ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኖህን ማይ ኣይህን ሓቂ እምበር: ጽውጽዋይ ኣይኰነን

ኖህን ማይ ኣይህን ሓቂ እምበር: ጽውጽዋይ ኣይኰነን

ኖህን ማይ ኣይህን ሓቂ እምበር: ጽውጽዋይ ኣይኰነን

ሰባት ንሓድሕዶም ብሰላም ዚነብሩላ: ውግእን ገበንን ጭቈናን ድማ ዘይብላ ዝሓሸት ዓለም ክትህሉ ሃረር ትብልዶ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ካብቲ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ እትኽእል ታሪኻዊ ጸብጻብ ምትብባዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ንርእሱን ንስድራ ቤቱን ካብቲ እኩያት ሰባት ዝጠፍኡሉ ዓለምለኻዊ ምዕልቕላቕ ማይ እተድሕን መርከብ ዝሰርሐ ኖህ ዚበሃል ሕያዋይ ሰብ ዚገልጽ ጸብጻብ እዩ።

ከምዚ ዛንታ እዚ ገይሩ ኣብ ኵሉ ዚፍለጥ ካልእ ዛንታ ዳርጋ የልቦን። እዚ ብዛዕባ እቲ ንኖህ ዘጋጠሞ ነገራት ዚገልጽ ጸብጻብ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 6 ክሳብ 9 ዚርከብ ኪኸውን ከሎ: ኣብ ቍርኣንን ኣብ ኣፈ-ታሪኽ ብዙሓት ህዝብታትን እውን ይርከብ እዩ። ማይ ኣይሂ ብሓቂ እተፈጸመ ድዩ ወይስ ሰባት ቅኑዕ ነገር ንኺገብሩ ንምትብባዕ እተነግረ ምሳልያዊ ዛንታ እዩ፧ ስነ-ሃይማኖተኛታትን ተመራመርትን ንዘመናት ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ኺካትዑ ጸኒሖም እዮም። እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግን: እዚ ጸብጻብ እዚ ሓቂ እምበር ጽውጽዋይ ከም ዘይኰነ ብዘየማትእ መገዲ ይገልጽ እዩ። ገለ መርትዖታት እስከ ንርአ:-

ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ: ማይ ኣይሂ ዝጀመረሉ ዓመትን ወርሕን መዓልትን: እታ መርከብ መዓስን ኣበይን ከም ዝዓረፈት: ከምኡውን እቲ ማይ መዓስ ከም ዝነጸፈ ብልክዕ ይነግረና እዩ። ብዛዕባ ኣሰራርሓን ዓቐንን እታ መርከብን ንምስራሕ እተጠቕሙሉ ናውትን ዚገልጽ ዝርዝር ነገራት እውን ብልክዕ ሰፊሩ ይርከብ። ጽውጽዋያት ግን መብዛሕትኡ ግዜ መግለጺኡ ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክልተ ጸብጻባት መስመር ወለዶ: ኖህ ብሓቂ ዝነበረ ሰብ ምዃኑ ይምስክር እዩ። (1 ዜና መዋእል 1:4፣ ሉቃስ 3:36) ነዚ መስመር ወለዶ እዚ ዝጸሓፉ እዝራን ሉቃስን ጥንቁቓት ተመራመርቲ እዮም ነይሮም። ሉቃስ: የሱስ ክርስቶስ ካብ መስመር ወለዶ ኖህ ከም ዝመጸ ሓበረ።

ብዛዕባ ኖህ ወይ ማይ ኣይሂ ዚገልጽ ሓበሬታ ብነብዪ ኢሳይያስን ብነብዪ ህዝቅኤልን ብሃዋርያ ጳውሎስን ብሃዋርያ ጴጥሮስን ተጻሒፉ ይርከብ።—ኢሳይያስ 54:9፣ ህዝቅኤል 14:14, 20፣ እብራውያን 11:7፣ 1 ጴጥሮስ 3:19, 20፣ 2 ጴጥሮስ 2:5

የሱስ ክርስቶስ ንማይ ኣይሂ ብዚምልከት ከምዚ በለ:- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎምውን ኣጥፍኤ።” (ሉቃስ 17:26, 27) ማይ ኣይሂ ዘይነበረ እንተ ዚኸውን: እቲ የሱስ ብዛዕባ “ዘመን ወዲ ሰብ” እተዛረቦ ሓሳብ ትርጕም ዘይብሉ ምዀነ ነይሩ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ “ዜላግጹ” ሰባት ከም ዚመጹ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ። “ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ። እታ ሽዑ [ብግዜ ኖህ] ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ ጠፍኤት” ኢሉ ጸሓፈ። ነዚ ኽንርስዖ ኣሎና ድዩ፧ ፈጺምና ኽንርስዖ የብልናን! ጴጥሮስ ቀጺሉ: “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ: ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ” በለ።—2 ጴጥሮስ 3:3-7

ብሕጂ እውን ኣምላኽ ነቶም እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም እዩ: ሽዑ ድማ ዚድሕኑ ሰባት ኪህልዉ እዮም። ኣብነት ኖህ ብምስዓብ ካብ መንጎ እቶም ናብ ዝሓሸት ዓለም ዚኣትዉ ጻድቃን ክንከውን ንኽእል ኢና።