኽንድምድም ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 5:19) የሆዋ መሓርን “ንይቕሬታ ድልውን” ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ንእተነስሐ ሓጢኣተኛ ይቕረ ንምባል ድሕር ምሕር ኣይብልን እዩ። እዝስ ዜጸናንዕ ሓሳብዶ ኸይዀነ፧